…ኣብዛ ሰንበት’ዚኣ ንኣዜብ ብዙሕ ነገራት በብታራ መስርዕ ሒዞም ተደራረብዋ። ሓንሳብ ኣብ ማእከል ድኽነትን ስእነትን ጅሆ ተታሒዛ መውጽኢ ከተናዲ ኣርፈደት። ጸኒሓ ከኣ ንዘይትዕውተሉ ምስ ክንነብር በሃልቲ ሰባት ተሓናኒቓ፡ ንህሉው ኩነታት ከተቃልዕን ከተረድእን ገጠመት።
ንገዝኣ ክትምለስ ክትብል ድማ፡ ኣብ ዘላገሰቶ ስፍራ ድምጺ ሰላምን ዕርቅን ምርጫን ብዓውታ ክዝረበሉ ሰምዐት። ነዚ ድሕሪ ምስምዓ፡ ተመስገንካ ፈጣሪ በዛ ጥዕምቲ ወረ’ዚኣ ዝወዳእካለይ እንዳበለት’ያ ንገዝኣ ጸይራታ ዝነቐለት። ኣዜብ፡ ምስጋና ንኣምላኻ እንዳኣብጽሐት’ኳ ጉዕዞኣ እንተቐጸለት፡ እቲ ዘጋጠማ ኩነታት ግና ኣብ ሓንጎላ እንዳተመላለሰ፡ ከምዚ ሕጂ ዝፍጸም ዘሎ ኮይኑ እንዳተራእያ፡ እግረ እግራ ከም ጽላሎታ ዘርክባ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓ።
ኩሉ ተሓዋዊሹ፡ ካብ ሓንጎላ ንዓ ኣልግስ እንተበለቶ ክኾነላ ስለዘይከኣለ፡ እቲ ኣእምሮኣ ንድሕሪት ጥራይ ክጉዓዝ ኣትዓባ። ልክዕ ከም ደም ዝጸምኡ ጠናጡ ሰስ ኢልካዮም ሽዑ ንሽዑ ንቕጽበት ተመላሊሶም ዝናኸሱ ዕርፍቲ ዘይህብ ኮይኑ፡ ሞኽ ኣበላ። ከም ጣናጡ ምምልላስ ዘይገድፍ ጉዕዞ!! ገድሊ መንብሮን ሓለትን!! እቲ ንመባእታዊ ድሌት ወዲ ሰብ ንምርዋይ ዝእቶ ቃልሲ ምንባር፡ ምስ ተረግታ ልብን ምስትንፋስ ሳንቡእን ዝዳረግ ኮይኑ ንሓንጎላ መኼዳ ገይርዎ ክጎዓዝ ወዓለ።
መዓልቱ ወጋሕታ ሰንበት ነበረ። ኣዜብ ቅዳሴ ከይሓልፋ ተብተብ እንዳበለት ንእንዳ ማርያም ኣንጊሃ’ያ ዝነቐለት። ብውሽጢ ልባ ኸኣ’ዚ ምድሪ ገና’ዩ ዝመስል ብኻ’ኳ ቁሩብ ምጸናሕኩ እንዳበለት ኣብቲ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን በጽሐት። ኮይኑ ግና ድሮ ኣዴታት ኣብቲ ኣፍደገ ተሰሪዔን ጸንሕኣ። ኣዜብ’ዚ ግዜ ዘምጽኦ ኣተሃላልዋ ስኡናት ኣዴታት ከም ንቡር መግለጺ ድኽነት ዝወሰደቶ’ያ ትመስል። ነፍሲወከፍ ዜጋ’ውን ነዚ ክውንነት’ዚ ይርእዮ’ሞ፡ ክርእዮ ዘይደሊ ሃዋሁው ኣብ ሕልንኡ ካብ ዝፈጥረሉ ነዊሕ ዓመታት ሓሊፉ’ዩ።
እዘን ኣዴታት’ዚአን ኣቐዲመን ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን ከይተኸፍተ’የን ኣብዚ ተረኺበን። ምኽንያቱ ኣብዚ ተዋፊረናሉ ዘለዋ ስራሕ፡ ኣብቲ ኣፍደገ ኣቐዲማ ዝተሰርዐት እግሪ ተዐዊታ ትውዕል። እተን ኣዴታት መስርዐን በብዝመጽኦ ሓንሳብ ምስሓዛ ንኸይብትንኦ ኣብ ሕድሕደን ውዕል ዝኣተዋ ይመስላ ነበራ። እቲ ዝፈጥርኦ መስመር ከኣ ተበቲኑ ኣይፈልጥን። ብስቕታን ህድኣትን ተዋሒጠን ርእሰን ኣድኒነን፡ ምድሪ ገለ ፍጠሪ ኣንዳበላ ዝጽልያ ይመስላ’ኳ እንተነበራ፡ ቤተ ክርስትያን ንኽሳለማ ወይ ቅዳሴ ንኸርክባ ኢለን ኣይመጻን። ንሳተን ንስጋአን ክሰርሓ ይደኽማ። ኣብዛ ዓለም ንኽቕንያ’ቲ ሕሱም መንብሮአን ንዕድመአን ተጻባኢ ኮይኑ ከሕጽሮ’ኳ እንተፈከረ “ጉዳይ ነፍስሲ ድሓን፡ ኣባጅጎ ኣፍደገ መንግስተ ሰማያት ንዓና ዘይከፈቶ ንመን ኢልዎ! ኪዱ ድኣ ንስኻትኩም ቅዳሴ ከይሓልፈኩም እዝጊኣብሄር ይሃብኩም!! እዝጊትነማርያም ትሓልኹም!! ኪዱ ቅዳሴ ኣርክቡ፡ ንሕና ግና ድሓን! ጽቡቕ መዓልቲ ኣውዒሉና መዓልታዊ እንጌራና ምስ ገበርና ድሕሪኡ ነርክበሉ። ብዓቢኡ ከኣ መሰል ምንባር ምስ ተረጋገጸልና ምሳኹም ተሓዊሽና ንነፍስና ንሰርሓላ። ስእነት ከሎ ግና ንመሰልካ ኣይትሰርሕ ንነፍስኻ!!” ክብላ ይስምዓ።
ሽሕኳ ክዳውንተን ቦጃለ ሞጃል ኮይኑ ንገለ ሸነኻት ኣካላተን በጃ እንተሃቦ፡ እቲ ጽርየተንን ጽፈተንን ከይደሃላ፡ ኣብ ኣፍደገ ቤትክርስትያን ሰንሰለት ፈጢረን ተዓኒደን ምውዓለን፡ ንጋሻ ኣደናጋሪ ክኸውን ይኽእል’ዩ። እንተኾነ ግና፡ ምሉእ ሰውነተን ብዝተፈላለየ መኣዝናት ሰሪዐን ንዝፈጥርኦ ቅርጽን ኣቃዋውማን፡ ካብኡ ዝፍጠር ወጅሃትን ሃዋሁውን ንዘስተብህል ኣእምሮ ምስሊ ጸገምን ሰሃሮን የንጸባርቕ። ከምኣተን ዝኣመሰላ ሰባት’ውን ኣብ ፈቐዶ ጎደናታት ተዘርጊሐን፡ ኣብ መናድቕን ኩርንዓት ጽርጊያታት ተጸጊዐን ወይ ተኾርምየን ይርኣያ’የን።
እታ ኢዳ ኣብ ምንጋግኣ ኣመርኩሳ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ ተኾርምያ፡ ራህውኣ ርሑቕ ሰፊሩ ከምዝጠፍኣ’ሞ ንዓ’ትብሎ ከምእትመስል፡ ከይረብረበት ምድርን ሰማይን ዝጣበቐሉ ስፍራ ምሉእ መዓልቲ ከተማዕዱ እትውዕል ዘላ ለማኒት ኣደ፡ መርኣያን መግለጽን ብልሹው ምምሕዳር ምዃና ዝጥፍኦ ዜጋ የለን። እዛ ሰብ’ዚኣ፡ ኣጻብዕታ ነቲ ዝተኸፍተ ኣፋ ዘመልክት ዘሎ’ኳ እንተመሰለ፡ ብምሉእ ኣእምሮኣ ኣብ ውቅያኖስ ሓሳብን ጭንቀትን ደኒኑ ብምጥሓሉ፡ ምስ ነብሳን ምስ ከቢብዋ ዝርከብ ሕብረተ ሰብን ኣብ ምጉት ከምዝኣተወት’ዩ ዝነግር። ቃላ ዘይስማዕ፡ ብኸብዳ ዝተኣስረት ዜጋ’ኳ እንተኾነት፡ ሓላፍ መገዲ ንሓንቲ ክልኢት ኣዒንቱ ተኺሉ እንተዘይጠመታ፡ ልቡ ኣብኣ ገጹ ንኸቕልብ ብማለት ነጸልኡ ኣይትጎትትን ካምችኡ ኣይትስሕብን።
እቲ ዜጋ ይፈልጥ’ዩ። ካብቲ ኩነታት ክሃድም ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኽዝርግሕ ግድነት ይኾኖ። ኣብዚ ምሃብን ምውሳድን ዝምስረት ዝምድና፡ እቲ ዝህብ ሽግር የቃልል ኣሎኹ ኢሉ ኢዱ ክዝርግሕ እንከሎ፡ እተን ለመንቲ ከኣ ሕፍረት ኣሰኪመን ከፋንውኦ ግድነት ይኾነን። ምኽንያቱ’ቲ ጠንቂ ሰብ ዝፈጠሮ’ዩ። በዚ ዝምድና’ዚ ኸኣ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ኣተን ለመንቲ ንጽብሒቱ’ውን ኣብቲ ኣፍደገ ቤተ ክርስትያን ክስርዓ’የን።
