ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ትእዛዝ ዘመሓላለፈሉ ምኽንያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ 1991 ናጻ ካብ ትወጽእ ኣትሒዛ ሃገራዊ ምርጫ ኣካይዳ ስለዘይትፈልጥ፡ ህዝቢ በቲ ናይ ሱዳን ምርጫ ተዘኻኺሩ፡ ናይ ኤርትራ ሃገራዊ ምርጫ ደኣ ምዓስ እዩ ዝካየድ ዝብል ኣተሓሳስባ ከየሕድር መታን ዝወሰዶ ናይ ዕፈና ስጉምቲ ምዃኑ የረድኡ።
ድሕሪ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ፕረዚደንት ሱዳን በሽር ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፡ ኢሳይያስ ነቲ ምርጫ ንገለ ዓመታት ከናውሖ ተወኪሱዎ ከምዝነበረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ጠቒሰን ነይረን እየን።
ስርዓት ህግደፍ፡ ን19 ዓመት መመላእታ ኣብ ኤርትራ ምርጫ ከይካየድ ብምእጋድ ንኹሎም ‘ቶም ምርጫ ተገይሩ ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል ዝጠለቡ ኤርትራውያን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ከሕቅቖም ይርከብ ኣሎ። ንርእሱ ፈቲኑዎ ዘይፈልጥ ክንሱ ድማ፡ ኣብ ከም ብዓል ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝካየድ ምርጫታት ምንሻውን ብዘይፍትሓውነቱ ምቝጣዕን ኣመል ገይሩዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።