Home ትግርኛ ኣተኵሮ ኣምባሳደራት ኤርትራ በዚሑ ሓሶትኩም ምትላልኩም: ክሳብ መኣስ ክንጽመም እስከ ይቀላዕ ሓቀኛ ታሪኽኩም
Print PDF

ጌጋ`ዩ ዝብል ተቓውሞ እንተለኩም ፡ ነብስኹም-ትኣምኑ ተጻዋርነት ኣለና መኪትና ከነረድእ ንኽእል ኢና ትብሉ እንተኾይንኩም፡ ኣብ መድረኽ ብቕሉዕ መልስኹም ወይ ጭብጥኹም ከተቕርቡ መርሓባ ጆባእ ንብለኩም። ቅድሚ ናብ ታሪኽ ኣምባሳደራት ምእታውና፡ ብዛዕባ ደቂሰባትን ሕብረተሰብን ንዛረብ ስለዘለና፡ ሓደ ሓደ ኣገደስቲ ጉዳይ ኣቐዲምካ ምግላጽ  ወይ ምድህሳስ ኣገዳሲ ኢዩ። ባህርያት ደቂ-ሰባትን መንግስትን እንታይ ኢዩ ብከመይ ከ ማዕቢሉ? ኣብ  ኣመራርሓ ዝርኣዩ ፍትሓውን ዘይፍትሓውን ተግባራት ወይ ኣገባብ፡ ውልቃውን ሓብራውን ጠቕምታት ኣብ ምንታይ ይራኸቡ ኣበይከ ይፈላለዩ? እንተተፈላልዮምከ ጠቕሞም ወይ ጉድኣቶም እንታይ ኢዩ? ውልቀሰብ መንግስቲ ወይ ህዝቢ፡ ንግዜ ብኸመይ ይጥቀመሉ? ንጽቡቕዶ ንሕማቕ ? ንረብሓ መን የገልግል ወዘተ ዝብሉ ብሓጺሩ ምድህሳስ የድሊ። ምኽንያቱ ዘይነጻጸል ኣካል ናይ ደቂ -ሰባት መንግስትን ሕብረተሰብን ስለዝኾነ።

ኩልና ፍጡራት ደቂ- ሰባት ኣብዛ ዓለም ክንውለድ ኮለና፡ ብንጹህ ሕልና ብዘይ ሓጥያት ብዘይበደል ደቂ 9 ወርሒ ተወሊድና፡ ክንዛረብ ክንሰምዕ ወይ ዝሰማዕናዮ ክንፈሊ ከነስተውዕል ሕጊ ተፈጥሮና ኣየፍቀደልናን። ሕማቕ ጽቡቕ ከይፈልጥና፡ ብንጹህ ሕልና ብዘይ በደል ስስዔ ረብሓ ከይፈለጥና ኢና ተወሊድና። ሃብታምና ድኻና፡ ቀይሕና ጸሊምና ዝተማሃርና ዘይተማሃርና፡ ሰብስልጣናት ኣምባሳዶራት ሚኒስተራት ፕረሲደንታት ተራ ህዝብና ኩላትና ብሐበራ። መን ኣሎ ካብ ፍጡራት ደቂ-ሰባት ኣነሲ ካብ ማህጸን ኣደይ ክወጽ ኮለኹ ኣምባሳደር ወይ ምሁር ወይ መራሒ ሃገር ከምዝከውን ይፈልጥ ነይረ ዝብለና? ኣለኹ ዝብል እንተሎ ተኣምር`ዩ! እስከ ሎሚ ዘይንቡር ክንሰምዕ ጽን ክብል ኣእዛና፡  እወ ኣነ ወይ ኢሰያስ ዝብል እንተረኸብና? ብከመይ ከምዝተወለድኩም ንሊቃውንቲ ፍሉይ መጽናዕቲ ከከይድሉ ክንሕብር ብብወገና። ምኽንያቱ ውጽኢት መጽናዕቶም ከፍልጡና ሊቃውንቲ ዓለምና።

ግዜ ናቱ ሕግታት ስለዘለዎ፡ ደረጃ ብደረጃ ኣናዓበና ዓቕሚ ኣዳም ምስ በጻሕና፡ ኣብ ኣትዓባብያና ዝውረስ ብከባቢና ዝርከብ ንቕሓት ደሚርና፡ ገለና ብቕኑዕ መንፈስ፡ ኣብ ንነብረሉ ኣከባቢ ምስ ሕብረተስብና ተፋቒርካ ተኸባቢርካ፡ ተጻዋዊርና ተራዳዲእና፡በደል ሓጥያት ምፍራሕ ብጽቡቕ ስነ-ምግባር ተኾስኩስና፡ መሰልናን መሰል ካልኦት ኣኽቢርና ሰላማዊ ናብራና ንመርሕ። ገሌና ድማ ብሕማቕ ሕልና ተንኮል ተሓንጊጥና፡ ብስሱዕ ጠባይ ብግዚያዊ ረብሓ ተገዚእና፡ ብዋጋ ካልኦት ምንባር ዘይቅዱስ ባህርያት ከም ዕላማ ክንሰርሓሉ ተቓሊዕና ተፈንፊና ኣለና። መንፈሳዊ ይኹን ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ ኣብ ታሪኽን መጻኢ ወሎዶ ሕማቕ ስምን ኣነዋሪ ታሪኽን  ገዲፍና፡ ንዝወልድናዮም ስምብራት ዝገድፍ ዘሕፍር ተግባራት ምፍጻም፡ ከም ጅግንነት ወይ ንጊዚኡ  ንዓይ ይጥዓመኒ ናይ ካልእ ሰብ ኣይግድሰንን ኢልና፡ ጸቢብ  ዘይምዕቡል ኣትሓሳስባ ሒዝና፡ ብትዕቢትን መን ከማይን ሰኺርና፡ ጽባሕ ከምዝወግሕ ግዜ ከምዝቕየር ካብ ኣፍንጫና ኣርሒቕና ዘይንሓስብ ሰባት መኣስ ውሑዳት ኮይና። ዝኾነ ሰብ መን ኢዩ መፍለዩ መለለይ ወይ መምዘኒ ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣትሓሳስባኻ ባህርያትካ ተግባርካ ኢዩ መምዘኒኻ መፍረዲኻ ኣብ ውሽጢ ህዝብኻ  ሕብረተ-ሰብካ መስትያትካ ኢዩ።

ግዜ  ብናቱ ሕጊ ተኸታታሊ  መስርሕ ለውጢ ስለዘየቋርጽ፡ ምስ ግዜ ዝመጸ ለውጢ፡ጽቡቕ ይኹን  ሕማቕ ሕጊ ግዜ ተመሊሱ ባዕሉ ኢዩ ዝቕይሮ። ትማልን ሎምን ዓምን ሎሚ-ዘመንን በበይኑ ስለዝኾነ። ሕጊ ግዜ ዝፈጥሮ ለውጢ ብመሰረቱ ዝዓግት ሓይሊን መንግስትን ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት ኣይተራእየን። ኣጠቓቕማ ግዜ ብውድዓውን ክውንነታዊ ኣገባብ ምጥቃምን ዘይምጥቃምን ኢዩ መሰረታዊ ፍልልይ ዘምጽእ። ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ደቒ ሰባት፡ ውድባት ወይ መንግስቲ ድማ ንግዜ ብኸመይ ይጥቀሙሉ ኣብ ምዕባሌ ወይ ውድቅት ህዝብን ሃገር ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ሓደ ቅኑዕ ደሞክራሲ ኣመራርሓ ዝትግበር መደብ ክህልዎም ወሳኒ ኢዩ። ምኽንያቱ ውድባት ወይ መንግስቲ ግዜ ንረብሓ ሰፊሕ ህዝቢ ንምዕባሌ ሃገር እንተተጠቕመሉ፡ ብደሞክራሲያውን ሕጋውን ኣገባብ ኣንተመሪሑ ይምስገነሉ፡ ጥዑም ግዜ ተባሂሉ ይዝንተወሉ። ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ኣብ ምህናጽ ይሕግዘካ።

