Home ትግርኛ ኣተኵሮ ተረኽቦ እገዳ: ንተዓዘሞዶ ወይስ ንግጠሞ: ንተሓሰሞዶ ወይስ ንወንኖ
Print PDF

መዘኻኸሪእዚ ጽሑፍ’ዚ ብሓልዮት ኣብ ነዘርላንድ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ማእከል ምርምርን ስነዳን ዝተባህለ ትካል ብመጽናዕቲ ተደጊፉ ኣብ ጭብጥታት ተሞርኪሱ ዝቐርብ ዘሎ ተኸታታሊ ጽሑፍ ኢዩ።

መእተዊ

ከም ዝኾነ ዜጋ ናይ ሓንቲ ሃገር ኣብ ልዕሊ እታ መዳሕንትኻ ዝተቐብረላ ሃገርሲ ይትረፍ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ካልእ ናይ ባዕዲ ሃገር’ኳ።እገዳ ይውሰነላ ኣሎ ክብሉኻ እንከለዉ ማዕረ ክንደይ ቀዝሒ ናብ ሰውነትካ ወሪሱ ከም ዘዐንዝዘካን ከም ዘተሓሳስበካን ንማንም ኣዚሩ ዝሓስብ ፍጡር ዝተኸወለ ኣይኮነን።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።

ነዚ ኸኣ ኩሉ ኤርትራዊ ኤርትራዊ ብኤርትራውነቱ ኸኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ዜጋ ፈትዩን ረድዩን ዘይኮነ ከምቲ ዓሶ ሓሚምካ ንኽትፍወስ መአንታን ንኽትሓዊ ክትብል ከይፈተኻ ዕረ እናጠዓመካ ብፈሳሲ ወይ ከኣ ብኸኒና ምእንቲ ድሕነት ህይወትካ ዓይንኻ ዓሚትካ ነቲ ፈሳስን ትጭልጦ ነቲ ከኒናን ከኣ ትጎስሞ ሕጂ ኸኣ ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ወደቓ ወዲቑና ዘሎ እገዳ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መፍትሒ መድሃኒት ሽግራትና መአታን ክንጥቀመሉ ነዚ ተረኽቦ እገዳ ንተዓዘሞዶ ወይስ ብኽእለትን ብስለትን ጥበብን ንግጠሞ ንተሓሰሞዶ ወይስ ብውሕልነትን ብልሓትን ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳን ካብቶም ቀለስቱ ዝኾኑ ሓይልታት ኣብ ኢድና የእቲና ንወንኖ እቲ ምርጫ ኣብ ቅድሜና ኣሎ ውሳኔ ግን ናትና ናይቶም ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሰላምን ምርግጋእን ደሞክራስን ቅዋማዊ ሕጋውነትን ከነተኣታቱ ኢልና እንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ሃገራውያን ምርጫን ውሳኔን ኢዩ።

ዕላማ

ነዚ ጽሑፍ’ዚ ከነቕርብ እንከለና ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ጠንቂ ዘይምርግጋእን ሰላምን ቅሳነትን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ዓንዳርን ቶኽታኹን ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ጎበጣ መሬት ሃገረ ጅቡቲ ኣመልኪቱ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ኣብ መበል 6254 ናይ ርክብ ዛዕባኡ ብሰነድ መጸውዒ ውሳኔ ብይን ቁጽሪ 1907/2009 ንሰነድ ጥብቆ ጽሑፍ ምዕራፍ 7 ዝርዝር ዓንቀጻት 39 ክሳብ 51 ብምትሕልላፍ ኣብ ልዕሊ ንሃገረ ኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንዝሃቦ ውሳኔ ብይን እገዳ ንከመይነቱ ኣስተብሂልና ምግጣሙ ዝጥዕመና ናይ ቃልስን ተበላሓትነትን ህየሳ ዳህሲስና ነዚ ፖለቲካዊ ጉጅለ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ብሃላልነቱ ንዝሸመቶ እገዳ ስሩዕ ዘይነጽፍ ምንጪ ንዋት መቃለሲ መሳሪሒና ንምዃን ኣብ ለዓት ናይ’ቲ ተወሲኑ ዘሎ ውሳኔ ብይን እገዳ ቁጽሪ 1907/2009 ወነንቱ ንምዃን ዘኽእለና ባይታ ንምምድማድን ንምጥጣሕን ዝዓለመ ኢዩ።

