Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽቡቕ ታሪኽ መዕለሊ ሕማቕ ታሪኽ መምሃሪ – 5ይ ክፋል

ታሪኽ እንታይ ኢዩ? ብዛዕባ ሓበሬታ ክንዛረብ ከለና ሓንቲ ሕቶ ኣልዒልና ኔርና። ንሳ ከኣ “ሓበሬታ መን የንቅሎ” ወይ “ሓበሬታ መን ይሰርሖ” እትብል ኢያ። እቲ መልሲ ድማ ኩሉ ህዋስ ወይ ህዋሳት ዘለዎ ሰብ ኢልና ኔርና። ኣብዚ ሕቶ’ዚ ምሁርን

ታሪኽ እንታይ ኢዩ?

ብዛዕባ ሓበሬታ ክንዛረብ ከለና ሓንቲ ሕቶ ኣልዒልና ኔርና። ንሳ ከኣ “ሓበሬታ መን የንቅሎ” ወይ “ሓበሬታ መን ይሰርሖ” እትብል ኢያ። እቲ መልሲ ድማ ኩሉ ህዋስ ወይ ህዋሳት ዘለዎ ሰብ ኢልና ኔርና። ኣብዚ ሕቶ’ዚ ምሁርን ዘይምህሩን፣ ንእሽቶን ዓብን፣ ምኩርን ዘይምኩርን ዝበሃል የብሉን። ስለዚ ብኣጠቓላሊ ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ፣ ናይ ምግላጽ ተኽእሎ፣ ናይ ምትርጓም ተኽእሎ ኣለዎ ማለት ኢዩ። ታሪኽከ መን ይነድቆ? መን ይጽሕፎ? መን ናብ ሓደ ዝተወሃሃደን ርዱእ ኣቀራርባን ጌሩ ይውድኖ? መልሱ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ኢዩ። ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ወይ ጸሓፍቲ ነቲ ቅድሚኦም ዝሓለፈን ኣብ ዕድሚኦም ዝነበረን ፍጻሜ ብቡዙሕ መጽናዕቲ ካብ ዝረኸብዎ “ሓበሬታታት” በቲ ንሳቶም ዝርድእዎ ተርጉሞም ይጽሕፍዎ። እዚ ንሳቶም ዝእክብዎ “ሓበሬታታት” ካብ ብቕድሚኦም ዝነበሩ ሰባት ዝተጻሕፈ፣ ዝተሳእለ፣ ዝተቐርጸ ወይ ድማ ብኣፍ ዝተመሓላለፈ ኢዩ። ነዚ ከኣ ኢና እኩብ ፍጻሜ ኢልና እንጽውዖ። ግን ሓበሬታ ኩሉ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ድዩ? ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍ ዝረኣናዮ ምኽንያታት ሓበሬታ ኩሉ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን። ስለዚ ምንጩ ቅኑዕ ዘይኮነ ታሪኽ ከመይ ኣቢሉ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ክኸውን። ታሪኽ እምበኣር ድምር ናይ ሓበሬታ (Information)፣ ዝንቡዕ ሓበሬታ (Misinformation)፣ ዝተሰነዐ ሓበሬታ (Disinformation) ኢዩ።