ድልዱል መሰረትን ጽቡቕ ታሪኽ ንወለዶ ይገድፍ። እቲ መሰረት ካብ ወሎዶ ናብ ዎሎዶ እናተሰጋገረ፡ ምዕባለ ህዝብን ሃገርን ኣብ ደሞክራሲያዊ ሕጋውን ምምሕዳር የሰጋግሮ። ዜጋታት ብትምህርትን ሞያዊ ብቕዓት ይህነጽ`ሞ ምዕባሌ ሳይንስን ተክኖሎጅን ይዓቢ።ቑጠባዊ ዕብየት መነባብሮ ህዝቢ ይምሓየሽ። ካብ ፍርሒ ናጻ ዝገብር ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ዘረጋግጽ ዝከላልከል ምዕቡል ሃገራዊ ሕጊ፡ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝሳነ፡ ምስ ዓለም ዘከባብረካ ዘሳንየካ ዘዋስኣካ ሕጊ ትሃንጽ። ግዜ ንምዕባሌ ሰፊሕ ህዝብን ሃገርን ከምዝተጠቐምካሉ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነትካ ህዝቢ ይምስክረልካ። ኣብ ታሪኽ ከም ቕርሲ ነባሪ ይኸውን ወሎዶ ብታሪኽ ኣቦታቱ ኣባ-ሓጎታቱ ይሕበን ይኾርዕ። ዳሕረውይ ወሎዶ ድማ ነቲ ድልዱል መሰረት ኣቦታቱ ናህሪ ወሲኾም ብዝያዳ የማዕብልዎ።

ገለ ጉጅለ ደቂ-ሰባት ቅድም ከም መራሕቲ ውድባት ደሓር ከም መንግስቲ ኣብነት ክንጠቅስ። ከም ” ነልሶን ማንደላ” ብሂወቱ ኮሎ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብኩሉ ህዝቢ ዓለም ከቢሩ ይዝከር። ብዓለምውን ከም ደሞክርሲያዊ ኣብነታዊ መራሒ ብኽብሪ ይጽዋዕ። ኣብነታዊ ኣፍሪቃዊ መራሒ ናይ ዘመና ኢዩ።ምኽንያቱ ውድቡ ኤ.ኤን.ሲ መሪሑ ኣንጻር ዓሌትነት ተቓሊሱ፡ ልዕሊ ርብዒ ዘመን ተኣሲሩ። ምስተዓወቱ ከም ፕረሲደንት ደቡብ-ኣፍሪቓ ምስተመርጸ፡ ክልተ ዓበይቲ ባህርያት ኣመስኪሩ።ቀዳማይ ስልጣኑ ብድሌቱ ኣረኪቡ። ካልኣይ ኣብ ሞንጎ ጸለምትን ጸዓዱን ዝነበረ ናይ ነዊሕ ግዜ ጎነጻዊ ኣገባብ ዝፈጠሮ ዘይምቅዳው፡ ሕነ ምፍዳይ ከየጋጥም ሃገራዊ ዕርቂ ክረጋገጽ ዓቢ ኣበርክቶ ተጻዊቱ። መጀመርያ ኣፍሪቃዊ ደላይ ሰላምን ደሞክራስን ምኻኑ ብዓለምን ብህዝቢ ደቡብ-ኣፍሪቓን ተመስኪሩሉ። ጎደናታት ቤት-ትምህርቲ መንግስታዊ ትካላት ብስሙ ይጽዋዕ ኣሎ፡ ኣብ ኣህጉራዊ  ኮንፈረንስ ናይ ሰላም ደሞክራሲ ከም ናይ ክብሪ ዕዱም ክትርእዮ ክትሰምዕ ኮለኻ ከም ኣፍቓሪዊ ታሪኻዊ መራሒ ትሕበነሉ።

መንግስቲ ግዜ ንረብሓ ዉሑዳት ጉጅለ ከምዘገልግል እንተገይሩ፡ ረብሓ ናይ ብዙሓት ስለዝጎሲ ወይ መሰል ብዙሓት ስለዝግህስ ዘይደሞክራሲያዊ ምምሕዳር ይሃንጽ። ልዕልና ሕጊ ኣፍሪሱ፡ ሓድነት ህዝቢ ንምብታን ከፋፋሊ ኣትሓሳስባ ወገን ኣውራጃ ሃይማኖት ብሔር ወዘተ የማዕብል። ቑጠባዊ ጸጥታዊ ትካላት ተቖጻጺሩ ጸጥታዊ ኣገባብ ይሃንጽ። መሓውር ጸጥታ ኣብ ውሽጢን ወጻእን ይዝርግሕ ሰንሰለቱ የዕቢ፡ ሰባት ይምልምል መደልድሊ ስልጣንካ ዝኾኑ ብሕሱር ፖለቲካ ተዋሳእቲ ይፍጠሩ። ኣምባሳዶራት ጸጥታ ፖሊስ ኣምሓደርቲ ህዝብን ብቐዳማይ ተዋሳእቲ ይስርዑ። መንግስቲ ንዝቃወሞ ይኣስር የሳቒ ይቐትል። ህዝቢ ብስነ-ኣእምሮኣዊ ፍርሒ ተዋሒጡ ነንሕድሕዱ ከምዘይትኣማመን ይገብር። ዘይደሞክራሲያዊ ጎነጻዊ ኣገባብ የዘውትር።

ብዋጋ ንጹሃት ዜጋታትን ሃብቲ ሃገርን ይጻወቱ። ምኽንያቱ ምንዋሕ ስልጣኑ ረብሕኡ ምሕላው ኢዩ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ናይ ህዝብን ሃገርን ኣይግድሶንም ኢዩ።ፕረሲደንት ይኹን ካልኦት ሰበስልጣናት ድማ ናብ ዓበይቲ ናይ ፖለቲካ ሓሰውቲ ይቕየሩ። ክሳብ ግዜ ውድቀቶም ቅድም ዝጎሰዩዎ መሰረታዊ ሕቶ ደሞክራስን ቅዋምን ለውጢ ኣይገብሩን ኢዮም ባህርያቶም ስለዘየፍቅደሎም።

ዘይደሞክራሲያዊ መንግስቲ፡ ረብሓ ብዙሓት ገዲፉ፡ ረብሕኡ ስለዘቐድም፡ ንኣትሓሳስብኡ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ዝኽእሉ ሰባት ኣለልዩ፡ የሰልጥን ይምልምል ከም ዝዓበየ ስራሕ ይውሰዶ። ሕማቕ ሕልና ወይ ዘይስነምግባራዊ ኣትዓባብያ ዘለዎም ሰባት ኣለልዩ ኣሰልጢኑ የዋፍር። ወይ ዝተፈላልለየ ስምዒትን ድልየትን ዘለዎም ሰባት ንድልየቶም ዘርዊ ሓለፋን ኣገባብን ይህቦም። ወይ ዝፈልጠሎም ኣበር ወይ ድኹም ጎኒ እንተሎ ኣጽኒዑ ከም መሽፈኒ ኣበሮም ድኻሞም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዎም።ድርሰት ይዋሃቦም ከም ዕዮ-ገዛ ወሲዶም ተዋሳእቲ ይኾኑ። ብረብሓ ወገን ሃይማኖት ካልእ ኣነዋሪ ጠባያት ዝዋስኡ ሰባት ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ይርኣዩ። እቶም ብረብሓን ስልጣንን ዝዕሸዉ ድማ ሕልንኦም ሸይጦም ነቲ ዘይፍትሓዊ ትእዛዝ መንግስቲ ይፍጽሙ።

ኮቦሮን  እምብልታን ኣዋሃሂዶም ጥሩምባ ወሲኮም መንግስትና መንግስትና …. ኪብሉ ክትሰምዕ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት በደልን ገበንን ኪፍጽሙ ድማ ድሕር ኣይብሉን። ብዋጋ ኣሕዋቶምን ሃገርን ይነብሩ ከምዘለዉ ሕዋሳቶም ስለዘደንዘዘ፡ ሕልንኦም ስለዝሸጡ ክሳብ ክንደይ ዘይሓላፍነታውያን ሰባት ኢዮም ትግምቶም። ጽባሕ ከ መሬት ምስ ወግሔ ክሳዶም ከም ዘድንኑ፡ ብጸሊም ታሪኾም ከምዝሕተቱ፡ ንደቆም ሕማቕ ስም ከምዝገድፉ ኣይፈልጡን ማለት ኣይኮነን። ሰበስልጣናት ሃይለስላሰ ይኹን ደርግ ብዓይኖም ርእዮም ሰሚዖም ኢዮም። ሕጂ`ውን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ከም ኩሉ ስርዓት ግዜኦም ኣኺሉ ከምዝወድቑ ግድነትን ሕጊ ምዕባሌ ሕብረተሰብ ኢዩ፡ ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ። ኢሰያስ ባዕሉ ዝፈጸሞ ጌጋ፡ ዘይደሞክራሲያውን ዘይሕጋውን ተግባሩ፡ ተመሊሱ ህዝቢ መሰሉ ዘረጋግጸሉ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ እገዳ ዝውስነሉ ግዜ ኣኺሉ ስርዓት ባዕሉ ዝፈጠሮ በደል ውድቀቱ ተቓሪቡ ከዕለብጡ ይርኣዩ ኣለዉ። ”ረብሓን ስልጣንን መታለሊ ኢዩ” ሕልና ንዘይብሉ ሰብን መንግስትን። ሕጊ ምዕባሌ ሕብረተ-ሰብ ይኹን ሕጊ ግዜ ንደቂ-ሰባትን መንግስትን ዘልኣለማዊ  ምንባር ክህሉ ኣየፍቅድን ኢዩ፡ ብኣንጻሩ ንለውጢ ኢዩ ዝዕድም ኢልና ከነሕጽሮ

ንድሕሪት ተመሊስካ ናይ ዝኾነ ሰብ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር፡ ወይ ዘይቕኑዕ ሕልና ካበይ ከም ዝነቐለ፡ ንሕሉፍ  ባህርያቱን ኣትዓባብይኡን  መጽናዕቲ  እንተገርካ፡ ስለምንታይ ውልቃዊ ረብሓኻ  ንምሕላው ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትካን ህዝብኻን በደልን ገበንን ትፍጽም፡ ስለምንታይ ዘይሓላፍነታዊ ተግባር ተዘውትር፡ ዘይምፍላጥ ድንቑርና ዲዩ? ጸቢብ ዘይምዕቡል ኣትሓሳስባ ዲዩ? ወይስ  ስሱዕ ጠባይ ናይ ኣትዓባብያኻ ውርሻ ባህርያት ወሎዶኻ ኢዩ? ወይሲ ካብ ጽቡቕ ስነ-ምግባር ዘሎዎም ውርዙያት ስድራ-ቤት ተወሊድካ ንስኻ በይንኻ ዕሽር ገዛ ዲኻ? ኣብ ኣትዓባብያኻ ፍሉይ ናይ መንነት ቅልውላል ወይ ፍሉይ ጸገምን ስነ-ኣእምሮኣዊ ሽግራት ነይሩካ ዲዩ? ወዘተ…ዝብሉ ሕቶታት ምምላስ መጽናዕቲ እንተጌርካ፡ መኣስን ብከመይንከ ስሱዕን ዘይሓላፍነታዊ ጠባያት ሒዝካ ብቐሊሉ ይፍለጥ። ብፍላይ እንተተማሂርካ ናይ ከተማ ጽልዋ ዕድል እንተረኺብካ፡ ኮነ ኢልካ ተዘውትሮ ምህላውካ መግለጺኻ መምዘኒኻ ኢዩ። ተመሳሳሊ ስሱዕ ባህርያት ዘለዎም ሰባት ምስዝራኸቡ፡ ከም ሓደ ጉጅለ ብናይ ሓባር ረብሓ ይትኣሳሰሩ። ረብሓን ስልጣን ንምግባት፡ ዕድሜ ስልጣኖም ንምንዋሕ ሰብኣዊ-ሕልንኦም ስለዝሸጡ  ኩሉ ሕማቕ ተግባራት ክፍጽሙ ኣይስከፉን ኢዮም። ነበርቲ ይመስሎም ነብሶም የዓሽው። እዞም ዘይሓላፍነታውያን ጉጅለ ደቂ-ሰባት መን ኢዮም ? ኣበይ ከባቢ ዓብዮም? እንታይ ኢዩ ድሕረ- ባይቶኦም ምስትፈልጥ ኣይገርመካን ጽቡቝውን ኣይትጽበን መሳኪን ጽቡቕ ኣይተዓደሎምን ኢልካ ትሓዝነሎም፡ ግንከ ሕማቕ ባህርያቶም ተግባሮም ዘውርዶ ጉድኣትን በደልን ኣዝዩ ኣነዋሪ ገበን ኢዩ።። ብመጽናዕቲ ክሳብ ብዝተጨበጠ ተቕርቦ፡ ወይ ግዜ ክሳብ ዘቓልዖ ዝፈጥሮ ዕንወት ዝሓቶ ግዜን ጻዕርን ቀሊል ኣይኮነን። ክቡር ዋጋ ንጹሃት ዜጋታት፡ ዕንወት ሃብቲ ሃገር፡ ማሕበራውን ስነ-ኣእምሮኣውን ምዝንባል ረዚን ዋጋ ትኸፍለሉ። ዝተኸፍለ ዋጋ ድማ ተመሊሱ ንቕሓት ህዝቢ የማዕብል ተቢዑ ክቃለስ ይድርኾ ከምዝዕወት ድማ ብግብሪ ብታሪኽ የመስክሮ።

