ስደት ግና ካብ ነባሪ መፍትሒ ምንዳይ፡ ናብ ካልእ መንገዲ ኣላጊሱ ንግዜኡ’ኳ እንተ ኣተዓሻሸወና፡ ንሓዋሩ መፍትሒ እንተ ዘይተገይርሉ ኣብ መንገዲ ብርሰት’ዩ ዝመርሓና ዘሎ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ሓደ ካብቲ ንሃገራዊ ስምዒት ክሃሲ ተባሂሉ በዚ ውልቀ-መላኺ ዝተኣታተወን፡ ኮነ ኢሉ ወግሐ-ጸብሐ ካብ ዝነበሮ ንኽገድድ ዘጥዓዕመሉ ዘሎን ሕ-ሰባዊ ሕማማ እዩ። እቲ ዝደለ ውጺኢት ምብትታን ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ንስልጣኑ ከናውሕ ክብል፡ ምብትታንን፡ ሕድ-ሕድ ምግርጫውን ዘይምስምማዕን ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ዝሰርሓሉ ዕላማ ምዃኑ፡ ብፍላይ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ዘይፈልጦን ዘይተረድኦን ኤርትራዊ ዜጋ ኣሎ ኣይብልን። ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ እቲ ተካኢ ወለዶና ይበታተን ኣሎ። (እዚ ኣርእስቲ’ዚ ድሕሪ ሃገራዊ ነጻነት ዝስዓበ ስደት፡ ዘኸትሎ ዘሎ ጉድኣት ጥራይ ይምልከት።)
“ኤርትራዊ ዜጋ ብውልቀ እንተ ዘይተሰደደ ብጅምላ እውን እንተኾነ ኣብ መሬቱ ጢዒምዎ ክነብር የብሉን። ካብ መሬቱን ዝዓበየሉን ከልግስ ክስደደ ክግደድ ኣሎዎ’ዩ” እቲ ድሌት፡ ውልቀ-መላኺ። ነዚ ድሌት’ዚ ንምርዋይ ከኣ፡ ሕማም ስደትን ብተወሳኺ ከኣ ብዓመጽ መሬት ዓደ-ኣቦ ምልቃቕን ብኹሉ ዓይነትን ኣጋባብን ሽርሕን ከምዝተኣታቶ ገይርዎ። እምበኣርከስ ገምጋም’ዚ 20 ዓመታት ነጻነት’ዚ፡ ውልቀ-መላኺ ንህዝብና ኣብ ሃገሩን ኣብ መሬቱን ከንብርዎ ዘየኽእሉ ጠንቅታት ምሂዙ ሰረቶም ብምድልዳል፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ንሃገሮም ዝጸልኡላ መደባት ክምድምድ ዝጸዓረሉ ዓመታት እዩ።
ስደት፡ ኣብ ዝዓበኻሉ ስፍራን መሬትን ከንብረካ ዘይክእል ኣዛናባሊ ተርእዮ ካብ ኮነ፡ ውልቀ-መላኺ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር እውን ስደት ብጃምላዊ ኣጋባብ ካክየድ ተጣቢብሉ’ዩ። እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዓመጽ ተኣታትዩ ዘሎ ስደትን ባርነትን ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ። እዚ ተካኢ ወለዶ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፍሊ ህዝብና’ዚ፡ ስድራቤት ከይፈጠረ ወዲ ኣርብዓ ሓምሳ ኮይኑ ኣሎ። ንመዋእሉ በረኻ’ዩ ናብራኻ ተባሂሉ ተፈሪድዎ ዘሎ ብምልኡ ንኡስ ወለዶ፡ ሃላዋቱ ካብቲ ጽጉም ስደተኛ ዝፈልዮ ነገራት ስለዘይብሉ ድማ’ዩ፡ ክጣየስ ኣለዎ ዝብሃል ዘሎ።
