ከምቲ ኩሉ ዝርእዮን ዝጸምዖን ዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ ህግደፋዉያን ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ዝተኣወጀ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናይ ሃገር ጉዳይ ኣምሲሎም ንህዝብና ንምድንጋር ዚገብርዎ ዘለዉ ግስጓስ ካብቲ ህዝብና ወሪዱዋ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓለንጊ ንላዕሊ ተረኪቡለይ፡ ህዝቢ ንምድንጋር ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ፉሹል ፈተነኦም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ዓዲ ጥልያን፡ እቲ ጎስጓስ ብዒሊ ብዕለት 17/01/2010 ብመንገዲ ኤምባሲ ህግደፍ ብአቶ ዘመደ ተኽለ ብዛዕባ ህሉዉ ኩነታት ሃገርና ብዝብል ሙዉት ሓሳብ ዝኣጀንዳኡ ኣኼባ ተጀሚሩ፡፡ እንተኾነ ግና ከመቲ ኣብኩለን ሃገራት ዓለም ዘገጥሞም ዘሎ ተሪር ተቓዉሞን ክምልስዎ ዘይኽእሉ እዋናዉን በዳህን ሃገራውን ዝኮነ ሕቶታት በቶም ጎስጊስናዮምን ኣእሚናአዮምን ኢና ዝብልዎም መንእሰያት ከይተረፈ ሕቶ ምስቀረበሎም፡ ጊዚኡ ኣይኮነን ዚብል መልሲ ተዋሂብዎ፡፡ ሕቶኦም መልሲ ዘይተረኸቦ ኣሕዋት ድማ መልሲ ምስተረኸበ የራኽበና ኢሎም ረጥሪጠሞም ዚወጹ ከይተረፈ ኣለዉ፡፡ ብመሰረቱ ግን ካብቶም ብኣሻሓት ዝቁጸሩ ኤርትራዉያን ተቐምጥቲ ሮማ ኣዚዮም ዉሑዳት ዝኮኑ ሰባት እሞ ካባኣቶም ድማ ገለ እንታይ ክባሃል እዩ ኢሎም ክሰሙዑ ዝኸዱን ገለ ድማ ነዚ ሕጂ ንህቦ ዘለና ሓበሬታ ንኽሰሙዑ ዝከዱ ልዕሊ ፍርቂ ምምባሮም እቶም ተሳተፍቲ ኣረጋጊጾምልና።
እቲ ኣኼባ ከምቲ ወትሩ ዝዝረብ ኣመሪካን መሻርኽታን ብዝብል ዋዜማ እዩ ተጀሚሩ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ነቲ እገዳ ብይኹነለይ ከም ዝገበሮኦ ከረድእ ድሕሪ ምፍታኑ፡ እቲ ቀንዲ ከዳነግሮ ዘፈተነ እንተሎ ግን ንሃገርን ንህዝብን ዝኣመተ ከም ሙዃኑ መብሪሂ ኪህብ እኳ እንተፈተነ፡ እቶም ተሳተፍቲ ግን ኣቐዲሞም ዝገመትዎ ሓሳብ ስለ ዚነበረ ዝተገረመ ኣይነበረን፡፡ ሃለዉለዉን ሓሶትን ናይ መራሕቲ ህግደፍ ካብ ኢሰያስ ጀሚርካ ሓድሽ ስለ ዘይኮነ ከምቲ ጸማም ሓደ ደርፉ ዚባሃል ፉሉይ ነገር ንሃገር ዘርብሕን ንዜጋታት ዝሃንጽን ስለ ዘየምጹኡ ከም ቀደሙ ፉሹል ፕሮፖጋንዳ ኣካይዱ፡፡