እስኪ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ንምብራህ ሓደ ሓደ ካብቲ ኣብ ካልኦት ህዝብታት ከም “ሓቂ” ታሪኽ ተወሲዱ ኣብ መጻሕፍቲ ከይተረፈ ዝዕለል ክጠቅስ። ኣብ ግዜ ሰውራ ፈረንሳ (1789 – 1799) ኣንጻር ንጉሳዊ ቤተ-ሰብ ብርቱዕ ናይ ህዝቢ ናዕቢ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይገልጹ። ፈረንሳ ኣብ ሓያል ቁጠባዊ ሽግር ስለዝወደቐት ድማ ስእነት ባኒ ነቲ ምንቅስቓስ መሊሱ ነዳዲ ፈንይሉ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ዝነበረት ሰይቲ ንጉስ (Marie Antoinette) በቶም ሰልፊ ዘካይዶ ዝነበሩ ህዝቢ ተጨኒቓ፣ ስለምንታይ ኣድማ ይገብሩ ከምዝነበሩ ሓቲታ ይብሃል። “ባኒ ስኢንና ኢሎም ኢዮም” ዝብል መልሲ ምስ ተወሃባ “ስለምንታይ ባኒ እንተስኢኖም ኬክ ዘይበልዑ” ከምዝበለት፣ ንነዊሕ ዝኸደ ናይ ሓሶት “ታሪኽ” ኣሎ። በዚን ካልእ ናይ ሓሶት ክስን ተኸሲሳ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ምስ ሰብኣያ ንሞት ተፈሪዳ። ኣብ ብዙሕ ናይ ሸቃሎ (ጸጋም) ኣተሓሳስባ ዘንበድብዱ መጻሕፍቲ ከኣ ክሳብ ዕለተ ሎሚ ትጽሓፍ ኣላ። ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ነዛ ሓበሬታ እዚኣ ከእምን ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ጭብጢ ከምዘይረኸቡ ኢዮም ዝእምቱ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ብንጉስ ኣርተር ዝፍለጥ ኣብ 6ይ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ሰብኣይ ኣሎ። ብዛዕብኡን ንሱ ፈጺምዎም ዝበሃሉ ጅግንነትን ንኣማኢት ወለዶታት ዝሓለፈ ታሪኽ ኣሎ። ንጉስ ኣርተር ኣንጻር እቶም ብሳክሰን ዝፍለጡ ካብ ሰሜን ኤውሮጳ ዝመጹ ወረርቲ፣ ወተሃደራቱ ኣዕጢቑ ዝተኸላኸለ ሓያል ተዋጋኢ ከምዝነበረ ኢዩ ዝዝንቶ። ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ብዛዕባ ወረራ ናይ ሳክሰን ዝገልጽ፣ ኣብ 500 ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ዝተጻሕፈ መጻሕፍቲ ስሙ ጨሪሹ የለን። ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ናይቲ ፍጻሜ ግን፣ ብሓደ ብሪጣንያዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ኣብ 12 ውግኣት ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ፣ መብዛሕትኡ ካብ ግጥምታት ዝተወስደ መጽሓፍ፣ ኣርተር ከም ጅግና ተጠቒሱ ኣሎ። ይኹን እምበር ናይ ዘመንና ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ኣይኮነን’ዶ 12 ውግኣት ክዋጋእ ከም ሰብ ምንባሩን ዘይምንባሩን እኳ መረጋገጺ ክሳብ ሕጂ ኣይረኸቡን። ስለዚ ገለ ሰባት ጽውጽዋይ ኢዩ ክብሉ ከለዉ ገለ ድማ ህያው ዝነበረ ሰብ ኢዩ ይብሉ። በቲ ኢልካ በቲ ግን ንኣማኢት ዓመታት እዚ ታሪኽ እዚ “ሓቂ” ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ።

ካብ ፖለቲካ ወጻኢ ሓንቲ ኣብነት- ኣብ 4ይ ክፍሊ ከለኹ ሓንቲ ዝፈትዋ ሕቶ ኔራ። “ንኣመሪካ መን ረኺብዋ?” ትብል ኢያ። ክሪስቶፈር ኮሎምባስ ምዃኑ ተጠራጢረ ኣይፈልጥን። ኮሎምቦስ ካብ ኤውሮጳ ተበጊሱ ኣብ 1492  ኣብ ባሃማስ ዝበሃል ቦታ ወሪዱ ንኣመሪካ ንመጀመርያ ግዜ ከም ዝረኸባ ኣብ ትምህርቲ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ትምህርቲ ጂኦግራፍ እውን ዘይተማህሮ ሰብ የለን። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብተመራመርቲ ታሪኽ ብዝተረኽበ መጽናዕቲ ግን፣ ኣመሪካ ቅድሚ ኮሎምቦስ ሚልዮናት ዓመታት ሰባት ይቕመጥዋ ከም ዝነበሩ፣ ቅድሚ 12, 000 ዓመታት ኤስያውያን ከምዝበጽሕዋ፣ ኤሪክ ዘ ሬድ ዝበሃል ኤውሮጳዊ 492 ዓመታት ቅድሚ ኮሎምቦስ ኣብ ኣመሪካ ከም ዝወረደን፣ ኣብ 600 ቅ.ል.ክ እውን ከይተረፈ ካብ’ዚ ሕጂ እስራኤል ዝበሃል ዘሎ ቦታ ነቒሎም ንኣመሪካ ከምዝበጽሑ ኣርኮለጂካዊ ሓበሬታ ከም ዘሎ ተመራመርቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ካብዚ ኣብነታት’ዚ እንመሃሮ ነገር እንተልዩ፣ ከም ሓቂ ተቖጺሩ ንዓመታት ዝኸደ ታሪኽ፣ ኣብ ሓደ እዋን ሓሶት ኮይኑ ክጸንሕ ከምዝኽእል ኢዩ። ስለዚ ኢዩ እምበኣር ታሪኽ ኣብ ቀጻሊ መጽናዕቲ ዝርከብ።