ኣዜብ ኣብቲ ደገሰላም ተሰሪዐን ዝነበራ ቀዳሞት ለመንቲ፡ ጥብጥብ ኣቢላ’ያ፡ ካብቲ ብሰንሰለት ስእነት ተኣሳሲሩ ዝነበረ መስርዕ ሰብ ብቑልጡፍ ህድማ ዝገበረት። እቲ መስርዕ ነዊሕ ነበረ። ዓመተ ዓመት ብዝሑ እንዳወሰኸ ስለዝኸደ፡ ካብቲ ቤተ መቕደሳት ሓሊፉ፡ ነቲ ጎደናታት ናይተን ከተማታት ከጥለቕልቖ ካብ ዝጅምር ሓጺር ግዜ ኣይኮነን። እቲ ቶኻባይ ነቲ ማእከል ወይ ድሕሪት’ቲ መስርዕ ዘይምድፋሩ፡ ካብ ፍርሒ ገጽ ንገጽ ኮንካ ምስቲ ጸገም ብምልኡ ምርእኣይ ወይ ንምግጣሙ ዝተበገሰ ይኹን ወይ ከኣ ካብቲ ሕጽረት ትሕዝቶ፡ ንምፍላጡ ኣሸጋሪ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ኩሉ ስኡን’ኳ እንተኾነ፡ ዘላቶ ተኻፊሉ ዝሓድር ህዝቢ’ዩ እንደበላ’ተን ለመንቲ’ውን ይነግራሉ’የን።
ዝኾነ ኾይኑ ግና፡ እቲ ዝቶኩብ ንብምልኡ ነቲ መስርዕ ክደፍሮ ኣይክእልን። ብዝያዳ’ኳ ድኣ፡ ካብተን ኣብ መጀመርያ ዝርከባ ኣደታት ክቶኩብ እንከሎ ንዝተመልከተ ሰብ፡ ልክዕ ኣጻብዕቱ ኣብ ጓህሪ ብሓደጋ ዝኣተዋ’ሞ ንቕጽበት መሽለጥ ኣቢሉ ብምውጻእ፡ ካብቲ ሓደጋ ፈንጠር ኢሉ ዝርሕቕ ይመስል። ስለዚ ንሱ’ውን ንባዕሉ ካብዚ ገምገምን ደንደስን ልማኖ ሓንቲ ስጉምቲ’ያ ተሪፋትኒ ዘላ ኢሉ ስለዝርዕድ፡ ኣብቲ መዓሙቕ ሸታሕ ከይብል እንዳተጣርዐ ብጥንቃቐ ክሃድም ይርአ። እዚ ኾይኑ’ቲ፡ ኣብዚ ስራሕ’ዚ ዝተዋፈራ ኣእጋር፡ እተን ኣብ መጀመርያ’ቲ መስርዕ ዝርከባ ኩሉግዜ ካብተን ማእከሎት ወይ ዳሕረዎት ንላዕሊ ረቢሐን ይውዕላ።
መሬት ኣብ ምርፋዱ፡ እተን ዳሕረዎት ነተን ቀዳሞት፡ “ኣትን! እዚአንስ ምሉእ ረፍዲ ኣርፊደናሉስ ኣይጸግባሉን ዲየን? ይኣኽለና መዓስ’የን ዝብላ?” እንዳበላ ይሓምይአን። እቲ ሕሜትተን ልክዕ ከም ሓዊ ኳረንቲ ሰንሰለቱ ተኸቲሉ ንቕጽበት ነተን ቀዳሞት ይበጽሐን። ንዓኣተን ስክፍታን ዒብን ይፈጥረለን’ሞ፡ እተን ቀዳሞት ክንጸንሕዶ ክንከይድ ኢለን ንግዜኡ ይማናትኣ። ኮይኑ ግና፡ እቲ ሕሜት ዝፈጠሮ ስክፍታ ደፋፊእወን ስፍርአን በብሓደ ንድሕሪአን ዘሎ ሰብ ይገድፋ። እዚ ንቡር ኮይኑ ዝተወስደ ባህርያት ስራሕ’ዚ’ኳ እንተኾነ ከየዕዘምዘማስ ስፍርአን ኣይለቃን። “ትም ኢለን እምበር ኣብቲ ጎደናታት’ኳ ይሓይሽ ይኸውን፡ ኣብዚ እንታይ ግዲ ረኺብናሉ’ና!” ዝብል ዘረባ ባህ ኣይበለን ደራብየን፡ ዝረኸብኦ ሸጓጒጠን ንቕድሚአን ክምእርራ ይብገሳ።
ቅዳሴ ምስ ተወድአ ኣዜብ ንገዝኣ ነቐለት። ካብቲ ቤተ ክርስትያን ክትወጽእ እንከላ፡ ኣብቲ መስርዕ ጠመተት’ሞ፡ እተን ዘንጠበትለን ኣብኡ ከምዘይነበራ ኮይኑ’ዩ ዝተሰምዓ። ምናልባት ብተደጋጋሚ ምምልላስ ካብ ዘጥረየቶ ተመኩሮ ምልላይ ተኣማሚና እንተዘይኮይኑ፡ እዚ መስርዕ’ዚ ኣብ ጭራኡ ይኹን ኣብ ርእሱ ወይ ከኣ ኣብ ማእከሉ ዝነበረ ሰብ ፈሊኻ ንኸተለሊ ኣጸጋሚ’ዩ።
ኣብዚ መስርዕ’ዚ ተሰሊፉ ዝርአ ነፍሳት፡ ፈጣሪ ፍሉይ መልክዑ ደምሲሱ፡ ልክዕ ከም ሓሰኻ ምድሪ ሓደ ዓይነት መልክዕ ክለብስ ዝፈረዶ ይመስል። እቲ በዚ እዚሰብዚ ዝተፈጥረ ሕሰምን ሰሃሮን’ውን እንተኾነ ስርሑ ኣይረስዐን። ንመልክዕ’ዘን ሰባት’ዚአን ብዘይ ንሕሰያ ንሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ከተለልየሉ ኣብ ዘይከኣል ደረጃ ኣብጺሕዎ’ዩ። ኮይኑ ግና ኣዜብ እንደገና ንምርግጋጽ’ላ፡ ብጎቦ ዓይና ገይራ ነቲ መስርዕ ጎዲሉ ዶ ኣይጎደለን ንምፍላጥ ሰሪቓ እንዳጠመተት ሓለፈት። እቲ መስርዕ ከኣ ነቕ ከም ዘይበለ ኮይኑ’ዩ ዝተረድኣ።