እቲ ጃምላዊ ስደት ግና በዚ ደው ኣይበለን። ዓድታት ካብ መሬተን በንቚሱ ኣዛናቢሉን፡ ኣብ መሬት እንዳ ኣማተን ይድርብየን ኣሎ። ዕላምኡ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምስ ወነንቲ መሬት ባእሰን ግርጭትን ከም ዝፈጥር መን ይጠፍኦ። ኩሉ ኣይጠዓሞን፡ እተን ዝተሰዳ ዓድታት ኣይጠዓመን እቲ ብዓል መሬት። እቲ ዝድለ ውጽኢት ከኣ ንሱ እዩ። እተን ብዓድታት ደረጃ ብሰንኪ ግፍዓዊ ዓመጹ ተበታቲነን ሃዲመንን ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ተሰዲደን ዘለዋ ድማ ውሑዳት ኣይኮናን። እዚ ስርዓት’ዚ ብዛዕብአን ጥዑይ ከም ዘይሓስብ ታሪኻዊ ጭብጥታት ኣሎ።
ምኽንያቱ፡ እተን ካብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መሬት ሱዳን ተሰዲደን ዓድታት ዝመስረታ፡ ኣበይ ኣበላ? ኢልካ ምሕታት ጥራይ እኹል እዩ። ውሑዳት ዓድታት ኣይኮናን። ነጻነት መጽዩ ተባሂሉ፡ እዘን ዓድታት እዚአን ኣብ መሬተን ተመሊሸን ንኸይጣየሳ፡ ውልቀ-መላኺ ኣሎ ዝብሃል ዕንቅፋታት ገይሩለን እዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ዋላ ሓገዝካ ይትረፈና እንተበልኦ ክኣትዋ ኣይከኣላን። ብሓጺሩ ከልኪልወን። ሓሙሽተ ዓድታት ሰምሰም፡ ሱኪ ጀበል ፋው፡ ግርባ እምጉርጉር ወደልሒለው፡ ወ.ዘ.ተ. እቲ ኣሽማት ቀጻሊ እዩ፡ ኣበይ ኣበላ? ድሕሪ ነጻነት ኣብ መሬት ሱዳንን ኢትዮጵያን ቦቚለን ዘለዋ ዓድታት ከ፡ ክንደይ ኮን ይኾና? ውልቀ-መላኽን ስርዓቱን ንስደተኛ ህዝቢ ናብ ሃገሩ ንኽምለስን ክጣየስን ምቹእ ኩነታት ዘጣጥሕ ዘይኮነስ፡ ስደት ዝፈጥር ሓይሊ እዩ። ስደት ፈጢሩ ንስድራቤታትን እንዳታትን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓድታት ዝበታትን ዘሎ እንታይ ክረክብ እዩ? ዝብል ሕቶ መልሱ ኣሪጉ እዩ።
እዚ ኩሉ ፍጻሜታት እዚ፡ ሓሶት ከይንብል ከኣ፡ ትግባሬኡን ሳዕቤኑን ኣብ ባይታ ንርእዮ ኣሎና። ኣብ መዓልታዊ ዘረባና ሊሒኹ፡ ንኣተሓሳስባና ብምጽላው፡ መምርሕን ጥበብን ንመነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ ኣሎ። “ክላእ!! እዛ ሃገር እዚኣ ኣይሓልፈላን እዩ። ዝተረግመ ህዝቢ እዩ። ከምዚ ክኸውን ኣይክልን እዩ፡ መርገም ኣለዋ!! ንሕና ተረጊምና ኢና!! ካብዛ ዓዲ እዚኣ ከይጠፋእካ ኣይሓልፈልካን እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ተሰማሚዑ ኣይክሰማማዕን እዩ። ዝተሰደ ዘይብሉ ብጥሜት ነቒጹ፡ ዝተሰደ ሰብ ዘለዎ ጥራይ እዩ ኣብ ዓዲ ክነብር ዝኽእል ዘሎ፡ ወ.ዘ.ተ.” ዝብሉ ሰራማትን ንዓድኻ ዘጽልኡ ቀቢጸ-ተስፋ ብሂላት ካብ ባዶ ዝተበገሱ ኣይኮኑን። ኣብ ሃገርካ ክትነብር ከምዘይትኽእል ካብ ዝገበሩ ጠንቅታት፡ ዘኸተልዎ ሳዕቤን ዝነቐሉ እዮም። ኣብዚ ዓይነት መደምደምታ’ዚ ንኽብጻሕ ከኣ ነዚ 20 ዓመታት ከምዘይሓልፍ ዝተሰርሖሎም፡ ንጥፍእትን ብርሰትን ዜጋታት መንገዲ ዝጸረጉ፡ ጸረ ሃገራዊ ስምዒት ዝኾኑ፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት እዮም።
ብውልቀ-መላኺ ዝተዳለወ መስርሕ ስደት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ካብ ውልቀ-ሰብ ናብ ስድራቤታትን እንዳታትን ሓሊፉ፡ ብሓይልን ብዓመጽን ንቁሸታትን ንዓድታትን ካብ መሬተን በንቁሱ ዘጥፍእ ዘሎ ኣዕናዊ ፍጻሜ እዩ። እቲ ዘገርም፡ ነጻነት ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት ከይቆጸረ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ጉዕዞ ንስደት ምጅማሩ እዩ። ነጻነት ዕስራ ዓመቱ ቖጺሩ ከኣ፡ ውልቀ-መላኺ፡ ሰንሱስ ስደተኛታት ተሓቢኡ ንምርኣይ፡ “ናይ 20 ዓመት ነጻነት፡ ስምፖዝዮም ግበሩሉ፡ ክንደይ ቁጽሪ ህዝቢ ከም እተሰደ ድማ ሓብሩ፡” ንዝበሎ መምርሒ መልሲ ረኺቢሉ ኣሎ።… “ክንድዚ ዝኣክል!! እንታይ ዝበሉኻ ዓወት” እንዳበለ በዓል ክጽንብል፡ ህዝብና እንዳፈለጦ ክነሱ፡ ጓይላ ነጻነት ዘይኮነስ ጓይላ ስደትን ዓወቱን’ዩ ኣጒድሉ ቀንዩ። እዚ ሰንሱስ’ዚ ግና፡ ንነፍሲ-ወከፍ ስድራቤት ዝተንከፈ ሰለዝኾነ፡ ንህዝብና ሕቡእ ኣይኮነን። እንታይ ሲምፖዝዩም ኣድልይዎ፡ ህዝብና ባዕሉ’ውን ክነግሮ ይኽእል እዩ። ስደት፡ ኣብ ሃገርና ከም ዘይዕገት ውሕጅ ለመም ኣቢሉ ዘተኣታተዎ ሕ-ሰባዊ ሕማም ከም ምዃኑ መጠን ከኣ፡ ንሓዋሩ ካብ ሰፈሩን መሬቱን በንቚሱ ከይወስዶ፡ ህዝብና ብፍርሒ ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ኣሎ።
ፍርሒ እዩ። ካብኡ ዝሓልፍ ግና ኣይኮነን። ብዝያዳ’ኳ ድኣ፡ “ጠፋእና!! ወለዶናን ዘርእና ተቦንቚሰ!!” ካን ኣኺሉና ድዩ ከምዚ ኢልና ክንበታተን፡” እንዳበልና፡ ነቲ ተዳኺሙ ዝነበረ ሃገራውን ኤርትራውን ስምዒታትና ኣባራቢርና ንኽዓጥቕ ኣበጊሱና ዘሎ ፍርሒ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ጠፊኡ ከም ዘይጠፍእ ኣመስኪሩ እዩ። ምኽንያቱ፡ በዚ ውልቀ-መላኺ እዝን ጉጅለኡን፡ ህዝብና ካብ መሬቱን ዓደ-ኣቦኡን ተቦንቚሱ ንኽጠፍእ ብዘይምሕላል ን20 ዓመት ከምእተጻዕሮ መጠን፡ ቀደም ምጠፍአ። እታ ኤርትራውነት ትነብር። ነቲ ስደተኛ ህዝቢ ከኣ፡ ብዝኸዶ ሃገራዊ ስምዒቱ ከምዘይትጠፍእ ትገብሮ ዘላ ሓይሊ፡ ንሳ እያ። ብሓቂ ግና፡ ዝኾነ ይኹን ስርዓት፡ ግዜያዊ ተርእዮ ከም ምዃኑ መጠን፡ እዚ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት እዚ፡ እዋን ጥፍኣቱ ኣኺሉ፡ ኣብ ውሕጅ ለውጢ ተደቕዲቑ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ጠፊእዎ ከምዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዝጠፍኦ ዜጋ ኣሎ ኣይብልን።
ስደት ሳዕቤን ዓመጽን ጭቆናን እዩ። ስለዝኾነ፡ ጭቆናን ተቓዉሞን ብሓደ ዝኸዱ ዘይፋላለዩ ተርእዮታት ስለዝኾኑ፡ ስደት፡ ንሃገራውነት ዝፈታትንን ዘዳኽምን ዘየናሕሲ ተርእዮ’ዩ ብማለት፡ ንሓደ ጎድኑ ምርኣይ ጥራይ፡ ነቲ ሞጎት ምሉእ ኣይገብሮን። ስደት ንሃገራዊ ስምዒታት ዘበራብረሉ ባህርያት እውን ኣለዎ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ፡ ተቓዉሞ ኤርትራውያን ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሃገረ ስደት ክቕጽል ክኢሉ።
ብተወሳኺ ናብራ ስደት፡ ሃብትም ድኸ፡ ደንቁር ተምሃር፡ ብዘየገድስ፡ ንእንታይነትካን መንነትካን ቁምነገርካን ሰብኣውነትካን ብመዓልታዊ ደረጃ ዝተናኽፍ ሓለት ብምዃኑ፡ ንኤርትራውነት ዘበራብር ኩነታት ይፈጥር። ስለዚ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ብሰንኪ ሓደ ውልቀ-ሰብን ጉጅልኡን ዘኸተልዎ ኣዓናዊ ሳዕቤን ክዳኸም እንተዘይኮይኑ ክድምሰስ ሕልሚ እዩ።
ኣምበኣርከስ ነጻነት ሃገረይ፡ እዚ ኹሉ ዝጸሓፍክዎ ሓተታ፡ ሓንቲ ከም ዘይዓበስክለይ ኣምሲሉኪ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ግና፡ ስደተኛ’ኳ እንተገበርክኒ ዝዓበስክዮስ ኣሎ እሞ፡ እስከ ክነረልኪ። እታ ዝኾርዓላ ኤርትራውነተይ!! ትመስክረልኪ። ስምዕኒ ሃገረይ! ኣብ ሃገረ ስደት ንኤርትራውነተይ ዘበራብር ኣብ መዓልታዊ መነባብሮይ ዘጋጥመኒ ከዕልለኪ። ናይ ዝደለኽዮ ዓዲ ስደት ከዘንትወልኪ ምረጺ፡ እቲ ሓለተይ ይኹን ሓለት ኤርትራዊ ስደተኛ ሓደ እዩ። ጥዑም ድማ ኣይኮነን። ናብ ዝኸድኩ ይኺድ፡ ምዕራባዊ ዓለም ማእከለይ ምብራቕ ኣስያ… “ኣዛራርባኻስ ከምዚ ናይዚ ዓዲ ኣይኮነን፡ ካበይ ድኣ ኢኻ?” ዝብል ሕቶ፡ ዘንተ-ዕለት ኣብ ዝረገጽክዎ ደድሕረይ ጎሰስ ምስ በለ እዩ። “ወዲ ሃገር ኣይኮንካን፡ ወይ ከኣ ኣብዚ ዓዲ ኣይተወለድካን፡” ዝብል ሕያዋይ ዝመስል ከም መኽፈቲ ዕላልን መላለይ ዘረባን ዝቐረበ ይመስል። ከምኡ ግና ኣይኮነን። ስሩ ነዊሕ’ዩ።
