ስደት፡ ትማልን ሎምን – – ሓንቲ ዓለም – ብኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም ካብ ኤርትራ ተሰዲድካ ምውጻእ ብዙሕ ደስ ዘብል ስምዒት ኣይህብን፡ ጽቡቕ ተመክሮ’ውን  ኣይኮነን። ኣነ ኣብ ህይወተይ ንመጀመርታ ግዜ ካብ ኤርትራ ዝወጻእኩሉ (ኣብ 60ታት) እዋን፡ ተመሃራይ እየ ነይረ። ትምህርቲ ንምቕጻል ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ።


ኣብቲ ግዜ’ቲ ሽሕኳ ኤርትራ ክፋል ኢትዮጵያ እንተ ነበረት፡ ንዓይ ግን ከም ናብ ወጻኢ ሃገር ዝገሽኩ ኮይኑ ኢዩ እተሰመዓኒ። ዘይፈልጦ (ወይ ዘይመልኮ) ቋንቋ፡ ዘየዕበየኒ ልማዳት፡ ትዕግስቲ ዘጸንቅቕ ገልጠምጠምን ጫውጫውታን፡ ንስነ-ምግባር ዚፈታተን መስተን ምንዝርናን…..ኣብ ኩሉ ድማ ንዕቀትን ትምክሕትን ኣምሓራ።

ካብ ኣስመራ፡ ኣውቶቡስ ሳታየ ተሰቒልና ጌና ናብ ኣዲስ ኣበባ እትው ምስ በልና፡ ንዓመታ ብኣየነይቲ ኣውቶቡስ (ብኤርትራዊት ሳታየ’ዶ ወይስ ብናይ ኢትዮጵያ ወሎ-ፈረስ?) ኢኻ ንኣስመራ እትምለስ ንበሃሃል ኔርና። ኩሉ ኤርትራዊ ንዓዱ ኪምለስ ይህወኽ ነይሩ። ብሓጺሩ ካብ ዓዱ ኪወጽእ ዝደሊ ኤርትራዊ ኣይነበረን።

እተን ኣውቶቡሳት ካብ ኣስመራ ተላዒለን ከም እራብ እናዘለላን ከም ፈረስ እናጋለባን ኢየን ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዋና ነይረን። ሳታየ ክትቅድም እምበር ክትቅደም ኣይንደልን ኔርና። ሓደ እዋን እታ ወሎ ፈረስ ምስ ቀደመትና፡ ነቲ መራሕ-ማኪና ቅራፍ ኣራንሽን ባናናን ደርቢናሉ። ኣይተዋርደና ማለትና ኢና። ንሱ’ውን ምርጫ ስለ ዘይነበሮ ናህሪ ብምውሳኽ ብቕልጡፍ ኣእትዩና።

ሓደ እዋን ይዝከረኒ (ኣብ መጠረስታ 50ታት)፡ ሓደ ብጻይና ንወጻኢ ከም ዝኸደ ንሰምዕ’ሞ ሓልዮት ብዝመልኦ ድንጋጸ፡ “ኣታ እንታይ ደኣ ወሪዱዎ? ምስ ስድራኡ ደኾን ተባኢሱ ኾይኑ? ናብራ ኣይተሰማምዖን ዲዩ?” ብምባል ተገሪምና።

“እሞ ደሃይዶ ይገብር ኣሎ?” ሓቲትና።

“እንድዕሉ፡ ብኣኡ ገይሩ እንዲዩ ጠፊኡ……” ዚብል መልሲ ድማ ተቐቢልና። ስድራኡ’ውን ካብኡ ዝደልዩዎ ነገር ስለ ዘይነብሮም ምሒር ኣይተጨነቑን። መንግስቲ 50, 000 ቅርሺ ክፈሉ ከይብሎም’ውን ኣይሰግኡን። ኣብቲ ግዜ’ቲ 2% ክፈል ዚብለካ፡ ወይ ስድራኻ ዝኣስረልካ መንግስቲ ዛጊት ኣይተቐልቀለን።

