Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸረ ህግደፍ ዘይመከተ ብሕይወቱ እንከሎ ዝሞተ!!

ኣብ ዘሎካ አሊካ መክት ኤርትራዊ ብዕምቈት መርምሮ ናይ ወገንካ ግፍዒ ርኢካ ሰሚዕካ አይትበል እንድዒ ናብ ህግደፍ አይትስገድ  ናብ በላዒ።   ፈርካሽ ጃንዳ ህግደፍ ጻሕታሪ መከራ  ይበታትነን አሎ እንዳታት ኤርትራ  ብግቡእ

ኣብ ዘሎካ አሊካ መክት ኤርትራዊ

ብዕምቈት መርምሮ ናይ ወገንካ ግፍዒ

ርኢካ ሰሚዕካ አይትበል እንድዒ

ናብ ህግደፍ አይትስገድ  ናብ በላዒ። 

  •  

      ፈርካሽ ጃንዳ ህግደፍ ጻሕታሪ መከራ

  •  

      ይበታትነን አሎ እንዳታት ኤርትራ

  •  

      ብግቡእ ንረደአዮ ናይ ተንኰሎም ሽጣራ

  •  

      ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምፍንቃል ስድራ። 

ንብዙኃት ዘበናት ዝተቃለሰ ሕዝቢ

ግፍዕን መከራን ኴይኑ ናቱ ዓስቢ

ጸረ ህግደፍ መኽት ግዱስ ኤርትራዊ

ኣብ ዘሎካ አሊካ ተቓለስ ንፍትሒ። 

  •  

      ሀገር ናይ ብዙኃት እምንቶ ናይ ግሊ

  •  

      ብሥኒት ንመክት ጸረ አድገ በቕሊ

  •  

      ኣብ ዳስ ህግደፍ ምስዕሳ ገበን ኢዩ ነውሪ

  •  

      ንለውጢ ድአ ንበገስ ንመንነትና ክብሪ። 

አብቱም እተዳምቑ ንጃንዳ አስመራ

ብፍቓድኹም አይትስሐሉ መሕረዲኹም ካራ

ብከመይ ይነብር አሎ ሕዝቢ ኣብ ኤርትራ

ተሕዝኑ ኣብ ስደት እትገብሩ ዳንኬራ። 

  •  

      ከሐድቲ ጃንዳ ናብራ ንኽጥዕመሎም

  •  

      ንዓካትኹም የዋፍሩ ንመንእሰይ አሲሮም

  •  

      ንሕዝብና የጋፍዕዎ መልሐስ ቀቀይሮም

  •  

      ፈስቲቫላት የዳልዉ መናውሒ ዕምሮም

  •  

      ንሕዝብና መጨፍለቂ ንስካትኹም ትሰድሎም። 

አይፋል ድአ ንበል ብሥኒት ብፍቕሪ

እተበደለ ሕዝብና ብፍትሒ ንክምዕሪ

ንህሉው ተቓውሞ ንወስከሉ ናህሪ

ንጃንዳ ህግደፍ ነርግጾም ርሱን ጓህሪ። 

  •  

      ድሕሬኡ ብፈስቲቫል ብሓባር ትሓንበለ ንብል ብክብሪ

  •  

      ኣብ ዘሎካ አሊካ ተልዓል ኤርትራዊ ብነድሪ

  •  

      ብሓድነት ንመክት ጸረ-ህግደፋዊ ከትሪ

  •  

      ብሓርነት ትለምልም ኤርትራዊት ምድሪ። 

ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉአት

ሰላምን ቅሳነትን ንኤርትራውያን ዜጋታት

ስዕረትን ሕፍረትን ንጠላማት

ካብ ከተማ ፍራንክፎርት ሀገር ጀርመን

18.07.2009 ተ.አ.ባ.

18.07.2009 ተ.አ.ባርናባስ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT