Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መዓልቲ ስዉኣትን ትርጉማን

ንዝኽሪ ስዉኣትና ብሐደ ሐቢርና ክንጽንብል ዘብቃዐና ልዑል ኣምላኽ መጎስ እብጻሐዮ፡፡ ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ድማ ንስዉኣትና! ድሕሪ ምባለይ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ንዅልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ፣ እወ ልባዊ ሰላምታይ ንዅልኻትኩምን

ንዝኽሪ ስዉኣትና ብሐደ ሐቢርና ክንጽንብል ዘብቃዐና ልዑል ኣምላኽ መጎስ እብጻሐዮ፡፡ ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ድማ ንስዉኣትና! ድሕሪ ምባለይ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ንዅልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ፣ እወ ልባዊ ሰላምታይ ንዅልኻትኩምን ንዅልኻትክን ተሳተፍቲ እዚ ብጸሎትን ብብድሆን እንዝክሮ ክቡር መዐልቲ አቕርብ፡፡

ብምቕጻል ከአ ከም መእተውን ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ነዚ ዛዕባ፣ ማለት ነዚ መስዋእቲ ዚብል ኣምር ከብርህ ክፍትን’የ እሞ ኣቓልቦኹምን ጽቡቕ ፍቓድኩምን ከይፍለየኒ ብትሕትና እሐትት፡፡

መስዋእትነትን ትርጕሙን፦

መስዋእትነት ማለት እምበአር፣ ደቂ ሰባት ንእምነቶም ወይ ንዕግበቶም ከዐውቱ ዚኸፍልዎ ናይ ህይወት ተወፋይነት ዘጠቓሊል ኣምር ኢዩ፡፡ አመጻጽአ ናይ’ዚ ኣምር ከአ ኣመንቲ ንሃይማኖታዊ እምነታቶም ክዝርግሑ ወይ’ውን ብሰንኪ ምእመናን ጽንዓት አብ ሃይማኖታቶም ምርአዮም ብጸላእቲ ምስ ዚቕተሉ፣ ድሕሪ ደጊም ብሰዓብቶምን ብጾቶምን አብቲ ሃይማኖት ዚዀኑ ናይ እምነት አሕዋቶም/አሓቶም፣ ንክብርን መጎስን ናይዞም ዚተጠቕሱ፣ ማለት ናይቶም ንጻማ እምነቶም ብህይወት ዚሐለፉ ምእመናን ዚተዋህበ ልዑል ቃል ኢዩ፡፡ ምስ ምሕላፍ ግዜ አብ መስርሕ፣ ማለት አብ ታሪኻዊ ጕዕዞ ኸአ እዚ ኣምር’ዚ እንቶላይ ነቶም ንምድራዊ ዕላማታት ከዐውቱ ምእንቲ ህዝቦም በጃ ዚሐለፉ ናይ ፖለቲካ ሰባት’ውን ከጠቓሊል ጀሚሩ፡፡ ብቋንቋ ትግርኛ ከአ ዋላ’ኳ ክልቲኡ ኣምራት ተወራራሲ እንተመሰለ፤ ነቶም ምእመናን ሃይማኖት ምናልባት እቲ ሰማእታት ዚብል ቃል፣ ነቶም ምእንቲ ምርግጋጽ ፖለቲካዊ መትከላት ዚሐለፉ ከአ እቲ ስዉኣት ዚብል ኣምር ፈላሊና እንተተገልገልናሎም ምስጢራቶም ዝያዳ ንጹርነት ምሀለዎም፡፡ ብዝዀነ ሕጂን አብዚን ሒዝናዮ ዘሎና ዛዕባ ጕዳይ ዚኽሪ ስዉኣት ሰውራ ኤርትራ ኢዩ፡፡ እሞ አብኡ አቢለ ከሕልፈኩም ፍቐዱለይ፡፡

