Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓበሬታ – ልፍንቲ ሰልፊ ዴሞክራሲ ኤርትራ

ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገለ ተበለፅቲ ናብ ካናዳን ኣሜሪካን ክትከዱ ፎርም ምልኡ ኢሎም ካብ ዘይብልኩም ዘይተኣደነ ገንዘብ የኽፍሉኹም ስለዘለዉ ንኽትጥንቀቑ ንሕብር።

ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ገለ ተበለፅቲ ናብ ካናዳን ኣሜሪካን ክትከዱ ፎርም ምልኡ ኢሎም ካብ ዘይብልኩም ዘይተኣደነ ገንዘብ የኽፍሉኹም ስለዘለዉ ንኽትጥንቀቑ ንሕብር። ኣቲ ናብዘን ሃገራት ኣዚኣተን ንምምፃእ ሕጋዊ ዝኾነ ፎርም ኣብ ኢንተርነት በዚ ኣድራሻ እዚ ብነፃ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣብ ኢንተርኔት application for permanent residence in Canada ኢልኩም ትጥውቑ ካውኡ እቲ ፎርም ምስ መፃልኩም፤ ቀዳምይ እቲ መሕተት ትመልኡ፤ ካልኣይ ድማ schedule 1 back ground/ declaration ዝብል ብምምላእ ጥራሕ’ዩ ዝካየድ።  

እቲ ናይ ምምፃእ ዝግበር ቅጥዒ ኣብቲ ክትከድዎ ትደልዩ ሃገር ዝቕበሉኹም ውልቀሰብ ይኹን ማሕበር ምስዝህልውን ኣብቲ ፎርም ሓላፍነት ወሲዱ ምስ ዝፍርምን ጥራሕ’ዩ ተቐባልነት ዝህልዎ። እንተዘይኮነ ግን ፎርም ስለዝመላእካ ጥራሕ ትኸይድ ማለት ከምዘይኮነ ደጊምና ክንሕብረኩም ንፈቱ። 

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና!!!

ሕጊ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ይተግበር ብዘይ ውዓል ሕደር!!!

ልፍንቲ ሰልፊ ዴሞክራሲ ኤርትራ

ሰሜን ኣመሪካ 

መስከረም 26/2009

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT