ከንቱ ትምክሕትን የዋህነትን ( ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

hanti alem ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እተጋብአ ሃገራዊ ዋዕላ በጺሐ ምስ ተመለስኩ፡ ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ይገብር፡ ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ክትብል ሓቲታትኒ፣

”እሞ ኸመይ ረኺብካያ ኢትዮጵያ? ምስ ለመንታን ምስ ርስሓታን ክኢልካያዶ? ስርቂኸ ገዲፎምዎ ዶ? ጥምየትከ ከመይ ነይሩ?” ዘይሓሰብኩዎ ሕቶ ኢዩ ነይሩ።


ኣበይ ዲዩ ደኣ ሪጋ ባኒ ዝረኣኹ ብምባል ተደናጊረ። ጌጋ ደኣ ይኽለኣለይ እምበር ኣብ ኣስመራ ኢዩ መስለኒ።

ብዛዕባ ለመንቲ’ሞ፡ ካብዚ ኣበር’ዚ ናጻ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዘላ ኣይመስለንን። ግን ኩሉ ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ። ነቲ ግዜ ንምሕጻር ግን፡ ነቲ ዘሎካ ዕቑር ሃብቲ ወይ ጉልበት ኣብ ክንዲ ኣብ ባእስን ህልኽን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትዅታዅን እተጥፈኦ፡ ኣብ ምህናጽ ሃገር ከተውዕሎ ይግበኣካ።

ካብቲ ሕቶኣ ግን ክልተ ነገራት ኣስተውዒለ። ቀዳማይ፡ ንሳ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበራ ኣረኣእያ ኣዚዩ ትሑትን ድሩትን ብምንባሩ፡ ክትሓተሉ’ውን ኣይደለየትን። ብመናፍሕ ቲቪ ኤረን ብካድረታት ህግደፍን ኢያ ተመሊኣ ቐንያ። ካልኣይ፡ ንኢትዮጵያ ብምንሻው ንኤርትራ ምንኣድ ገይራ ኢያ ወሲዳቶ። ብዘመን ውቤ ዝጸመመስ ዝባን ውቤ ኪብል ሞተ ዚብልኹም ከምዚ ኢዩ።

ኣነ ግን ኩነታቱ ምስ ረኣኹዎ፡ ነዊሕ መልሲ ክህባ ኣይደለኹን፣

”ንዝኾነ ነገር ክትፈርዲ ከሎኺ፡ ካብ ምሒር ጽልኢ ወይ ካብ ምሒር ፍቕሪ ኣይትበገሲ። ከመይሲ ክልቲኡ ከጋግየኪ ይኽእል ኢዩ። ንኹሉ ነገራት ርግእ ኢልኪ ደኣ ረኣዪዮ። ብርዝነት ኣስተንትንዮ። ብፍትሓዊ መገዲ ተንትንዮ።” ክብላ ግን ክኢለ። ብጽልእን ብትምክሕትን ዝላደየ ኣእምሮ፡ ንግዜኡ ገዲፍካዮ እንተ ኸድካ ይሓይሽ ብምባል ድማ ካብኣ ኣልጊሰ።

ንሃገሩ ኣሕሊፉ ዚህብ ሰብ የልቦን፡ ግን ትምክሕቲ ዋጋ የብሉን። ሲንጋፖር ክንከውን ኢና ይብሃል ነይሩ። ደሓር ግን ተረሲዑ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ወርቂ ምስ ተረኽበ ድማ፡ ኖርወይ ክንከውን ኢና ይብሃል ኣሎ። ኖርወይ እታ ነዳዲ ብምርካብ ንግዳ ቀድዩላ ዘሎ ሃገር ኢያ። ዋእ ይፍጠረልና። ግን ምስናይ ደሞክራሲኡ ድማ እንተ ዝኾነልና ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ።

ጎረባብትናኸ ከመይ ኣለዋ? ብፍላይ እታ ብወያነ እትመሓደር ኢትዮጵያ፡ ብጥሜትን ብልመናን ብስርቅን መትሓዚ የብላን ይብሃል ኣሎ። እሞ ከመይ ደኣዩ ነገራቱ? ህዝቢ ድማ ቀጻሊ ናብዛ ሃገር እዚኣ ይውሕዝ ኣሎ። ልመናን ጥሜትን ዲዩ ቃሕ ኢሉዎ?