ከም ውልቐ ሰብ ንተንኮለኛ ሰብ ባህርያቱ ፈሊጥካ ካብኡ ክትርሕቕ ይከኣል ኢዩ። በዓል ስልጣን  እንተኾይኑ ኣብ  ደሞክራሲያዊ መንግስቲ ብጋዜጣ ተለቭዥን  ኪትወቕሶ ከተቓልዖ ክትከሶ ይከኣል ኢዩ። ደሞክራሲ ኣብ ዘይብሉ ዲክታቶርያዊ መንግስቲ ግና ተመሊሱ ንዓኻን ቤተሰብካን ኣሰርካ ስለዘጥፋኣካ ንግዜ ኢኻ ትጽበዮ። ይንዋሕ ይሕጸር ካብ ሞት ዘምልጥ ነባሪ ሰብ የለን። ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብ ስልጣን ዘልኣለማዊ ዝጸንሕ መንግስቲ የለን። ኣይተራእየን ኣይተሰምዔን። ኣብ ታሪክ ዓለምና ይኩን ሕጊ ምዕባለ ሕብረተሰብ ዘይነበረ ብሕጂ ኪፍጠር`ዩ ኢልና ክንሓስብ ነብስና ከነዓሹ ኣይንክእልን ኢና። ስለዚ ሕማቅን ጽቡቕን ባህርያት ኣብ ነፍሲ ወከፍና ክህሉ ግድነት ኢዩ። ወዲ ሰብ ፍጹም ስለዘይኮነ ብተፈጥርኡ። ንዝበደልካዮ ሓጥያት ምንሳሕ፡ ንዝበደልካዮ ሰብ ይቕሬታ ምሕታት፡ ይቕሬታ ዝሓተተ ሰብ ይቕረ ኢልካ ሕድገት ምግባርውን ኣካል ሃይማኖታዊ ስንስምግባር ጥራይ ኣይኮነን፡ ሞራላውን  ሕብረተሰባውን ግዴታ ዘሰክመካ ስልጡን ባህሊ ዝሓቖፈ ኢዩ።

ቀንዲ ዝፈላልየና  ክንደይ ኢዩ  ጽቡቕ ጠባይና ብዓቐኑ ውጽኢቱ፡ ገለ ኣብነት ንምጥቃስ ለጋስ ቅኑዕ ኣኽባሪ ሰብ  እሙን፡ ኣብ ሰላም ፍቕሪ ዝኣምን፡ ጽቡቕ ናይ ጎረበቱን ህዝቡን ዝምነ፡ዓይኒ ሰብን ፍርሒ እዝግሄርን ዘለዎ፡ ሞራላውን መንፈሳውን ስነምግባር ዘለካ ሰብ እንተኮንካ ሚዛንካን ረዚን ይገብሮ። ኣብ ሕብረተሰባካ ተቀባልነትካ ይዓቢ፡ ክቡር ኮይንካ ተዛሪብካ ተስምዕ፡ ብግብራዊ ባህርያትካ ሰባት ትምህር። ብሂወትካ ኮለካ ዋላ ምስ ሞትካ ንውላድካ ዘይሃስስ ጽቡቕ ስምን ታሪኽን ትገድፈሎም። ደቕካን ቤተሰብካን ብፍትሓዊ ባህርያትካን ማሕበራዊ ተቐባልነትካን ኣብ ስምዒቶም ዘዕግብ ኣሰር ስለዝገደፍካ ነብሰ-ተኣማንነት ዘለዎም ዘጋታት ኪኮኑ መሰረት ስለዘንጸፍካ፡ ገለ ወይ ዝበዝሔ ካብ ባህርያትካ ክወርሱ ይግደዱ። ኣትዓባብያኻን ከባቢኻን ኣብ ምህናጽ ኣትሓሳስባካን ባህርያትካን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ። መን ምኻንካ  ክፈልጥ ወዲ መን ምኻንካ ንገረኒ፡ ወይ መን ምኻንካ ክፈልጥ ምስ መን ከምትኸይን ንገረኒ ዝበሃል ብሂል ኣብሓጎታትና ካብ ትዕዝብቲ  ማሕበራዊ- ናብራ ዝተመሰለ ግንከ ሳይንሳዊ መግለጺ ኢዩ።

ኣቲ ካልኣይ ዝኸፍኤ ባህርያት ደቂሰባት ሕማቕ ሕልና ዘበገሶ  እኩይ ሰይጣናዊ ዝኮነ ዘይሓላፍነታዊ ባህርያት እዩ። ከቢድ ዋጋ ከምዝሓትት ኣቀዲሙ ተገሊጹ ኣሎ። ክቡራት ኣምባሳዶራት ኤርትራ! “መንነትና ክብረትና ምስሊ ሃገርና ደምሲስኩምልና”

ብጽቡቕ ታሪኽኩምን ታሪኽ ስድራ-ቤትኩም ክንጅምር።

ተስፋንኪኤል ገራህቱ ፡- ወደቦይ ሰርገንቲ ገራህቱ፡  ኣዴካ ወ/ሮ ሮማ ሓርበኛዊት ኢየን። ንስካ ግና ኣይከም ኣዴኻን ኣሕዋትካን ትብዓትካ ይኹን ጅግንነትካ ። ለከስ ከምዚ ምስተረኽበ ኢዩ “ ማህጸን ኣደ ጉራ ጉራ” ተባሂሉ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ- ኣበባ ሓደ ካብቶም ንፉዓት ተመሃሮ ከምዝነበርካ ንምስክረሉ ሓቂ ኢዩ። ከም ኩሉ ናይ ሽዑ መንእሰይ ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ መንፈስ ብ-1974 ኣብ ህ.ግ.ተሰሊፍካ። ትምህርትኻ ገዲፍካ፡ መጻኢ ዕድልካ ከይሓሰብካ፡ ዕድመ ንእስነትካ ከየስተማቐርካ፡ ናይ ሳይንስ ምሁር ኮንካ ብዲግሪ ክትምረቕ ሓጺር ግዜ ተሪፉካ ስለዝነበረ፡ ብመጻኢ ብሩህ ዕድልካ ከይሓሰብካ ንኩሉ ገዲፍካ ከም ተጋዳላይ ክብርቲ ሂወትካ ከተወፊ ምግዳልካ ነኽብሮ ታሪኽ ስለዝኮነ ክንምስክረሉ ሞራላዊ ሃገራውን ታሪኻውን ግዴታ ኣለና።

ተራ ስድራቤትኩም ድማ ከም ብዙሓት ታሪኻውያን ስድራቤታት ኤርትራ፡ ሓንቲ ብጽቡቕ ኣብነት ትግለጽ ስድራቤት ኢያ። መሓሪ ሓውኻ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ኢድ ደርጊ ምስወደቀ ምስተታትሕዘ፡ ሚስጥራት ንደርጊ ኣሕሊፉ ከይህብ ኢሉ ኣብ ሓለዋ ኮሎ ካብ ጅቡኡ መድሃኒት ኣውጺኡ ምስዋሓጠ ነብሱ ቀቲሉ። መስዋእቱ ንሰበስልጣናት ደርጊ ዘገረመ ተወፋይነት ዘርኣየ ምንኣስ ምንኣስካ ዕሸል ነይሩ። ሃገራውነቱ በጃ መትከሉ ሚስጢር ንምዕቃብ ካልኦት ሰባት ከይልክም ኢሉ ዘርኣዮ ተወፋይነት ዘኹርዕ ታሪኽ ኢዩ። ሓደ ሓውካ ስሙ ዘይፈለጥናዮ ንሱ`ውን ተጋዲሉ ተሰዊኡ ጅግና ኢዩ። ምዕባይካ ኣረፋይነ ብስነ-ቀመም/Chemistry/ ተመሪቑ፡ ኣብ እንዳ መሎቲ ጽቡቕ ስራሕ ጀሚሩ ነብሱን ስድራቤቱን ኣብ ዝኣልየሉ ግዜ በጺሑ ክነሱ ብ1978 ተሰሊፉ ተጋዲሉ ኢዩ።