ኣዜብ ካብቲ ቤተ ክርስትያን ዕስራ ስጉምቲ ዝኸውን ምስ ተፈንተት፡ ኣብ መጨርሽታ’ቲ መስርዕ ዝነበረት ሓንቲ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ሰዓበታ። ሽም’ታ ሰበይቲ ድሃብ ይብሃል። ድሃብ ካብ ርሑቕ ክትርአ እንኮላ ኣብ እርጋና እተንቆልቁል ዝነበረት’ኳ እንተመሰለት፡ ብቐረባ ግና ዕድሜኣ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ንኽኣቱ ከም ዝቐረበ ይግመት። ኣብ መንብሮኣ፡ ጽዕነት ድኽነትን ጭንቀትን ካብ ግዜ ኣብ ግዜ እንዳተደራረበ ክብደቱ እንዳረዘና ስለዘርዘዛ፡ ንሰውነታ ኣዳኺሙ ምስ መሬት ከጣብቓ ዝገብሮ ተጽዕኖ ክትቃለሶ ተበለት ዝስዓራ ትመስል። ፈተንኣ ግና ኣይተቛርጽን። እዚ መዓልቲ’ዚ ሕብራዊ ሽፎን ተኸዲና፡ ኣብ ርእሳ ዝማሕምሐ ሻሽ ተጎልቢባ ጻዕዳ ነጸላ ኣበጀዲድ ተወንዚፋ’ያ ዝነበረት።
ክትጉዓዝ ከላ፡ እቲ ዝነፍስ ዝነበረ ንፋስ ልክዕ ከም ርእሱ ዝኸበዶ ሰዊት ግራት ማሸላ፡ ንጸጋመ ንየማን ንቕድሚት ንድሕሪት እንዳኣጋፍዐ ስለዘሸገራ፡ ደው’ላ ንኽትካላኸሎ ሓይሊ ሰኣነትሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ በቲ ዘጥረየቶ ጥበብ ክትጥቀም ተገደደት። ሰውነታ ብምሉኡ ነቲ ዝመጽእ ጸፍዒ ንፋስ መታን ኸይቃላዕ፡ ርእሳን ሕቖኣን እንዳኣድነነትን፡ ዝተረፈ ሰውነታ ኣብ ሓደ ከም ኩዑሶ እንዳጨበጠትን ክትስጉም ከላ ዝርኣያ ሰብ ግና፡ ሓደ ነገር ትሓብእ ዘላ ወይ ሰሪቓ ትሃድም ዘላ’ያ ትመስል ዝነበረት። ኣዜብ ግና፡ እቲ ኹሉ ድሃብ እትገብሮ ዝነበረት ጻዕሪ፡ ካብኣ ከይተረፈት እግረ እግራ ንምስዓብ ከም ዝነበረ ኾይኑ ተሰምዓ።
እተን ሰምሰም ዝብላ ኣዒንቲ ድሃብ፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ጨሪሸን ተኸዲነን ምኽፋት ይኣብይኣ’ሞ፡ ኣዒንተይ’ምበር ክጠልማኒ ደልየን እንዳበለት ንሰማይ ምስ እትጥምት፡ ብሃንደበት ሽፋነን ቀሊዐን ውልዕ ኢለን ኣለኹ የብላ። ድሃብ ነዚ፡ ተኣምራታዊ ስራሕን ጸጋን እግዚኣብሄር’ላ እትኣምነሉ መስርሕ’ዩ። ኮይኑ ኸኣ፡ ኣዚ ጭልምልምን ውልዕ ጥፍእን ኣዒንታ ይኹን’ቲ ጸጸኒሑ ዝመጽእ ሃንደበታዊ ድፍኢት ንፋስ፡ ነቲ ቅልጣፈ ስጉምታ ክገትኦ ኣይክእልን ነበረ።
ገጽ ድሃብ ልክዕ ከም ክንክን ዝሰኣነ መሬት ምምሳሉ፡ በጃ ነዊሕ ዓመታት ድኽነት ኾይኑ ስለዝሰልከየ’ዩ። እቲ ገጻ፡ ነቲ ብንፋስን ብውሕጅን ተባሕጉጉ ዝተበልዐን ዝተሸራረፈን መሬት’ሞ፡ ንሓዋሩ ሩባታትን ሽንጭሮታትን ፈጢሩ መልክዑ ዝቐየረ ጉሁይ ምድሪ ይመስል። እቲ ኹሉ ሰብ- ፈጠር ኣበሳ፡ ኣብ ገጻ በብዝመጾ ዕለት ንምስክር ስምብራትን ማዳን እንዳገደፈ ይሓልፍ። እዚ ስምብራት’ዚ፡ ነቲ ጭዋዳታት ገጻ ብምዝንባል ዝፈጠሮ ሓላፍ ዘላፍን ጥውጥዋይን መወዳእታ ዘይብሉ ዕጥርጣርን ሕንጻጻትን፡ ከም ጽሕፈት መሲሉ፡ ታሪኽ ሂወታ ኣብ ገጻ ክንበብ ይከኣል…