ቛንቛ’ዚ ዓዲ እዝስ ኪኢለዮ መሊኸዮ እየ ከብል፡ ዋላ መልሓሰይ ከም መጽዓን ለፊዑን ተቛላሊፉን ከዳናግሮም’ኳ እንተፈተነ፡ እታ ኣፍሪቃዊት ኤርትራውነተይ ናበይ ከብላ። ኣደን ምንጭን ኩለን ባህርያዊ ሕብርታት፡ መንቀልን መቦቆልን ደቂ ሰብ’ውን ክነሳ፡ እዛ ሃብታምን ተፈታዊት ቀለመይ፡ ኣብ ኩሉ ስፍራታት ዓለም ደኽያን ተናዒቓን ተጸሊኣን ትርከብ። ታሪኻ እዩ። ትነብሮን ትቃለሶን ድማ ኣላ። ኮይኑ ግና፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ትሕቲ ኹሉ ንኽትከውን ንኽንደይ ዘመናት ክትድቆስ ዝነበረትን ዘላ ቀለም ቆርበተይ ከመይ ክገብራ? ስለዚ እዛ ኣፍሪቃዊት ቀለም እዚኣ ኣብ ዝኸድክዎ፡ “ኣጆኻ!! ኣይትድሃል ኤርትራዊ ኢኻ፡” እያ ትብለኒ። “ኤርትራዊ እየ!” በሎም ትብለኒ። ንልዑል ኣምላኽ፡ ንሃገራውነተይ እተባራብር ንኤርትራውነትይ እተድምቕ ቀለም እንቛዕ ዓደልካኒ ድማ እብሎ።
ልክዕ እዩ፡ ካብ ዘለኽዎ ኣተሃላልዋ፡ ኣብ ሃገረይ ዝኸፍአ ኩነታት ስለዘሎ፡ ንግዚኡ ኣብ መሬት ሰደት ጽቡቕ ኣለኹ እብል። ጽቡቕ ግና የለኹን። ስለዚ ሃገረይ ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ታኼላ ክትወጽእ እቃለስ፡ ባህሊ ቃልስን ተቓዉሞን ከኣ አምሓላልፍ። ጭቆና ናይ ዓደይ ከይኣኽለኒ፡ ዓለም ብዓለሙ ኣንጻራ ኣዲሙ፡ መፍትሒ ዝተሳእና ዓመጽ፡ ኣንጻራ ክቃለስ ዓቕመይ ኣይኮነን። ከምዘይረኣኽዎ ሸለል ኢለዩ ክኸይድ እተኽእለኒ፡ ግና እታ ነብሰይ ከም ሰብ ቆጺረን ኣብ ነብሰይ ተኣማሚነን ክነብር ተብቅዓኒ ዘላ ምንጪ ሓበነይን ኩርዓተይ ዝኾነት ኤርትራውነተይ እያ። ካብኡ ተሪፉ፡ “ዘይትኽእሎ ቃልሲ መፋሕፋሕ ሕቖኻ እዩ፡ ኣነ ዓደይ ኣሎኒ፡ ናቶም ድማ ባዕሎም ይፈልጡ፡” እንዳበልኩ’ኳ እንተኣፋነኽዎ፡ እቶም ደቀይ? እቲ ወለዶይ ከ? ዝብል ሕቶ ይውተፈኒ።
እወ! እንዳታት ኤርትራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ይኹን ማእከለይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወ.ዘ.ተ. ፋሕ ኢለን፡ ብቛንቛኦም ክራኸቡን ክሰማምዑን ዘይክእሉ ወለዶ የፍርያ ኣለዋ። እታ እንዳይ ከኣ ሓንቲ ካብኣተን እያ። ደቀይ፡ ኤርትራውያን ኢና ይብሉ ኣለዉ። ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣይኮናን ማለቶም እዩ። ካብኣ ግና ኣይትሓልፍን እያ። ኮይኑ ግና፡ ኣብዚ ታኼላ’ዚ፡ ኣብዚ ኣነ ኣይክእሎን እየ ኢለ ብጎቦ ዓይነይ እንዳጠመትክዎ ዝኸይድ ዘለኹ ቃልሲ፡ ደቕዲቐዮም ምሕላፈይ ድዩ? ናይ ኩላትና ስደተኛታት ኤርትራውያን ሕቶ ኮይኑ ዘሎ እመስለኒ። ኤርትራውነት ፍቕሪ ህዝብኻ ጥራይ ዘይኮነስ ፍቕሪ ስድራቤትካን ወለዶኻን እዩ። ንወለዶና ኣብ ዘይክእሎ ቃልሲ ሸሚምናዮ ከይንሓልፍ ድማ ብሓባር ተቓሊስና፡ ምርጫ ንሃቦም። ተመንጢላትና ዘላ ሃገርና ኣምሊስና፡ ሃገሮምን መሬቶምን ነረክቦም እብለኩም። ከምዚ ክንገብር ከኣ፡ ኣብ ዘዘላናዮ ኾይና ነዚ ቅዱስ ዕላማ ንቃለሰሉ።
