እምቢ ንምልኪ!! ክፋል 15 ለ (ብ ወልደየሱስ ዓንደማርያም)

“ይኣክል!!” ማለት ንኹሉ’ዩ

እቲ ንዳርጋ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ብጀካ ንውልቀ-መላኺ እንዳተጸናጸነን፡ ደድሕሪኡ ንዝጻሕተሮ ደሮና እንዳኣመልከተን፡ ወሬኡን ኣርእስቱን ትንታኔኡን ዘበግስ ዝነበረ ደምበ ተቓዉም፡ “ይኣክል!!” ብማለት፡ ንመጀመርያ ግዜ ናቱ ደሮና ጻሕቲሩ መዛረቢ ኣርእስቲ ካብ ዘበግስ ዓመቱ ኣሕሊፉ።

ከምኡ ብምግባሩ ከኣ፡ ንደጎፎ ንቃውሞ ብዘየገድስ ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ዕላል፡ ዕላል ሃገራዊ ጉብኤ ከምዝኽውን ገይርዎ ኣሎ። እቲ መዛረብን መካትዕን ኣርእስቲ’ውን፡ ኣርእስቲ ሃገራዊ ጉብኤን ዝዛተየሎም ሰነዳትን ኾይኖም ኣለዉ። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ሃገራዊ ጉባኤን ውጺኢቱን፡ እቲ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ኣርእስቲ ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ንዕላልና ዝቐየረ ህልው ኩነታት ከምዚ ካብ ኮነ፡ እዚ ኣቲናዮ ዘሎና ፖለቲካዊ መድረኽ’ዚ፡ መድረኽ ሃገራዊ ጉባኤ ኢለ ክጽውዖ እደፍር።

 

ኣብዚ ሓዲሽ ኩነታት እዚ ንጡፍ ተኻፋልነት ህዝቢ ምህላዉን ዘይምህላዉን ካልእ ኣርእስቲ ኾይኑ፡ ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ በብኹርንዑ “እዛ ሃገራዊ ጉባኤ’ዚኣ እንታይ እያ ክትወልድ?” ብማለት ብጽሞና ክከታተልን ክጸናጸንን ይርአ። ነናቱ ትንታኔን ግምታትን ከኣ የቕርበሉ ኣሎ። ንኣብነት፡ እቲ ንታሪኽ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ቁምነገር የብሉን ብማለት ኣጽቂጡ ዘሎ ዜጋ ከይተረፈ፡ ሽሕ’ኳ እቲ ፍርዱን ትንቢቱን ካብቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ዘይሓይሽ ኾይኑ ንምስምዑ ጥዑም እንተዘይኮነ፡ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ እንዳበለ ካብ ምጽንጻን ዓዲ ኣይወዓለን። ነዚ ኩነታት’ዚ ዘጓሃህሮ ዘሎ፡ እቲ ዕድሜኡ ኣብ ምጽንቃቕ ዝቀራረብ ዘሎ ወለዶ ብረታዊ ቃልሲ ከኣ፡ እዚኣ እያ ናይ መጨረሽታ ዕድልና፡ እዚኣ እንተድኣ ሓሊፋትና ካላስ ኣኺሉ’ዩ። ሓደ ሰራዊት ሓደ ኣዛዚ ሓደ ቁጠባ፡ እዚኣ እያ ተድሊ። ጉባኤ ነዚኣ እንተዘየዐዊቱ፡ ዝግበር ነገር ኣይክህሉን’ዩ። ነገርና ተወዲኡ’ዩ። ስለዚ ዘሎና ሓይሊ ንወከፍ ብማለት፡ ብኽቱር ስምዒት ኣእዳዉ ጸግ-ጸግ እንዳበለ ብድድ ክብል እንከሎ ኣብራኹ ቆራዕራዕ ክብል ይስማዕ። ካልእ ከኣ ነናቱ።