ኣዴኻ ወ/ሮ ሮማ ድማ ሓንቲ ጅግና ሓርበኛ ኣደ ኢየን። ኣረፋይነ ተማሂሩ ስራሕ ጀሚሩ ስድራቤትኩም ይኣሊ ነይሩ። ሰርገንቲ ገራህቱ ናይ ጡሮታ ግዜ ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከም ኣደ ንቦኽሪ ውላዳ ኣብ ክንዲ ጠውረኒ ትብል፡ ብኣንጻሩ ቦኽሪ ውላዳ ንዓ ናብ ኣሕዋትካ ተጸምበር ተጋደልቲ፡ ከም መሓሪ ወደይ ሬሳኻ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብደርጊ ተቀቲልካ ክርኢ ኣይደልን ኢየ ኢለን፡ ኣብ 1978 ንጊንዳዕ ሒዘንኦ ወጼን። ናይ ሎሚ ሚኒስተር መራከቢታትን መጋዓዝያን ዘሎ ናይ ሽዑ ናይ ከተማ ወዳቢ ዝነበረ ንሚኒስተር ወደንኪኤል ኣብራሃ ከቢድ ሕድሪ ኣሰኪመን ኣረኪብንኦ።

“ ኣረፋይነ ወደይ ብተፈጥርኡ ሓንቲ እግሩ ልምስቲ ቀጣን ስለዝኮነት ዓቐብ ቑልቑል ምኻድ ስለዘጸግሞ፡ ሕድርኻ ወልደንኪኤል ወደይ ኣብ ኪሰርሓሉ ዝክእል መድብዎ ኢለን ተላብየንኦ ወ/ሮ ሮማ”። ኣዴኻ ኣይ ከምዝለኸትካን ዕዳጋ ከምዝጸንሓካ ኢዩ ከምዝተባህለ ኣረፋይነ ሓውኻ ኣብ ዝዓበየ ጎቦ ናይ ሰሚናዊ-ሳሕል ተመዲቡ። እቲ ጎቦ ግደፍ ንጸገም ዘሎዎ ንጥዑይ ሰብ`ውን ዘድክም ነዊሕን ተሪርን  ጎቦ ስለዝነበረ፡ ኣረፋይነ ንጌዚኡ ተጻዊርዎ፡ ልዕሊ ዓቕሙ ምስኮነ ንዓኻ ከም ሓዉ፡ ንኻልኦት ዝምልከቶም ሓቢሩ ፍታሕ ስለዘይረኸበ፡ ንሱዳን ኣትዩ ሕጂ ኣብ ካናዳ ከምዘሎ ይፍለጥ። ኣዴኻ ወ/ሮ ሮማ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ቓልሲ ብትብዓት ኣብ ከተማ ተወዲበን ስለዝተቓለሳ ከም ሓርበኛ ኣደ ንኣበርክቶኤን ምስክር ወረቐት ከምዝተዋህበን ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ኢዩ።

ክትስለፍ ኮሎካ ዝነበረካ ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ናጽነት ምርግጋጽ ኢዩ።ድሕሪ ናጽነት ሓርነታ ዘረጋገጸት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ከምትህነጽ ተማሂርካ ኢኻ። ብዝያዳ ድማ ዝበዝሔ ዕድመካ ከም መምህር ኮንካ ዝሰራሕካሉ ግዜ፡ እቶም ብሂወቶም ዘለዉ ህዝቢ ከረን ይኹኑ ተማሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ዝነበሩ ዘረጋግጽዎ ሓቂ ኢዩ፡ ዋላ ክትክሕዶ እንተደለካ ኣእዛን ክንደይ ሰባት ከተጽምም፡ ኣዒንቲ ክንደይ ሰባት ከተንቑር ሓንጎል ክንደይ ሰባት ክትደፍን? ዘይክኣል ዘይሕሰብ ኢዩ። ናጽነት ምስተመስከረ ዝተዝተሰምዓካ ሓጎስ ፍሉጥ ኢዩ። ኣዴኻ ሓርበኛ ወ/ሮ ሮማ ብሂወትካ ምስተመለስካ ከምዝሕጎሳ፡ ግና ናይ ዝተሰውኡ ኣሕዋትካ እንታይ ተሰሚዕወን? ብከመይከ ተጸናንዐን ነይርካ? ሕጂ ሕልናካ ሸይጥካ ትዛረቦ ዘለኻ ምስቲ ክትስለፍ ኮለኻ ይኹን ናጽነት ምስተረክበ ዝነበረካ ስምዒት ብከመይ ተነጻጽሮ? ናይ ሎሚ ኣትሓሳስባካ ዘይሓላፍነታዊ ተግባርካ ሕቡእ ስምዒት`ዩ ነይሩ ወይ ውርሻ ኢዩ ንምባል የሰክፈና ኢዩ? ምኽንያቱ ካብ ውርዙይ ተባዕ ስድራቤት ከምዝተወልድካ ስለነረጋግጽ። እቲ መልሲ ንሕልናኻ ንገድፎ። ሕርኽርኽ ከምዝብለካ ዕሽር ገዛኹም ምኻንካ ግና ኣይንጠራጠርን።

ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ካብዛ ጅግና ስድራ-ቤት ምውላድካ ዘሓብንዩ። ዕሽር ገዛን መንሽሮ ስድራ-ቤት ኮይንካ ኣሰር ስድራቤትካ ዘይምሓዝካ ዘሕዝንዩ።

ብ1974 ምስተሰለፍካ ኩሉ ገዲፍና፡ ኣብ 1977 ኣብ ከረን ከም ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር/ ጀማሂር/ ኮንካ፡ ህዝቢ ከረን ወናኒ ስልጣኑ ክኸውን ባዕሉ ዝመረጾ ህዝባዊ-ባይቶ ከቕውም ኣኼባታት ኣካይድካ ኣስቶምህሮ ሂብካ ብግብሪ ሰሪሕካሉ ኢኻ።ኣብ 1978 ግዜ ምንስሓብ/ምዝላቕ/ ንህዝቢ ከረን እቲ ክስለፍ ክጋደል ዝግብኦ ክምዝጋደል ምሂርካ ኣጋዲልካ ኢኻ። ካብ ህዝቢ ከረን ሙሉእ ስድራ-ቤት ምስ ቖልዓ ሰበይቲ ክስለፉ ኮለዉ ናበይ ብከመይ ከምዝኸዱ ሓደ ካብቶም መምርሒ እናሃቡ ብሓላፍነት ዝሰርሑ ኢኻ። ካብ ከረን ክንደይ ስድራ-ቤት ክንደይ ህጻናት ክንደይ መንእሰይ ከምዝወጸ ጻብጻብ ዘረከብካ ሰብ ኢኻ። ቕኑዕ ተግባርን ዕላማን ነይሩ።

ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ኩነታትካ ካብቲ ትኣምነሉ ዝሰራሕካሉ ዕላማ ወለቕ-ዘለቕ ከምዝበልካ ክሳብ ዕለተ-ሞትካ ካብ ኣእምሮኻ ዘይሕከኽ ስለዝኾነ ትርስዖ ኣይመስለናን።ይኹን ድማ ነቶም ታሪኽካ ዘይፈልጡ ከነፍልጥ ሃገራውን ታሪኻውን ሓላፍነት ስለዘለና  ኣፍቕደልና ክንገልጽ ሕማቕካ ኣይትቐየመልና።

