
እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።
እቲ ኣኼባ ብመጀመርታ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻኹም ቃል ምስ ተኸፍተ፣ ንተሳተፍቲን ዕዱማትን ናይቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኣጀንዳን ዝዝተየሎም ዛዕባታትን ተሓቢርዎም። ካልእ ‘ውን ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ብሓፈሻ ዝገልጽ፣ በጺሕዎ ዘሎ ብዓለማዊ ደረጃን ትሕዝቶ ዝሓቖፈ ብዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ዝተዳለወ ዝብተን ጽሑፋት ኣቐዲሙ ተዓዲሉ።
ቀጺሉ ዝቐረበ ፈለማ ሰፊሕ መብርሂ ብዛዕባ ሌላ ምስ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ብሓፈሻ፣ ምስ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘሎ ከኣ ብፍላይ ቀሪቡ። እቲ ዝቐረበ መብርሂ ኣብ ድሕረ ባይታ ኣመሰራርታን ሓፈሻዊ ዕላማታትን እቲ ምንቅስቓስ ኢዩ ኣብ መእተዊ ተዋሂቡ። ከም’ውን ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ምንቅስቓስ ሓፈሻዊ ቅርጻዊ ኣሰራርሓን፣ ኣብ ስኽተሎም ዝተፈላለዩ ኣገባባትን እስትራተጅታትን መግለጺ ሂቡ። ብተወሳኺ ከኣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እቲ ምንቅስቓስን ዝርጋሔኡን፣ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ንተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ካብ’ቲ ዝቐረበ መግለጺ ተሞርኪሶም ሕቶን ርእይቶን ክህቡ ዕድል ሂብዎም፣፣ ካብቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ብተሳተፍቲ መብዛሕትኡ ብመንእሰያት ገለ ‘ውን ብዓበይቲ ኣያታት ምሁራትን ኣብ ኣወዳድባን ኣፈታትሓ ግጭታትን ዘተኮሩ ነይሮም።
ብወገን ርእይቶታት ከኣ እቶም ተሳተፍቲ መንእሰያት እቲ ጉዳይ ናይ ሃገርን ምንቅስቓስ መንእሰያትን ናይ ኩላትና ጉዳይ ስለ ዝኾነ ኩላትና ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ኣብ ምውዳብን ምሕያልን እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ነቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ጥራይ ከይተጸበና ካብ ሕጂ ብግብሪ ኣበርቲዕና እጃምና ከነበርክት ይግባእ ኢሎም።
ብተወሳኺ ኣብ ዝሰዓቡ ክትዓትን ርእይቶታትን ኣዝዮም ሃነጽቲ ዝኾኑ ኣርእስታት ተላዒሎምን ብጽቡቕ መንፈስ ከኣ ብተሳተፍቲ እቲ ኣኼባ ተዘትይሎምን። እቲ ኣርእስታት ብቐንዱ ኣብ ተራንሓላፍነትን መንእሰያት፣ ነቲ ካብ ቃልሲ ንልውጢ፣ ዲሞክራሲያ መሰላቱን ምኽባር ግዝኣተ ሕጊ ኣብ ኤርትራን ርሒቑ ዘሎ ኣብ ስደት ዘሎ መንእሰይ፣ ሽግራቱ ብኣጋ ኣለሊኻ ብኸመይ ካብ መጋበርያ ጸላእቱ ዝኾኑ ህግደፍ ርሒቑ ንመንነቱን ጉዳይ ሃገርን ከም ዝቃለስ ምግባር። ኣብ መወዳእታ እቲ ክትዕ ኣብ ውዳበን ጎስጓስን ከም’ውን ኣብ ተሳታፍነት ክሕይልን ኣፍልጦ መንእሰያት ክዓቢ ከም ዘለዎን ስደት መንእሰያት መግለጺ ተቓውሞ ምዃኑን እቲ ፍታሕ ግን ብኣውራ ነቲ ብዙሕ ጸጋታት ዝውንን ቀላሲ ሕብረተ ሰብ ዝኾነ ደራኺ ናይ ለውጢ መንእሰይ ብምሉእ ተሳታፍነቱ ክረጋገጽን ኣብ ዝብል ነጥብታት ተሰማሚዕሎም።
ሽዑ ብወገን ዕዱማት ኣያታት ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ካብ ተሞክሮ ቃልሶም ዝተጠርየን ሓሳባት ለጊሶም። ብሓፈሻ እቲ ምንቅስቃስ ብመጀመርታ እቲ ቃልሲ ናይ ኣተሓሳስባ ጉዳይ ምዃኑ ኣሚኑ፣ ኣብ ጉዕዞ ቃልሱ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ተወፊዩ ክሰርሕ፣ ነቐፌታታት ክቕበልን ምዕቡልን ስልጡንን ዝኾነ ዲሞክራስያዊ ኣካይዳ ተኸቲሉ ንዘጋጥሙ ጸገማት ብተመሳሳሊ ኣገባብ ክፈትሕ ከም ዘለዎን ምዒዶም።