ኣብ ወጻኢ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትና ከምዚ ኾይኑ ከብቅዕ፡ እቲ ተኻፋልነት ስደተኛ ህዝቢ ግና ካብ ዝነበሮ ነቕ ክብል ኣይከኣለን። ኣብዚ ግዜ’ዚ እቲ ግብራዊ ተኻፋልነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልሲ፡ ምስቲ ዝገብሮ ዘሎ ምጽንጻን ዝመዓራረ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ውልቀ-መላኺ ቀደም እግረይ ኣውጽእኒ ኢሉ ንሰሜን ኮርያ ምተዓዝረ። “መጻኢ ሙባረክ ዓርኩ ተጓነፎ ኸ፡ ከመይ ጌርካ ትፈልጥ?” ትብሉ ትህልዉ። እዚ ኾይኑ እቲ፡ ምህዳሙ ወይ ምትሓዙ ግዜኡ ሓልዩ ክመጽእ ዘይተርፎ እዩ። ንፈልጦ ነገር እንተሎ ከኣ እቲ ግዜ እንዳሓጸረ ምምጽኡ እዩ። ኮይኑ ግና እቲ ናይዚ ግዜ’ዚ ዕላል ካብ ተቐየረ፡ እቲ ሚዛንን ኣገዳስነትን ሃገራዊ ጉባኤ ቀሊል ከምዘይኮነ እዩ ዘረድእ። ምናልባት እውን እቲ ላዕለዋይ ኣምላኽ፡ ንሽግሩ “ይኣክል!!” ኢልዎ ይኸውን። ይኣክል ማለት ንኹሉ’ዩ – ብዓቢኡ ኸኣ ንሽግር ህዝቢ ኤርትራ።

ሃገራዊ ዋዕላ ንቃልሲ ካብቲ ዝነበሮ ዕንክሊል ንኽወጽእ፡ ተባዕ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ ኽቃለስ ዝደሊ ዜጋ፡ ሓዲሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ከምዝኸፈተሉ ድሮ ታሪኽ ክነግረሉ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ተባዕ ዘብሎ ምኽንያት፡ እቲ ዋዕለኛ ኣንጻር’ዚ ዋዕላ’ዚ ዝተገብረ ጸለመታትን ኩነኔን ፈንጢሱ ምግባኡ እዩ። እዚ ጸለመታት’ዚ ከም ዘይስገር ውሕጅ ፉፍ-ፉፍ ይብል ከም ዝነበረ ትዝክርዎ ትኾኑ። ሰጊርዎ ግና። እዚ መድረኽ’ዚ ናይ መኣዲ ዘተን ፖለቲካዊ ተኻፋልነትን መድረኽ ኮይኑ፡ ውጺኢቱ ንቃልሲ ኣብ ስራሕ ገጹ ነቕ ንኸብሎ ንዓመት ክነጥፈሉን ክጉስጉሰሉን ከምዘለዎ ተሰማሚዑን ወሲኑን ከኣ ወጺኡ። ስለዚ፡ ሃገራዊ ዋዕላ ማዕጾ ዘተን ነጻ ተኻፋልነትን ብምኽፋቱ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ንኽቃለስ ዝግደስ ዜጋ ውድብ ይኹን ሰልፊ ምኽኒት ክገብረለን ወይ ክፈጥረለን ዘይክእል ውሳኔታት’ዩ ኣጽዲቑ። እወ! ክሳብ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ንዓ ተኻፈል፡ ንዓ ንዛተ ኣብ ስራሕ ገጽና ክንወፍር ንዓ ንረዳዳእ ንዝበለ ሓው ወዲ ሃገር፡ ኣይንዛተ ኣይንረዳዳእ ስለዘይብሃል፡ እዚ ጉባኤ’ዚ ዝተባህለ ይብሃል ዝወጸ ሽም ይውጽኣዮ ብዘየገድስ፡ እዘን ውሳኔታት እዚኣተን ኣጽዲቑ ብምውጽኡን ብእአን ብምቕያዱን፡ እተን ዝሓየላን ክፈርሳ ዘይክእላን ሞጎት ፖለቲካ ነኺሱ ሒዝወን ከምዘሎ የረድእ።

