ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ከባቢና ዝርከባ ካብ ኤርትራ ዝሃብተማ ሃገራት፡ ሱዳን 60 ካብ ሚእቲ፡ ምስሪ ‘ውን 50 ካብ ሚእቲ ብርክታት ንዓኣተን ከምዝሓዝእኦ ይፍለጥ። ስርዓት ህግደፍ ግን ምስቲ ኣብ ዓለም ዘለዎ ክፉእ ምስሊ ማንም ክመጽኦ ከምዘይክእል ተገንዚቡ፡ “ወፍሪ ወጻኢ ንምስሓብ” ብዝብል ምስምስ ነቲ ጸጋ ሃገር የባኽኖ ከምዘሎ ከምዘሎ ተዓዘብቲ የረድኡ።
እቶም ካብ ግቡኦም ንላዕሊ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክረኽቡ ምዃኖም እንተፈሊጦም፡ ወቀመላኽነት ስርዓትን ዓመጽን ድኽነትን ደቂ ሃገር ዘይዓጦም ሃጻፋት ኩባንያታት ወጻኢ ድማ፡ ነቲ ዕማም ዓይኖም ዓሚቶም ይኣትዉዎ ኣለው።
እቶም ነዚ ዝተመልክተቱ ተዓዘብቲ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ብዋሕዲ ሸርፊ ወጻኢ ተጻቢቡሉ ዘሎ እዋን፡ “እተን 10 ካብ ሚእቲ ንዓይ ይድግፋኒ እየን፡” ኢሉ ስለዝኣመነ፡ በቲ ዝተረፈ 40-50 ሚእታዊት ናይ ህዝቢ ብጽሒት ይጣላዕ ምህላዉ ብምጥቃስ ከኣ፡ ህግደፍ ብእጃም ህሉውን መጻእን ወለዶ ዝገብሮ ዘሎ ዋጋ ዕዳጋ ደው ከብሎ ክብዳህ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም። ጸጋታት ሃገር፡ ንህዝብ ብዘርብሕ መንገዲ ደቂቕ መጽናዕቲ ኣብ መዓላ መላእ ህዝቢ ክውዕል ከምዘለዎ ድማ ኣዘኻኺሮም።
ሓደ ካብቶም ንእቶት ቀሪቦም ከምዘለዉ ዝንገረሎም ናይ ወርቂ ዕደና ማእከላት እቲ ኣብ ቢሻ ዝርከብ ብካናዳዊ ኩባንያ Nevsun Resources Ltd ዝካየድ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት እቶት ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ ። ኣብ ዛራ ዝርከብ ብኣውስትራልያዊ ኩባንያ Chalice Gold Mines ዝካየድ ማእከል ዕደና ኸኣ ካብኡ ቀጺሉ ኣብ ዘሎ ዓመት እቶት ክጅምር ምዃኑ ይንገር።
Source: Reuters