መቕድም ትሕዝቶ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት

እቲ ብስም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝተወሰነ ውሳኔ ብይን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ብይን ቁጽሪ 1907/2007 ኣብ ክልተ መሰረታዊ ጽሟቕ`ትሕዝቶ ተሞርኪሱ ዝሓለፈ ብይን እገዳ’ዩ ንዝርዝሩ

  1. ኣብ ሃገረ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ’ቲ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብ’ታ ንነዊሕ ዓመታት ከም ውድቕቲ ሃገር እትፍለጥ ሃገረ ሶማል ስልጣን ሒዙ ኣብ ናይ ትማሊ ሶማል ሰላምን ምርግጋእን ቅሳነትን ከስፍን ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ተስፋ ዝተነብረሉ ብሸኽ ሸሪፍ ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ርግኣትን ሰላምን ንኸይሰፍን ብማለት ምስ’ቲ ነቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕን ሰላምን ጸጥታን ናይ’ቲ ከባቢ ምስ ዝዘርጉ ዘለዉ ናይ ሶማል ጎይቶት ኩናት ብምትሕብባር ብባይቶ ጸጥታን ማሕብረ-ሰብ ዓለምን ንዝተፈልጠ ዕላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ንጎይቶት ኩናት ሶማል ኣጽዋር ብምቕባልን ብምሻጥን ዕጡቓት ብምስልጣንን ምምልማልን ብዝተመለከተ
  2. ኣብ ሃገረ ኤርትራ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ። ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ልዕሊ ናይ ከብቢ ሃገራት ህውከት ብምዝራእ ንሉኡላዊ መሬት ጅቡቲ ብወትሃደራዊ ሓይሊ ብምግቧጥ`ኣብ 2008 ካብ’ቲ ጎቢጡ ኣሒዝዎ ዘሎ ኣከራኻሪ መሬት ጅቡቲ ንኽወጽእ ዝተዋህቦ ናይ ግዜ ገደብ ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብንዕቀት ሸለል ብምባል ናይ ጎቦጣ ዓንዳርነቱ ብምቕጻል ንሰላምን ምርግጋእን ልኡላዊት ሃገረ ጅቡቲ ስለ ዝሃወኸን ዝዘረገን ብዝብል ዝርዝራዊ ነጥብታት ተሞርኪሱ ኢዩ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ እገዳ’ዚ ዘሕለፈ  ወይ ህልኽ በለ ድልኽ ዝብልኹም ከምዚ ኢዩ


እምነ ኩርናዕ ነጥበ መሰረት እገዳ

እቲ ብስም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዝመርሕ ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝተወሰነ ውሳኔ ብይን እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ውሳኔ ብይን ቁጽሪ 1907/2009 ኣብ ሰለስተ ርእሰ ነገር ኣቶኪሩ ከነጻጽር እንከሎ ከም ናይ መተግበርን መሳለጥን ናውቲ መሳሪሒታቱ ንሕጋዊ ሰነድ ጥብቆ ምዕራፍ 7 (ሸውዓተ) ዝርዝር ዓንቀጻት ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 51 ተኸቲሎም ንዝተመላኸቱ ሕጋዊ ኣሰራት ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምርሓሎም ተውሲጥ ሕግታት ብምትሕልላፍ ንሰለስተ ርእሰ ነገር እገዳ ይጠቅስ።-