ነዚ ‘ጥፉእ ወድ’ዚ’ ኣብ ዕላል ዚዝክሮ ሰብ ኣይነበረን። ንዓዱ ኪበጽሕ እንተ ዚመጽእ’ውን ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይምተገብረሉን። ከሐሽሸኒ ወይ ከወንሰኒ ኢዩ ኢሉ ብሃንቀውታ ዚጽበዮ ሰብ ኣይነበረን። ከመይስቲ፡ ኤርትራ ኣብ 50ታት ድሕሪ ደቡብ ኣፍሪቃ እታ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለትን ዝሃብተመትን ሃገር ኢያ ነይራ። ግብጺ ጥቓኣ ኣይትቐርብን። በዓል ኢትዮጵያ’ኸኣ’ሞ ኣብ ቍጽሪ ኣይኣትዋን። ስለዚ ንወጻኢ ምኻድ ደኣ ብዘይካ ንትምህርቲ እንታይ ካልእ ዘወናውን ምኽንያት ነይሩዎ ይኸውን ንብል ኔርና?

ኤርትራዊ ካብ ዓዱ ወጺኡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኪነብር እተገደደሉ እዋናት ግን፡ ሃይለ ስላሰ፡ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን፡ ንመታሕት ብነፈርቲ ኪድብድብን ብወትሃደራቱ ገይሩ ከበሳብስን ምስ ጀመረ ኢዩ። ምናልባት መብዛሕትና እቶም ኣብ ከበሳ እንነብር ዝነበርና ሰባት ነዚ ቀጻሊ ምፍንቓል’ዚ ብዙሕ ኣይነቕልበሉን ኔርና ንኸውን፡ ግን እቲ ዋሕዚ ኣዚዩ ኣገዳሲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ወዲ ከበሳ ብብዝሒ ኪስደድ ዝጀመረሉ እዋን ግን ብግዜ ደርጊ ኢዩ። እምበኣር፡ መብዛሕትኡ እዚ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዚነብር ዘሎ ኤርትራዊ ኣብዘን ክልተ ከበድቲ እዋናት ዝወጸ ወይ እተሰደደ ኢዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ ብሳላ መስዋእቲ ተጋደልትን ተቓለስትን ኤርትራ፡ ናጽነት ተረኺቡ። ኤርትራ ድማ ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ወናኒት ዕድላን መጻኢኣን ኮይና።

ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ናጽነት ዝነበረ ትጽቢት፡ ከምቶም ኣይሁድ ድሕሪ 2000 ዓመታት ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ተኣኻኺቦም ናብ ዓዶም እስራኤል ዝኣተዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ተኣኻኺቡ ናብ ዓዱ ኪኣቱ ኢዩ ነይሩ። ግን ከምቲ እተሓልመ ኣይኮነን። ናብ ዓዳቶም ተመሊሶም ቢዝነስ ከካዪዱ ዝፈተኑ ደቂዓዲ “ኣበይ ዝነበርካ ኢኻ” ዚብል መልሲ ተቐቢሎም። እቶም ኣብ ኤርትራ ዝጸናሕና ድማ ብኣልማማ “ተረፍመረፍ ደርጊ” ተባሂልና። ገሌናኳ ዚግበኣና እንተ ነበረ፡ ብዙሓት ግን ኣብ ከተማታት ኤርትራ ብምጽናሕ ነቲ ሰውራ ብዅለንትናኦም ኣገልጊሎምዎ ኢዮም።

