ቢትወደድ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን፡ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ቅድስቲ ተወልደመድህንን ብ1953 ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ። ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ። ካብ 6ይ ስጋብ 12 ክፍሊ ድማ፡ ኣብ መንደፈራ ሴንት- ጆርጅ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ። ብድሕሪኡ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስሚዒት ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ይሰርሕ ኔሩ።
ኣብቲ እዋንቲ ብ1972 ኣቢሉ ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ከተማ ተወዲቡ እንዳሰርሐ ከሎ፡ ኣብ ጊዜ ዕረፍቲ ክረምቲ ትምህርቲ ምስተዓጸወ፡ ኣብ ድባርዋ ብእንዳ ጃፓን ዝፍለጥ ናይ ነሓስ ዕደና ይካየድ ስለዝነበረ፡ ናብኡ ንክሰርሕ ሓቲቱ። እንተኾነ እቲ ስራሕ ብሰበ-ሰብ ይወሃብ ስለዝነበረ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ሓላፊ ከእትዎ ኣይክኣለን። ብኡ ምኽንያት ነቲ ሓላፊ ሓንቲ ደብዳቤ ጽሒፍ ኣብ ኢዱ ሂብዎ። እቲ ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳቤ ኣዝዩ ዘሰምብድን ዘፍርሕን ከምዝነበረ፡ ናይ ቀደም ዓርኩን መማህርቱን ዝነበረ ዘዕለሎም ሰባት ይዛረቡ። ዓርኪ ቢትወደድ፡ ነቲ ደብዳበ ነቲ ሓላፊ ንከይህቦ ብዙሕ ከምተማህጸኖን ግደፍ ከይትእሰር ከምዝበሎን ይነግር። ንሱ ግን “ኣነ እንተተኣሰርኩ ሓቂ ኣይእሰርን እዩ። ድሓር ድማ ንዓይ ዘእሰረ ሰብ ብሰላም ክነብር ከምዘይክእል ክትፈልጥ ኣለካ” ከምዝበሎ ይንገር።
ቢትወደድ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃን፡ ካብ ኣዲኡ ወ/ሮ ቅድስቲ ተወልደመድህንን ብ1953 ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ ተወሊዱ። ክሳብ 5ይ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ተማሂሩ። ካብ 6ይ ስጋብ 12 ክፍሊ ድማ፡ ኣብ መንደፈራ ሴንት- ጆርጅ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀጺሉ። ብድሕሪኡ ብዝሓደሮ ሃገራዊ ስሚዒት ቅድሚ ንሜዳ ምውጽኡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ይሰርሕ ኔሩ።ገለ ትሕዝቶ ናይቲ ደብዳበ ከምዚ ይብል “እዚ መሬት መሬትና መሬት ኤርትራውያን ምዃኑ ዘንጊዕካ ዘሎዃ ይመስለኒ። ምናልባት ንግዚኡ ዕሱብ ባዕዳውያን ኰንካ ክትሰርሕ ትኽእል ትኽውን፡ እቲ ሓቂ ግን ጽባሕ ክትርእዮ ኢኻ፡ ወዘተ….” ይብል ነበረ።
ብድሕሪዚ ንኣስታት ክልተ ሰሙናት ተኣሲሩ፡ ብቖጸራ ብዋሕስ ወጺኡ። ይኹን’ምበር ምስቲ ዝነበሮ ሃገራዊ ስሚዒትን ስራሓት ምውዳብን፡ ገና መዓልቲ ቆጸርኡ ከይኣኽለ፡ 21 ተመሃሮ ናይ ሴንት-ጆርጆ ናብ ሜዳ ንኽጋደሉ ኣብጺሕዎም ንኽምለስ ሒዝዎም ምስከደ፡ ክልተ ካብኦም ካብ ጥቓ ዓላ ንደቀምሓረ ተመሊሶም ኢዶም ስለዝሃቡን፡ ቢትወደድ ኣብርሃ ዝበሃል እዩ ሒዙና ከይዱ ኢሎም ስለዝሓበሩን፡ ጌና እቲ ናይ ከተማ ስርሓትን ዝነበሮ ቆጸራን ከይወድእ ብኡ ጌሩ ብወርሒ ጥሪ 1973 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰለፈ።
ኣብ ሜዳ ታዕሊም ምስወድአ፡ ኣብ ሳሕል ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ይጋደል ኔሩ። ኣብ 1974 መወዳእታ ካብ ሳሕል ንኸበሳ ደይቡ ኣብ ካባቢ ዞባ ደቡብ ኣብ ሰራዊት ተመዲቡ ይሰርሕ ነይሩ። ኣብ መጀመርታ 1977 ናይ ሓንቲ ሓይሊ ናይ ፖለቲካ ኮሚሽነር ኮይኑ ሰሪሑ። ኣብኡ እንዳሰርሐ ከሎ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ድሕሪ ምስታፉ፡ ቅያር ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኰይኑ ብጉባኤ ተመርጸ። ካብኡ ንደሓር ኣብ ክፍሊ ቁጠባ ሓላፊ ጨንፍር መጉዓዝያ ኮይኑ ተመዲቡ ክሳብ መወዳእታ 1979 ጸኒሑ።