ህ.ግ. ካብ ከረን ምስ ኣንሳሓበ፡ ገና ኣቶም ካብ ከረን ዘውጻካዮም ስድራቤት ኣብ ግቡእ ቦትኦም ከይበጽሑ፡ ቖልዓ ሰበይቲ ከይተዓንገሉ፡ ሰባት ኣጋዲልካ” ነብስኻ ካብ ሞት ፈሪሕካ ንድሕሪት ክትምለስ ከምዝሓተትካ” ይዝከረካዶ? ኣብ ሩባ ዓንሰባ ናይ ሽዑ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዓበይቲ መራሕቲ ዝነበሩ፡ ኣቶ ጰጥሮስ ሰለሙን ኣቶ መሓመድ ስዒድ ባረ መጺኦም እንታይ ከምዝበሉኻ ክንገልጽ ኮለና ሕላናኻ ሕዋሳትካ ከምዝዛረቡ ናይ ግድነት ኢዩ። ምኽንያቱ ሰብ ስለዝኮንካ ሕዋሳት ደቂ-ሰባት ስለዝተፈጥረካ፡ ዋላ`ካ ሕጂ ሕልናኻ እንተሽጥካ ኣሉ ክትብል ኣንተፈተንካ ዘይድምሰስ ዘይሃስስ ታሪኽ ኢዩ። መንቐሊ ኩሉ ስሱዕ ጠባይካ ሓሶትካ ምትላልካ፡ ወኪል መንግስቲ ኮንካ ንህዝቢ ከተታልል፡ ኮቦሮ ጭራ-ዋጣ እምብልታ ወሲኽካ፡ እገዳ/SANCTION/ ሕቡራት-መንግስታት ዘይኮኑ መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ እገዳ ገይሩ፡ንእገዳ ካብ ኣመሪካ ዝያዳ መንግስቲ እንግሊዝ ኢያ ተዋሳኢት ኪትብል፡ ንሰማዒ ገረሞ ይኹን ኢልና ክንሓልፎ ኣብ ቐንዲ ሕማቕ ታሪኽካ ክንሰጋገር።

እታ ኣብ እዋን ናጻ ከተማታት ኣብ ከረን ከም ጀማሂር ኣብ ማሙቕ ገዛ እናተቐመጠት፡ ዝሓሸ ናብራ ከትሕልፍ ዕድል ዝረከበት ጉጅለካ፡ ግዜ ዝፈጠሮ ምንስሓብ/ምዝላቅ/ ምስ ኣጋጠመ፡ ጉጅለኩም ኣብ ከባቢ ከረን ተመዲባ፡ ሞራል ህዝቢ ከተበራብር፡ ኣብ ውሽጢ ከረን ዘሎ ህዝቢ ክትሰርዕ ክትውደብ፡ ኣንጻር ጸላኢ ኣብ ውሽጢ ከረን ፈንጅታት ክትኮስ፡ መጽሔታት ኽዝርጋሕ፡ ብሳሕል ዝወርድ ሰራዊት ሓበሬታ ምእካብ ወዘተ ከም መደብ ስራሕ ተዋሂቡኩም። ምስ ስለያን ሃንደሳን ብሓባር ኮንኩም ክትሰሑ፡ ክሳብ ናይ ጸላኢ ኩነታት ዝርኤ ዝሃድእ ብገንዘብኩም ገዚእኩም ክትምገቡ 30,000/ሰላሳ-ሺሕ/ ብር ከምዝዋሃበኩም፡ ብትብዓትን ብጥንቃቄን ክትሰርሑ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን መሓመድ ስዒድ ባረ ምስሓበርኩም፡ ኩላቶም ኣባልት ሕራይ ኢሎም ብሕጉስ መንፈስ ክቕበሉዎ ኮለዉ፡ ናይ ሕጂ ኣምባሳዶር ተስፋንኪኤል ገራህቱ ቐሚሽ ኣደይ ሓንኩሊኒ ኢልካ። ከይሓፈርካ ኣነ እዝነይ ብቕልዓይ ኮለኩ ኣይሰምዕን ኢየ፡ ኣነ ምስ ጸገመይ ኣብ ድሕሪት ተመዲበ ክሰርሕ ይፈቐደለይ ኢልካ ከይተሰከፍካ ሓቲትካ።

ኩሎም ኣባላት ሰምቢዶም ገሪሙዎም። ኣብ ህ.ግ ካብ ሞት ከምልጥ ከይሓፈረ ዝዛረብ ሰብ መጀመርያ ስለዝሰምዑ እሞ ከኣ ኣብ ግዜ ምዝላቕ። ጰጥሮስ ሰለሙን መሓመድ ስዒድ ባረ ዝሃቡካ መልሲ ወትሩ ካብ ኣእምሮኻ ከምዘይሃሰሰ፡ ድሑር ኣትሓሳስባ ቒም ሒዝካ ኣጋጣሚ ምቹእ ግዜ ትጽበየሉ ከምዝነበርካ ኣብ 1999 ንኩሉ ፈላጢኻ ተጋሂዱ። ካብ ትስለፍ ካብ 1974 ናይ እዝኒ ጸገምካ ተዛሪብካሉ ኣይትፈልጥን፡ ሕጂ ምስ ጸላኢ ተሓናነቕ ግዜ ፈርሕካ ንድሕሪት ክትምደብ  ክትሓትት ሕልና ዘይብልካ ፈራሕ ሰብ ምኻንካ ኣፍሊጥካ። ዘገርም ነገር እቶም ኣብ ኣኼባ ዝመሃርካዮም ክስለፉ ዘውጻካዮም ስድራ-ቤት ህጻናት መንእሰያት ከረን ብነፈርቲ እናተደብደቡ ይጉዓዙ ነይሮም። እንተኾነ ተወፋይነትካ ትብዓትካ መመስከርካ፡እንተዘይኮነ ንህዝቢ ከረን ኣሰሊፍካ ንድሕሪት ኪትምለስ ምሕታትካ መግለጺ ፍርሕኻ ኢዩ፡ መን ክሞተልካ መንከ  ክተርፍ ትሓስብ? እምበርዶ ሰብኣዊ - ሕልና ኣለካ? ሕጂ ድማ ኣይትኸይድን ኢኻ ተወፋይነትካ ከም ኩሉ ተጋዳላይ ኣመስክር፡ እምቢ እንተበልካ ድማ ሓለዋ ሰውራ ትኸይድ ኢሎም ወዲሰለሙንን ወዲባረን ብቑጥዔ ከምዝመለሹልካ ትዝክሮ ኢኻ። ሳላ ገለ ለባማት ብጾትካ ይኺድ ሕልና ዘይብሉ ምሳና እንታይ ክገብር ኢሎም ደጋፊ ሓሳብ ስለዘቕረቡልካ፡ ናብ ቤት- ትምህርቲ ሰውራ ከምዝተመደብካ ኣብ 1979-1980 ጸብጻብካ ተሓቢሩ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ታሪኽ ኢዩ።

