Home ትግርኛ ቃል ኣሰና ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ዓወት - መልእኽቲ ኣሰና:
Print PDF

ብሰንኩ፡ ኣብ ክንዲ ሕቡን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕዉት ህዝቢ ኤርትራ፡ ቅጽል ስምካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ክንብሎ ተገዲድና ‘ለና። ድሕሪ ‘ቲ ዝኸፈልካዮ ክቡር ዋጋ፡ ውጹዕ ተባሂልካ ክትጽዋዕ፡ ግዳይ ክትከውን ኣይጻማኻን እዩ። እንታይ ‘ሞ ኣብ መሬት ግሃነብ ዝኣጎደ ጋኔን እንዶ ረኺብካ! ስለ’ዚ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንልዕሊ ደርዘን ዓመታት በዚ ንሕስያ ዘይብሉ ስርዓት ህግደፍ ተበሊዕካ ኢኻ ‘ሞ፡ እዛ ጽባሕ ዓርቢ እትኣቱ ሓዳስ ዓመት 2010 መባልዕትኻ ይግበራ። ንዕኡ ከምቲ ወሓጢ ኣፉ ኣፍ ትኹነሉ፡ ንዓኻ ድማ ከም ልብኻ ለዋህ፡ ከም ኢድካ ሃያብ ትዅነልካ !

ነቲ ኣብ ልብኻ ተዋህሊሉ ለይትን ቀትርን ሽቕሸቕ ዘብለካ ዘሎ ምረት፡ ብሓሞት-ቀለም ዝተሰርሐ ቃላት እንተንረኽበሉ ንኻልእ ግዜ ኣይምበቐቕናዮን። እዚ ጽዩፍ ስርዓት’ዚ ኣብ ልዕሌኻ ዘይፈጸሞ በደል ስለዘየለ፡ ናይ ሕጂ ‘ዩ ሓርቢቱና ዘሎ።

ብሰሪ’ዚ ስርዓት፡ ዑናኻ ዘይትቐብጽ፡ ኣብ መሬትካ እትመውት ህዝቢ ክንስኻ፡ ቅድሚ 12 ዓመት፡ ዓይንኻ ትርኢት ደቅኻ ናይ መወዳእታ ከይከውን ተማቲኡ እናነብዐ፡ ልብኻ ብዘይ መሬት መጻእን ምትስፋውን ‘ውን ከምዘየለ ኣስተብሂሉ ኣፍካ እናመረቐ፡ ደቅኻ ናብ ግንባር መኸተ ከምዘየፋነኻዮም፡ ብሰንኪ ‘ዚ ጨካን ስርዓት ‘ወ፡ ሕጂ እቲ ምፍናው ናብ ጉዕዞ ስደት፡ እቲ ሞት ኣብ መንገዲ ስደት ኮይኑ። ንገዛእ ህዝቡ፡ ንጸዋሪኡ፡ ኣብ ምድሙድ ባይታ ምምብርካኹ ውሑዱዎ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሊም ጉድጓድ ዝኸትት ስርዓት ‘ሞ፡ ከምዚ ዝበለ ተመክሮ ዘየሕለፉ ኣቦታት ዘጽንሑዎ ኣምረ-ቃላት ከመይ ገይሩ ይገልጾ!?

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብርግጽ፡ ቅድሚ 1998 ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ኣይረሃወካን፡ ኣይጸገብካን፡ መሰልካ ‘ውን መሊኡ ኣይተረጋገጸን። ተስፋኻ ግን ምሉእ እዩ ነይሩ። ተስፋ ሒዝካ ተሪር ዓቐበት ክትድይብ፡ ኣብ ሰፊሕ ባሕሪ ክትሕምብስ፡ ባህግኻ ክትምልኦ ምዃንካ ሳላ ዝነበረካ እምነት፡ እቲ ጎዶሎ ‘ውን ምሉእ እዩ ነይሩ። ካብኡ ንደሓር ክሳብ ‘ዛ ሕጂ 2009 ዝቐጸላ 11 ዓመታት ግን፡ 11 መዓታት ‘የን ኮይነናኻ።

ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰይ ኤርትራ ምስ ፋይድኡ ኣብ ዘይዳረግ ኵናት ሃሊቑ። ብዓቕሙ ተበጅዩ ዘድሓና መሬት፡ ክነብረላ ኣይዓደመቶን። መንእሰይ ኣይትምህርቲ ኣይሓዳር ኣይንቡር ስራሕ፡ ኣይመሰል፡ ኣይክብረት ኣብ ወሰናስን ብዕስክርና ተቖሪኑ፡ መፍቶ ገንዘብ ዘይከፈሉሉ ወነንቲ ገላዩ ኮይኑ። በዚ ተስፋኦም በኒኑ፡  መሬት ዓደቦኦም መንከሽከሽ ኮይናቶም ከም ዕንበባ በሲሎም ዝነጠሩ ሕንጫላት ቆልዑ ድማ ኣብ ዶበዶብ ብጥይት ዝቖልብ ሌፋይ ረኺቦም። ጥይት ህግደፍ ስሒቱዎም ዘምለጡ ምድረበዳ ሰሃራን ሲናይን ተቐቢሉ ዝኣኽሉዎ ኣትሪፉ። ካብ ጽንኩር ጉዕዞ ምድረበዳ ንዝተረፉ ዕምቆት ባሕሪ ኣይነሓፎምን። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሰይጣናዊ ስርሑ ኣምላኽ ከምዘውረዶ መቕጻዕቲ ኣሜን ተባሂሉ ክረዓመሉ፡ ዝጽበ ምርኡይ ስርዓት፡ ሞይቶም ከለዉ ‘ውን ኣረኻኺቡሎም። ሞት ሓደ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ይኹን ህልቂት 75 ዜጋታት ኣብ ስምዒቱ ፍልልይ ከይገበረሉ፡ ብኣበሳኡ ኣብ ‘ዚ ኹሉ መዓት ንዝወደቑ መንእሰያት ዋላ ንይምሰል ድንጋጸ ከየርኣየ፡ ካብቶም ኣብ ጸልማት ዝድበሱ ወለዶም ናይ ደም ገንዘብ ክሽምጥጥ ተረኺቡ። ነዚ ኣብ ልዕሊ ሓድጊ ናይቶም ህይወቶም ኣሕሊፎም ህይወት ዝሓደጉሉ ስዉኣት ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጥያት ዝፍጽም ስርዓት ‘ሞ ብዛዕባ ማእሰርቲ ብጾቱ፡ ጋዜጠኛታት፡ ኣቕሽሽትን መሻይኽን  ምኽሳስ እንታይ ትርጉም ኣለዎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 11 ዓመታት 11 ግዜ ተቐቢሩ ዘይጸሪ ሓጥያት እዩ ዘለዎ። ስለዚ ኸኣ ‘ያ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ተስፋን ዓወትን ኣርእሰተ ዜና፡ ስማ ቅድሚ ምፍላጡ፡ ናይ እገዳን ኩነነን ውድቀትን ኣርእስቲ ኮይና ኣብ ዓለም ትልለን ትሕመን ዘላ።

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ እምብኣርከስ፡ 2010 ዓመተ ምህረት፡ ምስዘን መዐንደሪ ኣርዮስ ኮይነን ደም ዘንብዓኻ ርኹሳት ዓመታት ክትጽብጸብ የብላን። ኣብ 2010፡ ጥምየትካ ጽጋብ፡ ሞትካ ህይወት፡ ጸበባኻ ራህዋ፡ ዓመጽካ ፍትሒ፡ ኵናትካ ሰላም ክብሃል የብሉን። ኣብ ክዉንነት መታን ክትነብር ከኣ፡ እቲ ውልቀመላኺ፡ ውልቀመላኺ ክብሃል ኣለዎ።  ውልቀመላኺ ኢልካ እንተጸዊዕካዮ፡ እቶም ቀቅድሚኡ ዝሓለፉ መለኽቲ ‘ ቦታኻ ኣብዚ’ዩ ‘ ኢሎም ናብቲ ግቡእ ቦትኡ ክዕድሙዎ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኢኻ፡ ኣብ ክንዲ ከምዚ ሎሚ ‘ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ’፡ ብዘይቃልዓለም ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ተባሂልካ እንትጽዋዕ። ክብረትካ ከተውሕስ፡ መጻኢ ወለዶታትካ ከተረጋግጽ፡ ኣርዑት ዓመጽ ክትሰብር ይግባእ። ፍትሒ ክትረክብ ባዕልኻ ዳኛን ፈራድን ክትከውን ኣለካ። እዛ ሓዳስ ዓመት ዝሃበትካ ኣብ ክንዲ ትቕበል፡ ዝሃብካያ ክትቅበል ኣገድዳ። እዛ ሓዳስ ዓመት ሓድሽ ዓወት ከተምጽእ ኣለዋ።  


ኣኻእሎ ኣሎካ! ኣኻእሎኻ የዘክርካ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

2010 ዓመተ ለውጥን ራህዋን ሰላምን ፍትሕን ይግበረልካ! 

                      
 ኣሰና                  
30 ታሕሳስ 2009

 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65