እንተኮነ እቲ ጎስጓሶም ኣብቲ ናይ ኣኼባ ማዓልቲ ጥራሕ ኣይተሓጽረን። ከም ልማዶም ናብቲ ከደናግሩሉ ቦታታት ዕሱባቶም ብምዉፋር ኣብ ፈቖዶ ቤተክሪስቲያናትን ባራትን እንዳዘሩ ሃየ ፈሩሙልና ንገለ ብሓሶት ንገለ ድማ በታ ወትሩ ዝዛረቡላ ዘለዉ ንሕና ኣይኮናን ህዝብን ሃገርን እዩ ተኣጊዱ እንዳ በሉ ከታልሉ ይረኣዩ ኣለዉ፡፡ ንብነት ኣብተን 2 ዓበይቲ ቤተክርስትያናት ናይ ኦርተዶክስን ቤተክሪስቲያንን ካቶሊክን ካብ ዚገበርዎ ጎስጓሳት ኣብ ኦርተዶክሳዊት ቤተክሪስቲያን ቁዱስ ሚካኤል ዝገበርዎ ምድንጋራት ሓዊስካ ገለ ገለ ሰባት ዉን ናቶም ተዳናገጽቲ ኣቡኡ ስለ ዘለዉ ዉሑዳት ኣብቲ ስምካን ፈርማካን ጥራሕ ዝብል ኦዲት ክግበር ዘይኽእል ወረቀት ኣፈሪሞሞም፡፡ ከላ ረሓቁልና! ዝብሉ ግን ይበዝሑ፡፡ ኣብ ኦርተዶክሳዊት ቤተክሪስቲያን ቁዱስ ሚካኤል ሮማ ካብ መንፈሳዊ ቃል ንላዕሊ ፖለቲካ ስለ ዚስበኽ ኩሉ ኣማኒ ኦርተዶኩስ ኣሰልቺዩዎ ምኻድ ከም ዘቃረጾ ይፍለጥ፡፡
ከም ካሊኣይ ጉዕዞ ካተሊካዊት ቤተክርስቲያን ሳንቶማስ ሮማ ብዝገተፈላለየ ሜላ ኻአትዉ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ደገፍትን ተቃወምትን ዝርከቡዎ ቤተክርስቲያን ከም ምካኑ መጠን ነቲ ሃይማኖታዊ ክብሪ ንምሃብ ፈጺሙ ፖለቲካዊ ጉዳይ ክስበኽ ከምዘይኽእል ከረድእዎም ድሕሪ ምፍታን፡ ኣቡኡ ዝነበሩ መናእሰያት ከጓጥጡሎም ድሕሪ ምጅማር ትሒም ትሒም ኢሎም ኣታሃድማ ዕቡያት ጌሮም ከም ዚሃደሙ ሪእና፡፡ ብሓፈሻ ግን ኦርተዶክሳዊት ቤተክሪስቲያን ቁዱስ ሚካኤል ሮማ ግዝኣቶም ስለ ዚኮነት ድልየቶም እዮም ዝገብሩዋ። ካሊእ ይትረፍ ዝኮነ ኣገዳሲ ጉዳይ ናይ ህግደፍ እንተሎ ክሳብ ናይ ቅዳሴ ፖሮግራማት ከም ዝቅይሩ ይፍለጥ እቲ ህዝቢ ግን ኩሉ ግዜ ናብቲ ሉኡኻት ህግደፍ ዝኮኑ መራሕቲ ቤተክሪስቲያን መረሩኡ ይገልጽ እዩ፡፡
እዚ ኩሉ ፈተነ ካብ ዕለት 24/01/2010 እዮም ጀሚሮሞ፡ ህዝብና ግን ራሕሪሕዎም ምካድ ምስ ጀመረ ብዕለት 31/01/2010 ንህዝብና ብካልእ ሜላ እዮም መጸሞ፡ ምኽንያቱ ኣብቲ ዝሓለፈ ዉሑዳት ኣረጎዉቲ ጥራሕ ስለ ዚፈሮሙሎም ዳግማይ ከደናግሩሉ ዚኽእሉ ኣጋጣሚ ተረኽበ። ዕለት 31ጥሪ ኣስተሪእዮ ስለ ዚነበረ እቲ ጽምብል ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ሓተቲ ዑቕባ ዝድቁሱሉ እዩ ተኻይዱ። ሰብ መኣዲ ተቐሪቡ ጾሎት ምስ ተገብረ ሓደ መትከሉ ዘይፍለጥ ሰብ ቀደም ናይ ጀብሃ ነይረ ባሃላይ ማይክሮፎን ኣልዕል ኣቢሉ ስሙዑ በለ እዚ ንሃገርናን ንህዝብናን ተገሩ ዘሎ ማዕቀብ ንምቁዋም ንጀነብ ንኪድ ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ስለዚ እዞም ክትከዱ ዘይቲኽእሉ ፈርማኩም ኣቐምጡ ምስበለ ሪኢቶ ህዝቢ ከይተሰመዐ ኮራኩሮም ጻዕዳ ወረቐት ሒዞም ናብቶም መኣዲ ዚበሉዑ ዚነበሩ ወረር በሉ፡፡ ኣብኡ ዚተገብረ ሚስጢር እንተ ኔሩ፡ እቶም ኣጋይሽ ወይ መንእሰያት እንኾይኖም ኮይኖም ኣብ መንጎ እቶም ኣብደገ ዘእመንዎምን ወይ ዉን ኣሪግና ኢና እሞ ከምቲ ንሶም ዚፍክሩዎ ሬሳኽን ከማን ኣይኣቱን እዩ እንዳ በሉ ዘፈራርህወን ኣደታት ኣብ መንጎ መንጎ ብምግባር እሞ ሰብ ፈሪሙ እልካ ክትፍርም ዚዓይነቱ ሜላ ኣዋዲዶም።፡ ገለ ገለ ድያቆናት ገዲፍካ ግን ከበር ዝወሰደሎም ኣይነበረን፡ተመሊሱ ኣቦጋይላ ኮቦሮ ሕዛ ዚዓይነቱ ድማ ሃየዶ ፈሩሙ እንዳበለ ደጊሙ ጨደረ ከበር ግን ዚወሰደሉ ኣይነበረን፡፡
ድሕሪ እዚ ደገ ምስ ወጹ እቶም ዚፈረሙ ድያቆናት ከይተረፈ ንምታይ ደኣ ትፍርሙ ኣሎኩም ምስተበህሉ ስለ ሃገርና ኢልና ዝብል ዘረባታት ምስ ተሰምዐ፡ እቲ ጉዳይ በቶም ኣቡኡ ዚነበሩ መናእሰይ ምስተገለጸሎም “ፈርማና ሙለሱና” ኢሎም ሓተቱ። ኤምባሲ ወሲዱዎ ምስ በልዎም ገልታዕታዕ ተፈጢሩ ገለ ለባመት ግን ዳሓን እቲ ዘፈረሙኩም ስምን ፈርማን ስለ ዚኮነ ኦዲት ክገብርዋ ኣይኩእሉን እዮም። እንተደሊዮም እዉን ሃይለማሪኣም ወልደማሪያም እሎም ባዕሎም ኪፍርሙሉ ይኩእሉ እንዲዮም እዚ ግን incomplite form እዩ ምስበሎም ንጊዚኡ ረጊኦም። ዳግመ ዉደባ ብምግባር እቶም ከይፈለጡ ዚፈረሙ ናይ ጣዕሳ ምልክታ ብምልጣፍ ንሕና ከይፈለጥና ፈሪምና ስለዚ ዋለካ ዘይቡቁዕ እንተኾነ ነዚኦም ፌርማና ክንህብ ድልየት የብልናን ግን ነቶም መሳቱናን ብሓፈሻ ንህዝብናን ይቕረታ ንሓትት ዝብል ኔሩ፡፡ እቲ ሕቶ ግን ኣብ ቤተክሪስቲያን ኦተዶኩስ ደጊሙ ምስ ተላዕለ ኣካየድቲ ናይቲ ቤተክሪስቲያናትን ዳሓን ንኤምባሲ ሓቲትና እቲ ወረቀት ክንመልሶ ኢና ብትዕግስቲ ተጸበዩና ተባሂሉ እቲ ዕግርግርን ግን በዚ ኣይሃድአን፡፡ ብሓፈሻ ግን ብመንጽር እቲ ኣብ ሮማ ዝቅመጥ ኤርትራዊ ሪኢካ ዳርጋ 9% ዚከዉን ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ፈሪሙ ዘሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሰዓት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ነዞም