ከመይ ጌሩ ግን ሓሶት ፍጻሜ ናብ ታሪኽ ይምዕብል? ወይ ድማ ሓቂ ፍጻሜ ካብ ገጽ ምድሪ ይጠፍእ። እስኪ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምብራህ ናብቲ ክሳብ ሕጂ ብልምዲ “ታሪኽና” ኢልና እንሕበነሎም ኣብ ሰለስተ ነንበይኑ እዋናት ዘጋጠሙ ፍጻሜታት ከም ኣብነት ንርአ።

ቅድምን ድሕርን ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት/ህዝባዊ ግንባር፣ እድሪስ ዓዋተ ብኸመይ ይግለጽ ኔሩ? ቅድሚ ጉባኤ ጥሪ 1977፣ ኣባላትን ሓፋሽ ውድባትን ናይ ህዝባዊ ሓይልታት ብዕሊ እድሪስ ዓወተ “ሽፍታ” ከምዝነበረን፣ “ጀማሪ ሰውራ” ምባል ከኣ ላግጺ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ምዃኑን ሰቢኹን ጎስጉሱን ኣእሚኑን። ኩሎም እቶም በዚ ኣስተምህሮ ዝዓገቡ፣  ንከምኦም ዝኣመሰሉ እንዳመሃሩ ከም ሓቀኛ ታሪኽ ኣሚኖም ንገለ ዓመታት ተጓዒዞም። ድሕሪ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ሓደ ፖለቲካዊ ውሳኔ ወሲዱ። ንሱ ድማ “ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ፈላሚ ሰውራ ምዃኑን፣ ኣብ ኣዳል ናይ መጀመርታ ጥይት ዝተኮሱ ንሱን ሰዓብቱን ምዃኖምን” ብዕሊ ኣውጁ። ኣብቲ ሽዑ ሓራ ዝወጻ ከተማታትን ገጠራትን፣ ሓደ መስከረም ከም እውጅ በዓል ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንኽትከውን ድማ በቒዓ። ብመሰረት እዚ ፖለቲካዊ ውሳኔ ድማ እነሆ ክሳብ ሎሚ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ብዘይ ዝኾነ ውድባዊ ጸግዒ ትበዓል ኣላ። እስኪ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና፣ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ናይ ቅድሚ ጉባኤ ዝነበረ ውሳኔኡ ክሳብ ናጽነትን ድሕሪኡን ቀጺሉ “እድሪስ ዓዋተ ሽፍታ ኢዩ ኔሩ” እንተዝብለና፣ ኣየናይ ታሪኽ ሓቂ ምኾነ? እንድዒ።

