ኣመሪካን ካናዳን ነቶም ካብ ኤርትራ ብምምጻእ ፈስቲቫላት ህግደፍ ዘዳምቑ ዝነበሩ ደረፍትን ሙዚቀኛታት መእተዊ ቪዛ ስለዝኸልከላኦም፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣኻኽIቦም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ መዲቦሞ ዘለዉ ፈስቲቫል ክጽግኑዎ ሸበድበድ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ገለ ደረፍቲ፡ ነቲ ጻውዒት ብምንጻግ መሳርሒ ስርዓት ህግደፍ ክኾኑ ቅሩባት ከምዘይኮኑ ብእምቢታ ገሊጾም ኣለዉ። ደረፍቲ ከይሓዙ መዓልቲ ዝኣተዎም ወከልቲ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ናይ ዓቕሊ ጽበት ከም ደረፍቲ ጸብጺቦሞም ንዘይፈልጡ ስነጥበበኛታት ሎሚ ብምዝካር ይልምኑዎም ኣለዉ።
ፈስቲቫላት ስርዓት ህግደፍ ባህላውን ሃገራውን ውራይ ምዃኑ ተሪፉ፡ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳን መዋህለሊ ገንዘብን ናይቲ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ውልቀምልካዊ ስርዓት ካብ ዝኸውን ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ዝዋስኡ ድረፍትን ሙዚቀኛታትን ከኣ ማዕሪኡ ብህዝቢ ከም ምእዙዛት መሳርሒ ናይቲ ስርዓት እዮም ዝጽብጸቡ ዘለዉ።