Home ትግርኛ ቃል ኣሰና እቲ መርገም: ዘይተሓስበ ምርቓ ኣጋንንቲ ከይከውን ብትኩርነት ክስርሓሉ ኣለዎ። (ቃል ኣሰና )
Print PDF

ንጉሆ ሓደ ጥሪ 2010 ክልተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 25 ኣባላት ሰራዊት ቀቲሎም፡ 38 ከምዘቝሰሉ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ንዜናዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ብኡንብኡ፡ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ብስም ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ብማዕከናት ዜናኡ ዘካይዶ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ፡ እተን ብስም ተቓወምቲ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ዝካየዳ ማዕኸናት ወረ ‘ውን ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተጠቒመናሉ።

ንጽብሓይቱ ድማ ስርዓት ህግደፍ፡ ብግንባር ዛላምበሳ ተኸታታሊ መጥቃዕትታት ዝፈነዉ ወተሃደራት ወያነ ተጸፊዖም ከምዝተመልሱ ብማዕኸናት ዜንኡ ኣቃሊሑ። ኣብቲ ብቲቪ ኤሪ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ ስእልታት መንጠቢኣ ዘይተፈልጠ ስእሊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ “ወተሃደራት ወያነ ገዲፎሞ” ኢሉ ዘቕረቦ ዕጥቅታት ተራእያ። ንስእሊ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ሱዛን ራይስ ኣብ ፊት ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቂዑ፡ መእተውን መውጽእን ፕሮፖጋንዳ ቴለቪዥኑ ገይሩዎ ምህላዉ ንዝተገንዘበ ሰብ  ድማ ቴማ ናይቲ መልእኽቲ ኣይስወሮን።    

እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብመንገዲ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝካየድ ምጥቕቓዕ፡ ብምትብባዕ ክልቲኡ መንግስታት ሓሓሊፉ ክካየድ ጸኒሑ እዩ። ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን’ዚ ፍሉይ ዝገብሮ እንተሃልዩ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ድሕሪ ምውሳኑ ኣብ ሰሙኑ ይመጽእ ምህላዉ እዩ። ኣብ ርእሲ ‘ዚ፡ ምስቲ ሓሓሊፉ “ይካየድ ነይሩ” ዝበልናዮ ፍጻሜታት ዘየስርዖ፡ ንፍሉይነቱ ዝያዳ ዘራጕድ ፍጻሜ ከኣ፡ እቲ ገለ ኣባላት ኪዳን ዝኾኑ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ እግሪእግሪ ‘ቲ ውሳኔ፡ “ነዚ ናይ  እገዳ ዕድል ‘ዚ ተጠቐምና ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከነወዓውዕ ኢና” ዝብል ወግዓዊ መግለጺ ምሃቦም እዩ። ክልቲኡ ፍጻሜታት ቅድሚ ሕጂ ሳሕቲ ዝተራእየ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ምርካቡ ድማ ንፍሉይነቱ ዝያዳ የጕልሖ።

ኣብዚ ዓንቀጽ’ዚ፡ ነቲ ፍጻሜታት፡ ምስቲ “ለውጢ ብሰላም ዶ ብሓይሊ ብረት” ዝብል ፍልስፍናዊ ምጕት ዘይኮነስ፡ ምስቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ኣሕሊፉዎ ዘሎ እገዳ ብምትእስሳር ዘለዎ ፖለቲካዊ ሳዕቤናት ክንምልከቶ ንደሊ።