ምኽንያቱ፡ ነቲ ንሃገራዊ ጉባኤ ዝኹንን ባእታ ወይ ሰልፊ ከይተረፈ፡ ንዓ ኣሕዋት ኢና፡ ኩነኔኻን መአረምታኻን ክንሰምዖ ተሓወሰና፡ ዘይረኣናዮ ዘይተረድኣና ኣረድኣና ኣብ ሞንጎ ህዝብኻ ኣቲኻ ዘቲ ተማጎት ምባሉ፡ ተጋግዩ ክንብሎ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዝኾነ ከኣ፡ ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ተዓዲሙ፡ ነቲ ንድሕነት ህዝቢ’ዩ ዝብሎ ሓሳባቱን ኣረኣእይኡን ክገልጽ ዘይደልን ዘይብገስን፡ ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርብ ከምዘይደሊ ስለዘስምዕ፡ ዝህቦ ምኽኒታትን ዘቕርቦ መጎት ይኹን ጸለመ ኣብ ሞንጎ ስደተኛ ህዝቢ ተቐባልነት እንዳሰኣነ ይመጽእ ኣሎ። ምስቲ ኣትይዎ ዘሎ ኩነታት ብምዝማድ ድማ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ከይሃለዎ ኣይተርፍን።

ተኻፋልነቱ ካብ ኣቕበጸ ከኣ፡ እቲ ዝድለ ነቲ እምባ ጭቆና፡ ነቲ ጎቦ ዓመጽ በብዘለኻዮ ንምፍራሱ እንተድኣኾይኑ፡ እቲ ዝድለ ብሓቂ ንድሕነት ህዝቢ እንተድኣ ዓሊሙ፡ ብኹሉ ሸነኹ እንተተኣትወ ስራሕ ቀለለ። ከይተሰርሐ ግና ከመይ ኢልካ? ሓሳባት ጥራይ ኮይኑ’ዩ ዝተርፍ። ኣብ ምጥርጣርን ሕሜትን ድማ የእቱ። ሓሳባት ተወዲኡ ፍረ ክሕፈሶ፡ ኣብኡ ደኒንካ ምትራፍ ጥራይ ዘይኮነስ፡ መሳሪሕኻን ናውትኻን ጸሚድካ ስራሕ ዝውፈረሉ መዓልቲ ክቑጸር ይግባእ።

ሃገራዊ ጉብኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣርባዕተ ሰነዳት እንሆልኩም፡ ንስራሕ ክወፍር እቀራረብ ኣለኹ፡ ናውተይ ርኣዩለይ፡ ይብለና ኣሎ። ንኽሰርሕ ዝበለ ኣይትስራሕ ኣይትብሎን። ዕጥቅኻን ናውትኻን በዚ ሸነኽ’ዚ ሸጥ ኣብሎ፡ በቲ ሸነኽ’ቲ ከኣ ወዚሉካ ኣሎ እሞ ከይነቐልካ እንከሎኻ ተዓንቂፍካ ከይትወድቕ ኣተዓራርዮ፡ ኣጽፍፎ ምባል ግና ንቡር እዩ። ርኣዩለይ ክሰምዓኩም ብማለት ንህዝቢ ስለዝጸውዐ ኸኣ፡ ክዕወት ኣለዎ ብማለት ነዚ ዕጥቂ’ዚ ንምትዕርራይን ካብ ዘለዎ ዝያዳ ንምምዕባልን፡ ካብ ውድባት ነጻ ዝኾነ ዜጋ ተሓዊሹ በታ ትከኣሎ ዓቕሚ ይቃለስ ኣሎ። እቲ ከምዚ ግበር ከምቲ ኣይትግበር፡ እዚ ግደፎ እቲ ወስኮ፡ እዚ ከመይ ኢሉ ከምዚ ይኸውን ከምቲ ዘይከውን፡ እዚ የድሊ እዩ ኣየድልን እባ ዝብል ክትዕ ድማ ኣብ ኩሉ ስፍራ ስደት ተኣጒዱ ወሪሑ። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ ግዜያዊ መሰጋገሪ ሃገራዊ ቅዋም ሰለስተ ሰነዳት ትኾልኪሉ መለለይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ቅዋም 97ን ግዜያዊ መሰጋገሪ ቅዋምን ዝግበር መብዛሕትኡ ክትዓት፡ ኣብ ትሕዝትኦም ዘይኮነስ ኣብ ኣመጻጽእኦም ብምምርኳሱ ናይ ቲፎዞ ወይ ዝርያታት ክትዕ ከይከውን የትሓሳስበኒ። ቅዋም 97 ናይ ኢሳያስ ቅዋም’ዩ ዝብል፡ ነዚ ሕጂ መሰጋገሪ ቅዋም ተባሂሉ ተነዲፉ ዘሎ፡ ናይ እከለ ቅዋም’ዩ ተባሂሉ መጸዋዕታ ክወሃቦ መንገዲ ዝጸርግ እዩ። ከምኡ ኣይንበል። ናቱ እንተዝኸውን ድማ ኣይምቐበሮን። ዜጋታት ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቅዋም እዩ። ነዚ ቅዋም’ዚ ቅዋመይ’ዩ ዝብል ዜጋ ከም ዘሎ ከኣ ኣይንረስዕ። ኣውራ ከኣ እቲ ሰራዊት ኤርትራ ቅዋም ኣሎኒ ኢሉ ክጠቅስ እንተድኣ ኾይኑ፡ ነቲ ናይ 97 እዩ ዝረቑሕ። ኣይገበሮን ድኣ እምበር፡ እዚ ቅዋም’ዚ ካብቲ ቀንዲ ስርሑ ከፍልጦ እንከሎ፡ ሰራዊትን ጸጥታን ኤርትራ ንሃገርን ንቅዋምን ይከላኸል ይብሎ። እዚ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም እውን ደይ ከምኡ እዩ ኢልዎ ዘሎ።