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ምስ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ደረጃኻ ብምዝማድ፡ እቲ ከም ሓያል ወዳቢ፡ ከም ወላዲ ከም ዓቢ መምህር፡ ከም ኣኽባሪ ሰብ ንኩሉ ብማዕረ ዝሓቁፍ፡ ከይተሓለለል ዝምዕድ ሕማቕ ዝጸውር ዝውሕጥ፡ ሰብ ብብዓቕሙ ከበርክት ዝኣምን ዝምልምል፡ ናይ ዕድመ ጸጋን ናይ ሕጊ ምሁርን ዝነበረ፡ ዓይንኻ ትደፈን ዘይባሃል ክቡር ሰብ በራኺ ገብረስላሴ ኢዩ። ከም ሓላፊ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ፡ ድሕሪ ናጽነት ከም ሚኒስተር ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ንስኻ ይኹን ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ሕጂ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል ዘሎ፡ ፈሪሕኩም ከምዝመጻኩም ጸብጻብኩም መንነትኩም እናፈለጠ፡ ስክፍታኹም ናይ ሕልና ወቐሳኹም ኣወጊድኩም፡ ሞራልኩም ኣሓዲስኩም ኽትሰርሑ ከይተሓለለ ዘተባብዓኩም ጅግና ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ድማ ሚኒስተር ትምህርቲ ስለዝነበረ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝሓሸ ናይ ስራሕ ቦታ መዲቡኩም። ብጸብጻብኩም ድማ ኢሰያስ ብጣዕሚ ይጸልኣኩም ከምዝነበረ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ድማ ይጽልፈኩም ከምዝነበረ ብዙሕ ሰብ ሰሚዑዎ ኢዩ። በራኺ ቅድሜኩም ሚኒስተር በጺሑ።ቅድሜኩም ኣምባሳዶር ኣብ ጀርመን ተመዲቡ። ኣብ ኣኼባ ሃገራዊ-ባይቶ ንኣመራርሓ ኢሰያስን ህ.ግ. ተቓዊሙ ጉጅለ G 15 ኮይኑ ካብ ጀርመን ኣስመራ ኣትዩ ተኣሲሩ ሃለዋቱ ኣይፍለጥን። በራኺ ገብረስላሰ ዝመልመለኩም ሕያዋይ ፍትሓዊ መራሒኩም፡ ሞራልኩም ሓፍ ኣቢሉ፡ ከምትጋደሉ ዝገበረ፡ ኣብ ዝሓሸ ናይ ስራሕ መደብን ቦታን ዘብጻሓኩም ሰብ ሓቲትኩሙሉ ትፈልጡ`ዶ በዓል ወዲ ገራህቱ ወዲባሻይ? በራኺ ኣብ ሂወቱ ብስልጣን ሰሲዑ ብዋጋ ሰባት ወይ ብመትከል መርገጺ ክለዋውጥ ሓንቲ መዓልቲውን ትኹን ርኢኩም ሰሚዕኩም ትፈልጡ`ዶ? በዓል በራኺ ኣምባሳዶራት መትከላውያን ምእንቲ ለውጢ ምእንቲ ደሞክራሲ ክእሰሩ፡ መማህራንኩም በጃ ህዝቦም ክቃለሱ ሂወቶም ክውፍዩ፡ ንስኹም ኣብ ቦትኦም ተኪእኩም ከም ኣምባሳዶራት ክትሕስዉ ምስተዓዘብና፡ ግዜ ዘምጽኦ ለውጢ ግዜ ከምዝቕይሮ ተገንዚብና፡ “ ዘበነ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ” ዝተባህለ ሓቅነቱ ኣረጋጊጽና። ናብ ዓበይቲ ሓሰውቲ ተቐይርኩም ሰብ ከተታልሉ ክንርኢ ኪንሰምዕ ኮለና ሕልናና ክጻወሮ ኣይከኣለን፡ ሕዋሳትና መትንና ተዘዝ ኢሉና፡ ልሳና ክዛረቡ  ፋይልኩም ክግንጸል ታሪኽኩም ክቕላዕ፡ መን ኢኩም ስለምንታይ እዚ ኩሉ ሓሶትን ምትላልን ተካይዱ እንታይ እዩ ሸበድበድ ዘብለኩም ኣበይ ንምብጻሕ ኢዩ ወዘተ ዝብሉ ከም ጸሓይ-ቐትሪ ታሪኹም ክንገልጽ ብርዕና ኮምፑተርና ክጽሕፋ ደስ ኢሉወን። ኩሉ ገግዜኡ ኣለዎ ደንጉና ከማን ሕጅስ ኣይትቐየሙልና ወይ ኣጌናዕ በሉና።

ኣምባሳዶር ተስፋንኪኤል ገራህቱ መን ኣሎ ዝከላኸለልካ? ናይ መጀመርያ ስልጣን ኣምባሳዶር ተሰይምካ ስለምንታይ ናብ ደቡብ-ኣፍሪቓ ተመዲብካ። ንድሕሪት ምልስ ኢልና ገለ ሓቕታት ክንገልጽ። ዝሰፍሔ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቓ ዝነበርካሉ ግዜ እስከ ነቶም ተባዓት ናይ ትማሊ ተመሃሮ መንእሰያት፡ ናይ ሎሚ ሞያውያን ምሁራት ጥራይ ዘይኮኑ፡ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራሲያዊ መሰላት ዝቓለሱ ዘለዉ ኤርትርውያን ተቐማጦ ደቡብ-ኣፍሪቓ ባዕሎም ክምስክሩ ንገድፈሎም። ኣመጻጽኣኻ ይኹን ዕላማ ኣመዳድባ ኣምባሳዶር ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ክንገልጽ።

ኣቶ ኢሰያስ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ብሓላፍነት መዲቡ ከስርሕ ክልተ ነገራት ሓሲቡ ኢዩ ዝምድብ። ቀዳማይ እቶም ዝመደቦም ሰባት ክሳብ ዝተወሰነ ግዜ ከገልግሉ፡ ብቕዓትን ተቐባልነት ምስደለቡ፡ተቓውሞ ክገብሩ ከምዝኽእሉ ስልጣኑ ንምንዋሕ ስግኣት ስለዘለዎ፡ መተካእታ ዝኮኑ ሰባት ብጎኒ ወይ ብረቂቕ ኣገባብ ማዕረ-ማዕረ ኢዩ ዝሓስበሉ፡ ዝሰርሓሉ። ካልኣይ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ኣቶም ብጎኒ ዝስልጥኑ ዝምልመሉ ሰባት ዝተፈላለየ ኣበር ወይ ድኻም ዘለዎም፡ ወይ ገለ ናይ መንነት ወይ ስነ-ኣእሮኣዊ ቅልውላው ዘለዎም ሰባት ይመርጽ።ምኽንያቱ ዝተባህሎም ዝፍጽሙ ድኣ`ምበር ተቓውሞ ክገብሩ ነብሰ-ተኣማንነት ዘይብሎም ሰባት ይመርጽ። ከምቲ ኢሰያስ ባዕሉ ዝምስሎ ” ዝጠፈሸ ነጋዳይሲ ናይ ቐደም መዝገብ ሕሳቡ ይግንጽል” ዝበሎ ሓቑ ኢዩ። ባዕሉ መተካእታ ሰባት ክደሊ መዛግብቱ ሃሰው ክብል፡ ኮምፑተራቱ ኣስማት ክደሊ መን ካብ መን ዝያዳ የገልግል ክሓስብ ዘጥፍኦ ግዜ ብዙሕ ኢዩ። ኣምባሳዶራት ዓዲ-እንግሊዝ ተስፋንኪኤል ገራህቱ፡ ኣምባሳዶር እስራኤል ተስፋማርያም ተኸስተ/ ወዲ-ባሻይ/ ኣምባሳደር ኤውሮጳዊ-ሕብረት ግርማ ኣስመሮም ወዘተ ከከም ኣበርኩም በዚ መምዘኒ ተመዚንኩም።