ኣብ ሃገር ስደት ኮይነ፡ ኣነ ሃገር ኣሎኒ! ኣነ ኤርትራዊ እየ! ክብል ከለኹ፡ ነጻነትን ሓበንን እስምዓኒ። ንሓታትየይ ኣብ ዘይፈልጦ የእትዎ ኣለኹ። “ኣብዚ ዓዲ’ዚ መሬትካን ሃብትኻን ክምንጥል ኣይመጻእኩን። ኣነ ዓደይን ነጻነተይን ዝተመንጠልኩ፡ በዓል መሬትን ሃገርን ዝኾንኩ ወደባት ኤርትራዊ እየ።” ብማለት ጸገመይ ግዜያዊ ከምዝኾነ እገልጽ። ሃገረይ ኣበይ ከምዝኾነት ሰለዘይፈልጣ ከኣ፡ “እንታይ ኢኻ ዝበልካ?” እንዳበለ ርእሱ ኣድኒኑ ኣእምሮኡ ኣብ ካርታ ናይ ዓለም ክኾልል እንከሎ፡ ነዛ ደቒቕ እዚኣስ ተዓዊተሉ ኣለኹ እብል። ፍልጠት ኣብ ልዕሊ ድንቁርና ኩሉ ግዜ ምስ ተዓወተት እያ። ዋላ ንእሽቶ ትኹን።
ኤርትራውነተይ ኣዐዊታትኒ። “ንሳ እንተዘይትነብረኒ ኸ እንታይ ኮን ምበልኩ? እንታይ ዓይነት መልሲ ኾን ምሃብኩ?” ብማለት፡ “ንሓዋሩ ኸ ኣቲ ወለዶይ እንታይ ኢሉ ኮን ክምልስ ይኸውን?” እንዳበልኩ፡ የትሓሳስበኒ። እዚ ኾይኑ እቲ ግና ስምዕኒ ሃገራይ!! ኣነስ ሳላኺ፡ “እዚ ተልዕሎ ዘሎኻ ኣርእስቲ ንዓይ ኣይምልከተንን እዩ፡ ኣነ ሃገር ኣሎኒ፡” ዝብል መልሲ ክህብ ምብቅዐይ ዓቢ ጸጋ እዩ። ከልካሊ ዘይብሉ፡ ዓዲ ሕቶ እየ ዘሎኹ። እሞ ንሃገርካ ክትምለስ ዲኻ? በጺሕካ ዶ ኸ ትፈልጥ? መዓስ? ዝብሉ ሕቶታትን ካልኦትን ብመጅሙዕ ከምዝስዕቡ ፍሉጥ እዩ።
ዋላ ዓዲ እንተ ዘይተበጽሐ እውን፡ ንሃገርካ ኣሕሊፍካ ኣይውሃብን እዩ ዝብል ስክፍታን ሓልዮትን ቀደም ብተስዓታት እንዳተኸላኸለን እንዳሓሰወን ኣሕሊፉዎ። ኩሉ ስደተኛ ዝዝክሮ እዩ፡ “ነጻነትና ሕጂ ኢና ረኺብና፡ ሕገ-መንግስቲ ተኺልና ከኣ ህዝባዊ መንግስቲ ክንምስርት ኢና፡” ተባሂሉ ይፋኖ ነበረ እቲ ሕቶ። እዚ ተስፋ’ዚ ከም ግመ ባሕሪ ከም ዝበነነ፡ 20 ዓመቱ አውን ከምዘሕለፈ፡ ኣብ ኤርትራ ግንቦት 24 መዘከርታን ዓቢ በዓልን ክግበረሉ ቐንዩ። ኣብ ዳግማይ ቃልሲ ዝኸትት፡ መዘከርታን ምድላውን ንተቓለስቲ ኾይኑ ከኣ ኣብ ሃገረ ስደት ተባዕሉ።
ስለዚ፡ ኣብዚ ዕለት እዚ እቲ መልሲ ከም ቀደሙ ኣይኮነን። ተቐይሩ’ዩ። ቀልዓለም ተሪፉ፡ ሓሶት ይኣክል!! ተባሂሉ፡ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺእካ ዓው ኢልካ ኣንጻር ንግስነትን ባርነትን ምቅላሕ ኮይኑ። ኣብ ጽርጊያታት ዓለም ቅዋም ዘይብላ ሃገር’ያ ዘላትና ማለት፡ እዝስ ይትረፈና እንስሳታት ከይብሉና፡ ከምኡ ምባል ንገዛእ-ርእስና ዘሕፍረናን ዘገምተናን’ዩ ተባሂሉ’ኳ ንግዜኡ ንደብድቦ ንደብድቦ ይብሃል እንተነበረ፡ ቁስልኻ ሓቢእካ ፍታሕ ኣይርከብን’ዩ ብማለት ተጠሊዕካ ይእወዮ ኣሎ። ብሓጺሩ ንኤርትራውነተይ ዝያዳ ዘበራብር ኩነታት ኣትዩ። መዓልታዊ መንብሮይ ክደፍእ ክብል ከኣ፡ እቲ ዘይተርፍ ሕቶ ጎሰስ እንዳበለ ይስዕበኒ። ንሱ እውን ኣይጽላእን፡ ሓጋዚ እዩ። ኣንዳዕዲዐ ከኣ፡ መልስኻ ከምዚ’ዩ ተቐበል እብሎ።