ትሕዝትኦም ወጊንና ኣብ ዝርያ ቅዋማት እንተድኣ ኣቲና፡ ኣብ ቲፎዘነት ናይቶም ቅዋም ዝነደፉ ውልቀ-ሰባትን ጉጅልኦም ሸሚሙ ዕላማና ከስሕተና እዩ። እዞም ቅዋማት እዚኦም ኣመጻጽእኦም ጒድለታቶም ብዘየገድስ ንብረት ህዝቢ እዮም። ክልቲኦም ቅዋማት፡ በቶም ፍልጠትን ምህሮን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣለዎም ዝብሃሉ ሊቃውንቲ ኤርትራውያን ዝተነድፉ ስለዝኾኑ፡ ነቲ ዘድልየና ሸነኻቶም ክንከስሮ የብልናን። ዘድልየና ክነለሊ ከኣ ኣብ ትሕዝትኦም እንተተመልከትና ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል፡ እሞ ተገዲስና ነንብቦም እብለኩም። ከምዚ ዘበለኒ ምኽንያት፡ ካብዚ ኹሉ ክትዓት፡ እዚ መሰጋገሪ ቅዋም’ዚ፡ ካብቲ ናይ 97 ቅዋም ኣገዳሲ ዓንቀጽ ወይ ዓንቀጻት ዘየእተዎም ኣለዉ’ሞ፡ ከነእትዎም ርእይቶይ የቕርብ ኣለኹ ኢሉ ዓንቀጻት ዝጠቐሰ ወይ ሓሳባት ዘቕረበ ክሳብ ሕጂ ስለዘይሰማዕኩ እየ። ብድብዱቡ፡ “ካብ ቅዋም 97 ጽቡቕ ተረኺቡ ክኣቱ ዘለዎ ዓንቀጻት ኣሎ ትብል ኣሎኻ?” ዝብሉ ሰባት ኣይሰኣኑን። ነንብቦ’ሞ፡ ብድሕሪኡ ከምኡ ንበል። ኣብ ዝመጽእ ጽሑፍ ትሕዝቶ እዞም ክልተ ቅዋማት ዘዋዳድር ጽሑፍ ከቕርብ እየ።