  1. ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ኣብ መበል 6254 ርክቡ ዘሕለፎ ውሳኔ ብይን 1907/2009 ናይ ኣጽዋር እገዳ ብምውሳን። ናብ ኤርትራ ዝለኣኽ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን መቀያየሪታቱን ደው ክብልን ኣቐዲሞም ዝተኸተሙ መሸጣ ኣጽዋራትን መቀያየሪታቶምን ክስረዙን ብመሰረት ናይ’ዚ እገድ ዘሕለፎ ድንጋጌታት ውዱቓት ክኾኑን ካብ ሃገረ ኤርትራ ናብ ካልእ ሃገራት ካብን-ናብን ብተመሳሳሊ ካብ ካልእ ሃገር ናብ ኤርትራ ዝሰጋገርን ዝመሓላለፍን ዝሽየጥን ፈኮስትን ከበድትን ኣጽዋርን ተትኮስትን መቀያየሪታቶምን ወትሃደራዊ ተሽከርከርትን ተተኮስትን ደው ክብልን ክዕገትን ክኽልከልን ንኤርትራ ዝወሃብ ወትሃደራዊ ታዕሊምን ስልጠናን ክድስክልን ክቦክርን ዓዲ ክውዕልን።


  1. ብመሰረት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ኣብ መበል 6254 ርክቡ ዘሕለፎ ውሳኔ ብይን 1907/2009 እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ውሽቲ ሃገርን ወጻእን ኮይኑ ከም ምንጪ ቁጠባዊ እታዋቱን ናይ ምትግባር ሓይሉን ገይሩ ንዝንቀሳቐሰሉ ድለባ ሸርፊ ወጻኢ ባጤራ ኣአብ ዘለዎ ቦታታት ናይ ባንክ ሕሳባቱ ክድስክልን ካብ ምንቅስቓስ ክሕረምን ንኹሎም ምንጪ እታዋት ሸርፊ ወጻኢ ባጤራ ዝኾኑዎ መትኒ እታዋቱ ምሕናቕን  ከይንቀሳቐስ ምቁጽጻርን  ምግታእን ዝዓለመ።


  1. ኣብ ክሊ ዙርያ ስመ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ተጎልቢቦም ፖለቲካዊ ስልጣን ብምሓዝ ዘመሓድሩ ዘለዉ ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ንዝርጋን ሰላመ ምርግጋእን ቅሳነትን ሃገረ ጅቡትን መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልን ናይ ከባቢ ሃገራትን ዓለምናን ቀየስትን ሃየስትን ሃንደስትን ሓንጸጽትን ኣተግበርትን ተግበርትን ተሓባበርትን ኣተሓባበርትን ዝኾኑ ዘለዉ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ሰብ-መዝን ወትሃደራውያን መኮንናትን ዲፕሎማሰኛታትን ቀጸላ ክውል ስቪል ሰራሕተኛታትን ኣገልገልቲ ውልቀ-ሰባትን ፖለቲከኛታትን ናይ ስለያ መሓውራትን ካብ - ናብ ሃገራት ንኸይንቀሳቐሱን ከይገሹን ሕዩባትን ሕዩራትን ምግዱራትን ከም ዝኾኑ ዝብል ድንጋጌ ኣብ ዝምልከት ኮይኑ ብቐንዱ ነቲ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምዕራፍ 7 (ሸውዓተ) ዝተደንገገ ድንጋጌታትን ዓንቀጻት ብዘጠቓልል ንዝርዝር ዓንቀጻት ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 51 ሰነድ ኣተገባብራን ትግባሬን ሕግን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳኔ ብይን እገዳ ቁጽሪ 1907/2009 ኢዩ።

ድሕረ መነጸሪ ባይታ እገዳ

እዚ ናይ ውሳኔ እገዳ ብይን ቁጽሪ 1907/2009 ብቐንዱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ኤርትራን ህዝባን በቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘመሓድር ዘሎ ፖለቲካዊ ጉጅለ ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕን ኣሰቃቒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጃምላዊ ህልቂት ስድራ ቤታትን ዓፈናን ቅትለትን ውልቀ ሰባትን ንኹሉ ኣሬሜናዊ ተግባራቶም ኣመልኪቱ ንጉዳይና መቕድም ገይሩ ንድሕነት ሃገረ ኤርትራን ህዝባን ዋልታ ኮይኑ ኣብ ሓልዮትናን ነባሪ ናይ ሰላም ህላዌናን ተሞርኪሱ ዘንቀደ እገዳ ዘይምዃኑ ክንግንዘቦ ዝግበኣና ርእሰ ጉሉጽ ሓቂ'ዩ ይኹን ድኣ 'ምበር። ንጉዳይና መቕድም ገይሩ ዝመጸ እገዳ ኣይኮነን ብማለት ሸለል ክንብሎ ስለ ዘይብልና። ናብ ውስጠ ዝርዝራቱ ብዕምቆት ኣቲና ናብ'ቲ ከርሰ ነገር እንታይ ንግበር ናብ ዝብል ኣመታትና ከነቕርብ ዝሓሸ ይመስለና።

