ኣልማዝ፡ (ምዕጉርታ ብንብዓት ጠልቅዩ፡ ንዘረባ ‘ውን ሓይሊ ስኢና)፡ ‘ ይኣክል በጃኻ ኤፍሬም ሓወይ! (ትብል ብድኹም ድምጺ)
ትርኢት መበል 42
ዝኽሪ (ፍላሽ ባክ)
ኣብ ግንባራት፡ ኣብ ሓደ በሪኽ ሰንሰለት ጎቦታት፡ ዕርዲ ተጋደልቲ ይርአ፡ ሓደ ተጋዳላይ ድማ ኣብ ሓለዋ ኣሎ። ድሕሪ ‘ቲ ዕርዲ ሓንቲ ጋንታ ተጋደልቲ ኣብ ኣኼባ ተጸሚዳ ኣላ። ኣባላታ ምሉእ ዕጥቆም ዓጢቖም ብዕቱብነት ኣኼባ ክከታተሉ ይረኣዩ።
መራሕ ጋንታ (ወዲ ሃይለ)፡- “….እሞ ናብቲ ሳልሳይ ኣጀንዳና ክንሰግር። ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ኩነታት ከምቲ ልሙድ ሽዑ ንሽዑ ገምጋም ምግባር ዝሓሸ ‘ኳ እንተነበረ ብሰንኪ ‘ቲ ዝቐነየ ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ኣይተኻእለን። ሕጂ ‘ውን ማይ ኣይሓለፎን ርእይቶ ወይ ሕቶ ዘለዎ እንተልዩ?”
ሓደ ተጋዳላይ (ጠበልበል)፡- ኣብዚኣ ወዲ ሃይለ
ወዲ ሃይለ፡- ሕራይ ጠበልበል (ማእከላይ)
ጠበልበል፡- መቸም ብዕለት 22 ነታ ናይ ተንቀሳቓሲ ስለያ መስርዕ ኣምሓራ ዝገበርናያ ድብያ ከምዝፈሸለት ርዱእ ኢዩ። ብርእይቶይ ከኣ ጠንቂ ናይ’ታ ፍሽለት ኣሕመድ እዩ። (ኩሎም ኣባላት ጋንታ ብስምባደ ነንሕድሕዶም ይጠማመቱ፡ ኣሕመድ ‘ውን እቲ ዘረብ ሃንደበት ዱብ ኢሉዎ፡ ምእማን ስኢኑ፡ ገጹ ብሓንሳብ ከሰል ክልወጥ ይርአ)… ንሰን ናባና ገጸን እናቐረባ ፈሪሑ ስለዝተንቀሳቐሰ ድምጺ ብረቱ ሰሚዐን ቶኽሲ ቀዲመናና።
ብዙሓት ኣባላት ‘ታ ጋንታ ብነድሪ ዳርጋ ሓፍ ክብሉ እናደለዩ ኣብዚኣ ኣብዚኣ ኢሎም ብተቓውሞ ዋጭ ይብሉ።
ወዲ ሃይለ፡- ሓንሳብ…ሓንሳብ ‘ሞ፡ እንታይ ትብል ኣለኻ ጠበልበል፡ (ብነድሪ ብድድ ይብል።) ነጥቢ ስርዓት ግበር። ሰሚዕካ ኣለኻ መጀመርያ ኣፍካ ተቖጻጸር። ስቕ ኢልካ ናብ መደምደምታ ኣይትጕየ። ነቐፌታኻ ብሃናጺ ኣገባብ ከተቕርብ ይግብኣካ። ሓፍ በል። ተጥንቀቕ ሰጥ በል! (ብነድሪ)
(ጋንታ ኩላ ንጠበልበል ንምቅዋም ኣብዚኣ ኣብዚኣ እናበለት ኢዳ ሓፍ ምባል ትቕጽል)
ወዲ ሃይለ፡- ያ ጀማዓ ኩልኻ ዘረባ ኣቋርጽ፡ ድሕሪ ምባል፡ ንሓንቲ ተጋዳሊት (ቺቹ) ዕድል ይህብ።
ቺቹ፡ ኣሕመድ ‘ኮ ናብ ሓይልታት ብሓይሉ ዝመጽአ ተባዕ ፊተውራሪ እዩ። ኣብዚ ጋንታ ኸኣ ሓድሽ ተዋጋኣይ ኣይኮነን ኣብ ናይ ዓሰርተ ኣምሓራ ድብያ ዝፈርሕ። ኣብ ክንደይ ወራራት ተወፋይነቱ ዘመስከረ ኢዩ። ትማሊ ነቒፉኒ ነይሩ ‘ሞ ኣነ ሎሚ ክነቕፎ ኢልካ ሞራል ተጋዳላይ ክትንክፍ ምፍታን ግን ብሓላፍነት ዘሕትት ዘይሰውራዊ ጠባይ ኢዩ። ጠበልበል በዚኣ ነብስኻ ክትነቅፍ፡ ናብ መስመርካ ክትምለስ እዘካኽረካ።