አብ ሰውራ ኤርትራ ህዝብና ከም ስዉአት ደቁ መጠን አብ መዐሙቕ ልቡን አብ ዓንዲ-ታሪኹን ዚዝከሩ ስዉኣት እቶም ንልዕላውነት ኤርትራን ንዕላማታት ህዝባዊ ናጽነትን እናተዋደቑ ብህይወት ዚሐለፉ ደቁ ኢዮም፡፡ ይኹን ድኣምበር ንስዉኣትና እንዝክሮምሲ ምእንቲ ራህዋ ህዝቦም ዚለዐለ ዋጋ ማለት ህይወቶም ብምኽፋሎም ጥራይ አይኮነን፡፡ የግዳስ ንኵሉ ዚተቓለስናሉ ዕላማታትን ሓድነትና ናብቲ ዕላማታትን ዘውሐሱ (ስኑዳት መሰኻኽር) ስለ ዚዀኑ’ውን ኢዩ፡፡ መዐልቲ ስዉኣት ከአ ናይ ምሕዛንን ምስትምሳልን መዐልቲ አይኮነን፡፡ የግዳስ ክንተሐሳሰበሉን ክንሐስበሉን ዘሎና ወትሩ ንቕድሚት ዚውጥጠና ረዚን መዐልቲ’ዩ፡፡ ንዘይተማልአን አብ መንጎ ዚተቐጽየን ዕላማታት እንብድሀሉ ናይ ቀጻልነትን ጽንዐትን ታሪኻዊ መዐልቲ’ዩ፡፡ ንሕና ጌና አበይ አሎና? ህዝብናኸ እንታይ ዚዓይነቱ ህይወት የሕልፍ አሎ? እንፍትሸሉ ግርማ ዚዐሰሎ መዐልቲ-ስዉኣት’ዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡

እሞ ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ኤርትራና ንምድሐን ኩሉ ብንቁሕ ጥበብ ዚከአለና ምብልሓት ክንገብር ግዜ ዳግም ይሐተና’ሎ፡፡ ዛጊት ንኤርትራ ዚበዝሕ ዜጋአ ካብ ዚግባእን ዚመስልን ንላዕሊ ደምዩላን ሰሪሑላን’ዩ፡፡ ቀንዲ ከአ ክሳዕ ክንድቲ ስለ ዚኸፈልና ድማ’ዩ አብ ፍርቂ ጕዕዞ ስሬና ክዘልቕ ዘይግባእ፡፡ ብዘይ ስጥመትና ምኽንያት ዛሕ ኢሉ ዚተረፈ ዕማማት አሎ፡፡ ብሰንኪ ስኒትን ምክብባርን ምጕዳሉ ዚተኸፍለ ጻዕርን ድኻምን ሸቶኡ አይወቕዐን፡፡ ምስ ቃልስና ዚመጣጠር ውጽኢት ብዘይምርካብናን ብፍሬኡ ሕቡናት ብዘይምዃናን ተስፋ-ቊርጸት ሰፊኑ አሎ፡፡ ዓወት ዚለመደ ሰብና ሎሚ ትጽቢት በዚሕዎ ተነቃፊ ኰይኑ’ሎ፡፡ ብሰንኪ እዚታት ከአ እንሆ ህልኽን ምጕጅጃልን ተኸሲቱ፤ ኤርትራ አብ ሙስቁል ጎደና አላ፡፡ እዚ ከአ ብመንፈሱ ይኹን ብቓሉ ራኢ ስዉአትናን ገዳይም ተጋደልትናን ከቶ አይነበረን፡፡