. መሰረት ድሕረ ባይታ እገዳ

ድሕሪ'ቲ ሶማል ከም ሃገር ተበታቲና ናብ ዋንነት ጎይቶት ኩናት ዝኣተወትሉ ግዜ 1990 ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣንጻር ዓርሞሾሽሻዊ ሓይሊ ስርዓት ደርግን ቀንዲ ቀላሲቱ ሕብረት ሶቭየትን ብሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ብህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብኢህወደግ ብፍላይ ከኣ ብህዝባዊ ወያነ ሓነት ትግራይ ኣብ ሜዳታት ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዝነበረ ርሱን ወትሃደራዊ ግጥማት ናብ'ቲ ኣብ'ቲ ከባቢ ዝነበራ ሕዱር ጽልዋ ዓብላልነታ ንምርግጋጽ ከም ቀዳማይ ናይ'ቲ ከባቢ ምቁጽጻር ሓይላ ንምድልዳል ድሕሪ ምትእትታው ፖለቲካዊ ነጥበ መቐይሮ ፍልስፍና ፕሮስትሮይካ መራሒ ዓባይ ሕብረት ሶቭየት ነበር ሚካኣኤል ጎርቫቾቭ ዝሰዓበ ውድቀት ሕብረት ስቭየት ጠመተ ሕቡራት መንግሳት ኣሜሪካ ንምቁጽጻር ቀርኒ ኣፍሪቃን ስትራተጂካዊ መስመር ቀይሕ ባሕርን ክፉት ባብ ዝኸፈተ ግድፈት ስለ ዘኸተለ ንህላዌ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ኣብ ነጻ ኤርትራን ንህላዌ መሪሕነት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ሪፖብሊክ ኢትዮጵያን ከም ትሑዝ ብምውሳድ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቀንዲ ኣቓልቦኣ ናብ'ታ ኣብ ምብትታን ተምርሕ ዝነበረት ሃገረ ሶማል ብምድሃብ ኩለንትናዊ ሓይሊ ዝዓጠቐ ወትሃደራዊ ቃፍላይ ኣጋርን ባሕርን መካናይዝድ ኣሃዱን ናብ ሶማል ከተውፍር እንከላ ካብ'ቲ ኣብ ዲያጎ ጋርስያ ዝነበር 5ይ ክንፊ እዚ ሓይሊ ባሕራ ኸኣ ሓይሊ ኣየራ ብምስላፍ ንናይ ሽዑ ቀንዲ ካብ ጎይቶት ኩናት ኮይኑ ንሬሳታት ወትሃደራት ኣሜሪካ ብኣሬሜናዊ ኣገባብ ጭካኔ ብዝመልኦ መንገዲ ብገመድ ኣሲሩ ሬሳታት ወትሃደራት ኣሜሪካ ዝጓስስ ዝነበረ ጀነርል ፋራሕ ኣይዲድ ንምሓዝ ኣብ ዘካየደቶ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍሻላ ኣብ 1994 ንጸይቀ ዕሉል ኣሬሜን ጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ ኣብ ምትሓዝ ንዝተሓባበረ ሶማላዊ ናይ $5,000,000,00 /ናይ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ/ ክትድጉም ምዃና ብኣዋጅ ተፍልጠሉ ኣብ ዝነበረት ህሞት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ንጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ ንምህዳን ኣብ ትጓየየሉ ዝነበረት ወቕቲ ካብ ኩለን ሃገራት ዓለም ንጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ ዘይሕጋዊ ዑቕባ ዘፍቀደት ሃገር እንተነይራ እንኮ ኤርትራ ጥራይ’ያ ካብ’ቲ ዘይቅዋማዊ መሪሕነታ ኸኣ እንኮ ናይ ሻቡ መራሕ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበረ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ግዝያዊ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናይ ሎሚ ናይ ምሉእ ዕድሚኡ ንጉሰ ነገስት ዝሸመ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጥራሕ'ዩ ነይሩ።

መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን እንኮ ቀላሲኡ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ ናብ ኤርትራ ክዕቆብ ኣብ ዝፈቐደሉ ህሞት ነቲ ጉዳይ ሓላፍነት ወሲዶም ካብ ዘሰላሰሉ ኣካላት መንግስትን ውልቀ ሰባትን ናይ’ቲ እዋን ምኽትል ሚኒስተር ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝነበረ ናይዝጊ ክፍሉን ካብ’ቲ ብቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝምእከል ዝነበረ ሃገራዊ ድሕነት ጸሓፊ ሃገራዊ ድሕነት ብሪጋደር ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ወጻኢ ስለያ ኮለኔል ጋይም ተስፋሚካኤልን ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዑቕባ ሓቲቱ ዘሎ ኣብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምክትታል ወጻእተኛታት ዝነበረን ድሒሩ ኣብ ምክትታል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝተሾሞ ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየን ሌቴናል ኮሎኔል ኣማኒኤል ልጃምን ንጉዳይ ጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ ክከታተልዎ እንከለዉ ካብ ዝነበሮ ቦታ ሃገረ ሶማል ብየመን ኣቢሉ ብወጻኢታት ህዝባዊ ግምባር ደሞክርስን ፍትሕን ናብ ኤርትራ መጺኡ ጥራይ ዘይኮነ ብዘይ ገለ ክፍሊት ኣብ ሓማሴን ሆቴል ቁጽሪ ክፍሊ 137 ብሕሳብ 173 ዶላር ንሓደ ለይቲ ንሰለስተ ወርሒ መመላእታ ተወሳኺ መግብን ቀረብ መኪናን መሳለጥያን ተፈቒዱሉ ኣብ ኤርትራ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ብሓለዋ ከም ዝቕመጥ ተገይሩ።።

ኣብቲ ዝቐጸለ መስርሕ ርክብ እቲ ብጸሊም ሞት: "መዶ ዲመሸዲሰ" ዝፍለጥ ናይ'ቲ ብ”ኣቡል ፈሓዝ” ዝጽዋዕ ሶማላዊ ኢንጅነር ኺያር ዓብዱል ኢማም: ነቲ ናይ ክብሪ ጋሻ ኮይኑ ናብ ኤርትራ ናብ ሰበ ስልጣን ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ዝኣቱ ዝነበረ ሶማላዊ ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን: ዝበለጸ ህያብ ኮይኑ ቐሪቡዎ።

ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን: ጌና ናብ'ታ ከተማ ከይተቐልቐለ እንከሎ ኢዩ ኸኣ: ኣብ መቐበሊ ኣጋይሽ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ: ነቲ ብስራት ጸሊም ሞት ከበስሮ ተሃዊኹ ዝነበረ ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን: ሓላፊ ምንቕቓሕን ውድባን ዓብደላ ጃብር: ጾሩ ንኸራግፍ ቀልባዕባዕ እናበለ ኸሎ ዝረኸቦ።

ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን: ሓላፊ ምንቕቓሕን ውድባን ዓብደላ ጃብር: ነቲ ሶማላዊ ጋሻ ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን:  ጌና ንሰላምታ ኢዱ እናዘርገሐ ኸሎ ኢዩ "መዶ ዲመሸዲሰ" ክብል ዝሓበሮ ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን ከኣ: መብሩክ ያ ዓሌክ ኢሉ ናይ ተዓዊትና ፍሽኽታ ዝለገሰሉ።