ኣቐዲምና ከምዝመትናዮን ሕጂ ‘ውን ይስርሓሉ ከምዘሎን፡ እቲ ብግብሪ ፈሺሉ ክንሱ ብፕሮፖጋንዳ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ዝደሊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እገዳ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብፍላይ ድማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝበየኑዎ፡ ዳግማይ ውዲትን ኣጠቓላሊ መቕጻዕትን (Collective punishment) ገይሩ እዩ ንህዝቢ ዝጕስጕሰሉ ዘሎ። ዲል እንተረኺቡ ድማ፡ ልክዕ ከምቲ “ዶብ ‘ኳ ዘይተሓንጸጸ” እናበለ፡ ንሰነድ ሃገራዊ ቅዋም ግዳይ ዓለባ ሳሬት ገይሩ፡ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ካብ ለውጢ እናህደመ: ንሃገር ሸምበለል ዘበላ፡ ናይ ምድንጋር ፈተነታቱ ምቕጻሉ ኣይተርፍን። ንርእሱ ሕጋውነትን ፍትሕን ከምዘለዎ፡ “ሕጋውነት የብሉን፡ ፍትሓዊ ኣይኮነን” እናበለ ከታልል ይህቅን ከምዘሎ ‘ውን ርኡይ ኮይኑ ‘ሎ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት፡ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ዕድል፡ ደለይቲ ለውጢ ከመይ ገይሮም ናብ ረብሓ ህዝቢ ይልውጡዎ፡ መጽናዕቲ ዘድልዮ መሰረታዊ ሕቶ እዩ። እቲ ዕድል፡ ሽፋኑ ተቐንጢጡ፡ ተጠቢሱ፡ ንምብላዕ ዝተዋደደ (Readymade) ሸዊት-ዕፉን ኣይኮነን። እቲ ክቕጽዓሉ ዝግባእ ስርዓት ከይሰርቆ ተኸላኺልካ፡ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራ ዘቀላጥፈሉ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ልቦናን ጥበብን ዝተሓወሶ ረቂቕ ጻዕርን ዕቱብ ስራሕን ከምዘድልዮ ምግንዛብ የድሊ። በዚ’መዳይ ‘ዚ ክርአ ኸሎ፡ እዚ ብተቓወምቲ ሓይልታት ተወሲዱ ዝብሃል ዘሎ ወተሃደራዊ ስጉምቲ፡ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ነቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ “ብማዕዶ ኣህጉራዊ ውዲት ይደግሰካ ኣሎ፡ ብታሕቲ ኢትዮጵያ ክትወረካ እያ” እናበለ ናይ ከበባ መንፈስ ክፈጥረሉን ብጭንቀት ክቋጻጸሮን ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ መራጎዲ ክጥቀመሉ ዕድል ዝህብ እዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እቲ እገዳ ከም ቃሉ፡ ነቲ ግዳይ ዲክታተርያዊ ዓመጽ ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዩ፡ ነቲ ገበነኛ ስርዓት ፈልዩ ክቐጽዕ ከምዘለዎ ንምርግጋጽ ግብራውነቱ ብትኩርነት እናተኸታተልካ፡ ሓቀኛ መርትዖታት ብምቕራብ፡ ዒላማ መቕጻዕቲ ናይቲ እገዳ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ምንጽብራቕ፡ ንህዝቢ ካብ መታለሊ ፕሮፖጋንዳ ምግልጋሉ ብቐዳምነት ክርአ ዝግብኦ ዕማም እዩ። እቲ ባዕሉ ካብ ልቢ ህዝቢ ወጺኡ ዘሎ ስርዓት፡ እንተ ብምኽኒት ግዳማዊ ስግኣታት፡ እንተ ብምጥርጣር፡ ናብ ደረት ልቢ ህዝቢ ተመሊሱ ወጽዓ ህዝቢ ክናዋሕ ዕድል ክዋሃቦ የብሉን። እዚ ብዝያዳ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ዘተኮረ ዕማም’ዚ እንተተዓዊቱ፡ እቲ ተጨፍሊቑ ዘሎ ህዝቢ ተቓውሞኡ ንምቕጻል ምትብባዕ ‘ውን ዘድልዮ ኣይኮነን። በዚ መንጽር፡ ኣብ ዶባት ኤርትራ፡ ነቶም ንርእሶም ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ተኣሲሮም፡ ሓንሳብ “ንኣስመራ ብዘይመንቀሳቐሲ ወረቐት ኬድኩም፡ ኮብሊልኩም” እናተባህሉ፡ ካልእ ግዜ ድማ “ክትከድዑ ሓሲብኩም” ተባሂሎም እናተኸሱ፡ ብወገን ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝርሸኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል፡ ብወገን ኢትዮጵያ እናመጻእካ ምጥቃዕን ምቕታልን ንዓኣኣቶም ካልኣይ ግዜ ግዳይ ምግባሮም፡ ንህግደፍ ከኣ ጉንዖ ምሃብ ካብ ምዃን ሓሊፉ ነዚ ዕላማ’ዚ ኣየሰጉምን እዩ። ኣካሉ ከም ምዃኖም መጠን ከኣ፡ በዚ ጉዳይ’ዚ ልቢ ህዝቢ ክፋራረቕን ንፕሮፖጋንዳ ክቃላዕን ይኽእል እዩ።

ምስዚ ኣተኣሳሲርካ ምስትብሃል ዘድልዮ ጉዳይ፡ ብፍላይ እቲ ንመገሻ ሰበስልጣን ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተሓባበርቶምን ዝምልከት፡ ምድስካል ንብረቶምን ገንዘቦምን ዘጠቓለለ ክልተ እንገዳታት፡ ንህዝቢ ከምዘይጸልዎ ንጹር ‘ኳ እንተኾነ፡ እቲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር ዝብሃል ሳልሳይ ክፋሉ ብጥንቃቐ እንተዘይሰሪሑሉ፡ ብስርዓት ህግደፍ ክምዝመዝ፡ ህዝቢ ‘ውን ልኡላውነቱ ሃገሩ ዘድፍር ልሕልሕ ዝበለ መስመር ከምዘለዎ ዓንቀጽ ክጣራጠረሉ ስለዝኽእል፡ ብጥንቃቐ ክርአ ኣለዎ።