ኣብ ምዝዛም እቲ ኣኼባ እቲ መድረኽ ንዕዱማት ተሳተፍቲ ኢዩ ተዋሂቡ፣ ገለ ለበዋታት እንተለዎም። ካብቶም ዝቐረቡ ለበዋታት መንእሰያት ኣብ ከከባቢኦ ዝርከባ ናይ ኤርትራ ህዝባውያን ማሕበረሰባት (ኮሚኒቲታት) ከም ዝሳተፉ ምግባር። ምኽንያቱ ብመንገደን ኣቢሉ ኤርትራዊ ባህልን ልምድን ንንኡስ ወለዶ ንምስግጋር፣ ህዝቢን መንእሰያትን ነንሕድሕዶም ንምትሕግጋዝ፣ ሓድነት ህዝቢ ንምሕላውን ብፍላይ ከኣ ካብ ስልኳታትን ጽልዋታትን ህግድፍ ነጻ ዝኾነ ኮሚኒታት ንምህናጽን ኣበርቲዑ ክሰርሕ። ካልእ ካብቲ ብብዝሒ ዝደጋገም ዝነበረ ግን ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ ለበዋ፣ ብዛዕባ ናይ ዘተ ባይታ ምፍጣር ምእንቲ እቲ መቃለሲ ባይታ ስኢኑ ዘሎ መንእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሩን ህዝቡን ብሓፈሻ፣ ኣብ ናቱ ጉዳያት ከኣ ብፍላይ ባዕሉ ንባዕሉ ተራኺቡ ክዝትን ሓላፍነት ክወስድን እንኮላይ ነንሕድሕዱ ሌላን ምርድዳእን ክፈጥርን ክምስርትን። ከም’ውን እቲ ፋሕ ኢሉ ብግሊ ዲዩ ብንኡስ ጉጅለ ዝቃለስ ዘሎ መንእሰይ፣ ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ ኣሚኑ ብሓባር ተዋሃሂዱ ይሰርሕን።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ኣኼባ ብኣባላት ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ሓሊፉ፣-
1 ኣብ ውደባ ኣበርቲዑ ክሰርሕ፣ ሰብኣዊ ዓቕቡ ንምዕባይ
2 ኣብ ጎስጓስን መርበብ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ምልውዋጥን ነጢፉ ክሰርሕ
3 ምስ ካልኦት ኣካላት ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባትን ስቪካውያን ማሕበራትን ካልኦት ባእታታትን ብምትሕብባር ብሓፈሽኡ ኩሉ ሓፋሽ ዝሳተፎ መድረኻት ብምኽፋት መንእሰያት ዘለውዎ ንጥፈታት ምክያድ። ንኣብነት ሰላማዊ ሰልፍታት ምክያድ፣ ናይ ዘተ መኣዲ ምስ ምሁራትን ዓበይቲ ሓርበኛታትን ምፍጣር
4 ለውጢ ብሰናይ ድሌት ጥራይ ዘይኮነ ብተግባራዊ ስራሕ ዝተሰነየ ብምዃኑ ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ መደባት ሓንጺጹ መደባት ክሰርዕን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ሎንድን ከፊቱ ነቲ ንጥፈታቱ ከዋሃህድ ክጅምርን
5 ተሳትፎ መንእሰያት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋጽ ኣበርቲዑ ክሰርሕ
6 ብመንገዲ ተሳትፎ መንእሰያት ኣቢሉ ናይ ምስንዳእ ሽማግለ ብምቛም ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ጉባኤ ወይ ሓፈሻዊ ባይቶ ክጽውዕ
ብሓፈሻ ክግምገም ከሎ እቲ ኣኼባ ብጽቡቕ መንፈስ ብዓወት ኢዩ ተዛዚሙ። እቲ ኣኼባ ፍሉይ ካብ ዝገበሮ ነገራት ሓደ ብመጀመርታ ደቂ ኣንስትዮ ብምስታፈን፣ ብብዝሒ መንእሰያት ካብ ከተማታት በርሚንግሃም፣ ኮቨንትሪ፣ ሸፊልድ፣ ሊድስን ሎንደንን ካልኦት ከተማታትን ዝመጹ ዝተሳተፍዎ ብምንባሩ ብፍላይ ድማ ሓያሎ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ስቪካውያን ማሕበራት፣ ካብ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ዝነጥፉ ገዳይም ተቓለስትን ሰብ ሞያን ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣያታትን ተረኺቦም ብምንባሮም ዝያዳ ድምቀት ሂብዎ።
ራኢና ነጻን ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ኮይና ክትነብር ኢዩ!!
ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