ሶማላዊ ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን: ኣብ ዕለት 20 መስከረም 2002: ካብ ኣቡዳቢ ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ኢዩ። ብመንገዲ ኣካያዲ ስራሕ ሆቴል እምባሶይራ: ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ሌቴናል ኮሎኔል ሰሎሞን ኣብርሃ: መዕረፊ ኣጋይሽ ክፍሊ ቁጽሪ 67 ከም ዝወሃቦ ተገይሩ  መፍትሕ ክፍሉ ዝተረከበ።።

ኣብዲቓስም ሳላድ ሓሳን:  ቅድሚ ናብ ኤርትራ ምእታዉ ኣብ ዝነበረ 3 መዓልታት: ኣቐዲሙ ብዕለት 11 መስከረም 2002: እቲ “ብኣቡል ፈሓዝ” ዝጽዋዕ ሶማላዊ ኢንጂነር። ኺያር ዓብደል ኢማም: ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት: ብኢድ ሌተናል ኮሎኔል ኣማኒኤል ልጃም ከቢድ መርመራ ተኻይዱሉስ: ብሰሪ እቲ ዘጋጠመ ተሪር መግረፍትን ስቅያትን: ድሮ ሂወቱ ሓሊፋ ኢያ ነይራ።። ሃገራት ምዕራብ ብፍላይ ከኣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ መዋቲ ኢንጂነር ኺያር ዓብደል ኢማም ዝጽበይዎ ዓቢ ሓበሬታ ነይሩዎም ኢዩ።

ምኽንያቱ መዋቲ ኢንጂነር ኺያር ዓብደል ኢምም ምስ ዑመር ዳሂር ዑዌስ ብምዃን ነቲ ኣብ ከንያ ዝተኻይደ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝሃንደሱ ሓደ ብምንባሩ ምቕታል ናቲ ምንጪ ሓበሬታ ኮይኑ ዝጸንሐ ኢንጂነር ኺያር ዓብደል ኢማም ንህላዌ ምትሕብባር ሰበ ስልጣን ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ኣብ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከንያ ንምድርቛስ ናይዚ ከባቢ ኣንከር ምዃን ሃገረ ከንያ ከም ምልክት ተጻቦኦ ተወስዱ እንተላይ ብኣላይነት ሱታፌ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም /መቐለ/ ዝተኻየደ ምንባሩ ዲሒሩ ክረጋገጽ ኪኢሉ ኢዩ።

ልክዕ ኣብ ዕለት: 20 መስከረም 2002 ኸኣ; ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይቶኦም: ምስ ኣባል ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ሓላፊ ጤሬጴዛ ማእከላይ ምብራቕ ሓላፊ ወጻኢ ስለያ ኣብ ዝምድናታት ወጻኢ መሓመድ ቓስም ሓምድ ብምዃን; መሓመድ ቓስም ሓምድ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን (ምስ ኩነታት ሶማልን። ጁብትን ብዝተኣሳሰርን ንጥፈት ዓለማዊ ሽበራ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ 19 ተሓባበርቱ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣተዉ ሰበ ስልጣን ህግደፍ ኢዩ) ንሶማላዊ ኮማንደር ኣይዜን ሑሴን: ኣብ ከንያ ኣብ በዓል 5 ኮኾብ ሆቴል ፓናሪ: "5 star Panari Hotel“: ንሓደ ለይቲ መሕደሪ ጥራይ $212,00 /ክልተ ሚእትን ዓሰርተ ክልተን ዶላር ኣሜሪካ/: ኣብ ዝኽፈሎ ዝኸበረ ሆቴል ኣትዮም ኢዮም ረኺቦሞ።

ነቲ ከም ኣርከን ንጉስ ኩናት ሶማል ዝፍለጥ: ጀነራል ፋራሕ ኣይዲድ: ወዱ ሑሴን ፋራሕ ኣይዲድ ኸኣ: ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን: ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ: ብዕለት 20 መስከረም 2002: ኣብ ከተማ ባጽዕ: ኣብ ሆቴል ቀይሕ ባሕሪ ናይ ክብሪ እንግዶት የካይደሉ ነይሩ።።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ከኣ: ነቲ ብዓለም ደረጃ: ብፍላይ ብሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ከም ሕሱም ዝድለ: ዑመር ዳሂር ዑዌስ ከኣ: ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ'ቲ ብግቢ ዝፍለጥ ቤተ መንግስቲ ዝነበረ መቐበሊ ኣጋይሽ ረኺቡ: ንኣወዳድባን ኣሰራርዓን እስላማዊ መጋባእያ ሶማል: ስሪዒታዊ መደብ ይህቦ ነይሩ።