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቅ፡ ባዕሉ እቲ መራሒና፡ ኤርትራ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ኢያ ኢሉ ተዛሪቡ። እዚ ምስቲ ናይ ህጻናት ኣዘራርባ እየ ዘተሓሕዞ። ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ይዕንትር። ኣቦይ ዓሰርተ ኲንታል እኽሊ ይስፍስፍ። ላምና ካብ ላምኩም ዝያዳ ትሕለብ። በጊዕና ካብ በጊዕኩም ዝያዳ እምቤዕ ትብል ወዘተ…።

እምበኣር እቶም ኪጽረፉ ዝሓገዩ ወያነ፡ ሕጂ በዓል ግርማ ኣስመሮም ይኸዱዎም ኣለዉ። ጸኒሖም ከኣ በዓል ማንኪ ኪኽተሉዎም ኢዮም። ኣንታ ጽባሕ ንግሆ ኣሕዋት ኢና፡ ናይ 2000 ዓመት ምሕዝነትን ርክብን ኣሎና ጥራይ ከይብሉና። ሕራይ ከምኡ እንተ በሉስ ጌጋ ኣይኮነን፡ ግን ኩሉ ብፕሮግራም እንዶ ኾይኑ። እቲ መራሒ እንዲዩ ኩሉ ዚፈልጥ ኮይኑ። ባዕሉ ናይ ታሪኽ ምሁር። ባዕሉ ናይ ጀዮግራፊ ምሁር። እንሓንሳእ ከኣ ይንበ ኢዩ። ከምዚ ኪኸውን ኢዩ፡ ከምዚ ኪፍጸም ኢዩ ይብል። እንታይ ኮይኑ ደኣ ናይ እገዳ ወይ ሳንክሽን ራእይ ተራእዩዎ ዘይተነበየ?

ዝኾነኾይኑ፡ መብዛሕትኡ ክፋል ህዝብና ካብ ኣንቢብካ ወይ ኣመዛዚንካ ምፍላጥ ወይ ምትንታን፡ ከምዚ ተባሂሉ፡ ከምዚ ተፈጢሩ፡ ዋእ ኢሎምና’ምበር መኣስ ርኢናዮ፡ ዋእ ሓቂ እንተ ዘይከውንዶ ራድዮ ተዛሪባ? ወዘተ. እናበልካ ምዝራብ ይቐሎ።

ከም ኣብነት፡ ንሓደ ብጻየይ፡ እቲ ኲናት ባድመኮ ንሕና ኢና ጀሚርናዮ ዚብል መብርሂ ምስ ለገስኩሉ፡ ከም ከሓዲ ገይሩ ወሲዱኒ። ኣነ ግን ሓቂ እየ ዝነገርኩዎ። እቲ ሓቂ ድማ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ድሕሪ ምክትታልን፡ ሻራ ዘይወስዳ ሃገራት ዝጸሓፎኦ ዓምድታትን ድሕሪ ምንባብን ዘኻዕበትኩዎ እምበር፡ ንሃገረይ ንምንሻው ኣይነበረን ዕላማይ። ንሱ ግን፡ እቲ ጸላኢ ኢዩ ጀሚሩዎ ዚብል ሓበሬታ ካብ ቲቪ ኤረን ካብ ካድረታት ህግደፍን ኢዩ ረኺቡዎ። ካብዚኣቶም ደኣ እንታይ ኪጽበ ይኽእል? ደሓር ግን፡ ህግደፍ ተፈዲሑ። ኣብቲ ብናይ ሃግ ቤትፍርዲ ድሕሪ ምብያን ብዛዕባ’ቲ ኲናት ዘስዓቦ ዕንወት ዝተገብረ ኣከፋፍላ፡ ኤርትራ ዝበዝሐ ዶላራት ኢያ ከፊላ። በደለኛታት ህግደፍ ኣዋሪዶምዋ!

ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ፈረንሳ ብዘሕፍር መገዲ ኢያ ተሳዒራ። ንሳ ቅድሚ እቲ ውግእ ምጅማሩ፡ ከም ናይ ባድመ ዝመስል ድፋዕ ሰሪሓ፡ ሰራዊት ጀርመን ነዚኣ እንተ ደኣ ፈንጢሶምዋ ሓሊፎም፡ ጸሓይ ብደቡብዶ ብሰሜን ክትበርቕ ኢያ ብማለት ፍጹም ተኣማንነትን ትምክሕትን ኣሕዲራ ነይራ። ግን ጅግና ሰራዊት ጀርመን ነቲ ድፋዓት ፈንጢሱ ናብ ከተማ ፓሪስ በጺሑ። ጸሓይ ከኣ ከም ቀደማ ብምብራቕ ምብራቓ ቀጺላቶ።