ኣብ 1984 ኣባላት ኮማንዶ ህግ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምእታው “30 ነፈርቲ” ኣቃጺሎም። እንደገና ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ ንካልኣይ ግዜ ንመዐርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምጥቃዕ “44 ነፈርቲ” ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌሮም። ስለዚ ብጠቕላላ “74 ነፈርቲ” ኣዕኒዮም ማለት ኢዩ። እዚ ፍጻሜታት’ዚ ብድምጺ ሓፋሽን ናይ ሽዑ ጋዜጣ ህግ ሰሚዕናዮ። ኣብቲ ብሰለሙን ድራር፣ ብተኸታታሊ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዝወጸ ጽሑፍን፣ ኣብ መጽሓፉን ኣንቢብናዮ። እዚ መጽሓፍ እዚ ግን ኣብታ ቀዳመይቲ ፍጻሜ ጥራይ ኣተኩሩ ኢዩ ተጻሒፉ። ሓቂ ድዩ? እንድዒ። ገለ ሓቕታት ኣለዎ’ዶ? ምናልባት። ዝዘንበዐ ሓበሬታ ድዩ? ብርግጽ። ዝተሰነዐ ሓበሬታ ድዩ? እንድዒ። ከነረጋግጾ ንኽእል ኔርና’ዶ? እወ። ስለምንታይ ደኣ ዘየረጋገጽናዮ? ሓያላት ከልኪሎምና። ኣብ ታሪኽና ከም ሓቂ ድዩ ክስነድ ከም ሓሶት? እንድዒ።

ጉጅለ 15 ዘልዓልዎ ሕቶ ዲሞክራስያዊ ኢዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ብቃላቶም ኣብ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ጽሒፎምን ተዛሪቦምን ኢዮም። ብመጠኑ ከኣ ንዝፈልጥዎም ሰባትን መሳርሕቶምን ሕቶኦም እንታይ ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ህዝብን መንግስትን ዓው ኢሎም ዳሕዲሖሞ ኢዮም። ስለዚ በቲ ዝሰማዕናዮን ዘንበብናዮን ሕቶኦም ወይ ጠለቦም “ዲሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ኤርትራ ይተኸል” ዝብል ከም ዝነበረ ብዘይካ ፈሊጡ ዝደቀሰ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ይፈልጥ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ክልተ ትዕዝብቲ (Scenario) ንስኣል። ሓደ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ እዋን ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት እንተዘይነብራ እሞ ነቲ ዝበልዎ ብዝኾነ መንገዲ እንተዘይንሰምዖ። ካልኣይ ኢሳያስ ወይ ህግደፍ ከሎ ገና ምትእኽኻቦም ፈሊጡ፣ ብስርቂ ከሲሱ ኣብ ቀይዲ እንተዘእትዎም። ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ቢትወደድ ኣብራሃን ኤርምያስ ደበሳይን ካልኦትን ዝተወስደ ስጉምቲ ማለት ኢዩ። ሓንቲ ካብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኩነታት እንተዝማለኣ ኔረን፣ ክንደይ ካባና ኢና እዚ ሕጂ ዘለና ስእሊ ጉጅለ 15 ዝህልወና? ኣይኮነን’ዶ ከይነገሩና ሓሊፎምስ ነጊሮምና ከለዉ’ኳ ብኽድዓት ዝኸሰስናዮም ብዙሓት ኢና። ኣብ ታሪኽ ብኸመይ ኢዩ ክስነድ? እንድዒ።

እምበኣር ታሪኽ መወዳእታ ዘይብሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻሜታት ኣለዎ። ናትና ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ህዝቢ ዓለም። ኣብ ስርዓተ ሓበሬታ ንጭብጢ (Evidence) ብዝምልከት ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ኸኣ ከምዚ ይብል “In the absence of hard evidence soft evidence prevails.” ኣብ ብመርትዖ ዝተሰነየ ሓበሬታ (ጭብጢ) ዘይብሉ ቦታ ወይ ኣእምሮ ቤላ ቤለው ኢዩ ዝዕወት ወይ ዝመርሕ። ኣብ ኤርትራ ሓደ ካብ ዓበይቲ ጸጋማትና ከኣ እዚ ኢዩ። ብዝተጨበጠ መርትዖ (Hard Evidence) ዝተሰነየ ወግዓዊ ህዝባዊ ጻብጻብ የብልናን። ስለዝኾነ ከኣ ካብ ንእሽቶ ክሳብ እቲ ዝዓበየ ሃገር-ለኸ ዕላላት ኣከራኸርቲ (Disputed) ኢዮም። ንኣብነት ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ኢዩ? ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣማኒ ክርስትና ኢዩ? ክንደይ’ከ ኣማኒ ምስልምና? ነፍሲ ወከፍ ብሄር ክንደይ ምእታዊት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኢያ?  ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይን ኣበይን ብበዓል መንን ተጀሚሩ? ቁጽሪ ስዉኣትና ክንደይ ኢዮም? ክንደይ ካብ ህግ? ክንደይ ካብ ተሓኤ? ክንደይ ካብ ካልኦት ውድባት? ክንደይ ናይ ውግእ ስንኩላን ኣለዉና? መራሕትና እንታዎት ኢዮም? መን፣ እንታይ ክእለት ኣለዎ? መን፣ እንታይ ኣበርክቶ ጌሩ?…ወ.ዘ.ተ. እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ኩሉ እቲ ንፈልጦ ዝመስለና ከኣ ብተራ ዕላል (Soft Evidence) ዝተሰነየ ኢዩ።

ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓታት ዝመሓደሩ ህዝብታት 10% ሓቂ ክትረክብ እውን የጸግም ኢዩ። እቲ ዝበዘሐ ነቲ ውልቀ-መላኺ ከነውር ይኽእል ኢዩ ዝበሃል ዶኩመንትታት ናይ ምርካቡ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ ኢዩ። ነቲ ናይ ፕሮፖጋንዳ መሳርሒ ባዕሎም ስለዝውንንዎ፣ ዋላ ፈጺሙ ዘይተገብረ ታሪኽ ክሰርሑ ጸገም የብሎምን። ስለዚ ኣብ ታሪኽ ዝተሰነዐ ሓበሬታታት እውን ምሕላፉ ኣይተርፎን ኢዩ። ዝዘንበዐ ሓበሬታ ምርካብ ብዙሕ ኣይመዛረበን። ምኽንያቱ ሰባት ብባህሪና ንነገራት ብማዕረን ልክዕን ክንዕዘብ ወይ ብማዕረን ልክዕን ክንገልጽ ጸገም ኣለና። ሓበሬታ ደይ መደይ ኢልካ ክትስንዕ ግን ናይ ባህሪ ሽግር ዘይኮነ ናይ ረብሓ ሽግር ኢዩ።

ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ክምልስ ክፍትን ኢየ። 1. ኣብ ሓደ ህሞት ዝወዓሉ ዝበሃሉ መን ኢዮም 2. ስለምንታይ ሚዛናዊ ታሪኽ ብዝወዓሉ ሰባት ዘይጽሓፍ 3. መርትዖ (evidence) ማለት እንታይ ኢዩ 4. ርኢቶይ ብዛዕባ ዕላል ተስፋይ ተምነዎን ነቐፍቱን

ይቕጽል…

ጸጋይ ገብረሂወት
tgbokru@yahoo.co.uk

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Stefanos Temolso July 3, 2013

    Brother Tku’e, Again we thank you very much for your very informatic article. It is much better to read such articles as yours instead of fruitless articles that people use to attack each other. I hope specially the Young generation will learn a lot from your articles. I advise them to copy and paste all of Your articles and read them many times so that they seep into their mind.

  • Obahara July 3, 2013

    Teshamo Eritrean for Democracy and Justice : Owner : Teshamo2012

    Senafe bela: lomi si nkulen bherat hagerat kitgebrwen ekum

    um_reetal: let us go back to our tribes

    messanger1: haymanoten poletican kifelale alewo

    Abidara: ezi kinkewun ena do ezi kingebir eyna kab mibal : entegeberkum yehayesh:: kula neni wegena wuchich kitbl endhr koina : hager tibahal kaa chaw kitbluwa teqerebu!

    Abidara: The Recognized Ethnic Greoups Of Eritrea Are : TigriNa, Tigre, Saho, Blien, Nara, Kunama, Hdareb, Afar, And Rashayda! New Creations Are None Of Eritrean’s Business!

    KidaneZ: Abidara: you are no one for that business!