ስለዚ፡ ኩሉ ደላዪ ለውጥን ተቓላሲ ወገንን፡ ነቲ ዝመረጾ ኣገባብ ቃልሲ ናብቶም ንህዝቢ ኤርትራ መዓት ዝኽዕዉሉ ዘለዉ መራሕትን ተሓባበርቶምን ከነጻጽሮ ድኣምበር፡ ብሃሳሰ-ለባም ለኻኻሚ ኣገባብ-ቃልሲ ክጥቀም የብሉን። ህዝቢ ገና እቲ መርገም ባይቶ ጸጥታ ናብ ህግደፍ ‘ምበር ናብኡ ዝቐንዐ ከምዘኮነ ክመዝን ዕድል ከይረኸበ ኸሎ፡ እንተስ ብህዉኻት ተላኢኽካ እንተስ ዕሸልነት ሃዊኹካ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ሳዕቤኑ ብግቡእ ዘይተመመየ ስጉምቲ ምውሳድ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብተዛዋዋሪ ዝረኸቦ ዕድል ዘባኽን እዩ።

እቲ ጸቢብ ወይ (localised) ዝኾነ ናይ ደምበ ተቓውሞ ፖለቲካ ነቲ ዓቢ ስትራተጂካዊ ካርታ ምርኣይ ከሊኡካ፡ “ንሕና ክንገብር ንኽእል ኢና” ዝብል መልእኽቲ ብምሕላፍ: ብመንጽር እቲ ገለ ውድባት ዘካይዱዎ ዘለዉ ሕብረት ፍሩይ ኴንካ ንምርኣይን ብሓፈሻ ኣብ ደምበ ተቓወምቲ ቦታኻ ንምጥዕዓም ዝግበር እንተሃልዩ ‘ውን በንጻሩ ዕሸልነት ወጠንቱ ዘጕልሕ እዩ። በቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸን በዚ ምኽንያትን፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ከይተፈለጦም መሳርሒ ናይቲ ዝቃወሙዎ ዘለዉ ስርዓት ይኾኑ ኣለዉ ማለት እዩ።  ነቲ ዛጊት ኣንፈቱ ኣጥፊኡ፡ ከምቲ ባዕሉ ‘ውን ዝተኣመነሉ፡ “ሕጊ ናይ’ዚ ሓድሽ ጸወታ ዘይተኸስተሉ” ሓጥያተኛ ስርዓት፡ እቲ መርገም፡ ከይበጽሖ ኸሎ፡ ዘይተሓስበ ምርቓ ከይኮነሉ ‘ምብኣር ብብልሒ ክስርሓሉ ይግባእ።

እቶም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ዝበየኑ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንገዛእ ርእሶምን፡ ነቲ ጉዳይ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓልን ምክትታልን መዝነት ዘለዎም ኣህጉራዊ ኣካላትን ‘ውን፡ ንውጽኢት ናይቲ ኣሚሞሞ ዘለዉ እገዳ ዘዘምብዕ ምዕባለታት ከይፍጠር ብጥብቂ ከስተብህሉሉ ይግባእ። እቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ብዘርኣዮ ጠልቀፍቀፍን ተወሳኺ ጉዳይ ጅቡትን ዘሕለፉዎ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ መዓት ሳዕሪሩ ወጽዕኡ ውሒጡዎ ስዘሎ ብኻልኣይ ደረጃ ዝርእዮ ውሳኔ እገዳ ዝዕወት፡ ናብቲ ስርዓት ጥራይ ዝቐንዐ ምዃኑ ምስ ዝግንዘብን ምስ ዝኣምኖን እዩ። ኣብ ህዝቢ ምትእምማን ንምፍጣር ዝሓቶም ጻዕሪ፡  ነቲ እገዳ ንምሕላፍ ካብ ዘካየዱዎ ጻዕሪ ኣዝዩ ከምዝተዓጻጸፍ  ክግንዘቡዎ ‘ውን ይግባእ። ስለዚ ምእንቲ መሰል ሶማላውያን ዝሓለፈ እገዳ፡ ዘይተደልየ ሳዕቤን (Backlash)  ፈጢሩ መናውሒ ስቅያት ህዝቢ ብምዃን፡ መሊሱ መሰል ኤርትራውያን ከይገፍፍ ብሓላፍነት ክስርሑሉ ኣለዎም።

ኣሰና

04.01.10

 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65