ካልኣይ ክፋል
…ድሃብ ንኣዜብ ኣብ ጥቕኣ ምስ ቀረበት፡ ሓንሳብ ሓንሳብ ጎድኒ ንጎድኒ፡ መንገዲ እንዳ ጸበበ ክኸይድ ከሎ ኸኣ ድሕርን ቅድምን ኮይነን ተጓዕዛ። ብኸምዚ ዓይነት እንዳሰጎማ፡ ኣብ ሞንጎአን ሕፍረትን ውርደትን ከም ተንቀሳቓሲ ሓጹር ዶብ ፈጢሩ ከምዝኸልከለን፡ ሰላም እዝጊ ክብሃሃላ ኣይከኣላን። ድሃብ ምስ ኣዜብ ብሃንደበት ዓይኒ ንዓይኒ ምስ ተጋጣጠማ፡ ፍሽኽትኣ ነቲ ሕሰም ዝበድሆ ገጻ ፈገግታ ክውፍየሉ ይፍትን’ሞ፡ ልክዕ ከምቲ ኣዒንተን ንቕጽበት ተረኣእዩ ዝከዋወል፡ እቲ ፈገግታ ድሃብ ከኣ ንቕሩብ ግዜ ከየድለወ ይጠፍእ ነበረ።
ካብዚ ጉዕዞ’ዚ’ቲ ቀንዲ ኣዜብ ዝተመዝገበቶ እንተነበረ፡ ድሃብ በይና ትዛረብ ምንባራ’ዩ። ዘረብኣ ብትርጉም ክህብ ዘይክእል ሃተፍተፍን ዓጀውጀውን ዝተሓዋወሰ ኮይኑ፡ ካብ ርሑቕ ኸኣ ተነጺሩ ዘይስማዕ ግና ብቃና ጭንቀትን ጸጸኒሑ ኸኣ ብምጭዳርን ዝተዓብለለ ነበረ። ኣዜብ ሽሕኳ ቁምነገር ከተውጽኣሉ እንተጽዓረት፡ ኣይከኣለትን። “መጀመርያ ምሒር ስእነትን ሕማቕ ሓለትን ኣብ ጽላለ ግዲ ከድህብላ ደልዩ ዝብል ጥርጣረ ሓደራ። ቁሩብ ጸኒሓ ኸኣ፡ ሽግራ ይኸውን ዘዛርባ ዘሎ። እዛ ሰበይቲ ኣብ መወዳእታ መስርዕ’ያ ነይራ፡ ምናልባት ዋላ ሓንቲ ዘይረኸበት ትኸውን። እንታይ ድማ ሎሚ ሰብ በይኑ እንዳተዛረበ ተኸደ ደይ ከም ንቡር’ዩ ተወሲዱ ዘሎ። ደይ ኩሉ ጽሉል ተሰሪሑ’ዩ ዘሎ፡ መን ከ ኣሎ ጥዑይ?” እንዳበለት፡ ነፍሳ ነቲ ኩነታት ድሃብ ንቡር ገይሩ ንኽወስዶ መድዓዓሲ ብምንዳይ ከተላማምዶ ትፍትን ነበረት።
ኣብ መጨረሽታ ግና ኣዜብ ሓሳባ ቐይራ፡ “ቀሪበ ኸ ዘይሰምዓ” ኢላ ስጉምታ ኣዛሕተለት። ኩሉ ዝመጻ ሓሳባት ከምትርስዖ ገይራ ከኣ ምሉእ ኣእምሮኣ ኣብቲ ድሃብ ተህተፍትፎ ዝነበረት ዘረባ ኣድሂቡ፡ እንታይ ምዃኑ ንኽትፈልጥ ኣእዛና ጸለወት። ድሃብ ከኣ ኣርከበታ። ኣዜብን ድሃብን ጎድኒ ንጎድኒ ተመዓራርየን እንዳተጓዕዛ፡ ኣዜብ ንድሃብ ከምዚ እንዳበለት ኽትጭድር ሰምዓታ፡ “እኖመልኪ! እኖመልኪ! ውሰድዮም! ውሰድዮም! ካብ ሰለስቲኦም ሓዲኦም ድላይኪ መሪጽኪ ውሰዲ። ዋላ ንሰለስቲኦም! ውሰድዮም! እኖመልኪ! ጥራይ መግብዮም፡ ጥራይ መግብዮም!!” ኢላ ዓጀውጀው ዘይብሉ’ያ ኣነጺራ ትጭድር ዝነበረት።
ድሃብ፡ ኣብ ኣዜብ ጥርዓና ተቕርብ ዝነበረት’ኳ እንተመሰለት፡ ነቲ ጥርዓና መልሲ ክውሃባ ኣይተጸበየትን። ድሃብን ኣዜብን ኣብ ቃራና መንገዲ ምስ በጽሓ ነንበይነን መመገደን ሓዛ። ኮይኑ ግና፡ ኣዜብ’ቲ ድምጺ ደሃብ ካብ እዝና ክወጽእ ስለዘይከኣለ፡ ብኣካል ኣብቲ ጎድና ዘላ ኮይኑ ተሰምዓ። ኣነ ንኣእምሮይ ድየ ዝሰምዕ ዘለኹ ዋላስ ነዘን ሰበይቲ እንዳበለት ከኣ፡ ንምርግጋጽ ክትብል፡ ኣብ ደቓይቕ ዘይኣክል ግዜ ኣብ ኩሉ መኣዝን ጸጸኒሓ ቀልባዕባዕ ክትብል ጀመረት። ድሃብ ግና ነቲ ቃራና መንገዲ ሒዛ፡ ድሮ ንቑርብ ስጉምትታት ዝኸውን ርሕቀት ተፈለየታ….