ጕዳይ ሃገራዊ ሓድነት፦

ህዝቢ ኤርትራ አብ ዛዕባ ሃገራዊ ሓድነትን ስምረትን ንውድባትና ደጊሙ ደጋጊሙ ዚሀበን ሕድሪ ሓድነተን አዕቍበን ሓድነቱ ከዕቊባሉ ኢዩ ዚነበረ፡፡ ካብ ምስክርሲ ዋና ብኸናፍር ከም ዚበሀል ከአ፣ አኼባታት ወከ-ዛግርን ሃዘጋን ናይ 1974/75 ከምኡ ናይ 1976/1977 ዋዕላታት እንዳባ ከም ዋዕላ መቐረካ፣ ዋዕላ ዓዲ ገብራይ፣ ዋዕላ ዓዲ-ፈለስቲ፣  ኣኼባ ዓላ፣ ኣኼባ ዓሸራ፣ ክሳዕ’ቲ አብ አጋ መወዳእትኡ ኣቦታት ካብ ጋሽን ባርካን ዚተጸምበርዊ ኣኼባ ደራቡሽ ክንዝክር ይከአል፡፡ ውድባት ግና ዋላ ካብ ፈለማኡ ነዚ ውዕለት’ዚ ከማልአ አይተረኽባን፡፡ ሓድነት ምዕቋብ ክበሀል ከሎኸ እንታይ ማለት’ዩ? ንውልቃዊ ወይ ጕጅላዊ ወይ ውድባዊ ዚግበር ናይ ተናጹል ህልኽን ኮለልን ተሪፉ፣ ሃገራዊ ዕማም ብቀዳምነት ብምስራዕ ንሓባራዊ ዕብየት ምጽዓድ ማለት ኢዩ፡፡ ንአብነት ከምዚ ንነብረሉ ዘሎና እዋን ሃገር አብ ትሕቲ ፍጹም ምልኪ-ህግደፋውያን ካን ናብ ዓባይ-ማሕቡስ አብ ዚተቐየረትሉ ሰዓት ብዘይ ነግ-ፈረግ አብ ሓደ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር ተጠርኒፍካ ምብዳህ ጥራይ ኢዩ ክርአ ዚግባእ፡፡ ብመሰረቱ ኤርትራ ድሩት ዓቕምን ቊጽሪ ህዝብን ዘለዋ ንእሽቶይ ዓዲ’ያ፡፡ አብ ክንዲ ዓቕምኻ ምጥርናፍ ብቀጻሊ ዓቕሚ ህዝብን ሃገርን ምብታን ምስ እንታይ ክቚጸር’ዩ፡፡ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መንእሰይ ወይ አብ ወተሃደራዊ መደበራት ህግደፍ ዚተዐስከረ’ዩ ወይ ከአ ትሕቲ መሬት አብ ዘሎ ጎደጕድ ዚተመቚሐ’ዩ፡፡ ስለዚ እቲ ዚዓበየ በታኒ ጸጋ-ሃገር ህልዊ ስርዓት ህግዲፍ ኢዩ፡፡ ማዕረ-ማዕሪኡ ከአ ውድባት ተቓውሞና ንሰዐብተን አረሐሒቐን፣ ኤርትራዊ ሓይሉ ተበታቲኑ ከም ዚተርፍን፡ ነቲ ንሃገር ካብ ጻት ናብ ጻት ሐኒቑ ደቀባት ክነፍግ ዚውዕል ዘሎ ስርዓት ህግዲፍ ክንዲ ብሐደን ሐድነትን ኰይኑ ዚብድህ፣ ናብ ዘይእዋናዊ ውደባታትን ውድባትን የህልኽኦ አለዋ፡፡ ዋላ’ቲ ብተዛማዲ ሓድነታዊ ዚመስል ምትእኽካብ አብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዙሕ ዚኸይድ አይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ብቀዳምነት ነንውድብካ ምዕባይ ስለ ዚዐጠን ከአ’ዩ፤ ነበሃህላይ ብአብነት ንምብርሁ ከአ፣ እዚ ናይ ውድባትና አተሃላልዋ አብ ኤዲኪ፡ ከምዚ ፖለቲካ አልዕሎም ከይማናዝዑን ቆልዑቶም ከየሰንብዱን ዚተመሐሐሉ ኣባላት ጀብሃን ሻዕብያን ዚኾኑ ሰብአይን ሰበይትን ክውሰድ ይከአል፡፡ እሞ እዞም ሰብ ሓዳር ሰላም አለዎም፣ ወይ እታ ስድራ ክትስልጥን’ያ ኢልካስ ክሕሰብዶ ይከአል?

