Home ትግርኛ ናዕታ ወይለካ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን ምስ ህግደፍ እትሃልል ዘሎካ፤-

ወይለካ ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን ምስ ህግደፍ እትሃልል ዘሎካ፤-

Print PDF
አንታ ብዓል አበር ናይ ህግደፍ ከዳሚ

አንቲ ብዓልቲ አበር ናይ ህግደፍ ጠስሚ

ደስ ኢሉዎም ዝሓድር ሕዝብና ክደሚ

ውርደትን ሕፍረትን ኢዩ ጽባሕ ናታትኩም ገዝሚ።

ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ላዕሊ ታሕቲ

ውዲት ድዩስ ሕማቕ ሕማም ዛርቲ

ንብርሰት ሕዝብን ሀገርን እትሃሉ ቀትሪ ለይቲ

አይትዘንግዕዎ ምዃንኹም ብገበን ተሓተቲ።

 

ህግደፍ’ዶ አይኾኑን ደመኛታት ሕዝብና

ንመንእሰይ ወለዶ አብልዮም ብጉዱድ ዕስክርና

ሓዲሽ ትውልዲ ጸሊኡዋ ንወያ ኤርትራና

አዴታት አብ ክንዲ ጻዕዳ ጸሊም ይኽደና

ማህጸነን ዘፍረዮ ንዓሳ ዝተረፈ ንስደት ዓዲ ጓና።

ተአጊዶም ህግደፍ ኢልካ ዓበድበድ

ንመን ንምድሓን ኢዩ ብሰላማዊ ንሰልፊ ዘብዘብ

ብሕልና እንዶ ግዳ መናባብሮ ሕዝብና ንተዓዘብ

ንውድቀቶም ድአ ምስ ዉጹዕ ወገንካ ተላዘብ

ብዙሕ ረብሓ አሎካ ናይ ሕልና መኽሰብ።

 

ንሕና ንህግደፍና ህግደፍና ንአና

እናበልኹም እትጭርሑ አብ ኲሉ ጐደና

ቕልውላው መንነት ድዩስ ጉድለት ጥዕና

ቃልኪዳን አሲርኹም እምበአር ንብርሰት ሀገና

ብአካትኹም ሓሲሩ ወዮ ክቡር መንነትና።

ደቕካ ሓቊፍካ አብ አፍሪቓ አውስትራልያ ኤውሮጳ አመሪካ

ብመንእሰይ ኤርትራ እትጻወት ንመላኺ ደጊፍካ

ዓቢ ገበን ኢዩ ምልጋጽ ብውላድካ ሓውኻ

ካብ ውድቐት አይተድሕኖምን ንህግደፍ ዝጨራሕካ እንተጨራሕካ።

ንዓ ድአ ተሰለፍ ምስ ጭቁን ሕዝብካ

ንስዕረቶም ተቓለስ አሪምካ ዝሓለፈ ጌጋኻ

ዕምሮም ሓጻር ኢያ ፈቲካ ጸሊእካ

አብ ገበን ኣይትሓንብስ ንመሸጣ መንነትካ።

 

ዓጀብ ኢዩ ዘብል ክትኸውን ናይ መላኺ አጋፋሪ

ርሑቕ ሀገራት እናተቐመጥካ ስግር ባሕሪ

ንጃንጃ ህግደፍ ከተቐብሎም ድርብ በትሪ

አብ ክንዲ አይፋል ምባል ብትብዓት ብትሪ

ትርድእዎዶከ አሎኩም እትፍጽምዎ ዘሎኹም ነውሪ።

 

አንቲ አታ ህግደፍ ተአጊዶም ኢልካ ትግዕር

ደስ ድዩ ኢሉካ ሕዝብና ተሸቑሪሩ ክነብር

ስለ ህግደፍ አዳባባይ ክትወጽእስ እምብዛ የነውር

ኣብ ክንዲ ንሕዝብስ ንጠላማት ክትውክል

አብ ምዕብልቲ ዓለም ዘገርም ምስትንክር።

እናተቐመጥካ አብ ሀገራት ዲሞክራሲ

እናፈለጥካ ክትኸውን ናይ ህግደፍ ማእሲ

ትክእልዎ ዲኹምከ ጽባሕ ናይ ሕዝብና ክሲ

ምስ ገበነኛታት ብፍቃድኹም እይተእተዉ አብ ጋህሲ።

ደጊምኩም ሕተትዋ ነታ ናታትኹም ነፍሲ

እንታይ ረብሓ አሎኹም ምኽላብ ምስ ዓማጺ

ንጌጋኹም መርምርዎ ድአ ሀየ ክወግሕ ክመሲ

ጽባሕ ከይከብደኩም ምስ ሕልናታትኹም ባእሲ።

ሕዝቢ ኢዩ ንወትሩ ዘይነጽፍ ባሕሪ

መን እሞ ርኢኹም አብ ሥልጣን ነባሪ

ንሕዝብኹም ምስ ህግደፍ አይትእትዉሉ ቁሪ

ጭርሖኹም ቀይርዎ ንመንነትኩም ክብሪ

ሰላም ንኽሰፍን ኣብ ኤርትራዊት ምድሪ

ምልኪ ቀቢራ ብፍትሒ ብማዕርነት ንክትምዕሪ።

ምህላል ምስ ህግደፍ ንጥፍአት ሀገር

ትዕዝብቲ ይኹንኩም ናይ መለኽቲ ነገር

ታሪኽ መንግሥቱ ታሪኽ ሳዳም ይዘከር

እንታይ ተፈሪዶም ናይ ሂትለር ዓስከር

ሎምስ የብቕዕ ምስ ህግደፍ ቀብጠርጠር።

ሥልጣን ናይ ሕዝቢ ኢዩ አይኾነን ናይ ሓደ

ንለውጢ ድአ ይኹን ሕዝባዊ መኸተ

ጸረ ህግደፍ ዘይመከተ ብደዉ ዝሞተ

አጣቃዒ ዝኸውን ሕዝቢ እናጸነተ።

አበር ዘለዎ ኢዩ ጉዱ ዘይተፈልጠ

ብኾንቱ ዝሀልል ሳዕቤኑ ከየገመተ

ወይልኡ ድኹም ሕልና ልቡ እተዘምተ

 

እንታይ ክብል ኢዩ ጽባሕ ህግደፍ ምስ ትዓጽደ።

ዘለዓለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉአትና

ዓወትን ሰላም ንሕዝብና

ውድቀትን ጥፍአትን ንአቦ መንበር ህግደፍን

ናይ ውሽጥን ናይ ደገን አጋፈርቱን

 

ብአማን ሰለሙን ፍረ 30.1.2010 ..

 

Donate - Make a Difference, Support Voice of Asena!

Country Target Pledged Remaining
  UK 50 14 36
Sweden 50 2 48
Germany 50 0 50
  Norway
30 1 29
  Italy
30 1 29
Netherlands 30 0 30
  Canada 30 2 28
Switzerland 30 0 30
  Australia
30 2 28
  France 10 0 10
  Belgium 10 0 10
USA-EC
75 7 68
USA-WC
75 10 65