ኣብ መወዳእታ 1979 ናብ ጨንፍር ትምህርቲ ተመዲቡ ምኽትል ሓላፊ ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ። ኣዝዩ ክኢላ ወዳቢ እዩ፥ ኣብ ክንዲ ኣብ ወተሃደራዊ ዲስፕሊንን ሓይልን መቕጻዕትን ኣብ ትምህርትን ምንቕቓሕን ክቱር እምነት ኔርዎ። ተጋዳላይ ካብቲ ልሙድ መዓልታዊ ስራሕን ትምህርትን ወጻኢ፡ ብባህልን ብስፓርትን ክዘናጋዕን ኣተሕሳስባኡ ክሰፍሕን፡ ስፓርትን ባህላዊ ጎስጓስን ብዝሰፍሐ መልክዕ ክተኣታቶ ከይተሓለለ ይቃለስ ኔሩ። በዚ ገስጋሲ ባህርያቱን ተግባራቱን ድማ ኣብ ተጋደልቲ ብፍላይ ድማ ኣብ መንእሰያት ቅልጡፍ ተቐባልነት ኣጥርዩ። ኣብ ሓጺር ጊዜ ህቡብ ክኽውን በቒዑ። ንኣብነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመዲቡ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ፡ ካብቲ ዝነበሮም ካብ ቤት-ትምህርቲ ወጺእኻ ናብ ሓይልታት (ተዋጋኢ ሰራዊት) ናይ ምኻድ ድልየትን ሕልምን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ፍቕሪ ትምህርትን ስፖርትን ሙዚቃን ከምዘሕድሩ ገይሩዎም። ብፍላይ ከኣ ኣብ መንጎኦም ንዝነበረ፡ ኣብ ፖለቲካን ነቐፌታን ነብሰ-ነቐፌታን ዝተመርኮሰ ነንሕድሕዶም ዘጻልእን ዘባእስን ኣተሓሕዛ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣመሓዳድራ፡ ብመሰረቱ ከምዝቕየር ዝገበረ በሊሕ መራሒ እዩ። በዚ ኸኣ ንተጋዳላይ ቢትወደድ ዘይፈቱን ዘየኽብርን ተመሃራይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣይነበረን።
ምቕሉል ጠባያቱ፡ ክፍት ማዕጾ ምምሕዳራዊ ስልቱን፡ ኣብ ምልዋጥን ምምዕባልን ተጋዳላይ ዘተኮረ ገስጋሲ ኣተሓሳስባኣኡን፡ ኣብ ኩሉ ዕድመ፡ ኣብ ክልቲኡ ጾታታት ህቡብ ጌርዎ ነይሩ። ካብ ምቕጻዕን ወትሃደራዊ ዲሲፕሊንን ምጥቃም፡ ምርዳእን ትምህርትን መሰረታዊ ናይ ጠባይ ለውጢ የምጽእ እዩ ዝብል መትከሉ፡ ናብ ኩሉ ክዝርግሖ ብሓቂ ተቃሊሱ እዩ።
ብ1983፡ ህዝባዊ ግንባር ዘመተ ምጥፍእ መሃይምነት ምስ ኣወጀ፡ ሓላፊ ናይቲ ወፍሪ ኮይኑ ኣብ ዓዲ-ጸጸር ቤት ጽሕፈት ኣቑሙ ንነዊሕ ግዜ ተቐሚጡ። ኣብቲ ብወተሃደራዊ ኩነታት ዝጸንረ ድሕሪ መስመር ጸላኢ፡ ንማእከላይ ሽማግለ ወኪሉ ነተን ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ዝነጥፋ ዝነበራ ትምህርታዊ ይኹን ካላኦት ኣሃዱታት ዘወሃህድን ዝመርሕን ዝነበረ እንኮ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝነበረሉ እዋን ውን ኔሩ እዩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ተጋዳላይ ቢትወደድ፡ ብዙሓት መዛኑኡ ሓለፍቲ ካብ ዝገብሩዎ ናይ ማዕዶ መሪሕነት ፍልይ ብዝበለ ትብዓት ነቶም ናብ ኣፍንጫ ጸላኢ ኣብ ዝቐረበ ከባቢታት ዝሰርሑ ተጋደልቱን ንጥፈታቶምን ብጸብጻባት ጥራይ ዘይኮነ ብግብሪ ንምዕዛብ፡ ኣብ ክንዲ ሽጉጥ ካላሽን ዓጢቑ ንመላእ ድሕሪ መስመር፡ በቲ ናይ ሽዑ ኣጸዋውዓ፡ ንዞባታት ምዕራብ፡ ሰሜን፡ ደቡብን ምብራቕን ከምዝበጽሐን ናይ ብዙሓት ተጋደልቲ ስምዒት ከምዘለዓዓለን‘ውን ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝዝክሩዎ ፍጻሜ እዩ።
ቢትወደድ፡ ካብቶም ካልኦት መራሕቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ኮይኑ፡ ኣተሓሳስብኡ ገስጋሲ፡ ምስ ጊዜ ዝኽይድ፡ ምኽርን ምዕዶን ናይ ተራ ተጋደልቲ ከይነዓቐ ዝሰምዕ ትኩር መራሒ እዩ ነይሩ።
ቢትወደድ ካብ ጨንፈር ትምህርቲ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተቐይሩ ከም ሓላፊ ክፍለሰራዊት፡ ካብኡ ድማ ከም ሓላፊ ክፍሊ ቁጠባ ጨንፈር ዕጥቅን ስንቅን ተመዲቡ። ናብ ክፍሊ ቁጠባ ድሕሪ ምቕያሩ’ውን ጽልውኡ ሓያልን ዓብን ኔሩ። ኣብ ክፍሊ ቁጠባ፡ ነብስኻ ምኽኣል ዝብል ጭርሖ ብምብርባር፡ ኣባጊዕን ዶርሁን ብምፍራይን ናብ ዕዳጋታት ሱዳን ከምዝሽየጥ ብምግባር፡ ንተጋደልቲ መምሃሪ ዝኽውን ጥራዝ፡ ርሳስን ቀለምን ብምዕዳግ፡ ሰፈሕ ትምህርታዊ መደባት ኣተኣታትዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ክፍሊ ቁጠባ ብዘይ ትምህርቲ ኣድማዒ ስራሕ ክሰርሑ ከምዘይክእሉ ብምግንዛብ ካብ ምዱብ ስርሖም ደው ኣቢሉ ጽዑቕ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ከም ዝመሃሩ ብምግባር ደረጅኦም ኣመሓይሹዎ እዩ። ክሳብ ሕጂ ድማ ሳላ ቢተው ተማሂርና ዝብሉ ብዙሓት እዮም።
ብዘይካዚ ባህላዊ ደረጃ ተጋደልቲ ክፍሊ ቁጠባ ንምምሕያሽ ቪድዮን ቲቪን ካብ ናይ ወጸኢ ዕዳጋታት ብገንዘብ ናይቲ ኣሃዱ ብምዕዳግ መምሃሪ ፊልምታት ካብ ክፍሊ ዜናን ካልእን እናምጽአ ተጋደልቲ ዝዘናግዑሉ ባህላዊ ደረጅኦም ዘመሓይሽሉን መድረኽ ከፊቱ።
ብ1990 ካብ ክፍሊ ቁጠባ፡ ናብ ሰራዊት ከምእንደገና ተመዲቡ። በቲ ልዑል ናይ ምውዳብ ክእለቱ ኣብ ሰራዊት ብብቕዓት ኣገልጊሉ፣ኣልዩ፣መሪሑ፡ ከምኡ’ውን ብጅግንነት ተዋጊኡን ኣዋጊኡን እዩ። ክሳብ ዕለት ናጽነት ኣዛዚ ኮማንዶን ክፍለሰራዊትን ብምዃን ምስ ውጩ ኮይኑ፡ ነቲ ሰፊሕ ናይ ምድረበዳ ውግእ ብዓወት ዝዛዘመ ጅግና ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ መሪሑ ንወደብ ዓሰብ ሓራ ኣውጺኡ ዝኣተወ፡ ክሳብ ናይ ሜጄር ጀነራል መዓረግ ዝበጽሐ ሓርበኛ እዩ።
ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ምኽትል ኣማሓዳርን ሓላፊ ክፍለ ሰራዊትን ኮይኑ የገልግል ኔሩ። ዋላኳ ምኽትል ኣመሓዳሪ ናይ ዓሰብ እንተነበረ፡ ብግብሪ ግን ከም ቀንዲ ኣማሓዳሪ ኮይኑ ይሰርሕ ኔሩ። ኩሉ ኣብ ደቡባዊ ደንከልያ ዝርከብ ሰራዊትን ህዝብን ከኣ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ኔሩ። እዚ ክኾነሉ ዝኽኣለ ምኽንያት ከኣ እቲ ቀንዲ ሓላፊ ግንባር ዓሰብ ውጩ ስለዝነበረ እዩ። ውጩ ወተሃደራዊ ክእለት እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ህዝቢ ይኹን ቁጠባ ምምሕዳር ተሞክሮ ይኹን ክእለት ስለዘይነበሮ እዩ።
ቢትወደድ ተባዕ፡ ዝተራእዮ ዝዛረብ ሰብ፡ ንማንም ዘይምብርክኽ ሰብ እዩ። እዛ ጠባዩ ድማ እያ ምስ ኢሳያስ ኣብ ረጽሚ ዘእተወቶን ንሕልፈት ስቓይ ጠንቂ ዝኾነትን።
ድሕሪ ነጻነት ቢትወደድ ምኽትል ኣመሓዳሪ ዓሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዋና ጸሓፊ ዝነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይ ሰፊሕ ምይይጥ ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ዓሰብ ከም ነጻ ወደብ ንኢትዮጵያ ከተገልግል ኣወጀ። ተጋዳላይ ቢትወደድ ከኣ፡ እቲ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ 1984፡ ባድመ ንወያነ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ዝተፈጸመ ጌጋ ከይድገም ንዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ብግልጺ ኣጠንቀቐ።
ቀጺሉ ውን ካብ ኢሳያስ ናብ ቢትወደድ ሓደ መምርሒ ይልኣኽ። እዚ ድማ ኩሉ ኣብ ዓሰብ ዝተትሓዘ ንብረት ንኢትዮጵያ ክትወስዶ ኣፍቅዱላ ዝብል ነበረ። ቢትወደድ ግን “እዚ ህዝቢ ኤርትራ ደም ዕሸላት ደቁ ከፊሉ ዝማረኾ ንብረቱ ኢዩ፡ ናብ ኢትዮጵያ ድማ ዝወጽእ ንብረት የለን” ኢሉ ናይ ተቓውሞ መልሲ ይልእኽ። እዚ ብዓይኒ ኢሳያስ ትዕቢት ኮይኑ ስለዝተራእየ ድማ ንቢትወደድ ንምጥፋእ ዝተዋደደ
መጻወድያ “ሀ” ኢሉ መስርዑ ሒዙ ክሰርሓሉ ይጅምር።
ብድሕሪዚ ጊዜያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ እማመ ናብ ምምሕዳር ዓሰብ የቕርብ። እዚ ድማ ንሰራሕተኛታት ወደብን ሪፋይነሪን (መጻረዪ ነዳዲ) ደሞዝ ንሕና ክንከፍሎም ዝብል ነበረ። መልሲ ብትወደድ ነዚ እማመ ድማ፡ “ኤርትራ ነብሳ ዝኽኣለት ነጻ ሃገር እያ። ሰራሕተኛታት ድማ ባዕላ ትኽፍሎም እምበር ዶብ ሰጊራ ትመጽእ ሃገር ክትከፍሎም ኣይግባእን። እዚ ዕማምናዩ፡ ናባና ግደፍዎ” ዝብል ነበረ።
ኣብቲ ግዜቲ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እግሪ ተኽሉ ብምንባሩን ሕጽረት ገንዘብ’ውን ስለዝነበሮ፡ ነዛ ዝገጠመቶ ብድሆ ንምፍታሕ ቢትወደድ ሓንቲ ደብዳበ ኣብቲ እዋን ሚኒስትር ናይ ዞቦዊ ምምሕዳር ንዝነበረ ሮመዳን መሓመድኑር ይልእኽ። እታ ደብዳበ ድማ ኣብ መኻዚኖታት ወደብ ዓሰብ ብብዝሒ ውስኪን ካልእ ንብረትን ስለዘሎ፡ እቲ ውስኪ ናብ ኢትዮጵያ ተሸይጡ ደሞዝ ሰራሕተኛታትን ወደብን ሪፋይነሪን ንክልተ ሰለስተ ወርሒ ክሽፍን ይኽእል እዩ። ካብኡ ድማ ነብስወከፍ ትካላት ስለዝንቀሳቐሳ፡ ብእቶተን ሰራሕተኛታተን ክኽፍላ ይኽእላ እየን ዝብለ ነበረ።
ሮመዳን ነዚ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተሰማማዓሉን ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ እቲ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ክትርጎም ከም ዝግባእን እትገልጽ ደብዳበ ናብ ቢትወደድ ይልእኽ። ከምቲ ዝተባህሎ ድማ፡ ቢትወደድ ኩሉ ዊስኪ ብዘይካቲ ኣብ ዓሰብ ንዝነበሩ ተጋደልቲ ንነብስወከፍ ከክልተ ጥርሙዝ ዝተዓደለ ዊስኪ ካልእ ክሽየጥ ከምዘለዎ ብምግባር፡ ወደብ ዓሰብን ሪፋይነሪን ብዘይ ጸገም ባጀት ስርሓን ከምዝጅምራ ይገብር።
ብድሕሪኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂን፡ መለስ ዜናውን፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብን መጻረይ ነዳዲ (ሪፋይነሪ) ብዘይ ገደብ ክጥቀሙሉ ተባሂሉ ውዕል ኣትዮም ምስተፈራረሙ፡ ቢትወደድ ነቲ ውዕል ብክትዕን ምምይያጥን ናይቶም ካልኦት ሓለፍቲ ስለዘይተገብረ፡ ብፍጹም ኣይተቐበሎን። ብናቱ ኣረኣእያ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዝግባእ ናይ ወደብ ይኹን ናይ መጻረይ ነዳዲ ታሪፍ ክኽፍሉ፡ ብኡኡ መሰረት ከኣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነብሰን ዝኽኣላ ሃገራት ኮይነን፡ ከም ኩለን ሃገራት ናይ ቁጠባዊ ይኹን ምምሕዳር ዝምድና ጌረን ከም ጎረባብቲ ሃገራት ክከባበራ፡ እቲ ዝምድናና ኽኣ ብኡ መሰረት ክምስረት ይድግፍ ከምዝነበረ ብውልቂ ነቶም ዝቐርቦም ዝነበረ ሰባት ይዛረብ ከም ዝነበረ ይንገረሉ።