መዳናገርቲ መን ምዃኖም ፈሊጡ ዝውግዘሉ ጊዜ በጺሑ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግን ዓገብ ክንብሎም እንደሊ ዘሎና መራሕቲ ቤተክሪስቲያን ቁ. ሚካኤል ኮምኡ ድማ ኣካየድቲ ተባሂልም ዝተመርጹ ሽማግለታት ቤተክሪስቲያናትን ኦርተዶክ ቁ.ሚካኤል ሮማ እዮም። ከመይሲ መንፈሳዊ ስራሕ ገዲፎም ኣብ ፖለቲካዊ ስራሕ ያኣትዉ ስለ ዘሎዉ፡፡ ንኣብነት ኣብ ካተሊክክካዊት ቤተክርስቲያን ሳንቶማስ እቶም ካብ ኤርትራ ዚመጹ ካህናት ዝላበዉን ዝጽሊዩዎን ኣሎ፡ ኣሕዋተየ ናብ እግዛኣቢሄር ንጸሊ ሎሚ መንእሰያት ኤርትራ ዝረኽብዎ ዘለዉ ስቓይ መዳርግቲ የቡሉን። ኣብ ፈቆዶ ባሕርን ሰሃራን ፈቆዶ እስሪቤታትን ሰብ ይመዉት ኣሎ፡ ግደሓቂ ኣይነጥፍእ ህዝብና ይዉዳእ ኣሎ፡፡ ከም ኣብዚ ዘመን እዚ ጥፍኣት ርኢና ዝጠፍእ ሪኢና ኣይንፈልጥን። ኣምላኽ ሃገርና ክባርከልና ጸሎትና ነዕርግ ወ.ዘ.ተ ዚብል ዘረባ ክስማዕ ኸሎ፡ ሓቂ ናይ ተፈጥሮ ሂያብ እያ ትብል፡፡ ካሊእ ካቡኡ ዘይፍለ ድማ ወነንቲ ባራት ንዓማዊሎም ቅድሚ እንታይ ክንሰማዓኩም ምባል ኤርትራዊ ዲኻ ኣብዚ ፈርም እንዳበሉ ክዘረቡ ንሪኢ ኣሎና። እዚ ዉን ዘይርዶኦም ደኣ ኮይኑ እምበር ዉሑዳት ገዲፍካ መንእሰይ ኤርትራ ኩሉ እቲ ሚስጢር ኣብ ልቡ ስለ ዘሎ በዞም ንኤርትራ እንታይነታ ክገልጽዋ ዘይኩእሉ ሰባት ክንዳነገር ኣይክእልን እዩ። እንተኮነ ግን ምስ ህዉታቲያ ካብ ምህዉታት እወ ሰሚዕናዮ ኣለና ኢሎም ሸለል ክብሉዎም ንሪኢ ኣሎና፡፡ አቦታትና ከም ዚምስልዋ ብዓንተቡኡ ባዕኻኽ ስኒ እንጣጢዕ ቁሒሙ ክስሕቀኒ ይብሉ! ኩሉ ዎዮ ኮይኑዋ እምበር ህዝብና ዉሽጡ ሑሩር ከም ዘሎ ዝገምገምዎ ኣይመስለናን፡፡ እዚ መንእሰይ እዚ ድማ ነቲ ኩሉ ግፍዒ ስርዓት ኢሰያስ ርእዩ ዚመጸ ሙዃኑ ዚዘንጉዑዎ ይመስለና፡ ህግድፋዉያን ማዓልትኩም ከም ዝቐረበ መርድእ ዘድሊዮኩም ኣይመስለናን ባዕልኩም ትርእዩዎ ስለ ዘለኹም፡፡ ዎዮ ደኣ ዕብዳን ቀዲምኩም እምበር ናትኩም ነገርሲ ንህዝብናስ ኣድጊስ ካብ ሙማታ ምጉታታ እዩ ኮይኑዎ ዘሎ፡፡ ፍትሕን ዴሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ!
ምቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ!!!!
ካብ ሮማ ዓዲ ጥልያን
ንዝተፈላለየ ሓበሬታ ደበሳይ ኪዳነ
ብቁጽሪ ቴሎፎን 00393887927085
ኢልኩም ክትረክቡና ትክእሉ፡፡