እቲ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ዚነብር ኤርትራዊ ግን ተስፋ ኣይቈረጸን። “ክልተ ግዜዶ ክንዛረብ ኴንና” ዚብል ዒብ ተሰሚዑዎ ትም ኢሉ። ብድዐታት ምስ በዝሐ፡ ክልተ ግዜ ምዝራብ ንቡር ኮይኑ። ሰለስተ ግዜ’ውን ተዘሪቡ። ኣርባዕተ’ውን…..ኩሉ ፋሕፋሕ ኣትዩዎ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝነበረ፡ ገሊኡ ንኢትዮጵያ ዚሃድም (እዚ ኣብ ደረጃ ዓጋመ ኢዩ ተመዲቡ)፣ ገሊኡ ናብ ሱዳን (ደረጃ ኮብላልን ጠላምን ተንበርካኽን)፣ ገሊኡ ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን (ደረጃ ከዳዕን ተበላጽን)፣ ገሊኡ ድማ ብልቡ ጥራይ ዝሸፈተ (ደረጃ ጃሱስ)፡ ኮታስ ኩሉ ዕግርግር ኣትዩዎ። ካብቲ መሪሕነት’ውን ዝሃደሙ ውሑዳት ኣይነበሩን።

ይኹንምበር፡ እቲ ከዳዕን ተበላጽን እተሰየመ ስደተኛ፡ ገለ ዕድል ረኺቡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዚርከብ ናይ ኤርትራ ኤምባሲ ወይ ቆንስል ከይዱ ምስቲ ፖለቲካዊ ኣባት-ነፍሲ ተራኺቡ ምስ ዚናዘዝ፡ ነተን ክልተ ካብ ሚእቲ ከኣ ምስ ዚኸፍል፡ ፖለቲካዊ ጸሎተ-ፍትሓት ይግበረሉ’ሞ፡ ውፉይ ወይ ሃገራዊ ብዚብል ስም ይጥመቕ። እንቋዕ ናብ ልብኻ ተመለስካ! ብድሕሪኡ ልቡ ነፊሑ ኣብ ናይ ህግደፍ ጓይላ ይሳተፍ። ንዓዱ ኪኣቱ ይፍቀደሉ። ንኻልኦት ዘይተናዘዙ ኪጻረፍን ከፈራርህን ከጓጥጥን ሊቸንሳ ይወሃቦ። ኣብ መርዓን ቀብርን ‘ከዳዓት’ ኣይጽምበርን። ከም ልምዲ ድማ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ናብ ንግደት ፍራንክፈርት እናተመላለሰ ፖለቲካዊ መንፈሱ የሐድስ።

” ኣታ፡ ንስኻስ ኣሕዋትካ ኣብ ምድረበዳ እናሃለቑ፡ ኣብ ሊብያ እናተሳቐዩ፡ ኣብ ባሕሪ ዓሳ እናበልዖም፡ ጓይላ ተራእዩካ? ኣይትሓፍርን ዲኻ” ትብሎ ነቲ ሃልፋጽ መንእሰይ ካብቲ ህግደፋዊ ፈንጠዝያ ኪወጽእ ምስ ረኸብካዮ።

”እሞ መን ካብ ሃገሮም ውጹ ኢሉዎም። ኩሉ ሰብ ነዛ ሃገር’ዚኣ ጠጠንጢኑዋ እንተ ወጺኡ ደኣ መን’ዩ ኪከላኸለላ?” ዚብል ዘስደምም መልሲ ይህበካ። ሰኺሩ ድዩስ ወይስ ብጥዕናኡ ኢዩ ከምዚ ዚብለኒ ዘሎ ኢልካ ትጠራጠር።

ዝኾነኾይኑ፡ ኣምላኽ ከይከሓሰናስ ትም ኣይበለን። ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ኣብ ወጻኢ ዚነብሩ መንእሰያት ነቒሖምሲ ኣብ ዘዘለውዎ ሃገር ኮይኖም ምቅላስ ጀሚሮም ኣሎዉ። እምበር፡ ካብዞም ወልፋሳትሲ ጠፊእና ኔርና።

