ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይሓላፍነታውን ዓንዳሪን ኣካይድኡ ሃገርና ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ተነፊጋን ተነጺላን ምስላ ኣብ ዓለም ድማ ብሃናጺ ኣበርክቶኣ ዘይኮነስ ብኣዕናውን ተጻባኢን ካብ ዝምሰል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።
እዚ ስርዓት እዚ ኣርሒቑ ክጥምት ዓቕሚ ይኹን ድሌት ስለዘይብሉ ዝኾነ ሽግር ከንጸላልው ከሎ ጌና ሳዕቤኑ ተረዲኡ ዝግባእ መጽናዕትን ምድላዋትን ጌሩ ኣልይዎ ወይው’ን ኮሊፉዎ ኣይፈልጥን፣
ህዝቢ ኤርትራ ድማ ናይ እዚ ዕቡድ ስርዓት ቤት-ፈተነ ኮይኑ ይርከብ። ንጌጋ ብጌጋ ክእርም ከምዝኽእል ከርእየና ልዕሊ ዕድመ ስርዓት ደርጊ ዝጸንሖ ዓመታት ፈቲኑ ፈሺሉ ኸኣ። ከም ሳዕቤን እዚ ሕሉፍ-ፍሽለት መሪሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዕድላቱ በርዒኑ፣ ተስፍኡ ደብዚዙ ኣደዳ ሞትን ስደትን ጥሜትን ሕማምን ካብ ዝኾውን ነዊሕ ኮይኑ፣ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ድማ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ዝያዳ እናበኣሰት ትከይድ ምህላዋ’ዩ። ኣብዚ እዋን ግን ዓለም ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ዘሎ ጋግ ከምቲ ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ ንምትላል ዝጥቀመሉ ሓረግ - ሓደ ልቢ - ዘይኮነስ ናይ ሰማይን ምድርን ምኻኑ ስለዝተረድኣ ነቲ ጨካን ስርዓት ነጺሉ ዘጥቕዕ ስጉምቲ ወሲዳ’ላ፣ እምበኣር ከም ግብረ-መልሲ ናይ ዝሓለፋ 19 ዓመታት ፋሉል ዕንደራ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ብዕለት 23 ትሕሳስ 2009 ብማሕበረሰብ ዓለም ኣራሚ እገዳ ካብ ዝብየነሉ እነሆ ካልኣይ ወርሑ ሒዙ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሪቃ ክኣ ኣብዚ ሒጂ ኣብ ርእሰ ከተማ ኢትዮጵያ ተጋቢኡሉ ዘሎ ህሞት ንትግባርኡ ኣትሪሩ ጸዊዑ ኣሎ፣
ዝኸበርኩም ሃገራውያን ኣሕዋት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወግዓዊ መግለጺና ሓቢርናዮ ከምዝነበርና ወላ’ካ በዚ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ዓለም ሒዛቶ ዘላ ዘይግበኣ ምስሊ ሕዙናት እንቶኾንና በቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ቐይዲ - በተኽ ግጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ተበይኑ ዘሎ ታሪኻዊ ማዕቀብ ግን ኣድላይነቱ ተገንዚብና ደገፍና ኣብ እዋኑ ሂብና ኢና። ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ እምበኣር ከምቲ ልሙድ ተግባሮም ንብጥፍኣቶም ዝኣተውዎ መፈንጥራ ካብ ተሓታትነት ክሃድሙ ዓቕሎም ጸቢቡዎም ፈንጠርጠር ኣብ ምባልን ናይ ጻዕረ ሞት መግለጺታት ክህቡን ኣብ ፈቖዶ ኩርንዓት ዓለም ተዋፊሮም ይርከቡ። እዚ ንምትግባር ድማ ወኪል ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኾነ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ንዕለት 07/02/2010 ሰዓት 3.00 ድ.ቀ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ኣኼባ ብመገዲ ኮራኹሩ ክዳሎ ጸዊዑ ኣሎ። እሙናት ምንጭታትና ከምዘረጋገጽዎ እዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ኣብ ማንቸስተር ዘኽትም ዘይኮነስ ናብ ከተማታት ሸፊልድን ሊድስን ዝልሕም እዩ።
ክቡራት ኣሕዋት፣ ነዚ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ መዋስኢ መድረኽ ከተጣጥሕሉ እንተስ ብጠቕሚ ተገዚእኩም ወይ ተታሊልኩም ላዕልን ታሕትን ትብሉ ዘሎኹም ባእታታት ኢድኩምን እግርኹምን ክትእርንቡ ኣትሪርና ንላበወኩም። ተቐማጣይ ህዝቢ እዘን ከተማታትው’ን ሳዕቤን ተሳታፍነቱ ከቢድ ክኾውን ስለዝኽእል ብኣጋ ክልብመሉ ነዘኻኽር። እዚ ምስ ዘይከውን ግን ህዝቢ ኤርትራ እናተበደለ ኣንጻሩ ደው ትብሉ ስለዘሎኹም ሱቕ ኢልና ክንዕዘበኩም ሕልናና ኣይከፍቕደልናን እዩ። ብቐንዱ’ውን ኣንጻር ሕግታት ናይቲ ኣዕቒቡኩም ዘሎ መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ትነጥፉ ስለዘሎኹም ዝርዝር እስማትኩም ንውሽጣዊ ጉዳያት (HOME OFFICE – UK Border Agency) ብዘይንሕስያ እሕሊፍና ከነረክበኩም ምኻንና ብትሪ ነጠንቅቐኩም።
ዝኽርን ክብርን ሰማእታትና!
ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ዞባ ሰሜናዊ ዓዲ እንግሊዝ
05/02/2010