ብዝኾነ ኢትዮጵያውያን ብናይ ቢትወደድ መርገጽን ኣከያይዳን ሕጉሳት ኣይነበሩን። ከምቲ ዝበሃል፡ መለስ ዜናዊ ንኤርትራ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ’ውን ቢትወደድ ዕንቅፋት ኮይኑዎም ከምዝነበረን ብኡ ምስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዘዕለሉ ዝሰምዑ ይዛረቡ። ብዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ዝጸንሖም ግጭት፡ ቢትወደድ ነቲ ሽያጥ መስተ ንውልቁ ከም ዝተጠቀመሉ ጌሮም ብምቕራብ ንዋና ጸሓፊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንቢትወደድ መእሰሪ ምኽንያት ሃቡዎ። ነዚኣ ምኽንያት ብምግባር ድማ ቢትወደድ ብወርሒ ጥቅምቲ1991 ከም ዝእሰር ተገብረ። ምስተኣሰረ’ውን ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ዝኽውን ንስድራቤቱን ነቶም መራሒኦም ዝነበረ ኣባላት ኮማንዶን ማለት ክፍለሰራዊት 07፡ ንትምህርቲ ንወጻኢ ከይዱ ዝብል ሓበሬታ እዮም ሂቦሞም፡ እምበር ማእሰርቱ ብወግዒ ኣይሓበሩዎምን።
እንተኾነ ደሓር ከምዝተጋህደ፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት መእሰሪ ተጋዳላይ ቢተወደድ እቲ ዘጥርዮ ዝነበረ ህቡብነት ኣብ መጻኢ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንስልጣኑ ስለዘስግኦ ምዃኑ ሕጂ በሪሁ ይረኣ’ሎ። ንማእሰርቱ ክሓብኡሉ ዝፈተኑሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ። ምስ ተኣስረ ብዛዕቡኡ ወረ ብኹሉ ወገን ክውሕዝ ጀሚሩ። ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ስለዝነበረ ኽኣ ንነብሱ ክከላኽል ኣይክኣለን። እቲ ጸለመ ኽኣ ንነዊሕ እዋን ቀጺሉ። ግና እቲ ሓሶት ዕዳጋ ምስ ሰኣነ፡ ቀልጢፍ ሃሲሱ።
ዳርጋ ንሓደ ዓመት ዝኽውን ምስተኣሰረ፡ ኣቡኡ ንቢትወደድ፡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሃ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ማእሰርቲ ወዶም ሓቲቶም ኔሮም። እቲ ዝረኽቡዎ መልሲ ግና “ደሓን ክፍታሕ እዩ” ዝብል ናይ ኣሽካዕላል ዘረባ እዩ ኔሩ።
ኣብ ሓደ እዋን’ውን ኣቡኡ ንቢትወደድ ናብ ናይ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብምኻድ ንፕረዚደንት “ወደይ ገበነኛ እንተኾይኑ፡ ከም ዓለሙ ፍረዶ። ወድኻ ገንዘብ ሰሪቑ ትብለኒ ተኾንካ ድማ፡ ንቢትወደድ ወደይ ሳላቲ ጽቡቕ ግብሩ ዘይፈልጦ የለን። ህዝብና ድማ ብሩኽ እዩ። ነጸላይ ገቲረ ቕለቱኒ ኢለ እተን ትብለን ገንዘብ ከምጽእን እየ። ግዳስ ከምዝሰረቐ ኣረጋግጸለይ እንበር” ኢሎም ኣጥቢቖም ምስ ኣዋጠሩዎ፡ “ውጻእ” ኢሉ ኣጋፊዑ ከም ዘባረሮምን፡ ነቲ ደጋጊሞም ናብ ቤት ጽሕፈት ተመላሊሶም ክኣትው ዝገበርዎ ፈተነ ብዋርድያታትን ወተሃደራትን ከምዘምከኖን ይንገር።
ኣብ 1992, ወላዲኡ ንቢትወደድ፡ ኣቶ ኣብርሃ ኣስፍሓ፡ ንጴጥሮስ ሰለሞን (ኣብቲ ግዜ እሱ እዩ ናይ ቢትወደድ ጉዳይ ዝከታተሎ ዘሎ ይበሃል ስለዝነበረ) ረኺቦም ብዛዕባ ኩነታት ወዶም ምስ ሓተትዎ፡ ንሱ “ድሓን ኣቦ ንግዚኡ እዩ እምበር፡ ሕጂ ክወጽእ እዩ” ኢሉዎም። ንሶም ድማ፡ “ስማዕ ዝወደይ፡ ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ የልቦን፡ በጃኻ በደሉ ግለጸለይ። ብዝደለኹሞ መንገዲ ኣነ ክጽዕር። ሓንቲስ እዝን እዝን በደል ኣለዎ በለኒምበር። ኣነ ይኹን ወደይ ኣሽሓት ፈተውቲ ኣለውና። ዋሕስ እንተደሊኹም፡ ዋላ ብህይወት ዝዋሓሱ ዓሰርተ ሰባት ከምጽኣልኩም” ምስበልዎ ብዙሕ ክዛረብ ኣይክኣለን፡ “ድሓን ኣቦይ ኣብኡ ዘብጽሕ ጉዳይ የብሉን፡ ብዙሕ ኣይትጨነቑ፡ ሕጂ ክወጽእ እዩ” ኢሉ ኣፋኒዎም።
ቀጺሎም ድማ ኣብቲ ግዜቲ ናይ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ጸጥታ ሓላፊ ንዝነበረ ዓሊ ሰይድ ዓብደላ ረኺቦም ጉዳይ ወዶም ንኽገልጸሎም ተወከሱዎ። ዓሊ ድማ ከምዚ ዝስዕብ በሎም “ኣቦ ቢተው እኮ ካባኻ ንዓና ይቐርበና። ካብ ቢተው ንላዕሊ ንሃገሩ ብተወፋይነትን ብጅግንነትን ዝተጋደለ ካባይ ጀሚርካ ዋላ ሓደ የለን። ኣጆኻ ኣቦ ሕጂ ክወጽእ እዩ። ምናልባት ዓይንኻ ርኢኻ ስለዘይጸገብካዮ ከሻቕለካ ንቡር እዩ። እንተዘይኰይኑ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እዩ ዘሎ። ደይ ንማለቱ እዩ ተኣሲሩ ዝበሃልምበር ከም እሱር ኣይኮነን ተታሒዙ ዘሎ። ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን። እንተ እቲ ድርቅና ግን ናትካ ዝወሰደ እዩ ዝመስል። ኣጆኻ ኣይትሻቐል ኢሉ ኣፋኒዎም (እዚ መበሊኡ እቲ ንኢሳያስ ዝበሉዎ ሰሚዑ ስለዝነበረ እዩ).