“እወ! ህዝብና ጸረ-ምልኪ ቃልስታት የካይድ ኣሎ። ቃልሲ ጭቁናት ምዕዋቱ፡ ምልኪ ምውዳቑ ዘይተርፎ እዩ። ኣነ ኸኣ፡ ሃገረይ ሰላምን ቅሳነት ንኽወርዳ እቃለስ ኣለኹ። ስለዚ፡ ኣብዚ ንግዜኡ እየ ዘለኹ። ንሓዋሩ ተቐማጣይ ኣይኮንኩን። ዓድኻ ክገድፈልካ እየ፡” ዝብል መልሲ ምስ ስምዒቱን ናህሩን ከቃልሕ እውዕል ኣለኹ። እቲ ዝገርመኒ ግና፡ ብደቂ ዓደይ፡ “ብሓቂ ንዓዲ ክትምለስ ኢልካ ትሓስብ? እዚ ክኸውን ዘይክእል ቃልሲ’ዩ፡” ዝብል ሕቶን ቀቢጸ-ተስፋዊ ርእይቶን ምስ ካዕካዕታኡ ተሰንዩ እመጸኒ።
እሞ፡ እቲ መዐቀኒ ኤርትራውነት፡ እቲ ሚዛን ሃገራውነት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒለ መልሲ ክረኽበሉ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርያ ሕጡበ-ጽሑፈይ ይምለስ። ስደተኛ ዜጋ፡ እንታይ ዓይነት ረቛሒታት እዮም ኤርትራውን ሃገራውን ዘብሉኻ? ካልእ መልሲ የብሉን፡ ኤርትራውነት ማለት፡ ብዘይኣፋላላይ ፍቕርን ሓልዮትን ንህዝቢ ኤርትራ ማለት እዩ። በደልን ወጽዓን ናይ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ከም ወጽዕኡ በደሉን ዝርእዮን ዝወስዶን ፍቕሪ ኣሕዋት እዩ። እዚ ፍቕሪ’ዚ ከኣ፡ ብኣፍ ዘይኮነስ ካብ ቃልሲ ዝብገስን ብኣኡ ዝድልድልን ስምዒት’ዩ።
ከምኡ’ውን በደል ነፍሲ ወከፍ ብሄር፡ ዓመጽ ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖት፡ በደልን ዓመጽን ናይ ኩላተን ከምዝኾነ ኣሚኑ፡ ዓገብ! ጌጋ’ዩ! ይትኣረም እንዳበለ ዝቃለስ ሃገራዊ ፍቕርን ሓልዮትን’ዩ። ስለዚ ኤርትራውነት፡ እዛ ብሄር እዚኣ ተጎዲኣ፡ እታ እምነት እቲ ተዓሚጻ፡ ፍትሒ ይገበረላ ዝብል ሓባራዊ ተቓዉሞ፡ ናይ ኩለን ዝተረፋ ብሄራትን እምነታትን ዘስምዕ ነጎዳዊ ድምጺ’ዩ። እሞ ከምዚ ካብ ኮነ ድኣ፡ ነጻነት ዓደይ፡ መግለጺ ሃገራውነተይ ዲኺ መዐቀኒ ኤርትራውነተይ?
እምቢ ንምልኪ!!
ወልደየሱስ ዓንደማርያም
ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ
13 ሰነ 2011
“When you’re in love you never really know whether your elation comes from the qualities of the one you love, or if it attributes them to her; whether the light which surrounds her like a halo comes from you, from her, or from the meeting of your sparks.” ~ Natalie Clifford Barney