ወዲ ሃይለ፡ (ዳርጋ ኩልፍ ኣቢሉ) ነዛ ናይ ቺቹ ዝውስኸላ የብለይን። ካብዚ ኩልና ክንመሃር ይግባእ።…. ኩልኻ ሓፍ በል፡ ተጠንቀቕ ሰጥ በል ዝክረ ሰማእታት፡ ብሰላም ዕረፍ….. (ዓወት ንሓፋሽ ትብል ጋንታ ብሓባር)
መበል 43 ትርኢት
ንጽብሓይቱ ኣሕመድ፡ ዋርድያ ኮይኑ ወጺኡ ጸላኢ ክከታተል ይርአ። ኣብ ገጹ ሕርቃንን ጭንቀትን ይንበብ። ካብቲ ፈራሕ ተባሂሉ ዝተነቕፈሉ እዋን መንፈሱ ምርባሽ ከምዘይተገላገለ ርኡይ ይኸውን። ሓንሳብ ብኢዱ ሰለፉ ይሃርም። ሰደፍ ብረቱ ምስ መሬት የጋጭዎ …..።
“ ክንዲ ክልቴና ተዋጋእ፡ ክንዲ ክልቴና ተሰዋእ፡ ንኽልቴና ዝምቀል ጅግንነት ስራሕ” ዝብል መቓልሕ ድምጺ ወዲ ገዛኢ፡ ናይ ‘ቲ ስዉእ መጓዕዝቱ ኣብ እዝኑ ክድውል ይስማዕ፡ ይደጋገም ከኣ።
ትርኢት መበል 44
ንምሸቱ፡ ወዲ ሃይለ፡- (ጋንታ ሰሪዑ ተጠንቀቕ ሰጥ በል ኢሉ ከተብሩኽ ድሕሪ ምእዛዝ።) እምበኣር ኣሕመድ ካብዚ ቦታ ካብ ዝስወር ሓያለ ሰዓታት ሓሊፉ ኣሎ። ስለዚ ሃለዋቱ ብርግጽ ክሳብ ንፈልጥ ከም ተጋደልቲ መጠን ጥንቃቐታት ክንገብር ግቡእ ኢዩ። በዚ መሰረት ሎሚ ኣብ ሓለዋ ቀጽል ክንሓድር ኢና። ስለዚ ኩሉ ብጻይ ካብቲ ልሙድ ክብ ዝበለ ጥንቁቕ ሓለዋ ክገብር ይግባእ።…. (ተበገስ ኢሉ ጋንታ መሪሑ ናብ ካናለ ከምርሕ ይርአ)
ትርኢት መበል 45
ጠበልበል፡- (ኣብቲ ብወርሒ ዝደመቐ ምሸት፡ እናተጓዕዙ ከለዉ ናብ ቺቹ፡ ቅርብ ኢሉ፡) ርኤኺ ወዲ ሃይለ ስቕ ኢሉ መቕጻዕቲ ምግብና ለፍዲዱና ዘሎ። ኣሕመድ ደኣ ፈራሓ እንተዘይትኸውን፡ ካብ ኣምሓራ ዝብላዕ ኣስቃጥላ ከተምጽኣልና ዶ ዝኸደት ይመለኪ።
ቺቹ፡ እስከ ረሓቕ በጃኻ! (ብዕቱብ ገጽ ትገንሖ)
ጠበልበል፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ሆ ኢልክን ክትበልዓኒ ደሊኽን። ሕጂ ዶ ይሓይሽ፡ መልሓስክን ደኣ ሕየኻ። (ኣቃጫጭ ሓዊሱ)
ቺቹ፡- ጠበልበል፡ ይኣኽለካ ዓጀውጀው ኣይትበል፡ ሕጂ ኣብ ሓለዋ ኢና ዘለና። ኣሕመድ ሕጂ ዝገበረ እንተገበረ ንዝፈጸሞ ጅግንነት ኣይንኽሕዶን ኢና። በዛ ናትካ ዒደር መልሓስ ተጋግዩ መስመር እንተለወጠ ‘ውን ንዝገበሮ ቅያ ኣይልወጥን እዩ። ኣኽብሮት ድማ ይግብኦ። መቸም ሓበሻ ነገር ምስ ኮነ፡ ኣልዕል ኣቢልኩም ኢኹም ተሾሽ-ተሾሽ ትብሉ። ለካ ጠበልበል፡ ርሓቐለይ ይኣኽለካ! ገና ምስ ሕርቃነይ እየ ዘለኹ።
ጠበልበል፡- እውይ ሲኞራ መዓስ ደኣልክን ወርዚኽን…. (እናቃጨጨ ካብኣ ይርሕቕ)
መራሕ መስርዕ፡- (ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ) ወዲ ሃይለ ቶኽሲ ዶ ትሰምዕ ኣለኻ (ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ)
ወዲ ሃይለ፡- እወ ሓንቲ ቡምባን ደቂቕን ሰሚዐ
መራሕ መስርዕ፡- ዝተንቀሳቐሱ ብጾትና ኣለዉ ድዮም?