ኣቶ ኣብርሃ፡ “ወደይ ካብቲ ኹሉ መዓት ወጺኡ ዓይነይ ርእየ ከብቕዕ፡ ገና ሳልሳይ ግዜ ከይረኽብኩዎ (ድሕሪ ናጽነት ቢትወደድ ኣብ ዓሰብ ስለዝነበረ፡ ቅድሚ ምእሳሩ ክልተ ግዜ ጥራይ እዮም ሪኦሞ)፡ ከምዚ ክረክብሲ…..ዓሕ! እሞ ድማ በታ ዝተቓለሰላ ባንዴራ? ፡ ዘዕበኻዮ ከልቢ ኣይንከስካ” እናበሉ፡ እናስተንተኑን ጓሂ ኣብ ከብዶም ኣቲዎም ብሕማም ተሳቕዮም ብወርሒ መስከረም 1993 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።
ቢትወደድ ብ1995 ሓደ ካብቶም ዝፈትውዎ ተመሃሮ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽሞልቕ ተሓባቢርዎ ኔሩ። ሞሊቑ ድማ እንዳ ባሊግኡ ከይዱ ተዓቑቡ። ዶብ ጥሒሱ ንደገ ክሃድም ተኽእሎ ነይርዎ እዩ። ብዝነበሮ እምነት
ን ምትእምማንን ሃገራዊ ፍቅርን ግን ኣይገበሮን። ንፕሬዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብቴሌፎን ደዊሉ ረኽቦ። ምሳኻ ንሰለስተ ስዓት ዝኽውን ክረዳዳእ ስለዝደለኹ ዝጥዕመካ ጊዜ ክትፈልየለይ በሎ። ከምኡ’ውን ንገለ ሓለፍቲ ከም፡ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ጴጥሮስ ሰሎሞን፣ ሃይለ ወልደትንሳኤን (ድሩዕ) ካልኦትን ኣብኡ ጸዊዑ ንኣስታት 2-3 ሰዓታት ዝኽውን ድሕሪ ምዝታይ፡ ማለት ጉዳዩ ብንጹር ንኽፈልጥዎ ከምዝሓበሮምን፡ ካብኡ ምስወድእ፡ ሕጂ ክትወስዱኒ ትኽእሉ ኢኹም ኢሉ፡ ንቤት ማእሰርቲ ከምተመለሰን ኢሳያስ ግን ንኽመጽእ ዕድመ ተጌሩሉ ’ኳ እንተነበረ ብፍርሒ ዝኣክል ክርከብ ከምዘይከኣለ እዩ ዝፍለጥ።
ቢትወደድ ዋላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሕልንኡ ኣይተንበርከኽን ኔሩ። ኣብ ማእሰርቲ ከሎ ዝጸሓፈን ክልተ መጻሕፍቲ፡-
1. ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ፡ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራ ምልካዊ ስርዓት ተኣልዩ፡ ዲሞክራሲ ክነግስ ህዝቢ ክቃለስ ከም ዘለዎ እትጉስጉስ፡
2. ውግእ ሓድሕድን ሳዕቤኑን እትብል፡ ብዛዕባ ህልቂት ኣሕዋት ኩሎም ንናጽነት ኤርትራ ዝተሰለፉ፡ ብሰንኪ ብስልጣን ዝዓበዱ፡ ኣብ ክልቲኡ ውድባት ዝነበሩ ደመኛታት ዝፈጠርዎን ዝወልዕዎን ኩናት ሓድሓድን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ሞራላውን ሰብኣውን ቁጠባውን ክሳራ እትርኽ።
ሓንቲ ካብቲ ኣብ ውሽጢ መጽሓፍ ብዛዕባ ውግእ ሓድሕድ ማራኺት ጥቕሲ ከምዚ ትብል “እታ ናይ መጀመርታ ስውእቲ ጓል ኣንስተይቲ ተጋዳሊት ብጥይት ሓዋ ኣብ ማይላባ ወግእ ሓድሕድ ዝተሰውእት እያ። መስዋእታ ኣንጻር ዓመጽቲ ገዛእትና ተዝኽውን ክንደይኮን ምጸበቐ” ይብል።
ቢትወደድ ኣብቲ መጀመርታ ዝተኣስረሉ ጊዜ፡ ንኽበጽሕዎ ዝኽዱ ዝነበሩ ፈተውቱ “ኣነ ዝፍታሕ ምስ ወያነ ምስ ተባዓስና እዩ” ኢሉ ከምዝዕለሎም ይነግሩ። ከምቲ ዝበሎ ድማ፡ ዶባዊ ምፍሕፋሕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ገንፊሉ ኣብ ኣጋ ምንታጕ ውግእ ባድመ ካብ ማእሰርቲ ከምዝወጽእ ተገብረ። እቲ እዋን’ቲ ወርሒ ግንቦት 1997 እዩ ነይሩ። ንኽወጽእ ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ . . . ምስ ቀረበ ኣብኡ ዝጸንሕዎ ደያኑ፡ ኰረኔላትን ብርጋዴር ጀነራላትን፡ “ ሎሚ ንኽትወጽእ ተወሲኑ ኣሎ “ ምስ በልዎ፡ መጀመርያ፡ “ ኣነ ከልቢ ኣይኮንኩን እቶ ውጻእ ዝበሃል። ሓደ ሓርበኛ ተጋዳላይ እየ። ንኣብነት ንዓኻ መራሒ ሓይልኻ እየ ነይረ (ንሓደ ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ደያኑ ዝበሃሉ ብርጋዴር ጀነራል)፡ ንስኻ እቶ ወይ ውጻዕ ክትብለኒ ሕጊ ኣየፍቅደልካን እዩ። ንዓይ ክፈርደኒ ወይ’ውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ንኽትወጽእ ተወሲኑልካ ኣሎ ክብለኒ ዝኽእል፡ ብሓላፍነት ካባይ ንላዕሊ እንተወሓደ ናይ ሜጀር ጀነራል ማዕረግ ዘለዎ ክኽውን ኣለዎ። እዚ’ውን ብሕጋዊ መንገዲ እዚን እዚን ስለዝበደልካ፡ መቕጻዕትኻ ወዲእካ ኣሎኻ፡ ወይ ድማ ዝዀነ ገበን ይኹን በደል ስለዘይተረኽበካ ናጻ ኢኻ ዝብል ብጽሑፍ ምስዝኽውን ጥራይ እየ ክቕበሎ ዝኽእል፡ ስለዚ ሕጂ ወይ ካልኦት ደያኑ ክመጹ ኣለዎም ወይ ናብቲ ዝነበርኩዎ ምለሱኒ። “ ምስበሎም፡ “ ሕራይ ሓንሳብ ኣብ ደገ ጽናሕ “ ኢሎም፡ ብቴሌፎን ምስ መን ከምዝዀነ ተዘራሪቦም ከም እንደገና ጸዊዖም ሕጂ ካልእ ሰብ ክመጽእ ስለዘይክእል ከም ምርጫኻ ስለዝበሉዎ ናብቲ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ ተመልሰ።
