ዑዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ሮማ

Demoብተበግሶ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብ 19/02/2010 ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ ናቲ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብዕለት 23/12/2009 ብባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ እገዳ ኣብሊዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዉጺኢት ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ምእታዉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውዉያን ብኻልእ ሸነኹ ድማ ዘይ ቁዋማዊ ስራዓት ብምኻኑን ዝተወስደ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስጉምቲ ደገፍና ንምሃብን ኮሙኡ ድማ ኣብ ኤርትራ በቲ ስራዓት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ንምቁዋም ዝዓለመ እዩ፡፡

ከሙኡ ድማ ነቶም ካብ ሃገሮም ብግፊዒ ናይቲ ስራዓት መሪርዎም ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎ ህዝብና ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ዘጋጥሞ ዘሎ ሽግር፡ ማሕበረስብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሉ ዝጽዉዕ እዩ፡፡ ብሰፊሑ ጸብጻብ ናቲ ሰለማዊሰልፊ ኣብ ቀጻሊ ከነዉጸኦ ምዃና ድማ ክንሕብር ናፈቱ፡፡

ብምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራዉያን ንለዉጢ

ሮማ ኢጣሊያ

19/02/2010

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>