 

ሕቶ ስልጣን፦

ውድባትና ዘፈናፍነን ዘሎ ሕቶ ጕዳይ ስልጣን ኢዩ፡፡ ኣድላይነት ስልጣን ከአ ዚስሓት አይኮነን፤ የግዳስ ሕቶ ስልጣን ምስ ስልጡን ዲሞክራስያዊ ባህሊ ምስ ዘይዛመድ ውጽኢቱ ባዶ ኢዩ፡፡ ቅዋም ብዚፈቕዶ ዲሞክራስያዊ ምቅብባል ስልጣን ክንበጽሖ እነማዕድዎ ኣገባብ ምሕደራ ኢዩ፡፡ እዚ ከአ አብ ባይቶ እንዳቦናን ምስ ምሉእ ተሳታፍነት ህዝብናን ዚግበር ዕዮ’ዩ፡፡ ሎሚ ግና አብ ሐደ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ሰሚድካ ምልኪ ካብ ሃገር ምልጋስ ኢዩ ክእክበና ዘሎው ዕላማ፡፡ እዚ ከአ እቲ ዝለዐለን ዲሞክራስያውን ዕላማ አብዚ ሰዓት’ዚ ኢዩ፡፡ ነንበይንኻ ወርቃዊ ዚመስል መትከላት ክትሃቊቕን ክትውቅጥን ምውዓል ፍሬ-ኣልቦ ዚዀነ ኣምስሉ ዘረባ ጥራይ ኢዩ፡፡ ምኽንያቱ ሃንቀውታናን እስትራተጂናን ግብሪ ከሰንዮ ብገለ ኣሃዝ ከም ጭቡጥን ዳይናሚካውን ረቛሒ ክረብሕ ክኽእል አለዎ፡፡ አብ ዘየሎ ሃገር ዚሕሰብ ስልጣን ማለት ብባዶ ረቛሒ እንተረቢሑ ከአ ውጽኢቱ ባዶ-ኣሃዝ ይኸውን አሎ ማለት ኢዩ፡፡ ነቶም ንስልጣን ዚቃለሱ ውድባትና ከአ ብውሱን ቊጽሪ ምኒስትሪ’ኳ አይረብሐሎምን፣ ማለት ብንጹር ንምዝራብ ዚዀነ ዓይነት ጭቡጥ መዝነት አይተሸርፈሎምን ማለት ኢዩ፡፡ እምበአር ዚዀነ ይኹን ሕሳባት አብ ስልጣን ቅድም ናብ ሃገር ብምእታው ወይ ናብኡ ዚዐለመ አገባብ ብምጥቃም ጥራይ ኢዩ ክብጻሕ ዚከአል፡፡ ስለዚ ፍጹም በይናዊ ስልጣን እሞ ኸአ ብአሽሓት ኪሎሜትራት ካብ ሃገር ርሒቕካ ነናይ ጕጅለኻ – ማለት አብ ባዶ ዓዲ  ምውድዳር- ብር እንተበልካ ባዶ ሕልሚ ምዃኑ ኩሉ ክግንዘቦ ይግባእ፡፡ ቅድም እቲ ገዛ ይሰራሕ፣ ብድሕርዚ ብቡዙሕነት ናተይ ናትካ እናተበሃልና አብ ትሕቲ ዲሞክራስን ሕግን ብሰላማዊ መንገዲ ንዕብየት ሃገርን ህዝብን ክንወዳደር፡፡