    Abidara: Eritrea Will Not Have Manufactured Identity!

    messanger1: kula abekekebda zela endawxet, Esayas tibel

    KidaneZ: Abidara: Manufactured like you will have no place in democratic Eritrea.

    um_reetal: let us explain ewa why you have to close it we were waiting for long time

    Abidara: Kab Maas Jeberti Bihere TigriNa Aykonun Tebahilu : Bi Men Ke Eyu Tebahilu?

    messanger1: ne bher bher zebelo entay yu, ya nera ta hito

    KidaneZ: Anta Abidara: who are you my friend to question? What is your problem?

    KidaneZ: slemntay wehabi do tewahabi ilka kglez tedelyu:: slemntay kem ktee zeywsed

    Abidara: Manufactured identities, manufactured politics, manufactured wars and all the rest of it are the diseases that are eating the Eritrean people from within and without!

    Abidara: I think people have been made to believe that their toys were not really toys but cows that may one day bear children and give plenty of milk.:-)

    Abidara: Those who claim that the Jebertys are an ethnic entity separate from the Tigrina group from which their ethnic stock, language, culture, and habitation have nothing to justfiy it with except through their religion and religion is not ground for ethnic identity!

    KidaneZ: why do we need to be called bher in the first place?

    Abidara: Ignorance is not ground for trying to justify wether or not the Jebertis of Eritrea and not of Tigray, are an ethnic group!

    KidaneZ: Abidara: I am sure you are more Tigray than anyone else in Eritrea

    Abidara: Does any Eritrean Jeberit know if his kin in Tigray want to be an ethnic group separate than the Tigrayans?

    blessed269: JEBERTI TIGRINA EYU

    KidaneZ: Abidara: ask you father

    Abidara: There was no such thing as a Bihere Jeberti since the creation of Eritrea and that is where it begins and ends!… Identity crisis ridden cowards can’t get what they want because they just sow that which was not and try to reap. Just manufacture things and do business for your name, fame, or belly!… Peaple are trying to run away from their own human self; what a pathetic manufactured dilema this is!

    Abidara: Isaias is exterminating Eritreans without regard to religion, region, ethnicity. Meanwhile, those who are opposing him are talking about what they want to be called and how they want to be treated after the death and destruction of the Eritrean people! Useless nothing that can neither deliver itself nor others from the grips of death!

    Abidara: Kulu Eritrawi Tebedilu Iyu Bi Aremienawi Mengisti Isaias! Wedi Aayni MaAar Zibhal Yelen Bijeka WutsuE Hzbi Eritra!… Kihtet Zeydeli Ento Alo : Kihatit Kea Yeblun!

    gebha_2: This has been our belief in 1999 brov …….not any longer as by now we believe everyone can see hgdf is the enemy ….no need to claim you are the only one to feel the pain.

    Abidara: Shigr Nai Beyney Aloni Zibl Ente Halyu : Nibeynu Koinu Shigru Yeftah… Hade Ab Etobia Hade Ab Eritra Koinom Wuchich Ente Abelukhum : Ni Moma Etobia Eykhum Shigrkum Kitfethalkum: Wuchich Tiblu Zelekhum 🙂

    bob_22_1: abidara,,,,,,mis wedi medhin berad adka kitkeyid eka ,,,,,,,,

    Abidara: Bob_22_1, Just wait for DIA and his Ugum Cabal To Join You With Your Weyane Papa… That is a good question, especially when there was no such a thing called Bihere Jebrti before it was manufactured for reasons only known to those who one day woke up and decided to call themselves Bihere Jeberti!

    KidaneZ: the issue of bher is REPRESENTATION and Right to equal PARTICIPATIONA and no hypocricy like telling them tigrinja and denying them every right.

    Abidara: Put whatever you want on your person but that will not change your human identity!

    debena2: Abidara, if i tell you isias is a jeberti, will that make you change your attitude towards them?