አረ እቲ ወልፋስሲ ደሓን፡ መንእሰይ ኢዩ፡ እንታይ ዘይገበረ። ጐራዙት ኪድውር ኢሉ’ውን ይኸውን ከምኡ ዚገብር ዘሎ። እቲ ዘገርምስ ናይተን ዓበይቲ ዓርገናት ኣዴታት ኢዩ። ኣነ ቀደም ኣዴታት ኤርትራ ከምኡ ዚገብራ ኣይመስለንን ነይሩ። ኤርትራ እንታይ ዲያ ፈጢራ? ግን ከኣ ክንደይ ወራዙት ኣብ ገገዝአን ኮፍ ኢለን ንኹሉ ነገራት ኣብ ልበን ዘዋሃልላ ኣሎዋ። ነቲ ናይ ኤርትራዊ ቀንዲ ባህርያትን ስነ-ምግባርን ሓልየን ዚኸዳን ዚቃለሳን ከኣ ብዙሓት ኢየን። ግንከ ብብቕሩብ’ንዶ ኣጥፊኦምወን! ኣብ ክንዳአን ከኣ ብፈኰስትን ብቐለልትን ተዋሪድና!

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘይትሰምዖ ነገር የብልካን። ገለ ኣዋልድ ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ ኣልዒለን ከምዚ እናበላ ኪዛረባ ሰሚዐ፣

”ሃገራዊ ዲዩ?”

”ወሪዱዎ፡ ካበይ ኣምጺኡዎ። ከዳዕ ኢዩ።”

ምስ ህግደፍ ዲዩ ወይስ ኣይኮነን ማለተን እኮ’ዩ። ለካስ ዘይተማህረስ ከምኡ ኢዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ ኦስካር ዋይልድ እተባህለ እንግሊዛዊ ተዋዛያይ ወዲኡዎ ኢዩ፣ (ልክዕ ትርጉም ኣይኮነን) ”ሕልኩስ ሰብ፡ ወረጃ ንኺመስል፡ ናይ ሃገራውነት ካባ ኢዩ ዚለብስ፡ ንሳ ድማ ናይ መጠረስታ መዕቈቢቱ ኢያ።” በዚ ኸኣ ኩሉ እቲ ድንቍርናኡን ዳንደነቱን ተዓቂቡሉን ተሸፊኑሉን ይነብር።

ገሊኦም ንኤርትራ ርእዮምዋ ዘይፈልጡ፡ ገሊኦም ብግዜ ደጃት እከለዶ ራእሲ እከለ ኣቦታቶም ሸፊቶም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ፡ ገሊኦም ካብታ ኢዶም ዝሃቡላ ሃገር ገንዘብ እናተቐብሉ ቀንፈዘው ኪብሉ ዚውዕሉ፡ ገሊኦም ኣቦታቶም ደቂ ኣርባዓ፡ ገሊኦም ኣቦታቶም ብግዜ ጣልያን ኣብ ዓዲ ኣምሓራ ሰብ ቀቲሎም ኣብ ኤርትራ ዑቕባ ዝሓተቱ፡ ገሊኦም ኣውራጃውነት ዘጥቅዖም፡ ገሊኦም ኣብ ኤርትራ ንዋታዊ ጥቕሚ ዘለዎም፡ ገሊኦም ብኻልእ መዳይ መፍለጢ ወይ መለለዪ ዘይብሎም፡ ወዘተ. ካባይ ንላዕሊ ንኤርትራ ዚሕለቑላ ተጓኒፎምኒ። ገሪሙኒ። አረ ገሊኦምሲ ኤርትራ ናይ ኢሳያስ ኢያ እትመስሎም። ሓላፍነታ ዘይተወሰነ (ቅዋም ስለ ዘይብላ) ናይ ግሊ ትካል!

ሕማቕ ዘመንሲ በዓል ጋዕሳ ኣሎዋ ከም እተባህለ፡ ግዜ ዝሃቦም ባሃማት ናይ ድንቍርናን ከንቱነትን ጋዕሲ ገይሮም ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብተን ዑቕባ ዝሃቦኦም ሃገራትን ኮይኖም ከም ዝሻደነ ኣንበሳ ናብዝን ናብትን ኪብሉ ይረኣዩ ኣለዉ።

ዕድመኦም ግን ከምቲ ዕድመ’ቲ ዘመሓድር ዘሎ መንግስቲ ሓጺር ምዃኑ ኪርስዑ ኣይግባእን።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>