Eritrean News - assenna

Thursday
Mar 11th
Text size
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
Home ትግርኛ ዜና ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ ክልተ ሚእታዊት እናኽፈለ ኣብ ባንክ ‘ታ ሃገር ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ ክልተ ሚእታዊት እናኽፈለ ኣብ ባንክ ‘ታ ሃገር ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

Print PDF

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

እቲ ሲቪካዊ ማሕበር፡ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወሲኑ ዘሎ ኣህጉራዊ እገዳ ብምትእስሳር ሕጋዊ ክሲ ድሕሪ ምምስራቱ ነቲ ናይ ህግደፍ ገንዘብ ከምዘደስከሎ የገንዝብ።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም እንተስ ብግዴታ እንተስ ብፍቶት 2 ሚእታዊት ዝኸፈሉ ኤርትራውያን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ቤትጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኔዘርላንድስ ተታሒዙ ከምዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ነቲ ‘ምስ ግብረሽበራውያን ትደጋገፍ ኢኻ’ ተባሂሉ ብሕቡራት ሃገራት ተኣጊዱ ዘሎ ስርዓት ዝምውሉ ውልቀ ኤርትራውያን ክልብሙን ከስተውዕሉን ኣዘኻኺሩ።

ቆንስል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ከም ኩሎም ኣብ ዓለም ተዘርጊሖም ዘለዉ ልኡኻት ህግደፍ ገንዘብ ንምግሓጥ ከመሓላልፎም ዝጸንሐ ትእዛዛት ኣብ ታሕቲ ተመልክቱ።

 

Make a Pledge - Make a Difference

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65