…ካብቶም ዝሰምዕዋ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንገዲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ካብ ኣሜሪካ ዝመጸት፡ ኩነታት ኣዜብ ስለዘደንጸዋ እንታይ ከምዝኾነት ዘይሓታ እንዳበለት ኣብኣ ገጻ ቐሪባ፡ “ኣነ ኣስቴር ይብሃል። ንስኽን ከ መን ትብሃላ?” ብማለት መላለይ ሕቶ ኣቕረበት። ኣዜብ ግርህ ኢላ ሽማ ክትህባ ኣይደለየትን። “ንሳ ባዕላ ትፈልጥ፡ እንታይ ደልያቶ’ያ ድኣ ኸ ሽመይ ትሓተኒ!” ዝብል ዘይኮነ ሕማቕ ዘመን ዝወለዶ መንፈስ ጥርጣረ አሕዲራ፡ ንሓጺር እዋን ሰጋእ በለት’ሞ፡ ብስላሕታ “ሽመይ ዶ!!” ኢላ ሽማ ከም ዝጠፍኣ ድሕሪ ዝን ምባላ፡ ብሃንደበት “ኣዜብ! ይብሃል፡ እወ!! ኣዜብ!” ክትብል ከም ምስጢር ኣምለቖትላ። “እንታይ ኢልክዮ ድኣ ኢኺ፡ ሽመይከ?” እንዳበለት ከኣ፡ ኣዒንታ ንመልክዕን ቁመናን ጾግርን ኣስቴር ይኾልል ነበረ።
ንኣዜብ፡ ምልላይ ምስ ኣስቴር ልክዕ ንጭንቀታ ዘብሪ ኩነታት ንኽፈጥር ኢሉ’ዩ ዱብ ዝበላ። ምኽንያቱ ኣዜብ ንኣስቴር ምስ ረኣየት፡ ኩሉ ኩነታታ ረሲዓ ንቑሩብ ደቓይቕ ፈዘዘት። እቲ ኣብ ሓንጎላ ኾይኑ ዝርብሻ ዝነበረ ተገፊፉ እንዳወጸ ንኻልእ ስፍራ ዝህብ ዘሎ ኮይኑ ተሰምዓ። ብሓጺሩ ኣብዘን ደቓይቕ’ዚአን ኣብ ካልእ ዓለም ኣተወት። ኣዜብ ንኣስቴር ቅድሚ ሰላምትኣን ሽማን ምቕባላ ኣብ መልክዕን ቁመናን ኣስቴር ኣድሂባ ንፍርቂ ደቒቕ ዝኸውን ትንፋሳ ሓብአት። መልክዕ ኣስቴር ኣዕበድበዳ፡ ሃተፍተፍ’ውን ኣእተወላ። ኣብዘን ቁሩብ ደቓይቕ’ዚአን ከኣ፡ ንብምልኡ ሰውነታ ብዓይና እንዳኾለለት እንከላ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ብውሽጣ ከምዚ ትብል ነበረት።
“እንታይ ዝበለ ጉብዝና! እንታይ ዝበለ ጣዕሚ! ለምዒ ኣብ ማእከል ምድረበዳ! ሃብቲ ኣብ ማእከል ድኽነት! ቁመናኣ ይኹን ቅርጻ፡ ሰብኡት ኣስዲዑ ኣብ ምድሪ ንኸንፈፍዉ ዝተሰሪዐ’ዩ። መን ከ ክደፍሮ እቲ ግርምኣ፡ እቲ ጾግራ?… ኣብ ዓራት ወዲቕኪ ትባላሸዊ ዘይትመስሊ፡ ካብ ሰማይ ድዩ ኣንጢቡኪ ዋላስ ኣብ ምድሪ ፈጢሩኪ። ሓለንጋይ ቅርጺ፡ መሓውራ ዓጋዜን ክሳዳ ሰገን፡ ኣብኣ ኸላ ኣራዊት በረኻ። እዚኣስ፡ እንታይ ዘይተዓደላ!!”
ከምዚ እንዳበለት ብውሽጣ፡ ግልብጥ’ላ ኸኣ ንመልክዓን ንቕርጻን ምስ ኣስቴር ኣብ ውድድር ከተእትዋ ክትብል፡ ኣብ ኣስቴር ክህሉ ዝኽእል እንከን ወይ ጉድለት ሃሰስ ክትብል ፈተነት። ኣስቴር ጉድለት ዘይብላ’ኳ እንተዘይነበረት፡ ንኣዜብ ክርኣያ ኣይከኣለን። በቲ ዝገበረቶ ጻዕሪ ኸኣ ዝደለየቶ ክትረክብ ስለዘይከኣለት ቀቢጻ ገደፈቶ። ብስምዒት ቅንኣት ተላዕጢጣ ድማ፡ “እዚኣ!! እቲ ኹሉ እንደልዮ ጽቡቕ ነገራት ኣብ ሓደ ይኹን ዓድኻ ተባሂሉ ከምዝተፈርደ፡ ኣምላኽ ኩሉ እቲ ዝድለ ጠርኒፉ ኣብዛ ሰብ’ዚኣ ጥራይ ኣቕኒዑዎ’ዩ። እንታይ ይገበር!” ብማለት ሓጺር ጉዕዞኣ ደምደመት።
