ኣብነት ብሞያ ኣብነት ብገድሊ
ተጋ/ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ
ሃገርና ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ድኻታት ሃገራት ዓለም እያ። ምንጪ ድኽነታ ግን ስእነት ጸጋታት ኣይኮነን። ኣብ ሓደሓደ ኣኼባታት ‘ኤርትራ ባህርያዊ ጸጋታት ዘይተዓደለት ሃገር’ያ ‘ሞ ርእሳ ክኢላ ክትነብር ተስፋ የብላን፡ (ጽግዕተኛ ኮይና ጥራይ እያ ደው ክትብል እትኽእል’ ዘስምዕ ርኢቶታት ይልሕዅ እዩ። እዚ ግን መሰረት የብሉን። ካብ ኤርትራ ዝንእሳ፡ ካብ ኤርትራ ዝውሕድ ጸጋታት ዘለወን፡ ብደረጃ ምዕባለን ሃብትን ግን ኤርትራ ኣማዕድያ ዘይትርእየን ብዝሓት ሃገራት ኣለዋ። ጸጋ መሬት ዓቢ ረቛሒ ‘ኳ እንተኾነ፡ ሃብቲ ብቐንዱ ኣብ ኣእምሮን ምዕባለኣዊ ሕልና ወዲ ሰብን እዩ ዝርከብ። በዚ መንጽር፡ ኤርትራ ናብ ምዕባለ ዘበግሳ ዓቕሚ ሰብ ኣለዋ።
ቀንዲ ድኽነት ኤርትራ እምበኣር ነቲ ዝርካቡ ሰብኣዊ ጸጋታት ብውሕሉል ኣገባብ ኣብ ሞያ ከውዕል ዝኽእል መሪሕነት ዘይምርካባ እዩ። ድኽነት ኤርትራ ናይ መሪሕነት እዩ።
ንሎሚ ‘ስከ ንጉዳይ ናይዚ ሎሚ ቕነ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓግጋዚኡ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክኸውን ዝመዘዞ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ከም መርኣያ ንመልከት።
እዛ ምሁራት ከም ትንፋስ ዘድልዩዋ ሃገርና፡ ከመይ ኢላ እያ ነቲ ሰበስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ብማዕዶ ዘለልዩዎ፡ ብልሒ ተመክሮን ክእለትን ገዛእ-ውላዳ ምልላይ ትስእኖ ዘላ?
እቲ ጸገም፡ ሃገር ዘድልያ ክትሓሪ ዕድል ዘይምካባ እዩ። ሕጂ’ውን ድኽነት መሪሕነት።
ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ብ1971፡ ኣብ ኣመሪካ ኣብቲ ፍሉጥ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ከም ተሓጋጋዚ መምህር ዝጀመሮ ስራሕ ገዲፉ፡ ገድሊ ንናጽነት ብምምራጽ ኣብ ፈለማ 1973 ናብ ሜዳ ኤርትራ ኣትዩ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ ላህመት ዕድሚኡ ዝወፈየ ተጋዳላይ እዩ።
ሃይለ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ዝተዛረበሉ ቃለመጠየቕ፡ “ እናተሓጎስኩ ዝወሰድኩዎ ስጉምቲ እዩ። ኣነ ጥራይ ‘ውን ኣይኮንኩን። ኣብ ሜዳ ከርፋሕ ናብራ ይጽበየና ከምዝነበረ ንፈልጥ ኔርና። እንተኾነ ንኹሎም ኤርትራውያነ ኣብነት ተወፋይነት ክንከውን ኢልና ዝወሰድናዮ ውሳኔ እዩ።” ይብል።
በንጻር ናይ’ዚ ሕጂ መንእሰያት ኤርትራ፡ ዶብ ሱዳን፡ ምድረበዳ ሰሃራ፡ ሊብያ ቆሪጾም፡ ብናይ ሉሕ ጀላቡ ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ንስደት ዝገብሩዎ ዘለዉ ዓቕሊ ጽበታዊ ጉዕዞ፡ ሽዑ ‘ውን ሃይለ ምንቆርዮስ ካብ ኣመሪካ ብወለንታኡ ብምስሪ የመን ኣቢሉ፡ ቀይሕ ባሕሪ ቆሪጹ፡ ብናይ ጣውላ ጀላቡ ሓደገኛ ጉዕዞ ፈጺሙ ሳሕል ኣትዩ። ሓደገኛነት ናይ’ቲ ጉዕዞ ሓደ እዩ፡ ግን ንዝተፈላለየ ዕላማ። እቲ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዝፈጠሮ ፍልልይ። ሕጂ ‘ውን ቅልውላው መሪሕነት።
ድሕሪ ናጽነት ክኢላን ምሁርን ኤርትራ ዓዱ ተመሊሱ ከገልግል እምበር፡ እቲ ዝርካቡ ናብ ስደት ክውሕዝ ኣብ ትጽቢት መን ነይሩ?