ብድሕሪዚ ማለት ብዕለት 24 ታሕሳስ 1997 ንጉሆ ሰዓት 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኣቢሉ ይኽውን፡ ንቢትወደድ ናብቲ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ጸዊዖም፡ ሜጀር ጀነራላት ምዃኖም እዮም፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ምዃኑን ምስ ሚኒስተር ምክልኻል ስብሓት ኤፍሬም ከምዝራኽብ ሓቢሮሞ። ብኡ መሰረት ድማ ንበለዛ ብምኻድ ምስ ስብሓት ኤፍሬም ተራኺቡ ፡ ከምቲ ዝበሎ ዝኾነ ይኹን በደል ከምዘይተረኽቦ፡ ናይ ዝሓለፈ ሙሉእ ደሞዙን ናይ ዝተኣሰሮ ካሕሳን ከምዝወሃቦ ዝገልጽ ደብዳቤ ተጻሒፉ ካብ ኢድ ስብሓት ኤፍሬም ተዋሂብዎ። …ኣብ ሓማሴን ሆቴል ከዕርፍ ድማ ሓበሮ ።
ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት፡ ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ቤተሰቡን ፈተውቱን ዓጂቦሞ
ንመቓብር ናይ ኣቡኡ ንምብጻሕ፡ ንዓዲ ሞንጎቲ ከደ። ነቶም ርእዩን የዕሊሉን ዘይጸገቦም ኣቡኡ ኣብ መቓብሮም ዕንባባ ኣንበረሎም። ህዝቢ ዓዲ መንጎንቲ ድማ ጽንዓት ይሃብካ ንኽብልዎ ተኣኪቦም መጹዎ። እንተኾነ ግን ቢትወደድ ነቦታትን ኣዴታትን ዓዲ መንጎቲ እዚ ዝስዕብ መደረ ኣስምዐ፡-
“ዝኽበርኩምን ዝኽበርክንን፡ መቓብር ኣቦይ ንምብጻሕ ንዓይ ኣሰኒኹም ጽንዓት ይሃብካ ክትብሉኒ ዝመጻእኩም፡ ብጣዕሚ የመስግነኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ። ካባኹም ፈሪና ተቓሊስና፡ ደገፍ ኮይንኩምና፡ ጻማኹም ግን ኣይረኽብኩምን። ህዝባዊ መንግስቲ ንምትካል ከም ትጽዕሩ እሙንቶይ እኳ እንተኾነ፡ ገና ጻዕሪ ዝሓትት እዩ። ብፍላይ መንእሰያት፡ ዝመጸኩም ዘሎ ከቢድ ሓላፍነት ከተተኩሩሉ ይግብኣኩም። ከይትደናገሩ ተጠንቀቑ። ብዙሓት ንረብሖኦም ብጉዳይ ሃገር ኣምሲሎም ከየዳህልሉኹም ክትጥንቅቑ ኣለኩም” በለ። ንክልተ ደቓይቕ ዝኽውን ብርቱዕ ጣቕዒት ካብ ህዝቢ ኣንጐድጐደ። ቀጺሉ ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ዘረብኡ ቀጸለ፡ “እምበኣር ኣነ ከምቲ መንግስቲ ዝብሎ ሰሪቐ ዘይኮንኩ እዚ ዕላማ ከም ዘለኒ ኣጽኒዑ’ዩ ኣሲሩኒ። ብዛዕባይ መንግስቲ ኤርትራ መኽሰሲ ስለዘይብሉ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ወጺእኻ ኣለኻ ጥራይ እዩ ኢሉኒ። መልሲ’ውን የብሉን። ንህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣብ ሬድዮ፣ቴሌቪጅን ይኹን ኣብ ካላኦት ማእከናት ዜና፡ ብዛዕባ ማእሰርተይ ይኹን ብዛዕባ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽእይ ዝሃቦ መግለጺ የለን። ምኽንያቱ ድማ ክህቦ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ክሲ ይኹን ምኽንያት ስለዘይብሉ እዩ። ብዛዕባ ጉዳየይ ካብ ሰበ ስልጣናት ኤርትራ ዝተዛረበ ወይ ዝሓተተ የለን። ብጀካ ተጋዳላይ ዑመር ሃኪቶ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝተዛረበ ኣይነበረን። ስለዚ ኣይንዓሹ። ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ሓያል’ዩ። ከምቀደምኩም ተቓለሱ” ኢሉ ኣግሂዱን ደፊሩን ከምዝተዛረበ ብእዝኖም ዝሰምዑዎ ይምስክሩ።
ብድሕሪ’ዚ ወለዲ ሰለስተ ስውኣት ዝፈልጦም ከምዑው’ን ዕድመ ናይቶም ዝፍትውዎ ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ብምኽባር ንደቀምሓር ከደ። ብዝተገብረሉ ግብጃን ብዝሒ መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ሰውራን ካልኦት ከቢቦሞ ምስ ረኣየ፡ ሓጐሱ ብምግላጽ ብተመሳሳሊ ከም ናይ ዓዲ ሞንጎንቲ መደረ ኣስምዐ።