ልክዕ’ዩ ድማ፡ ኣዜብ ንበይና ንዉሑዳት ደቓይቕ እተጓዕዘቶ ጉዕዞ ንመንፈሳ መለሳ ገበረላ። ፍስሃ ንጭንቀታ መብረ ሃበ። ኩነታት ድሃብ ዘምጽኣላ ጭንቀት ንቑሩብ ግዜ ከረሳስዓ ከኣለ። እዚ ዕረፍቲ’ዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣጻምእ ምድረበዳ ምሉእ መዓልቲ ክጎዓዝ ዝወዓለ እግሪ’ሞ ኣብ ለምለም ሩባታት ዓዳይ ምስ በጽሐ፡ ማይ ረኺቡ ዘዕርፍን ዘጽልልን ክቁጸር ይከኣል። ዝፈልዮ ነገር እንተሎ፡ ዕርፍቲ ኣዜብ ንሓጺር ደቓይቕ ብምዃኑ’ዩ። ነቲ ዘዕረፈ እግሪ ቅሩብ ደቓይቕ ከይመልአ ሕጂ ተስእ!! ተበገስ!! ካልእ ምድረበዳ ክትቆርጾ ይጽበየካ’ሎ ከም ምባል ይኸውን። ስለዚ፡ ኣዜብ ኣብቲ ሽግር ክትምለስ ግድነት ኮነ። እታ ወጻእተኛ ሕቶኣ ከተቕርበላ ትዳሎ’ያ ዝነበረት። ሕቶኣ ድማ ንኣዜብ ኣብቲ ርግጽነት ክመልሳ፡ ከምዚ ክትብል ኣቕረበትላ።
“ኣነስ በይንኽን ትዛረባ ኣለኽን ኢለ’የ። ብድሓንክን ዲኽን?” ክትብል ሽዑ ንሽዑ ኣጥብቕ ኣቢላ ክትሓታ’ኳ እንተደለየት ልባ ኣብ ካልእ ከምዝዘንግዐ ብምርዳእ፡ ቁሩብ ጽንሕ’ላ ነታ ሕቶኣ ደርበየታ። ኣዜብ ካብቲ ንበይና ኾይና ኣብ ልዕሊ ኣስቴር እትገብሮ ዝነበረት ኣቓልቦን ገምጋምን መሸሽ’ላ ወጸት። እቲ ዝረኸበቶ መንፈሳዊ ዕርፍቲ ካብቲ ዘጋጠማ ጭንቀት ወጺኣ ኣብ ልባ ከምእትምለስ ገይሩዋ’ዩ። በይና ከም እትዛረብ ዝነበረት’ውን ኣይተፈለጣን።
ስለዚ ንኣስቴር፡ “በይነይ እንተድኣ ዝዛረብ ነይረ ኾይነ ሽግር’ተን ሰበይቲ ዓቕለይ ስለዘጽበበለይ ይኸውን። ኣነ ሽግርን ስእነትን ክርኢ የስካሕክሓኒ’ዩ። ቦቕባቕ ከብዲ ሂቡኒ ዓቕለይ የጽብበለይ። ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።” ኢላ መለሰትላ። ኣስቴር፡ ኣየነይቲ ሰበይቲ ክትብል ሓተተታ። ኣዜብ ከኣ፡ “ሕጅስ ርሒቓ ትኸውን” ኢላ ኣምዕደወት’ሞ ንድሃብ ረኣየታ። ኣዜብ ንድሃብ ጸዊዓ ከምእተርክበላ ፈለጠት። ዝሰምዓቶ ዘይብላ ክነሳ፡ እዛ ሰበይቲ ንድሃብ ክትሕግዛ ከምዝደለየት፡ ኣዜብ ከም ትሑዝ ገይራ ወሰደቶ። “እሞ ክጽውዓ ዶ? ክጽውዓ ዶ?” ኢላ ሓቲታ ከተብቅዕ፡ መልሲ ካብ ኣስቴር ከይረኸበት፡ “ጽንሒ በሊ! ጽንሒ በሊ!” እንዳበለት ብኣመና ህሩፍ ድልየት ተሃንዲዳ፡ ድሮ ከይተፈለጣ ጉያ ኣብ ድሃብ ገጹ መለቛ። ኣዜብ ጎየየት።
ካብ ኣስቴር ሓያለይ ተፈንቲታ “ኣትን ሰበይቲ! ኣትን ሰበይቲ!” እንዳበለት ንድሃብ እንዳተዳህየት ቀረበታ’ሞ፡ ድሃብ ከኣ ንዕኣ ከምዝኾነት ፈሊጣ፡ ኣብ ኣዜብ ገጻ ኣቕኒዓ ደው በለት። ኣዜብ ንድሃብ፡ ብጀካ “ንዓናይ ሓንቲ ሰበይቲ ይደልያኽን ኣለዋ።” ዝብላ ቃላት ካልእ ኣየውጽአትላን። ድሃብ’ውን ብወገና ንምንታይ ኢላ ኣይሓተተትን። እቲ ጉዳይ ርዱእ’ዩ። እቲ ኹሉ ዝፍጠር ዝነበረ ዝምድና ብዒብን ብሕፍረትን ዝተጠቕለለ ስለዝኾነ ዘረባ ይኹን ዕላል ወይ ሕቶ ኣይጠልብን። እቲ ዝምድና መግለጺ ዘየድልዮ እንካን ሃባን ፍጻሜ’ዩ። ኮይኑ ድማ፡ ኣዜብ ንድሃብ ንዕናይ ምስ በለታ፡ ኣዜብ እንዳመርሐት ድሃብ ከኣ ደድሕሪኣ እንዳሰዓበት፡ ኣብ ሕድ ሕደን ዘረባ ከይከፈታ ይጎዓዛ ነበራ…
…ኣዜብ ንድሃብ፡ ልክዕ ከም ንመሸጣ ዘምጽኣትላ በጊዕ’ያ ጎቲታ ንኣስቴር ዝቐረበትላ። እቲ ኩላተን ዝተዋስእኦ ድራማዊ ዝምድናታት፡ ኣብዚ ከም ዘዕርፍን ከምዝዕጾን ኩላተን ይፈልጣ። ብዘይ ዘረባ ኸኣ ተፈጸመ። ኣስቴር ብወገና ወዲኣቶ ጸኒሓተን። ድሃብ’ውን በተን ኣልፋን ኦመጋን ዝኾና ክልተ ቅዱሳት ቃላት ክትድምድሞ’ያ። ኣስቴር፡ እተን ኣብ ኢዳ ዝዓሞኸተን 200 ናቕፋ ንድሃብ ተኾበትላ። ድሃብ ከኣ፡ “እግዚኣብሄር ይሃብክን“ ዝብላ ቃላት ኣራጊፋ፡ ከየድለወት’ያ ጸው ዝበለት።