    KidaneZ: antum sebat: wanatat Jeberti ab zeyblu afkum zihabekum aytizarebu… ab zeytifeltwo guday hatewtew aytibelu bejakhum… guday jeberti wanatat alewuwo gidefu ab zeytifeltwo aytihawtitu bdihrioom

    Abidara: Nobody has an issue with Jeberti except that they are what they were : TigriNa Speaking Moslims; TigriNa is both a language and an ethnic identity in Eritrea which are of same ethnic extration with both those Jeberti Tigrayans and Tigrayans of the Christian faith in Etobia!… Himam Dhar Ni Dihrit Tray Eyu Hizuka Shelow Zibl!

    temesgen_7: … Jeberti Christian znebere haimanotu zkeyere iyu meriet alewo eti Eritrawi Jeberti “Nebarai” eyu zbehal

    Abidara: Silemintay Iya Eza Bihere Jebrit Tibl Qal Qidmi Gedli Mimts’au Zeyneberet?

    debena2: Abidara, The nation of Jeberti existed prior to the creation of the state of Eritrea.

    Borat_001: debena all biher existed b4 the state eritrea

    Abidara: Christian and Moslem Sahos idenitfy themselves as Sahos and so the Jebritis should do!

    KidaneZ: because A accepts to be B, so C must accept to be D is an imposition = mimingag bhayli

    Abidara: Debena2, the nation of Jebriti was no nation before the advent of Islam while others were!

    iron dome_1: Abidara, Sahos they have the same culture and tradition and language eko , jeberti dont have their oun culture or traditon or language what is the clasification to name Jeberti as Biher then

    Target_Er 01: gega, jeberti problem were before hgdef

    SLEMINTAY: ab gebha khe ayneberen diyu gebha 9 bherat tibldo ayneberetn diya?

    Abidara: The Jeberty issue is a religious issue and they should come out straight and say so instead of beating around the bush and see what they can get from whoever they are asking recognition from!

    debena2: Abadira, Bingo. i think you have to leave with it. Tigringa and Jeberti are NOT the same.

    Abidara: Jeberty is an identity that emanates from Islam and nothing else! The stock is TigriNa while the religion is Islam and that is the short and the long end of it!

    KidaneZ: Abidara: I know who you are so stop your neger mixihtar

    gebha_2: True but do they stop there ? Let’s take isues in the context of our experience and what follows what… no body had question what they call themselves dear.

    Abidara: Where do you put the limit of claiming to be an ethnic group and on what ground? If anyone wants to be identitied as this or that in contradiction to what has been accepted by societies, then, anyone can call themselves a Biher and let chaos rule the day!

    debena2: Abidara, you are the one streaching it. who are you to name and shame. if a group of people identify themselves as a nation of jeberti you don’t have any other choice but to accept.

    Abidara: Let everybody believe in whatever they want and justify it through legal and appropriate channels and in due time. Failing that, let chaos reign and let everyone get what they want throught their heads, hearts, and guts if they have any that could bring about what they want!

    messanger1: every thing has its concequence.

    Abidara: Eritrea will go to moma Ethiopia because Eritreans are crying for Isaias to recognize them as this or that or else they will rebel. The problem is that they don’t have what it takes to get what they want! Eritrea can go join her Moma Ethiopia and let everyone get what they want from there since they can’t get what they want by themselves from her son DIA coming to ruin Eritrea without discrimination!

    abu ashera_2: … btemekurona nmahar nay habar temokuro alena ab shartr mhznet nay bihier ksab tenexlo sle zferemna nayzi giegazi ksab hji enklil yeblena alo yehwat hjike kngage dina?

    Peace And The End ! 🙂

  • Dawit Meconen July 3, 2013

    It is absolutely true that EPLFs entered Asmera Air Port and burned the War planes. Recently, surrepititious innuendos are underway underwitten by woyane to infect the Eritrean youth with self-doubt about his/her history, heritage etc. Tesfai Temenewo is one of those paid agents woyane is using. Reject them all!!

    • Dr Kibrab July 3, 2013

      Hi Dawit.
      How do you confirm that? we all heard the EPLF entered Asmara airport and burned 30 planes in 1984. But how do you confirm the EPLF burned 30 aircraft unless we have a proper research. I am sure it was disinformation. how on earth did Ethiopia had 74 planes in Asmara? However it helped to raise the morale of our people. But we don’t need such absurd disinformation to be recorded in our history. We must have a truth history.