ብድሕሪኡ ንዝረኽቦ ሰብ ኣብ ኤርትራ ኣምባገነንነት (ውልቀመላኽነት) ናይ ኢሳያስ ይገንን ከምዘሎን፡ ዘይሕክኽ ሳዕቤናት ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ከምዝህልዎን ዓው ኢሉ ይጉስጕስን፡ ህዝቢ ንዲሞክራሲያዊ መሰሉ ክቃለስ ከምዝግባእ ይምህርን ኔሩ። ምኽንያት መእሰሪኡ ድማ ከምቲ ዝውረ ዘይኮነ፡ መለስን ኢሳያስን ኮነ ኢሎም ዘጻወድዎ መጻወድያ ምዃኑ ክፍለጥ ጀሚሩ። ነዚ ኽኣ ብምስናይ ዶክመንትታት ካብ ሽዑ ዝሓዞ ንሰብ ከርኢ ጀመረ።
ሽሙ ሓቅነቱ ንምርኣይን እቲ ዝኽሰተሉ ዝነበረ ውልቀመላኽነት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምቅላዕ ብጋህዲ ጐስጓስ ክገብር ስለዝጀመረ ኽኣ፡ ንፕሬዚደንት ኢሳያስ ኣካይድኡ ስለዘይማእምኦ፡ ሓደጋ ከምዘምጽኣሉ ክበርሃሉ ስለዝጀመረ፡ “ ህዝቢ ከነዓዕብ እዩ” ተባሂሉ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ምፍትሑ፡ ንቢትወደድ ምስ ገለ ምስኡ ዝስዕቡ ዝነበሩ ዳግማይ ተኣስሩ።
ብድሕሪ ሞት ኣቶ ኣብርሃ ወላዲቱ ንቢትወደድ ወይዘሮ ቅድስቲ ሓላፍነት በዓል ቤተን ተረኪበን፡ ብዛዕባ ሃለዋት ወደን ክሓታ ጀመራ። ንሰን ኣቐዲመን’ውን ጌና ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ከበሳታት ከይተዋዓወዕ ከሎ ኣትሒዘን ንወደን ክርእያ ኢለን ካብ 1974 ጀሚረን ንሜዳ ይመላለሳ ስለዝነበራ፡ ምስ ተጋደልትን ሓለፍትን ጽቡቕ ፍልጠት ኔሩወን። ብፍላይ ድማ ኣብ 1976/77 ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ከባቢ መንደፈራ ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ እዋን ጽቡቕ ገይረን ይፈልጥኦ ስለዝነበራ፡ ብኡ ድማ’የን ኩነታት ማእሰርቲ ወደን ንምፍላጥ ወ/ሮ ቅድስቲ ናብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብምምልላስ ንቤትጽሕፈቱ መንገዲ ኣውጺኤናሉ ዝነበራ። እሱ’ውን “ኣጆኽን ክወጽእ እዩ፡” እንዳበለ ሙሉእ ተስፋ ይህበን ነበረ።
ብ1998፡ ንፕሬዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደን ረኺበንኦ ኔረን፡ ብዛዕባ ቢትወደድ ምስሓተትኦ፡ ከምዚ ኢልወን “ኣደ ቢትወደድ ጅግና እዩ። ኣነ እፈትዎ’የ። ንናጽነት ኤርትራ ብኽብዲ ኢዱ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብዝባን ኢዱ ክይተረፈ ሰሪሑን ተቓሊሱን እዩ። ግን ንዓና ስለዘየኽበረና፡ ብኡኡ እዩ ተኣሲሩ። ብዝኾነ ብዙሕ ኣይትሻቐሊ ኣደ፡ ኣብ ቐረባ እዋን ከምዝፍታሕ ክገብር እየ” ኢሉ ከምዘፋነወን ዘዕለልኦም ሰባት ይዛረቡ። ወይዘሮ ቅድስቲ ግን፡ ፕሬዚደንት ኢሳያስ የታልለን ከምዘሎ እኳ እንተተረድኦኦ፡ ከምዝኣመንኦ ኣመስጊነንኦ ንገዝእን ከምተመልሳ ይንገር። ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ድማ ተመሊሸን ናብ ቤት ጽሕፈት ፕሬዚደንት ኢሳያስ ከዳ። ፕሬዚደንት ኢሳያስ ንቤት ጽሕፈቱ ክኣትው ከሎ ኣብ ኣፍ ደገ ጠጠው ኢለን ምስረኣየን፡ ነቶም ዝሕልውዎ ወትሃደራት፡ ንኽየእትውወን ይእዝዞም። ሓደ ካብቶም ወትሃደራት ድማ ብሓይሊ ደፊኡ ከውጽእን ፈተነ። እሰን ድማ ብጣዕሚ ሓሪቐን “ከይትትንክፈኒ ኣንታ ደንቖሮ፡ ወደይ ከማኹም ኣይኮነን” ኢለን መለሳሉ። ሓደ ካብቶም ወትሃደራት ድማ “በጃኻ ግደፈን ኣደ ቢትወደድ እኮ እየን። ፈትየን ምዓስ ኮይነን፡ ወደን እኮ’ዩ ተኣሲሩወን ዘሎ” ኢሉ ከምተዛረቦ ኣደ ቢትወደድ ዘዕለልኦም ይዛረቡ።