ወዲ ሃይለ፡- ዝተሓበረና የለን። ከምቲ ልሙድ ፈሪሐን ይትኵሳ ይህልዋ ምበር፡ ኣምሓራ እንታይ ኣለወን ኢልካየን፡ ዋላ ድምጺ ጀሪካነን እንድዩ ዘሰምብደን መቸም፡ ከምዚ ፈራሕ ዝረኣዮ ዘይብሎ ኣልዕል ኣብሉ ብኣውያቱ ዝተባባኦ፡ ቶኽሲ እተተኮሳ እዩ ዝፈዅሰን። ሸልል በለን ድፋዕና ጥራይ ንቋጻጸር።
ትርኢት መበል 46
ብጾት ብጾት ዝብል ድኹም ድምጺ ኣብ ቅድሚ ድፋዕ ይስማዕ። ኩሎም ኣብ ሓለዋ ቐጽል ዝጸንሑ ተጋደልቲ ድማ ብረቶም የዐሚሮም ኣብ ተጠንቀቕ ይኾኑ።
መራሕ መስርዕ፡- መን ኢኻ ይብል ብዓውታ።
“ብጾት! ብጾት” ዝብል ድምጺ ጥራይ ይቕጽል።
መራሕ መስርዕ፡- (ኢዱ ሓዊሱ፡ ብጾቱ ድምጺ ካብ ምግባር ክጥንቀቑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ናብ ቅድሚ ድፋዕ ይወርድ። ኣብኡ ከኣ ኣሕመድ፡ ጸጋማይ ኢዱ ብኻምቻኡ ተጀኒኑ ብደም ጠልቅዩ ኣብ መሬት ወዲቑ ክሰሓግ ይርአ። ኣብ የማናይ መንኩቡ ዝወረደ ክልተ ጠበኛጁ ኣብቲ ቦታ ወዲቑ ይርአ።
መራሕ መስርዕ፡- (ይፈዝዝ፡ መራሕ ጋንታን እታ ጋንታ ብኹላን እቲ ኩነታት እንታይ ምዃኑ ብታህዋኽ ክጥፈልጥ ብድድ ኢላ ትከታተል)
ወዲ ሃይለ፡- ሬድዮ ርክቡ ጢል ኣቢሉ ኸሎ፡ እሂ ‘ታ ፡ እንታይ ተረኺቡ!?
