ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።
Read more...



ትግርኛ


ብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዕለት 06.03.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ በዓል ብርክት ዝበለ ብዝሒ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣርየስ ላቲኖስ ዝተባህለት ባህላዊት ጉጅለ ላቲን ኣመሪካ ማሓዛ ማሕበር ተበግሶ ዝተሳተፍዎ በዓል’ዩ ነይሩ።