ብጀካዚ ብዛዕባ ወደን ፍትሒ ንኽደልያ ወይዘሮ ቅድስቲ ንሸሪፎ፣ ንኣልኣሚንን ንሮመዳንን’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜታት ረኺበን ከምዘዛረብኦምን፡ ወደን ንከፍትሑለን ከምዝለመንኦምን ዝፈልጡ ሰባት ይዛረቡ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ምስ ሸሪፎ ኣብ ገዝኡ… ተራኺበን “ኣንታ ወደይ ክንደይ መዓልቲ ኢኹም ሕጂ ክወጽእ’ዩ ደይ እታ ድርቅና እያ’ምበር እንታይ’ዶ በደል ኣለዎ እዩ ክትብሉኒ። ኩሉኹም ሓደ ቃል! እቲ ወደይ ጥራይ ድዩ ደረቐኛ? ንምንታይ እዩ’ኽ እቲ ድርቅንኡ ግዲ? ንዓዱ’ዶ ኣይኮነን። ንስኻትኩም’ ከ ደኣ እንታይ ኰንኩም ዘይትደርቁ? ኣብቲ በረኻ ከለኹም’ስባ ኣናብስን ደረቐኛታትን ኢኹም ትመስሉና ኔርኩም፡ …ሕጂስ ወለቕ ዘለቕ ኢልኩም ማለት ድዩ? ኣይግድን እዛ ዓዲ ድኣ ንመን ቀሪባ ንመን ርሒቓ። ክንዲ ዓደይን ህዝበይን ዝበለስ ማእሰርቲ። ኣብ ነብስኹም ምስ በጽሓኩም ግን ንቢትወደድ ክትዝክርዎ ኢኹም” ምስበልኦ ርእሱ ነቕኒቑ ክመልሰለን ከምዘይክኣለ ዘዕለልኦም ሰባት ይዛረቡ። ካብዚ ብምብጋስ’ውን ክኽውን ይኽእል፡ ሓደ ጊዜ ኣብ ደንጐሎ ፕሬዚደንት ኢሳያስ ዝመርሖ ኣኼባ ምስተገብረ፡ ሸሪፎ “ብዛዕባ ጉዳይ ቢትወደድ ክሳብ ሕጂ ዝዀነ መግለጺ ኣይተዋህበናን ዘሎ፡ ንምንታይ ብወግዒ ዘይግለጽ ኢሉ ምስሓተተ፡ ፕሬዚደንት ኢሳያስ ግን እዚ ካብ ኣጀንዳ ወጻኢ ስለዝኾነ፡ መዓልቱ ሓልዩ ክግለጽ እዩ ኢሉ ዓጽይዎ።
ብድሕሪኡ ወይዘሮ ቅድስቲ ከቢድ ሕማም ሓመማ። ንሕክምና ክወስዱወን ምስተሓተታ፡ “ሕክምናስ ደሓን ይትረፈኒ፡ ግዳስ ወደይ እንተኣርኣየን’ስ ናብ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ውሰዱኒ” በልኦም። ብቓሬዛ ጌሮም ናብ በለዛ እንዳ ጀነራል ስብሓት ወሰዱወን። ጀነራል ስብሓት ድማ ነቶም ኣሰኒዮመን ዝኽዱ ሰባት ደገ ኣውጺኡ፡ ንበይነን ኣብ ገዛ ውሽጢ የእትዩ “ኣደ ኣብ ከብድኺ ድኣ ግበርዮምበር፡ ቢትወደድ ከነርእየኪ ኣይንኽእልን ኢና። ቢትወደድ ብትእዛዝ ፕሬዚደንት ኢሳያስ እዩ ተኣሲሩ” ከም ዝበለን ብቃለን ዝተዛረብኦም ሰባት ይዛረቡ። ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ድማ፡ ብጓህን ሕርቃንን፡ ስቓይ ዓለም ዒቕ ክሳብ ዝብለን ኣስተማቒረን፡ ዝፈትውኦ ወደን ከይረኣይኦ፡ ወ/ሮ ቅድስቲ’ውን ኣሰር ብዓል ቤተን ኮይነን ዓረፋ። ኣብ ቀብረን በሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኔሮም። ኩነታት ናይ ገዝኦም ዝፈልጥ ኩሉ በኽዩን ቖዚሙን እዩ። ብሕልፊ ሓው ንቢትወደድ “ኣደይ ኣብ መሬት ትኣቱ’ላ ቢተው፡ ንዓባ ኣፋንዋ!” ክብል ከሎ፡ ንኹሉ ቐባራይ ኣንብዖ።
ናይ ቢትወደድ ስቓይ ኣብቲ ናቱ ውልቃዊ ማሕበራዊ ዝምድናን ናብራ’ውን ተንኪፍዎ እዩ።ቢትወደድ ብ1985 ተመርዕዩ፡ ብ1987 ድማ እታ ሓንቲ ጓሉ ተወሊዳ። ነታ እንኮ ጓሉ ክትዓቢ ኣይረኣያን። ጓሉ’ውን ናይ ኣቦኣ ፍቕርን መቐረትን ከየስተማቐረቶ እያ ዓብያ። እታ ዝፈትዋ ብዓልቲ ቤቱ’ውን ምዓልቲ ምስ ነውሓ፡ ንዑኡ ገዲፋ፡ ዓዲ ገዲፋ ከምዝኽደት’ውን ይንገር።
ቢትወደድ ካብቲ ዕሸል ዕድሚኡ ጀሚሩ፡ ዳርጋ ልዕሊ ፍርቂ ዕድሚኡ ንህዝቡን ንመሬቱን ከምዘይተቓለሰ፣ኣብ በረኻታት ኤርትራ ከርተት ከምዘይበለ፣ ንናጽነት ተቃሊሱ
ናጽነት ከምዘየምጽእ፡ ን17 ዓመታት ኣብ ጸልማት ብሕማም ማሲኑ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ ተደርብዩ ይርከብ።
ቢትወደድ ካብ ዝእሰር ክሳብ ሕጂ፡ ብዕሊ ብመንግስቲ ኤርትራ ክሲ ኣይቐረበሉን። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ድማ ኣይቀረበን። ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ።
ቢትወደድ ኣብ ጎቦታት ከም ኣንበሳ ይሰፍር ከም ዘይነበረ፡ ሕጂ ኣንበሳ ኣብ ጉድጓድ ወኻርያ ኮይኑ’ሎ። እቲ ትብዓትን ራእን ዝመልኦ ሓርበኛ ተጋዳላይ፡ ተባዕን ረኣይን ስኢኑ፡ ኤርትራ ጨኪናትሉ። ንሕግን ንፍትሕን ከምዘይተቓለሰ፡ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ ኣሎ!
ሃገራዊ ሞያኡ ግን ዝሃስስ ኣይኮነን፡ ታሪኹ ነባሪ እዩ።
ኤልሳ ጭሩም
ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ
_____________________________________________________________
ነዛ ካብ ብዙሑ ብውሕዱ ብዛዕባ ቢትወደድ ኣብርሃ ታሪኽ ሂወት ትገልጽ ጽሕፍቲ ንምድላው ንዝሓገዝኩምኒ ልባዊ ምስጋናይ የቕርበልኩም።
እዛ ጽሕፍቲ ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ወርሒ መስከረም 2005 ኣብ መርበብ ኢንተርኔት ብትግርኛ ተዘርጊሓ ኔራ እያ። ተመሓይሻን ብእንግሊዝ ተተርጒማ ኣብ ታሕሳስ 2005 ወጺኣ።