እቲ ኣብ ቅዋም 97 ረጊጹ እንታይ ካልእ ቅዋም ኣድለየ ዝብል ድማ ዝዘንግዖ ታሪኽ ኣለዎ። ንሱ ከኣ ነዚ መሰጋገሪ ቅዋም ኢሉ ዝነደፈ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ዘሕለፎ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ዘይምርኣዩ እዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ብብረት ተወቒዑ ካብ ሜዳ ኤርትራ ዝወጸ እዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ፡ ቀሊልን ዝርሳዕን ስምብራት ኣይኮነን። ኤርትራ ነጻነት ምስ ወጸት በቲ ስልጣን ዝሓዘ ህ.ግ.፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ግርጭታት ዝብሃል የለን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከኣ ተቓዋሚ ውድብ ዝብሃል የለን ብማለት ከኣ፡ ብረታዊ ቃልሲ ዘስዓቦ ጉድኣት ንኽፍታሕ ተባሂሉ ዕርቂ ኣይተጸውዐን። እዚ ሓይሊ’ዚ ደጊም ነጻነት መጽዩ ኢሉ፡ ዓዱ ኣትዩ ንኽቃለስ እንተበለ መሰሉ ስለዝተገፈ፡ ኣብ ምንዳፍ ቅዋም 97 ተኻፋልነት ኣይነበሮን። ከምዚ ካብ ኮነ፡ ልክዕ ከምቲ ንቅዋም 1997 ናተይ ቅዋም እዩ ኢሉ ዝኣምነሉ ዜጋ ከምዘሎ ክንቅበሎ ዘሎና፡ እዚ ቅዋም እዚ ኣይተኻፈልክዎን ናተይ ኣይኮነን ዝብል ፖለቲካዊ ሓይሊ ከምዝነበረን ከምዘሎን ኣብዚ ግዜዝስ ክንኣምን ኣሎና። ናቱ ፖለቲካዊ ራእይ ክህልዎ ግድነት ስለዝኾነ ከኣ፡ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ኢሉ፡ ርእይቶ ክወሃቦ ኣብ ህዝቢ ኣቕሪብዎ ኣሎ። ከም ውዱብ ተቓውሞ ኮይኑ ነዚ ስርዓት’ዚ ኣልጊሱ ዓዱ ንኽኣቱ ክሳብ ዕለት ሎሚ ዝቃለስ ዘሎ ሓይሊ ምዃኑ ድማ ንርእዮ ዘሎና እዩ። ከምዚ ኾይኑ እቲ ታሪኻዊ ኣመጻጽእኡ፡ ነዚ ሓይሊ’ዚ ናይ 97 ቅዋም ናይ ግድን ተቐበሎ ክንብሎ ከመይ ጌርና ንኽእል?

ንምምጽጻግ “ይኣክል!!” ንበሎ። እዚ ሓይሊ’ዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ተተኺሉ ዘሎ ጨቛኒ ስርዓት ብዓመጽ ከልግሶ ዝቃለስ ዘሎ እዩ። ሓደ ስርዓት ብዓመጽ ምስ ተገልበጠ ከኣ፡ እቲ ሃገር ክረጋጋእ ስለዘለዎ ብዘይ መሰጋገሪ መንግስቲ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክመሓላለፍ ኣይክእልን። ኣብ መሰጋገሪ ግዜ ስልጣን ዝሕዝ ድማ፡ ነቲ ስርዓት ዘልገሶ ሓይሊ ኮይኑ፡ እቲ ብደገን ብውሽጢ ሃገርን ሓቢሩ ዝተቓለሰን ዝተቓወመን እዩ። እዚ ናይ ኩላቶም ብጎነጽ ንስርዓት ዘልገሱ ሓይልታት ዝኸድዎ ጉዕዞ ርዱእ ኾይኑ፡ ሃገራዊ ጉብኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ “እዚ ስርዓት እዚ ምስ ኣልገሰ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ በዚ ግዜያዊ ቅዋም እዚ ተቐይዱ ንኽምሓድር ኣቕሪብናዮ ዘሎና ንድፊ፡ ሕጂ ርእይቶኹም ሃብሉ ክእረም ኣለዎ እትብሉዎ መኣረምትኡ ኣቕርቡ። መሰጋገሪ መንግስቲ ዕድሜኡ ምስ ኣብቅዐ ኸኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ባዕሉ ዝነደፎን ዘጽድቖን ነባሪ ቅዋም ይምሓደር፡” ኢሉ ናብ ህዝቢ ከቕርብ መሰሉ ዶ ኣይኮነን። ነዚ መሰል’ዚ ክውን ክገብር ከኣ፡ “ለሚነ ክትኮበለይ ዘይኮነስ ተቓሊሰ ከረጋግጾ እየ፡” ብማለት ብተወሳኺ ከመይ ገይሩ ነዚ ስርዓት’ዚ ከም ዝፍንቅሎ ዝሕብሩ ስነዳቱ ተኻትዕሉ ብማለት ኣብ ህዝቢ ዘርጊሕዎ ኣሎ።

ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ ክትዓት ዝግ እንዳበለ፡ እቲ ሕቶታት’ውን መልስታት እንዳረኸበ ዝመጽእ ዘሎ ይመስል። እቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣውራ ኣካታዒ ኾይኑ ዘሎ ብዛዕባ ትሕዝቶ እዞም ክልተ ቅዋማት ከምዘይኮነ ትሰምዕዎ ኣለኹም። ስለዝኾነ ከኣ ኣይትእመኑ!! እቲ ክትዕ ዝግ ምባሉ ከዘንግዕ ኢሉ እዩ። ብእኦም ኣሳቢቡ፡ ዘይተባህለ ሓዲሽ ነገር ከምጽእ እዩ ዝሓስብ ዘሎ። ምኽንያቱ ጽንሕ ከይበለ ጫውጫው ከምዝብል እፈልጥ። ቅዋም 97 ከይቅልቀል ተቐቢሩ ዘሎ ቅዋም’ዩ። መሰጋገሪ ቅዋም ድማ ገና ኣብ መስርሕ ንድፊ ዘሎ እዩ። ክልቲኦም ቅዋማት ኣብ ሓሳባትና ተንጠልጢሎም እዮም ዘለዉ። ክልቲኦም ቅዋማት ገና ከይተተግበሩ እንከለዉ ኢና ክስታትና ነቕርበሎም ዘሎና። ክልቲኦም ቅዋማት ናይ ህዝቢ ንብረት እዮም ዝብሃሉ ዘለዉ። በዞም ቅዋማት እዚኦም ምኽንያት እንተድኣ ዘይንረዳዳእ ሃሊና ንጋገ ኣሎና እብል።

ምኽንያቱ ክልተኦም ቅዋማት ዝደለ እርማት እንተድኣ ተገይርሎም ከሳርሑና ይኽእሎ እዮም ዝብል እምነት ሰለዘሎኒ። ኣብ ዝመጽእ መንግስቲ፡ ምስ ምምስራት ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ክልኦት ፖለቲካዊ ትካላትን፡ ሓደስቲ ቅዋማት እውን ክመጹ ስለዝኽእሉ፡ ህዝባዊ መንግስቲ ኣብ ዝምስረተሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኩሎም ዝቐርብሉ ቅዋማት ተመልኪቱ ናቱ ነባሪ ቅዋም ክነድፍን ከጽድቕን ነጸነት ምሃቡ እዩ። እዚ’ዩ ከገድሰናን ክንቃለሰሉን ዘሎና። ክሳብ ሽዑ ኸ? ህዝብና ኣብ ግዜ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሕግን ስርዓትን ከምሓደር ስለዘለዎ እዚ ተነዲፉ ዘሎ ግዜያዊ መሰጋገሪ ቅዋም ክንሰርሓሉ ኣብ ህዝቢ ቀሪቡ ኣሎ። በዚ እንተድኣ ክንረዳዳእ ዘይንኽእል ኮይና ከም ዋዛ ምስ ቁምነገር ካልእ መንገዲ ክነግረኩም። ክቡራት ኣሕዋት ኣይገብርዎን ድኣ እምበር፡ እቶም ሊቃውንቲ ኣሕዋትና ድቓላ መሰጋገሪ ቅዋም እንተዘቕርቡልና ነይሮምሲ እንታይ ኮን ምበልናዮም?