ሓሙሽተ እዮም ተሰማሚዖም ነይሮም። ነቲ ስጉምቲ ዝወሰዱዎ ግን ምስ ካልኣዩ ጥራይ እዮም።
ካብ’ዚ ዝዓቢ ኣርኣያነት የልቦን። ገድሊ ሕድሕዳዊ ምብልላዑ ወዲኡ ኣብ መስመር ስራሕ ከይረገጸ፡ ተስፋ ናጽነት ብጽልግልጉ፡ ከምዚ ዝበለ ተወፋይነት ምርኣይ ዓቢ ኣብነት እዩ።
ኣብ ገድሊ’ውን፡ ኩሉ’ቲ ንብጾቱ ዝገጠሞም መስገደል ህይወትን ቃልስን ሰጊሩ ተወፋይነቱ ብስራሕ ኣረጋጊጹ። ካብ 1973 ክሳብ እዋን ናጽነት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ብዝያዳ ኸኣ ከም ሓላፊ ምርምርን ምንቕቓሕን ህዝባዊ ግንባር ኣበርኪቱ። ካብ 1977 ኣትሒዙ ኸኣ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን እጃሙ ገይሩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ግን መብዛሕትኡ ስርሑ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ።
እዚ ሳላ ትምህርትን ምረትን፡ ተመክሮን ፍልጠትን ዝደለበ ብሱል ዜጋ ግን ኣብ ናጽነት ስለምንታይ ‘ዩ ሰፈሩ ኣብ ክንዲ ማእከል ወሰን ወሰን ኮይኑ?
ፍርሒ ምሁራት ባህሊ መራሕቲ ኤርትራ ምዃኑ ንማንም ብሩህ ስለዝኾነ ነዚ ሕቶ’ዚ ንምምላስ ናብ ልቦና ሃይለ ምምላስ ‘ውን ኣይከድልየናን እዩ። ንዓኣቶም ዘገድሶም ምሁራት ንሃገር ዝገብሩዎ ኣበርክቶ ዘይኮነ፡ ኣብ ስልጣኖም ዘንጸላሉ ስግኣት እዩ። ሕጂ ኸኣ ድኽነት መራሕቲ። መራሕቲ ኤርትራ ድኽነቶም ብዙሕ እዩ።
ብሚያዝያ 2004 ኣብ ሓደ ጽምብል Oklahoma State University፡ Charles F. Dambach ዝተባህለ ምሁር A Life of Purpose, A Life of Service ብዝብል ኣርእስቲ ንዕዱማት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኣብ መንጎ ካልኦት ዕዱማት ንሃይለ መንቆርዮስ ጠቒሱ፡-
“ ሃይለ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ኣብ ትውልዲ ሃገሩ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ክነግስ ስለዝሓተተ ብጥልመት ተኸሲሱ ኣሎ። ንሱ ግን ሓደ ካብቶም ዝለበሙን ምጉሳትን መራሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ተባዕ ጅግና እዩ። ንደቀይ ኣብነት (role model) እዩ። ንደቀይ ካብ ዕርክነቱ ዝበልጽ ህያብ ክረኽበሎም ኣይክእልን እየ” በለ።
እዚ ምሉእ ሓሳብ’ዚ ፍጽም ምስ ኣበለ፡ ከም ኤርትራዊ፡ ብልብኻ፡ ስንብድ ኢልካ “ንዓና ኸ?!” ኢልካ ኢኻ ትሓትት። “ንስኹም ደኣ ባዕልኹም ከሲርኩሞ” ዝብል መልሲ ከምዝጭልግመካ ስለ እትእምት ግን፡ እቲ ድምጺ ኣብ ልብኻ ጥራይ ትገብሮ። ዓው ኣይትብልን።
እቲ ማዕሪኡ ዘሕዝን፡ ንሞያ ኣሕዋትናን ጀጋኑናን ብተዘዋዋሪ ንሰምዖ ምዃንና እዩ። ንሱ’ውን ከም’ዚ ሕጂ ሃሰስ እንተኢልና ጥራይ።
ብዛዕባ’ዚ ሕጂ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሓጋጋዚ ፖለቲካዊ ጉዳያት ዋና ጸሓፊ ኮይኑ ዘሎ ዓቢ ሰብ፡ ብዛዕባ’ዚ ኣብነታዊ ዜጋና እንፈልጦ እንታይ ጭቡጥ ነገር ኣሎ? ፍልጠትና ካብ ስሙን ሒደት መስመራትን ዝሃልፍ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ብሓደ ስም ጥራይ ዝተቓነየ ስለዝኾነ።
ንኤርትራዊ ሃይለ መንቆርዮስ ድራር ግን፡ ማዕከናት ዜና ዓለም የድምጻሉ ኣለዋ።
ድልዱል ኣብነት መታን ክኾነና ግን፡ ነቲ ዓበይቲ ብዓለም ደረጃ ብዙሕ ዝንእድዎን ዝሃርፉዎን ዜጋና፡ ኣጸቢቕና እንፈልጠሉ ዕድል ንዓና፡ ንሃገርና ድማ ኣብ ርእሲ ቐደማ ዳግማይ ተጠቃሚት ብሉጽ ተመክሮኡን ሞያኡን እትኾነሉ ኣጋጣሚ ይፍጠረልና።
ኣሰና 19.05.2007