ኣብ ሞንጎ ተዃባይን ለማናይን፡ ዘየዛርብ!! ዘየተዓልል!! መንደቕ ኣባጅጎ ከምዘቐመጠ፡ እዘን ኣንስቲ’ዚኣተን እዚ ኹሉ ምንቅስቓስ ገይረን ከብቅዓ፡ ንድሃብ ሽማ’ኳ ክሓትኣ ኣይተበገሳን። እቲ ብውርደትን ብሕፍረትን ዝሰልከየ ክውንነት ድሃብ፡ ከም ተላጋቢ ሕማም ኮይኑ ከይሓልፈን ዝፈርሓ ክመስላ፡ ክልቲአን ደው ኢለን ርሕቀተን ሓልየን፡ ከም ምስሊ ደረቓ። ካብ ዘለውኦ ከይተቀሳቐሳ ኸኣ፡ ንድሃብ ነቲ ጽርጊያ ብታህዋኽ እንዳ ሰጎመት ከም ወረቐት ክትጥቕልሎ ኸላ ብዘርኣየቶ ሓይልን ቅልጣፈን ተደኒቐን፡ ካብ ኣዒንተን ክሳብ ትኽወል የማዕድዉኣ ነበራ። ድሃብ ካብ ኣዒንተን ምስ ተሸርበት ከኣ፡ ፈኹስወን ኣስተንፈሳ።
ከምዚ ገይሩ ክፈኹሰን ከሎ ግና፡ ሽዑ ንሽዑ ዝጠፍእ ቀጻልነት ዘይነበሮ ቅሳነት ኮነ። እዚ ቅሳነት’ዚ መበገሲኡ’ውን እንተኾነ፡ ባዕላዊ ሽግረን ንግዜኡ ሰለዘራገፋ ጥራይ’ዩ ዝነበረ። እቲ ዘጋጠመን ሽግር ድሃብ መፍትሒኡ ወፊናሉ’ና ካብ ዝብል ሓሳባት ዝነቐለ ክኸውን ኣይክእልን። ከምኡ’ውን፡ እቲ ሽግር ድሃብ ዘምጽኣቶ’ዩ፡ ሕጂ ኸኣ ተሰኪማቶ ካብ ዓይንና ምስኣ ጠፊኡ’ዩ፡ ከይብላ ኸኣ’ቲ ኣብ ጥቓአን ዘሎ ነቕ ዘይብል መስርዕ ይኹን’ቲ ኣብ ፈቕዶ ጽርጊያታት ተዘርጊሑ ዝርከብ ስኡን ምዝኽኻሩ ኣይገድፍን። ሽግረን፡ ብብዙሓት ስኡናት ዝተኸባ ካብቶም ቁሩባት ርኹባት ካብ ምዃነን ይብገስ። እቲ ቅሳነተን ከኣ፡ ሃብቲ ኣብ ከባቢ ድኽነት ፈርዩ ወይ ከኣ ፍጹም ነጻነት ብሓለንጊ ጭቆና ተማእኪሉ ዘምጽኦ ግዜያዊ ቅሳነት’ዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ትኳብኣን ክህባ ኸለዋ፡ ኣብታ ግዜ’ቲኣ ኩሉ ዝረኸበ ኾይኑ ስለዝስምዐን፡ ከም መድሃኒት ቃንዛ ግዜያዊ ዕርፍቲ ይህበን’ሞ፡ ንሓጺር እዋን ከምዝፈኾሰን ኮይኑ ይስምዐን ነበረ።
ኮይኑ ግና ነዊሕ ከየድለወ፡ እቲ ፈውሲ ምስራሕ ኣብዩ ቅልውላው ሕልና ደበኽ በለ። ስምዒተንን ቃንዝአንን ሓንቲ ስጉምቲ ፍሕት ከይበላ ተመልሰን። ኣስቴር ንድሃብ ክትህባ ኣንከላ ዝርኣያ ስኡናት፡ ሽዑ ንሽዑ‘የን ከኽብብኣ ዝተጓየያ። “ንዓናይ!! ለቕሚ በዛ ሸነኽ‘ዚኣ ተራእያ ኣላ!” እንዳበላ ተነጋገራ። ኣዜብ ርኣየተን። ኣብኣተን ገጸን ከም ዘምርሓ ዘለዋ ከኣ ኣረጋገጸት። ንኣስቴር ክኣ፡ “ይመጻና ኣለዋ! ኣብዚኣ ኣኽቢበን ድራር ደቅና ክብላኺ‘የን። ከምኡ‘የን ዝገብራ። ንዕናይ ነልግስ ካብዚ!” እንዳበለት ክትውጥጣ ፈተነት። ኣስቴር ኣይተገደሰትላን፡ “ነተን ኣንስቲ ድኺ? ንሳተን ድኣ ለመንቲ ዘይመስላ!” ክትብል መለሰትላ።
“ኣይፋልክን ኣስቴር! ኣይፋልክን! ለመንቲ‘የን። ንድሃብ ክትቶኽቢ ከሎኺ ሪአናኺ ኣለዋ። ሕብእ ኣቢልካ እኮ‘ዩ ዝትኮብ‘ምበር፡ ንመን ሂብካ ክትውድኦ! ምዃን ንስኺ ወሪዱኪ ከመይ ጌርኪ ክትፈልጥየን። ስእነት ከም ተላጋባይ ሕማም ኮይኑ፡ መን ለማናይ መን ስኡን ክትፈልጠሉ ዘይትኽእል እዋን ኣትዩ። ድኽነት ገርጊሩ፡ ኩሉ በተኽ ኮይኑ ኣስቴር!! ንዕናይ ድኣ ዝኣኽለኪ ጌርኪ’ኺ። ንዕናይ ካብዚ ንርሓቕ! ንኺድ! ንኺድ! ተርኪበናና ድማ ማርያም ትሃብክን በልየን።” ኢላ ንኣስቴር ካብቲ ስፍራ ኣልቀቐታ። እተን ለመንቲ፡ ንብዓል ኣስቴር ኣትሃድማ ዕቡያት ገይረን ክርሕቃ ርኣይአን’ሞ፡ ልክዕ ከም ንማንቲለ ከርክባ ዘይከኣለ ሃዳናይ ከልቢ ኾይነን፡ ዝነበርኦ ስፍራ ከይውሰደን ተመልሳ…