መስከረም ብባህላዊ ባህርያዊ ተፈጥሮኣዊ ታሪካዊ ኣጋጣሚታት ብዙሕ ኣዝዩ ብዙሕ መስመያ ድሙቅን ዉቁብን ናይ ተስፋን ራህዋን መዝሙር (ደርፊ) ዝዝመረልኪን ዝድረፈልኪን ምካንኪ ኩሉ ወዲሃገር ዝሰማማዓሉዩ ኔሩ ።
ሓንቲ መዓልቲ ካብተን ኩለን ቅዱሳት ዕለታትኪ ግና ዕለት 18/ 2001 ክትክሰስላ እትነብርላ ዕለት ኮይና መዓልትኪ ኣይንዓሎ ክንብል ደፋፊእኪና ። ነቶም በላሕቲ ኣደንቁርኪ ነቶም መስተዉዓልቲ ኣህሲስኪ ንርሑቅ ጠመታኦም ደፊንኪ ንሕልናኦም ኣድኪምኪ መደንዘዝ ነስኒስክሎም ።
ታሪክ ዝፈጸሙ ቅያ ዝሰርሑ መስዋእቲ ዝከፈሉ ካብ ህጻንነቶም ኣትሒዞም ንሃገር ዝተወፈዩ ነታ ሃገር ከም ዓለማ ቦታኣ ዘትሓዙ ኣብዛ ጸላም ዕለት መን ከምዝጠለሞም መንከምዝከደዖም መን ኣሕሊፉ ከምዝሃቦም መን ናብዛ ጋህሲ ዒላዔሮ ከምዝሓቁ ከምዝገበሮምን ኣብዛ መጻእኩ መጻእኩ ትብል ዘላ ጉባኤን ምዝዛማን አብታ ብኣኣ ዝቆመት ፍትሓዊት መጋባእያን ቀሪብኪ ዝሓቆፍኪዮ ምስጢራት ክትግንጽሊ ነቶም ትፈልጥዮም ከዳዓት ብዘየወላዉል ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ከተረክብዮም ትደፍሪዶ ? ሂወቶም ክትሓልፍ ከላ ብዘይካታ ከምዉሁብ ኣብ መንፈሶም ዝሰረጸት ዓወት ንህዝብና ካልእ ዝተላበዉዎ ዝሰማዓ ኣእዛንን ዝረኣያ ኣዒንቲን ከተቅርብየን ድልዉቲዶ ?
መስከከም አብ ኩሉ ሕሉፍ ዛንታ ኤርትራን ኤርትራዉያንን ዝከሰኪ ይከሰስ ዘብልዩ ኔሩ ኢልና ነዛ ዝመሃዝኪያ ጸላም ዕለት ጎሲናያ ክንሓልፍ ከቶ ዝከኣል ኣይኮነን ። ሰናይ ዕለት ምባል ተሪፉ ተካሊት መዓልቲ ክንብለኪ እዉን ምስቲ ግርማኪ ዝሳነ ኣይኮነን እንታሞ ይገበር ትእዛዝ ጎይታድዩ ወይስ ኣጋጣሚ ነታ ብቀጠልያ ዝለምዐት ብዕንባባ ዘጌጸት ብጠሊ ዝረሓሰት ብተስፋ ዝጸገበት ወርሓትኪ ሓንቲ መዓልቲ በሪዛታ ዕለት 18 መስከረም ። ካሕሳ ክትክሕሲ ተዳሊኪ ምህላዉኪ ግና ይነፍስ አሎ ። እታ ተዳሊኪላ ዘሎኪ ዕለት አብ ቅርዓትኪ ምሁር ሓረስታይ ሰራሕተና ተባዕታይ ኣንስታይ ህጻን ኣረጋዊ ምስክርነትኪ ክሰመዕ ይህንጠሎ ፡ እቲ ከዳዕ ክቁሎ እቲ ዉጹዕ ፍስሃን ደስታን ክዓስሎ እቲ ወይጦ ክመስል ጸሎሎ እቲ ብዱል ክብል ኣዉሎ ንኩሉ ደላይ ለዉጢ ይርኣዮሎ ፡ ግና ላንግላንጋ ከይትኮኒ ጽንዓትኪ ኣትርሪ ዝብል ለበዋ ሚዛኑ ናባኪ የንጠጡ ስለዘሎ መንፈልጥ ዝከብደኪ እንተመሲሉ ነተን መዛኑኪ ጥርን ግንቦትን አሳግርለን ንስክን ሰሰይቲ ኣነ ግና መስካሪት ንስክን ተቀበልቲ አነ ኣቀባሊት ንስክን ኣንበብቲ ኣነ ግና ገንጻሊት ኢልኪ ሰላሕ ኢልኪ ንገርየን ብናተን ሓገዝ ትገላገልሉ ግዜ ኣቀላጥፍዮ ፡ እዚ እዩ እቲ ንዝበደልክዮ ህዝቢ ኣረስሪሱ ይቅረ ክብለልኪ ዘክእሎሞ ኣብ ልብኪ የሕድሮ። ኩሎም ናይ ቀደም አመንትኪ ድሕሪ ጉባኤን አብ ፍትሓዊት መጋባእያን የራክበና እናበሉ መልእክቶም ይዛዝሙ።
መስከረም ስምኪ ይተሓደስ
ኣበሳሪት ዓወትን ዛዛሚት መከራን ኩንልና።
ዓወት ንዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዉድቀት ንመላኪ ስራዓት ኣስመራ።
ጎይቶኦም