Eritrean News - assenna

Friday
Mar 12th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ዜና ጸብጻብ ኣኼባ ብኣምባሳደር ህግደፍ አብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ

ጸብጻብ ኣኼባ ብኣምባሳደር ህግደፍ አብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ

Print PDF

ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።

ቀዳም ዕለት 30/01/2010 ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ካብ ስዓት 2.00 ስጋብ ስዓት 6.10 ድቀ ኣብ ቤት መግቢ ሳቫና ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ብኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ወዲ ገራህቱ ተኻይዱ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ ብወዲ ገራህቱ ዝተዋህበ መግለጺ ዕላማ ናይቲ ኣኼባ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ መብረሂ ንምሃብን፣ ብተወሳኺ ድማ አብ ጀነቫ ንዝካየድ ተቓውሞ ኣንጻር እገዳ ተሳተፈቲ ንምምልማል እዩ ዝነበረ።

ከምቲ ልበሙድ፡ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዘርጠብጠብ እናበሉ ኣብ ግዚኦም ክርከቡ ብዘይምኽኣሎም፡  ኣኼባ ኣብ ግዚኡ ክጅምር ስለዘይከኣለ ወዲ ገራህቱ ኣብ ገጹ ዝርአ ዝነበረ ምልክት ሕርቃን ንምንባብ ከቢድ ኣይነበረን። ብበል አይትበል ካብታ ኣስታት 5000 ኤርትራውያን ዝቕመጡዎ ከተማ  በርሚንግሃም ካብ 35 ስጋብ 40 ዝኾኑ ጥራይ ኣብቲ አኼባ ተረኺቦም። ካብቶም ዝተሳተፉ ኣኼበኛታት እቶም ዝበዝሑ ሽማግለታትን ደቂኣንስትዮን ብምንባሮም፣ እቲ ብበረኻታት ሊብያን ኣትላነትቲክ ውቅያኖስን ብነብሱ ተጣሊዑ ዝመጸ መንእሰይ ንህግደፍ ከምዝኸዓቦም  ኣኼባ በርሚንግሃም ምስክር እዩ።

ገለ ካብቲ ብኣምባሳደር ህግደፍ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብባይቶ ጸጥታ ዝተገብረ እገዳ ዘይፍትሓዊ ምንባሩ፣ ይኹንምበር ንኤርትራ ብዙሕ ዘምጽኣላ ጸገማት ከምዘየሎ ብምጥቃስ ፣ ካብ ሰለስተ ስጋብ ኣርባዕተ ዝኾኑ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ንኸይወጹ ብወግዒ ከምዝተኣገዱ ብግለጺ ይእመን። ብልክዕ መነመን ምዃኖም ግን ኣስማቶም ካብ ምግላጽ ተቖጢቡ።  ቀንዲ ዝተመርጹሉ ምኽንያት ኣብ ጉዳይ ሶማል ብቐጥታ ኢድ ኔርኩም ብዝብል ክሲ ምዃኑ ‘ውን ኣይሓብኤን።

ድሕሪ መግለጺ ወዲ ገራህቱ ዝስዓበ  ሕቶን ሪኢቶን እዩ ኔሩ። ካብቶም ሕቶን ሪኢቶን ክህቡ የእዳዎም ኣልዒሎም ዝነበሩ፣ ብፍላይ ነቶም ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝኾኑ ዕድል ተዋሂቡዎም።  ኣብ መጨረሽታ ኣኼባ ግን፡ ከባቢ ስዓት 6.00፡  እንተስ ተደናጊሩ እንተስ መርገጺኦም ካብዘይምፍላጥ ንገለ ተብዓት ኤርተራውያን ዕድል ብምሃቡ፣ ሕማም መርዘን ዘልዕል ሕቶታት ክውሕዝ ጀሚሩ።

ሓደ ካብ ሓተቲ ‘ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ዝገብሮ ዘሎ ግፍዕን ብሓፈሻ ናጽነት እምነትን ዘለዎ መርገጺ’ መብረሂ ክውሃቦ ዘቕረቦ ሕቶ፣ ገና ሕቱኡ ከይወድኤ በቶም ደገፍቲ ህግደፍ ምኽላፉ፣ ከይኣክል ወዲ ገራህቱ ‘ካልእ ሕቶ ኣለኩም ዲዩ?’ ብምባል ድኣ ሓለፎ። ስዒቡ ዝሓተተ ድማ፣ ‘ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተገብረ እገዳ ከም ዝትዓዘብኩዎ መጀመርታ ብኢጋድ፣ ቀጺሉ ድማ ብሓድነት ኣፍሪቃን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እዩ ጸዲቑ። እቲ ዘገርም ድማ ሊብያ ገዲፍካ ኩላተን ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ዝተቃወመቶ ኣይነበረትን። ነዚ ሪኢኻ፡  መንግስቲ ኤርትራ ገለ-ጸገም ከምዘለዎ ትርዳእ። ንምዃኑ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኢዳ ከተእቱ ዘኽኣላ እንታይ ረብሓ ስለዘለዋ እዩ?’ ብምባል ዘቕረቦ ሕቶ፣ ውዳሰ ድኣምበር መስቀላዊ ሕቶ ምምላስ ዘይለመደት ርእሲ ወዲ ገራህቱ፡ ንውሽጣዊ ስሚዒቱ ብኣፉ ኣገንፊላቶ። ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።  በቃ መልሱ ንሱ እዩ ኔሩ፣ ወላ ንቐልዓለም ዝኾነት ትኹን ቃል ንስለ መልሲ ዝተዋህበ ኣይነበረን።  ኣብ መጨረሽታ ብተዛማዲ ንምምላስ ብዙሕ ዘይተሸግር ዝቐረበት ሕቶ፣ ‘ኤርትራ ካብ ኢጋድን ሓድነት ኣፍሪቃን ኣባልነታ ከም ዝስሓበት ዘምስል ዘረባታት አሎ፣ እዚ ከመይ ማለት እዩ’ ኢሉ ዘቕረባ ሕቶ፣ ወዲ ገራህቱ ከምዚ ክብል መሊሱ፣ ‘ ኢጋድ መሳርሒ ናይ ገለ ሃገራት ስለዝተቐየረ ንግዚኡ ኣባልነትና አደስኪልናዮ አለና’ እIሉ። ቀጺሉ፣ ‘ ብዛዕባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝምልከት ኣብ ኣዲስኣበባ ወኪል ስለዘይብልና፣ አብኡ ኣብ ዝግበር ኣኼባ ክንሳተፍ ኣይንኽእልን ኢና። እንተ እቲ ኣባልነትና ግን ገና ኣይስሓብናን.’ ክብል መሊሱ።

ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ዳርጋ ብሙሉኦም ብመንግስቲ ኤርትራ ግፍዒ ወሪድና ኢሎም ንመንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ዝሓተቱ ምዃኖም ከበቅዑ፣ ገለ ካብኣቶም መጣቓዕቲ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነ ብገንዘብን ሞራልን ውን ትሓጋገዝቲ ክፕይኖም ዘለዉ እዮም። ነዚኣቶምን መሰልቶምን ሙሉእ ኣስማቶምን ኣድራሽኦምን ብዝርዝር ብምእካብ ኣሕሊፍካ ንሆም-ኦፊስ /ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ/ ንምሃብ ዝስርሓሉ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽሮም ንፈቱ።  

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ
ሰለሙን ሃይለ
በርሚንግሃም

 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65