መአዲ ሓድነትን ህግዲፍን፦

ስርዓት ህግደፍ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ፡፡ ምልኪ ከአ ድሮ ብእዉጅን ፍቱንን ኣገባቡ ንፍጹም በይናዊ ስልጣን ዚሰርሕ ኢዩ፡፡ በዚ ኸአ መአዲ ሓድነት ንፍጹም ምልኪ አይምልከቶን ኢዩ፡፡ ህግዲፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዚብላ ሓንቲ-ዚዐቐና ቊጽሪ ጫማ’ያ ዘላቶ፡፡ ካብዛ ቊጽሪ ጫማ ህግዲፍ ዚዐቢ እግሪ ዘለዎ ወደባት፡ ኤርትራዊ አይኮነን! ንህግዲፍ፡፡ ህዝቢ ባህሉን እምነቱን ክጥቀም፣ ውላዱ ክሐቁፍን ከምህርን፣ ብናጻ አብ ውሽጢ ሃገሩ ክመላለስ፣ ፍረ-ዕዮኡ ብዘይ ምክልባት ክጥቀም … ወዘተ’ኳ ንኤርትራዊ ዜጋ ስርዓት ህግዲፍ አይፍቀደሉን፡፡ አብ ናይ ስደት ዓለምና ዕቚባ አብ ንሐተሉ ብኡብኡ ካብታ ዘስፈሩና ከተማ ናብ ካልእ ክንቀሳቐስ አይፍቀድን፤ ፍቓድ ከነውጽእ ከአ ይህልወና፡፡ አብ ኤርትራ ኸአ ኤርትራዊ ሎሚ ልዕል ኢሉ ክገይሽ አይክእልን፤ ፍቓድ ካብ መንግስቲ ከውጽእ አለዎ፡፡ እሞ ድአ ብዘበነ ህግዲፍ ዜጋታትና አብ ማእከል ዓዶም ዕቚበይናታት’ዶ አይባሃሉን?! ምእንትዚ እምበአር ህግደፍ ክእለ ዘለዎ ፍጥረተ-አራዊት ዚዀነ ስርዓት ኢዩ፡፡

ግደ ህዝቢ፦

ህዝቢ ሓያል ምዃኑ አብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ኣንጻር መግዝእቲ ኢትዮጵያ ተመስኪሩ ኢዩ፡፡ ብተመሰሳሊ’ውን ሓይሊ ህዝቢ አብ ካልእ ሃገራት እናሻዕ ንርእዮ አሎና፡፡ ከም አካል ህዝቢ እምበአር ንሕና’ውን እምቢ ንፍልልይ፤ እወ ንሓድነት! ኢልና ንውድባትናን መራሕትናን ክንግድድ ንኽእል ኢና፡፡ ጭርሖና ዝርዓመ ክንሕንግር ድማ ንጥቕምና ኢዩ፡፡ ብከምዚ ከአ ነቲ ክሳዕ ሎሚ መዕለቢ ዘይረኸብናሉ በበይንኻ ኮለል ክንከርዖ ምኸአልና እመስለኒ፡፡ እቲ ክሉ ዚተኸፍለ መስዋእቲ፣ እቲ ኩሉ ዚዘኽተመ ኤርትራዊ ስድራታት፣ ነቶም ወሊዶምን መልሚሎምን ዘይለአኹ ወለዲ ክንድብስ ብሐደን ሓድነትን ንተስእ፡፡

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!

እዚ ጽሑፍ’ዚ አብ መዐልቲ ስዉኣት ኤርትራ ብስም

“ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኰለንን ከባቢአን

Eritreischer Sozialverein e.V.

Köln & Umgebung“

አብ Friedenspark

Oberländer Wall, 50678 Köln

ብተክለሰንበት ተኽላይ

ዚቐረበ መደረ ኢዩ፡፡

 

መዘኻኸሪ፡ እዚ ጽሑፍ‘ዚ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ስዉኣት ኣብ ከለን ብመደረ መልክዕ ቀሪቡ ዝተላእከልና ክኸውን ከሎ ብምርሳዕ ዝኣክል ኣብ እዋኑ ኣይዘርጋሕናዮን። ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስውኣት እኳ እንተተጻሕፈ መልእኽቱ ብምሕላፍ‘ቲ ዕለት ስለዘይጎድል ንዝርግሖ ኣለና። ንጸሓፊኡ ድማ ብምድንጓይና ይቕሬታ ንሓትት።  

ኣሰና.ኮም

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT