‘ኣራብሳት’ 14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብብ ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ተኣዚዙ።

 

ግብጻዊ ኦፕሬተር ሳተላይት ፡ ‘ኣራብሳት’ ን14 መስመራት ቴለቭዥን ሊብያ ደው ከብለን ብናይ ካይሮ ቤትፍርዲ ከምዝተኣዘዘ ‘ራፒድ ቲቪ ኒውስ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።


እቲ ቤርፍርዲ ነዚ ስጉምቲ ‘ዚ ዝወሰደ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሊብያውያን ዜጋታትን ተበቓታትን፡ ሙዓመር ኣልቓዛፊ ነተን ናይ ቴለቪዥን ቻነላት ብምምዝማዝ ኣንጻር እቶም ተቓወምቲ ጽልእን ህውከት ኣብ ምልዕዓል ይጥቀመለን ምህላዉ ድሕሪ ዘቕረቡዎ ክሲ እዩ።

 

እቲ ኣብ በንቓዚ ዝመደበሩ ሃገራዊ መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተቓዋሚ ሓይሊ፡ ናይ መንግስቲ ሊብያ ቻነላት ቴለቭዥን ደው ክብላ ብተደጋጋሚ ክሓትት ኳ እንተጸንሐ ኣይሰለጦን።

መሰጋገሪ ቤትምኽሪ ሊብያ፡ ስርዓት ሙዓመር ኣልቓዛፊ፡ ነቶም ተቓወምቲ ሓንሳብ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ግብረሽበራውያን እናበለ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ኸኣ ካብ ቤንቓዚ ናይ ክርስትያን ሚስዮናውያን መልእኽታት የተሓላልፉ ኣለዉ ብምባል፡ ካብ ህዝቢ ከነጽሎም ከምዝፈተነ፡ ብሰንኪ እዚ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ’ዚ ሊብያ ዳርጋ ኣብ ክልተ ከምዝተመቕለት’ውን የብርሁ።

መንግስቲ ግብጺ ብወግዒ ምስ ምስ ተቓወምቲ ወይ መንግስቲ ሊብያ ኣይወገነን፡ እንተኾነ፡ ቀረብን መሳለጥያታትን ንተቓወምቲ መታን ክበጽሖም ዶባቱ ኣይዓጸዎን።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ መራሒ ሊቢያ ሙዓመር ኣልቓዛፊ ስልጣኑ ሓዲጉ ካብታ ሃገር ክወጽእ ምቅርራብ ይገብር ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።

ብወገን ምዕራብ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ቐዛፊ ዓወታት ብምምዝጋብ ናብ ትሪቡሊ ገጾም ይግስግሱ ከምዘለዉ ‘ውን ይንገር።

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>