ፈረንሳውያን ብሕፍረት ተዋሒጦም። ብትምክሕቲ እንዲዮም ዓዊሮም። ዓዶም ተታሒዛ። መራሕቶም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከይዶም ፈኸራኦም ቀጺሎም። ግን ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ፈረንሳ ሳላ ሰራዊት ኣመሪካን እንግሊዝን ካብ ጀርመን ተገላጊላ። ይኹን’ምበር፡ ታሪኽ ፈረንሳ፡ ብዛዕባ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣመልኪቱ ኪትንትን ከሎ፡ ንፈረንሳ ሰራዊት ኣመሪካውያን ወይ እንግሊዛውያን ዘይኮኑስ፡ ባዕሎም ጀጋኑ ተጋደልቲ ፈረንሳ ኢዮም ናጻ ኣውጺኦምዋ ኢዩ ዚብል።

ኣብዚ ብምምርኳስ፡ ኣብ ሰብዓታት ናይ ፈረንሳ ፕረሲደንት ዝነበረ ዢስካር ደስታንግ፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብቢቢሲ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ”እንታይ ኢኹም እሞ ክንብል ደሊኹም? ተሳዒርና ኔርና ግን ሳላ ኣመሪካን እንግሊዝን ናጻ ወጺእና ክንብል ዲኹም ደሊኹምና? …ኣይንብልን!” ዚብል ነበረ።

ሽዑ እቲ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ፣ ”እሞ ምሕሳው ይሓይሽ ዲኻ ትብል ዘሎኻ?” ኢሉ ሓቲቱዎ። እቲ ፕረሲደንት-ነበር ድማ፡ ”እወ” ዚብል መልሲ ሂቡዎ።

ኣባና ግን፡ እቲ ጉዳይ ጌና ኣብ ሕቶ ከይኣተወ ከሎ፡ እቲ ናይ’ቲ ጌጋ’ቲ ተጸዋዒ ዝኾነ ህግደፍ፡ ነቶም ከጻርዩ ዝፈተኑ ሚኒስትራቱ ኣብ ዒራዒሮ፡ ነቲ ከይዛረብ ኣፉ ዝዓበሶ ህዝቢ ድማ፡ ብቲቪ ኤረን ብካድረታቱን ገይሩ ሓንጎሉ ኪጠውዮ ክኢሉ ኣሎ። እዚ ኹሉ ከይኣኽሎ ድማ፡ ተገልቢጡ፡ ይገርመና’ሎ ኪብል ይውዕል ኣሎ። እንታይ ኢዩ ግን እቲ ዚገርሞ? ኩሉ ዓለም ምስኡ ዘይሓሰወ ዲዩ? ኩሉ ዓለም ቲፎዞኡ ዘይኮነ ዲዩ?

ንውድቀትሲ ትዕቢት ትቕድማ ከም ዘይተባህለ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መሪሕነት ንኹሉ ብትምክሕቲ ኢዩ ዚጥምቶ ዘሎ። ግንከ ዕስራ ዓመት ንኸንቱ ሓሊፉ። መኻይን ዘይመላለሳሉ ጽርግያታት ተሰሪሑ። ንመስኖ ዘየገልግል ዲጋታት ተነዲቑ። ሓኻይም ዘይብሉ ክሊኒካት ተኸፊቱ። ኣእምሮ ዘይሃንጽ ኮለጃት ተመሪቑ። ንባእስን ህውከትን ዘገልግል መሳርያታት ተሸሚቱ። ንፕሮፓጋንዳ እምበር ንምዕባለ ባህሊ ዘይጠቅም ጓይላታት ተኻዪዱ። ኣእምሮ መንእሰያት ዘባኽንን ዘበላሹን ወትሃደራዊ ኣገልግሎት ተመዲቡ። ዕሱባት ካድረታትን፡ ቀለልቲ ኣዴታትን ዚፈርዩሉ ሃዋህው ተፈጢሩ።

ሕጂ ድማ እዘን ተካላት ወርቂ ኣብ ምንታይ ከም ዚውዕላ ክንርኢ ኢና። ኣጽዋር ምሽማት ናተይ ኢልኩም ሓዙዎ። ድሕሪኡ ንጓይላን ፕሮፖጋንዳን ሓፍ ዘይብል ባጀት ተሰሊዑሉ ኣሎ። እቲ ሕንቁቕ እተባህለ ህዝቢ ግን ክንደየናይ ከይረብሕ!

ምስዚ ኹሉ ግን፡ እቲ መሪሕነት ንኹሉ ዓለም ሓዲጉዎ ይውንጨፍ ከም ዘሎ ኢዩ ዚዛረብ። ብሓቂ ይገርመና’ሎ። ናበይ ገጹ ይውንጨፍ ከም ዘሎ ዘይምፍላጥ ግን የዋህነት ጥራይ ኢዩ ኪብሃል ዚከኣል።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>