Home ትግርኛ ቃል ኣሰና እገዳ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ምንትምንታይ ዶ እንቋዓነይ? - ቃል ኣሰና
Print PDF
እቲ ኣብ ፈለማ ቴስዓታት፡ ኣብቲ ድሙቕ ሕጽኖቱ፡ ዘርኣዮ ወሰን ኣልቦ ሓጎስን ፍስሃን፡ ምድፋእ ኣኽሊል ናጽነት ዘንቀሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ገና ዘይጨበጦ ግን ከኣ ምሉእ እምነት ዘሕደረሉ ተስፋን ባህግን ዝመንጨወ ‘ዩ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ እቲ ናብ ኣፍሪቃ ክባጻሕ ምዃኑ ኪኖ ህዝብና እተላይ ንዓለም ዘእመነ ተስፋ፡ ብሰንኪ ‘ቲ ካብ ባህግን ረብሓን ህዝቢ ዝተፈለየ ስልጣን ናይ ምብሓት ጥሙሕ ዘጫለደ ስሱዕ ስርዓት ህግደፍ ባኺኑስ፡ እንሆ ሃገርና፡ እታ ኣብነትና ክትክተል ትጽቢት ዝተገብረላ ኣፍሪቃ ዘርቀቐቶ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ውን ብወግዒ ናይ ዘጽደቖ እገዳ ቅጽዕቲ ኮይና ‘ላ።

ንድፊ ናይቲ ብኣፍሪቃ ከምዝተበገሰ ዝንገረሉ እገዳ፡ እታ ርእሰ-ሓያላን ዝኾነት ኣመሪካ እትርከበን ዳርጋ ኩለን ሃገራት ደለይቱን ደፋእቱን ምዃነን ብሩህ ‘ኳ እንተኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ‘ኳ ምድንጋጽ ክረክብ ዘይምኻሉ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን ፍሽለቱ መዐቀኒ ከምዘይብሉ የርኢ። ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሲርተ (ሊብያ) ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ኣብ ዘቃንዖ ኣኼባ፡ ብምሉእ ድምጺ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክገብር ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑዎ። ብ23 ታሕሳስ፡ እቲ እገዳ ክጸድቕ ከሎ፡ ዝተቓወመቶ እንኮ ሃገር ሊብያ ‘ውን፡ ንስርዓት ህግደፍ ብስምዒት ደኣምበር ብመትከል ኣይደገፈቶን። ወኪል ሊብያ፡ ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ሃገሩ ነቲ ብዋዕላ ጅቡቲ ዝተጣየሰ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ከም እትድግፍ ብወግዒ ገሊጹ። ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻሩ ባዕሉ ደጋጊሙ ከምዘረጋገጾ፡ ተቓዋምን ተጻባእን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኮይኑ እዩ ክዋሳእ ጸኒሑ። ስለዚ ሊብያን ስርዓት ህግደፍን ኣብቲ መሰረታዊ ጉዳይ ዝቃዶ መርገጺ የብሎምን።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብታ ንሓንቲ ካብ ኣባላ ንኣህጉራዊ እገዳ ኣሕሊፋ ሂባ ዘይትፈልጥ ኣፍሪቃ፡ ቀዳማይ ግዳይ ክኸውን ከሎ ኸኣ፡ ውድቀቱ እዩ ዝምስክር። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ፡ ከእምን ወይ ክእምን ዘይክእል ስርዓት እምበኣር፡ ከም መሪሕነት ሓደ ሃገርን ህዝብን ሕጋውን ሞራላውን ተፈላጥነት የብሉን። እዚ ድማ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገርና ናይ መሪሕነት ባዶሽ ከምዘሎ የረጋግጽ።

ኣብዚ ክንጸር ዘለዎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ጉዳይ ሶማላውያን ኢዱ ብምምላስ፡ ብዝያዳ ድማ ኣንጻር ርእይቶ ዓለም ደው ኢሉ ነቲ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ሕዱር ቅልውላው ዘጋድድ ዓንዳሪ ፖሊሲ ምኽታሉ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት እገዳዊ መቕጻዕቱ እዩ። ነቲ ኣብ ዓለም ሒደት ሃገራት ዝተሰማምዓሉ ወራር ዒራቕ ከይተሓተ ዝደገፈ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ሕጂ፡ እንተስ ካብ ዓቕሊ ጽበት እንተስ ይሓይሽ ኢላ ዳርጋ ዓለም ብምሉኣ ዝተቐበለቶ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ምንጻጉ፡ ስጊንጢራዊ ፖሊሲ ከምዝኽተል ዘጕልሕ እዩ።

እንተኾነ፡ ብወገና ምእጋድ ናይ’ዚ ስርዓት እንድግፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዘውረዶ ዓመጽን እገዳን እዩ። ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ፡ ኣብ ህይወቱ ካብ እገዳ ህግደፍ ዘምለጠ ዓውዲ ከቶ የብሉን። ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ዝተሓረመ፡ ዝተዳህከን ዝተዋረደን ህዝቢ የልቦን።