ኣምባሳዶር ተስፋንኪኤል ገራህቱ፡ ኣብ 1978 ግዜ ምዝላቕ ፈሪሕካ ንድሕሪት ክትምለስ ሓቲትካ ሚኒስተር ጰጥሮስ ሰለሙን ስለዝተቓወመካ፡ ወዲ ሰለሙን ጉጅለ 15 ምስኮነ፡ ብህልኽን ቅርሕንትን ተበጊስካ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኺብካ ኣለኩ ጉጅለ 15 ዘካይዶ ዘሎ ናይ ስልጣን ውድድር ኢዩ፡ ንኢሰያስ ካብ ስልጣን ምውራድ ኢዩ፡ ሓቅነት የብሉን ዞባ ደቡብ ኢዮም ወዘተ ስለዝበልካ፡ ኣቶ ኢሰያስ ድኹም ጎንኻ ስለዝፈልጦ፡ ሓዲሽ ዝሃልል ኣድጊ ተረኺቡ ኢሉ ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቓ ክምድበካ ኮሎ፡ ከም ኣምባሳደር ኣገዳስነት ስለዝነበረካ ኣይኮነን። ፍሉይ መልእኽትን ዕላማን ነይርዎ። ንሱ ድማ መንእሰያት ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቓ ምእንቲ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን መሰላቶም ተቓውሞ የስምዑ ስለዝነበሩ፡ ካብቶም ተቓለስቲ መንእሰያት ተመሃሮ ብዙሓት ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ስለዝነበሩ፡ ንስኻ ዝበዝሕ ናይ ስራሕ ግዜኻ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ስለዘሕለለፍካዮ፡ እንተኪኢልካ ብምኽሪ ብዘመተ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክኾኑ ክትጽዕር፡ ኣንተዘይኮነልካ ድማ ክልተ መደባት ተዋሂቡካ ብኢሰያስ።

ቀዳማይ መን ኢዮም ቀንዲ ኣንቀሳቐስቲ ምጽናዕ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ነንሕድሕዶም ከምዘይራዳድኡ ሓድነቶም ከምዝበታተን፡ ብኣውራጃ ካልእ ሜላታት ተጠቒምካ ምዝራግ ምክፍፋል ኢዩ ነይሩ መልእኽትካ። ካልኣይ ዕላማ መንእሰያት ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቓ ከም ሓይሊ እንተተወዲቦም ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ ቤት-ትምህርቲ ይኹን ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘለዉ መንእሰያት ብፍላይ፡ ጽልዋን ተቐባልነትን ከሕድሩ ስለዝክእሉ፡ ነቲ ዘይደሞክራሲያውን ዘይሕጋውን ስርዓት ዕድመ ስልጣኑ ስለዘሕጽሩ ከቢድ ስግኣት ስለዝኾኑ፡ ነቶም ቀንዲ ወደብቲ መራሕቲ ኣብነታውያን መንእሰያት ተመሃሮ ደቡብ-ኣፍሪቓ፡ ንኤርትራ ክኣትዉ ክጭወዩ ብጉቦ ዘይፈተንካዮ ዘይተጠቐማካሉ ሜላ ኣይነበረን። ኣምባሳደር ምምዳብካ ዝያዳ ሓሳዊ ሕልናኻ ከምትሸይጥ ኣመስኪርካ። ዝተጋደልካሉ ዕላማ ረሲዕካ ሕድሪ ዝተሰውኡ ብጾትካን ኣሕዋትንካ ከምትጠልም ተቓሊዕካ። ንመእሰያት ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቓ ካብ ዕላማ ቓልሶም ከተጎናድብ ክትመቃቕል ክትፈላሊ ክትጨዊ ግና ኣይከኣልካን ፈሺልካ። ኩሉ ተንኮለኛ ምኽሪን መደብን ኢሰያስ ክትፍጽም ኣይከኣልካን። ምኽንያቱ መንእሰያት ተመሃሮ ደቡብ ኣፍሪቓ፡ ትማሊ ተመሃሮ ሎሚ ሞያውያን ብቑዓት መማህራን ምእንቲ መሰል ዝቃለሱ ድኣ`ምበር፡ መሳርሒ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ከምዘይኮኑ ብትብዓት ከምዝቃለሱ ኣመስኪሮም።ንዓኻን ንኢሰያስን ስዒሮሙኹም ተዓዊቶም። ሕልናኻ ከምዝቕበሎ ኣይንጠራጠርን ኢና። ጀጋኑ ኣብነታውያን መንእሰያት መማህራን ደቡብ-ኣፍሪቃ

ተስፋንኪኤል ወዲ ሰርገንቲ ገራህቱ በዚ ኣየብቕዔን ረሳሕ ኣነዋሪ ታሪኽካ። ዓስቢ ሓሶትካ መግለጺ እሙን ኣገልጋሊ ኢሰያስ ምኻንካ ኣለዎ ወሰኽ። ብስምካ ዝተመዝገበ ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘሎ ዝተከወለ ዝተሰወረ ምስጢር ከይመስለካ። ክልተ ኣሕዋትካ ኣብ ኡጋንዳ ኣለዉ። ሓዲኦም ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኢዩ። ኩሉ ዝፈልጦ ቤት-መግብን ረስቶራንትን ኣብ ኡጋንዳ ከፊቶም ኣለዉ። ብሓቒ ዲዮም ርሂጾም ሰሪሖም ርእሰማል ኣውህሊሎም ኣጥርዮሙዎ? ገዛኹም ዓቕሚ ቑጠባኹም ንዘይፈልጥ ይመስሎ ይኸውን። ጎረባብትኹም ናይ ቐረባ ፈልጥትኹም ግና “ ወይ ግዜ እንታይ ዘይረኣና ብሰላም ዶ ክበልዕዎ ኢዮም ? ወይስ ከም ቐዳሞት ጽባሕ ዝበልዕዎ ክፍደዩ ኢዮም ? ወይዛ ለባም ወረጃ ክብርቲ ወ/ሮ ሮማ ብታሪኻ ብታሪኽ ዝተሰውኡ ደቓ ከምዘይተሓበነት ብህሉው ዕሽር ወይ መንሽሮ ገዛ ስማ ክብረታ ክትንከፍ ሃየንታ ኢዩ ክበሃል ሰሚዕና።

ዘኹርዕ ጽቡቕ ስምን ታሪኽን ወላዲትካን ኣሕዋትካን ሕጂ ይኹን ዘይሃስስ ንዘልኣለም ዝዝከር ኢዩ። ናትካ ኣነዋሪ ታሪኽ ናትካ ኢዩ፡ ሓላፍነቱ ባዕልኻ ትስከሞ። እንተኮነ ጽቡቕ ዝገበረ ብጽቡቑ፡ ሕማቕ ዝገበረ ብሕማቑ ወዲ መን ኢዩ ምባል ንቡር ኢዩ። ወዲ መን ምኻንካ ምስተፈለጥካ፡ ካብ ክቡራት ስድራቤት እንተተወሊድካ ማህጸን ኣደ ጉራ-ጉራ እንድዩ፡ ኩሉ ግዜ ዕሽር ገዛ ኣይስኣንን ኢዩ ይበሃል። ካብ ሕማቕ ኣትዓባብያ ስድራቤት እንተተወሊድካ ድማ ናይ መን ድኣ ክወስድ ተባሂሉ ይዝንተወልካ። እንተ ብሕማቅ ኣንተ ብጽቡቕ ስድራቤት ኩሉ ስለዝጥቀሱ፡ ጽልእን ደምን ኣይትግደፈልና ተባሂሉ ዝግለጽ ምስላ ከቢድ ትርጉም ኣለዎ። ኣምባሳዶራት ግና ነዚ ሓቅ`ዚ ከመይ ከምዝረሳኩምዎ፡ ክሳብ ክንደይ ብግዚያዊ ረብሓ ተደሊልኩም ንኣዳም ገረሞ ኢዩ። ናይ ካልኦት ኣምባሳዶራት ድማ ኣብ ዝመጽእ ግዜ ከነስዕቦ ተስፋ ንገብር።

 ብ ዓወት ንዲሞክራሲ

 

 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65