ካብ'ቲ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዝርርብ መፈለምታ ቀንድን ወሳንን ዛዕባ ዝነበረ ኸኣ ምምሕልላፍ  ኬሚካላዊ ሓተላ ጓሓፍ ካብ ኢጣልያ ናብ ገማግም ማያት ባሕሪ ሶማልያን ዝተፈላለዩ ጥሩፋት ግብረ ሽበራውያን ምስልጣንን ምስግጋር ኣጽዋር ናብ ሶማልን ተቛወምቲ ናይ ኢትዮጵያን ውደባት ኢዩ ነይሩ።

ኣብቲ ዝምድና እናተረረን ብምትእምማን ዝቐጸለሉ መስርሕ ከኣ ናብቲ ዝኸበደ ካብ ኢራን ንዝተላእከ ኒኩሌሳዊ ሓተላ ዝጓሓፈሉን ዝሰጋገረሉን ባይታ ምጥጣሕን በተን ኣብ ኤርትራ ደንካልያ ሓሌብ ዝብሃል ቦታ ዝርከብ መመስርሒ መስንዕ ፈጣናት ጀላቡ ብፋይበር ግላስ ዝተመስርሓ ፈጣናት ጀላቡ ክትራ ሽፍትነት መራኽብ ዝካየደሉ ስምምዕ ክብጻሕ ተኻኢሉስ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ቀንዲ ናብ ባጽዕ ዝሰገረሉ ምክንያት 'ውን እዚ ኢዩ ነይሩ

መንግስቲ ኤርትራ ከም'ቲ ባዕሉ ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስ ቲቪ ኤረ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ዝገለጾ እቶም ናይ ባሕሪ ሽፍትነት ቀርሰና ዘካየዱ ሓይልታት ሶማል ዓጢቖመን ዘለዉ ናይ ባሕሪ ጀላቡ ቅልጡፋትን ፈጣናትን ፎኮስትን ቀርሰንቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጥሞም እዋን 'ውን ገዲፎመን ንኽኸዱ ጸገም ይኹን ክሳራ ዘየምጻኣሎም ብውጺኢት ፋይበር ግላስ ዝተሰርሐ ምዃኑ ክገልጽ እንከሎ ዝኣመቶ ነገር እንተነይሩ እቶም ቀርሰንቲ ደቂ ዓዲ ኢዮም መንገዲ ከኣ ምስ ወዲ ዓዲ ኢዩ ክብል "ንለባም ኣምተሉ ንዓሻን ከኣ ደርጓሓሉ" ዝዓይነቱ ሰው ኣቢላ ቆብ ኣቢላ ዓይነት ዘረባ ዝተዛረበ ካብ ባዶ ኣይነበረን።

ይኹን ድኣ እምበር እቲ ሓቂ ነቶም ናይ ቀርሰና ሓይልታት ዝመርሖምን ዘካይዶምን ኣብ ባጽዕ ዝተቐመጠ ሰብ ኣሎ ንሱ ከኣ ንነብሱ ከም መራሕ ሃገረ ኤርትራ ዝረቕሐ ኣቦ ወንበር ህዝባዊ ግምባር ደሞክራስን ፍትሕን ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ባዕሉ ኢዩ ነዚ ስራሕ 'ዚ ንኸሳልጥ ቀንዲ ከም ምኽትሉ ኮይኑ ዝሰርሕ ሓደ ላዕለዋይ መሪሕነት ምንቅስቃስ ሶማል ‘ውን ኣሎ ዑመር ዳሂር ዑዌስ።

 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 3 47
Germany 50 2 48
  Norway
30 1 29
  Italy
30 3 27
Netherlands 30 1 29
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 1 29
  Australia
30 3 27
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 17 58
USA-WC
75 10 65