ስለዚ፡ እቲ ብዘይ ምኽንያት ንገዛእ ህዝቡ ዝቐጽዕ ስርዓት፡ ብድርብ ምኽንያታት ክቕጻዕ ከሎ ክድገፍን ክተባባዕን ኣለዎ።

ነቲ እገዳ ቅቡል ዝገብሮ ካልእ ምኽንያት፡ ንህዝቢ ካብ ፖለቲካዊ ቀጸላ ስርዓት ህግደፍ ፈልዩ፡ ነቲ ኣበረኛ ፖሊሲታት ኣብ ዝቕይሱን ዘተግብሩን ላዕለዎት መራሕቲ ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተሓባበርቶምን ዘነጻጸረ ምዃኑ እዩ። እቲ እገዳ ከም ቃሉ፡ ነቲ ስርዓት ካብ ህዝቢ ፈልዩ እንተቐጺዑዎ ድማ፡ ነቲ ካብ ኣርዑት ህግደፍ ክላቐቕ ዝከራኸር ዘሎ ህዝብና ዓቢ ሞራላዊ ደገፍ እዩ። እቲ መብጽዓኡ ተጠሊሙ፡ ተስፍኡ ተሰይሩ፡ ኣደዳ ስእነትን ጥምየትን ስደትን ኮይኑ ዘሎ ህዝብና ‘ምበኣር ነዚ ዕድል‘ዚ ተጠቒሙ፡ ነቲ ‘መግዛእተይ እንተተቐቢልካ ኣብኣ ትዴኻ ‘ እናበለ፡ መባድልቲ ስስዐ ስልጣኑ ዝገበሮ ዘሎ ስርዓት፡ ካብዚ ናይ ባይቶ ጸጥታ ዝኸረረ እገዳታት ክብይነሉ፡ ‘ይኣኽለካ’ ክብሎ ኣለዎ።

ማሕበረሰብ ዓለም ‘ውን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ከይተፈትሐ፡ እቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብስርዓት ህግደፍ ዝኽሰት ዘሎ በጨቕታታት፡ ብእገዳ ጥራይ ንሓዋሩ ክዓርፍ ክምዘይክእል ብምርዳእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዋና ጉዳዩ ኮይኑ መስርሕ ፖለቲካዊ ለውጢ ሃገሩ ክመርሕ ከተብብዖ ይግባእ። ነቲ ኣብ ምንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወንዚፉ ዘሎ ጉዳይ ዶብ ‘ውን፡ ኣብቲ ድሮ ዝተዋህበ ሕጋዊ ብይን ብምምርኳስ ኣብ መፈጸምታኡ ምብጽሑ ከም ኣካል ናይቲ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምርግጋእ ዝድለ ፍታሕ ብተግዳስነትን ብዕቱብነትን ርእዩ ብግብሪ ክሰርሓሉ ይግባእ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዝግባእ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፡ ኣብ ግዳይነት እገዳ ከም መጻምድቱ ኣምሲሉ እናሸሓጠ፡ ህግደፍ መኻፍልቲ ናይቲ ወሪዱዎ ዘሎ ጸቕጥን ውርደትን ከይገብሮ፡ ከምኡ ‘ውን፡ ከምቲ ‘ዶብ’ ‘ኳ ዘይተሓንጸጸ’ እናበለ ዓጽመ-ስጋኡ ዝገሃጾ፡ ሕጂ ኸኣ ‘ነገር ብእገዳ ገዲዳ’ ኢሉ ካብ መሸንቆቛ ናይቲ ደንጉዩዎ ዘሎ ለውጢ ከምልጥ ከይፍትን ጥንቃቐን ልቦናን ከምዘድልዮ እዩ። ካልኣይ ሳልሳይ ራብዓይ ግዜ ክግራህ ኣይግባእን። ህግደፍ ኢዱ እዩ ረኺቡ ። ስለዚ፡ ነቲ እገዳ ባዕሉ እቲ ‘ዩ ብሓላፍነት ክሕተትሉ ዝግባእ።

ህዝቢ ኤርትራ ‘ምበኣር ነዚ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተበይኑ ዘሎ እገዳ፡ ከም ዓቐናዊ ሞራላዊ ደገፍ ወሲዱ፡ ፈለማ ከም ህዝብን ሃገርን ናይ ገዛእ ርእሱ መሰል ንምኽባር፡ ቀጺሉ ድማ ከምቲ ህግደፍ ዝቐብኦ ጸሎሎ፡ ጻሕታሪ ነገርን ህውከትን ዘይኮነ፡ ስኒትን ሰላምን ምዕባለን ዝብህግ ወረጃ ህዝቢ ምዃኑ ዳግማይ ከመስክር፡  ነቲ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምርግጋጽ ዕማም ብሓያል ጻዕርን ምትሕብባርን ከሰላስሎ ይግባእ። ልዕሊ ኹሉ፡ ከም ኣመሉ ደጋፍን ተቛዋምን እገዳ ኢሉ ከይፈላልዮ’ሞ ተኣጊዱ ከይነብር፡ ትኩርነቱ ብምዕባይ፡ ብሓባር፡ ‘ባህግና፡ ብዘይካኻ የብላን ጓና’ ክብሎ ኣለዎ።

ቃል ኣሰና
27.12.09
 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65