መራሕ መስርዕ፡ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ሓንሳብ ክዕገስ የመልክተሉ ‘ሞ ርግእ ኢሉ ነቲ ኩነታት ዝያዳ ንምፍላጥ ናብ ኣሕመድ ይቐርብ። “ሓኪም ጸውዕ ሓኪም” ይብል ብምርባሽ
ኣሕመድ፡ (ብትሑት ድምጺ) “ ኣ ይ ፈ ራ ሕ ኩ ን፡ ናይ ክልተ ሰብ ተዋጊአ፡ ክልተ ካላሽን ማሪኸ ‘ለኹ። ኣይፈራሕኩን! ዓወት ንሓፋሽ!። (ትንፋሱ ንመወዳእታ ትሓልፍ፡ ርእሱ የውድቕ)
መራሕ መስርዕ፡- (ብሓዘን ዝተደወነ ገጽ እናተራእዮ፡ ብረቱ ብሰደፋ ናብ መሬት ገው ይብሎ ‘ሞ፡ ተዓሚራ፡ (ንቶኽሲ ተዋዲዳ ዝጸንሐት ካላሽኑ ትባርቕ) ቶኽሲ ይስማዕ፡ መቓልሕ ብዝጥዕም ብርቱዕ ድምጺ ናብ ጋንትኡ እናጠመተ።) ኣሕ ብጾት! ኣሕመድ፡ ናይ ክልተ ተዋጊአ፡ ናይ ክልተ ተሰዊአ፡ ክልተ ብረት ማሪኸ፡ ኣ ይ ፈ ራ ሕ ኩ ን!” ይብለና ኣሎ። ኣሕመድ ኣይጠለመን ንሕና ኢና ጠሊምናዮ! (ጋንታ ኩላ ፈዚዛ ነንሕድሕዳ ትጠማመት፡ ቺቹ ንጠበልበል ኣተኵራ ዓይኑ ዓይኑ ትጥምት ትነብዕ፡ ርእሳ ድማ ትንቕንቕ፡ ጠበልበል ድንን ይብል።)
ትርኢት መበል 47
ኤፍሬም፡ (ዓይኑ ንብዓት ቁጽርጽር ኢሉ) ኣሕመድስ ‘ኳ ሓንቲ ናይ ሓለዋ ኣሃዱ ኣጥፊኡ፡ ተባዕ ‘ምበር ፈራሕ ከምዘይኮነ ንጋንትኡ ብግብሪ ኣርእዩዋ ሓለፉ። ክንደይ እንዶ ግዳ የላን ዘይሓሰበትቶ አጢሙዋ ብቡምባ ነፍሳ ፈንጂራ ትቕህም። ሓደ-ሓደ ግዜ ‘ኮ፡ ምስ ጸላኢ ካብ እትገብሮ ኵናት ኣብ ውሽጢ ገድሊ ዘሎ ኵናት ይመርር!
ኣልማዝ፡ (ምዕጉርታ ብንብዓት ጠልቅዩ፡ ንዘረባ ‘ውን ሓይሊ ስኢና)፡ ‘ ይኣክል በጃኻ ኤፍሬም ሓወይ! (ትብል ብድኹም ድምጺ)
ኤፍሬም፡ መስዋእቲ ተጋዳላይ ዘይኣኸለ ‘ሞ ዛንታ መስዋእቲ ከመይ ኢሉ ‘ዩ ክኣክል ኣንቲ ኣልማዝ!
ኣልማዝ፡ ግደፎ ‘ባ መስዋእቲ ተጋዳላይ ‘ሲ ንኣዘንታዊኡን ሰማዒኡን ብማዕረ ዘንብዕ መሪር ተመክሮ እዩ
ኤፍሬም፡ እወ፡ ምእንቲ ናጽነት ናብ መስዋእቲ ዝህንደድ ‘ምበር፡ ናጽነት ክርኢ ርእሱ ዝሓብእ ተጋዳላይ የልቦን። ከምዚ ናይ ኣሕመድ ጥይት ብድሕሪት እንተመጸቶ ‘ውን ብትግሃት እዩ ዝቕበላ ተጋዳላይ! ኣሕመድ ኣብነታዊ ተጋዳላይ እዩ! ኣልማዝ ሓንቲ ሓደራ ዝብለኪ፡ እዚ ወርቃዊ ታሪኽ ‘ዚ ብህይወቱ ምስ መጻኢ ወለዶ ክዛረብ ኣለዎ። ናይ ታሪኽ ኣፍ ኮንኪ ተዛረቢ፡ ሓደራኺ፡ ሓደራኺ ኣልማዝ ዛንታና ከይመውት!
ኣልማዝ፡- ስጋ ስዉኣት! ታሪኽ መሳቶይ መታን ክነግር ደኣ ንመስዋእቲ ተሓቢአ ኣየሕልፋን ‘ምበር፡ ምዝንታው ናይ ‘ዚ ተጋዳላይ ኣብ ጽመዋ ዝፍጽሞ ዘሎ ተወፋይነት ‘ሲ ቀዳማይ ዕማመይ ክኸውን እዩ። ንቓላት ይኽበዶም! ግን ኤፍሬም፡ ንስኻ ኸ ኣይትሕግዘንን ዲኻ!? ሰንኪልካ ብምርኩስ እናተሳለኻስ ገና ብዛዕባ መስዋእቲ ትሓልም ኣለኻ ማለት ዲዩ? ኣየ ተጋዳላይ!!
…ይቕጽል
ብኣማኑኤል ኢያሱ