    • MightyEmbasoyra July 4, 2013

      Dawit,
      I hate to say that but I disagree with you on Tesfay T. If you listen to what he was saying, he just put it as it was and didn’t provide anything how he was feeling or ideas. He was telling us judge for yourself. Why would you think he is a paid agent.
      I think he deserves more respect than anyone I have listen/read any articles. This guy is modest and very humble.
      He was telling us the truth and sometimes the truth hurts. Please, do not tarnish his name because he doesn’t deserve it. He was not afraid to say it as it was. Unless we are facing the truth, there is no way to fix our problems.
      Come on, don’t be biased.

    • Berhe July 4, 2013

      @Dawit
      Who told you wedi Temnewo is a paid agent? If you believe Adhanom why you could not believe Wedi Temnewo and vise versa. If you read Tsegay’s article from part 1, he is telling you how information can be distorted or suppressed. So without having concrete information on hand you can’t blame some one as a paid agent. However it is your absolute right to agree or disagree with the contents of every thing. Remember how Isaias’ regime paint G15 with treason.

  • Selam July 3, 2013

    Tsegay! you show once again your marvelous stand against the dictatorship and I urge every one to follow you. You taught us how history is written. Many of us believe that all history is right. unfortunately it is not. However I don’t agree with your assertion that the EPLF commando did burn 74 aircraft. There is no doubt about this. In deed the EPLF commando did burn 30 aircraft not 74. I don’t know where you get this. Please forgive me if I am wrong. But as far as I am concerned no one said 74 aircraft were burned in Asmara. You can listen to wedishawl’s song if you want. The rest of your article is brilliant.

    • fithawi July 3, 2013

      Selam,
      I guess you missed some infirmation. Tsegai has put it properly. Please let him finish.
      Myself, I remember the very hour the news by dimtsi-hafash broadcasted. Soon after several weeks of the first scenareo of claim that 30 war planes destroyed, another claim of 40+ followed. But, I am not saying the news was wrong or right.
      With due respect.

  • Dr Kibrab July 3, 2013

    Well said Tsegay. Very interesting and every one needs to read. Your scientific analysis is clear and concise. I cannot wait to read your next part of your article. Well done Tsegay.

  • MightyEmbasoyra July 4, 2013

    Remember few yrs ago, the useless, ruthless, heartless, brainless isayas said? Man makes history. When he said that I think he was thinking he was telling us he was fabricating history.
    Isayas can only fool idiots – people like Gidewon, sophia and meskeremnet owner and the other mhurat mahayms.

  • Lemlem sweety July 4, 2013

    Anta Tsegay. niska ke dehan do ayneberkan. meas deA kemzom agame tekeyrka. dedhri adgi zkede trat adgi lemede koynu negeru. bejaka nab lbka temeles. kab nkhatn snAtn mbal yhsheka.

    • fithawi July 5, 2013

      Lemlem kemaalki.
      Nay adgin tiratin do amtsiki,
      Kedem bigizie dergi ne’mhara “adgi” enabele eyu seb zishimtitom zinebere. Weyom ab Eritrea newih ametat zigeberu amharu silezifeletuwa, eta adgi tibil kal tsegem kitfetir jemeret. Etom ezi zesekefom harestot ab wetehaderat zelewuwo bota neta adgi tibil kal “LEMLEM” bizibil kal keyirom ezarebula nerom. Gele kabten kedem shim zikeyera aedug adina, mis gizie maebilen ab internet kitsihfa jemiren’s entekone gin ab kindi lizib zibla Hisum enatenaDaha seb ashegiren yibahal. Gele dahayen do yihiliweki habirna ageb kinibllen? Wedahanki

      • MightyEmbasoyra July 6, 2013

        Fithawi,
        Great statement on Lemlem! Funny with very rich content 🙂

    • tekeste July 6, 2013

      If you read it with open mind, you would learn a lot from this excellent article.

  • Yosief July 5, 2013

    Lemlem men iyu eti adgi tblyo zeleki ntsegay trat zmharo. Anes nski wey nska keytkewn. Please read and learn. You are lucky it is written in tigrina.

  • Teklu July 7, 2013

    Fantastic article. keep writing buddy.

Post a Reply to Berhe Cancel Reply