
ክቡራት ተኸታተልቲ ፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 1 መጋቢት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ናይ ራድዮ ፈነወ ፡ ካብ ሎሚ 8 መጋቢት ደው ከነብሎ ከምዝወሰንና ሓቢርናኩም ኔርና። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ግብረመልሲ መሰረት፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣሽንባይ ዶ ክትውዕሎ ክትሓስቦ ‘ኳ ዝድፍር ኣይኮነን።

ክቡራት ተኸታተልቲ ፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 1 መጋቢት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ናይ ራድዮ ፈነወ ፡ ካብ ሎሚ 8 መጋቢት ደው ከነብሎ ከምዝወሰንና ሓቢርናኩም ኔርና። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ግብረመልሲ መሰረት፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣሽንባይ ዶ ክትውዕሎ ክትሓስቦ ‘ኳ ዝድፍር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ራድዮ እቲ ዝበለጸ መራኸቢ ከምዝኾነ ተገንዚብና ወትሩ እንሓስበሉ ዝነበርና ባህጊ እዩ። እንሆ ድማ ድሮ ሓደ ዓመት ሓሊፉ፡ ድምጺ ኣሰና ክንጅምር ሓቦ ካብ እንገብር። ሓቦና ንበይኑ ግን እኹል ኣይነበረን። ሓቦናን ልግስኹምን ተደሚሩ እዩ፡ ንኣእምሮ ናይቶም ዓመጽቲ ዘናውጽ መቓልሕ ድምጺ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ካብ ተበግሶና ንላዕሊ ደራኺ ንዝነበረ ንገንዘባውን ሓበሬታውን ኣበርክቶኹምን ሞራላዊ ደገፍኩምን ብልቢ ነመስግን።

እቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡ “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ” “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።

| Country | Target | Pledged | Remaining |
| 50 | 14 | 36 | |
| 50 | 2 | 48 | |
| 50 | 0 | 50 | |
| 30 | 1 | 29 | |
| 30 | 1 | 29 | |
| 30 | 0 | 30 | |
| 30 | 2 | 28 | |
| 30 | 0 | 30 | |
| 30 | 2 | 28 | |
| 10 | 0 | 10 | |
| 10 | 0 | 10 | |
| 75 | 7 | 68 | |
| 75 | 10 | 65 |