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ኤርትራውያን ኣተሓሳስባና ክቃዶ፡ ኣእምሮና ንቕሩብ እዋን ንሕግታት ፍጥረት እንተዝኽተል ብእኡ’ውን እንተዝቕየድሲ ከመይ ጽቡቕ ነይሩ እብል። ሓደ ንሕማም ዝጻወር ተኽሊ፡ እቲ ካልእ ከኣ ንድርቂ ዝጻወር ረኺብካ ንክልቴኦም ምስ እተዳቕሎም፡ ንኽልቲኡ ዝጻወር ተኽሊ ክህልወካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ፖለቲካዊ ባህርያትና ኮለል ኣቢልካና “ይኣክል!!” ብማለት ንግዜኡ እንተንውግኖ፡ ስራሕና ክሰልጠና ንጉዳያትና በቲ ቐሊልን ብሩህን ፍሉጥን ኣገባብ እንተንጥምቶን እንተንገጥሞን፡ ሽግራት ሂወትና ከመይ ኮን ምተፋኾሱ ነይሮም ኢለ ይሓልም። ዝሓልመሉ ምኽንያት ከኣ ባህርያትና ሰለዘየፍቅዶ’ዩ። እሞ ክቡራት ኣሕዋት፡ ንድቓላ ቅዋም ሲ እንታይ ኮን ምበልኩሞ?

በሉ ክነግረኩም፡ እንቛዕ ድኣ እቶም ሊቃውንቲ ወረቓቐቶም ኣረከቡና እምበር፡ እንቛዕ ድኣ ንብረት ህዝቢ እየን ኢሎም ድላይኩም ግበርወን በሉና እምበር፡ ኣነስ ንክልቲአን ቅዋማት ከዳቕለን ተበጊሰ ኣለኹ። ቅዋማት ኣሕዋት ስለዝኾና። ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር፡ ብሓቂ በቲ ትሕዝቶአን እንተድኣ ንብኣስ ሃሊና፡ ኣዳቒልናየን ዘይንዓርፍ በየላይ እየ። ሊቃውንትና ካብ ዓሰርተ ንላዕሊ ቅዋማት ዓዲ ሃገር ምቕዳሕ ዘይጸገሞም፡ ከመይ ኢሉ እዩ ንዓና ነዘን ክልተ ቀሪቦምልና ዘለዉ ቅዋማት ዓድና ምድቓል ዝጽግማና? ካብ ዝመጸ ይምጻእ ጸጽብቑ ዓንቀጻት ነንሕድ-ሕዱ ኣይገራጮን’ዩ እሞ፡ ካብ ክልቲኡ ቅዋማት ጸጽብቑ ዓንቀጻት ኣለልዩ ቃል ንቃል ከይቀየረ ዝወጸ፡ ዓንቀጻት ድቓላ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም እንሆልኩም ንበል። እቶም ኣብ ክልቲአን ሓደን ተደጋገምትን ዓንቀጻት ዝኾኑ ከኣ፡ ብዘይምድላው ካብ ክልቲአን ዝተዋጽኡ ዓንቀጻት እዮም ንበል። ልዕሊ 97% እቶም ዓንቀጻት ድቓላ ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ከኣ ከምኡ እዮም። እሞ ቅዋማት ዓደይ እንታይ ድኣ’ሉ ፍልልይክን? እስከልክን። ከይትሰማምዓ ኢልክን፡ ክልተ ሰለሰተ ዘይኮና ዓንቀጻት ፈይ ኣቢልክንሲ ክትፈላልያና!! ኣይፋልክንን!! ኣብ ኢድና ካብ ኣተኽንሲ፡ ንዕነ ድኣ ተዳቐላ። … ይቕጽል

እምቢ ንምልኪ!!

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳንፍራንሲስኮ ካሊፎርንያ

18 ነሓሰ 2011

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>