ስርሒት ጓይላ – ( ሓንቲ ዓለም) – ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም ኤርትራውያን፡ ብፍላይ ድማ ብሄረ ትግርኛ፡ ከምኡ’ውን ትግራዎት፡ ጓይላ ኣዚና ኢና እንፈቱ። ካብዚ እተላዕለ ኢዩ መስለኒ ኣምሓሩ፡ ኣባጅጎ ጓይላ ዊን ምስ ዚብሎ ንትግራዎት ወይ ንትግርኛ ተዛረብቲ ኢዩ መጀመርታ ዘጽግብ ዚብሉና።

 ሓደ መዓልቲ ሓደ ትግራዋይ ኣብ ዓዲ-ኣምሓራ ይኸይድ እሞ፡ ኣንስቲ ተኣኪበን ኣፍ-ልበን እናሃረማ ከጕርዓን ኪልለዋን እቶም ሰብኡት ድማ ኣራእሶም ኪንቕንቑን ናብዝን ናብትን ኪብሉን ካብ ርሑቕ ይምልከት። ወዮ ሰብኣይ ናይ ምልሃይ ወኑ ይለዓሎሞ ኣብ መንጎኦም ኣትዩ ይቈጻጸ። ጽንሕ ኢሉ እንተ ረኣየስ ለካ ቀብሪ ኢዩ ነይሩ። ለካ እቶም ሰባትስ ይበኽዩን የልቅሱን ኢዮም ነይሮም። ከመይ ዲዩ ናይዚ ሃገር ልቕሶ? ወይ ዘይምፍላጥ! ወይ ፍቕሪ ጓይላ ዘይገብሮ ዘይብሉ!

ደርጊ’ውን ኣስተብሂሎምልና ግዲ ኾይኖም ኣብ ፈቐዶ ቀበሌ፡ ኪነት ዚብሃሉ ናይ ጓይላ ጕጅለታትን ጭፍራታትን ከፊቶምልና ነይሮም። ነቲ ገርሂ መንእሰይ ከበሮን መጕልሕ ድምጽን ምስ ሃቡዎ፡ ምሉእ ለይቲ ሰብ ከጽምም ይሓድር ነይሩ። ደሓር ግን ሕቶ ሃገሩ እናሕመሞ ምስ ከደ፡ ገገዲፉዎም ገሊኡ ናብ ሜዳኡ ገሊኡ ድማ ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዱ። ደርጊ ግን ንግዜኡ ተዓዊቱሎም ኢዩ።

ዝኾነኾይኑ፡ ነዚ ፍቕሪ ጓይላ’ዚ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብፍሉይ ዓይኒ ኪጥምቶን ኪቋመቶን ኪጸናተዎን ዝጀመረን ኣብ ጥቕሙ ከውዕሎ ዝሓለነን ዘውዓሎን ኣካል፡ እቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ መሪሕነት ሻዕብያ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ናቱ ኣምሳል ዝኾነ ህግደፍ ኢዩ። ቀደም ከሲቡሉ፡ ሕጂ ድማ ይኸስበሉ ኣሎ።

ምስዚ ዚመሳሰል ሓደ ኣብነት ከምጽእ። ኣብ እዋን’ቲ ብዝሑል ኲናት ዚፍለጥ ንኣመሪካን ሩስያን ከም ድሙን ከልብን ጌሩወን ዝነበረ ህልኽ ዝመልኦ ፕሮፖጋንዳዊ ምትፍናን፡ ምዕራባውያን ንኮሙኒዝም ንምውዳቕ ዘይፈተኑዎ ሜላ ኣይነበረን። ካብዚ ሜላታት’ዚ ሓደ፡ ነቲ ኣብ ሩስያን ምስራቕ ጀርመንን ዚርከብ ንኮሙኒዝም ብልቡን ብቐልቡን ጌና ፈንፊኑዎ ዝነበረ ርሱን መንእሰይ ንምኽሳብ ነበረ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ሮከንሮል ትዊስት ዚብሃል ትልሂት ኣዚዩ ግኑን ብምንባሩ፡ መንእሰያት ኮሙኒስታውያን ሃገራት ድማ ኣብ ደርፍን ትልሂትን ዝነበሮም ዝንባለ ልዑል ብምንባሩ፡ ኣመሪካውያን ሓደ ብልሓት ተበላሓቱ። ንሱ ድማ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣዚዩ ህቡብ ዝነበረ ደራፋይ ማለት ንኤልቪስ ፕረስሊ ናይ ውትህድርና ኣገልግሎቱ ኣብ ምዕራብ ጀርመን ንኺገብሮ ናብኡ ንምልኣኽ ነበረ። ኤልቪስ ድማ ኣይሓመቐን፡ በቲ ደርፉን ትልሂቱን እተመሰጡ መንእሰያት ንምስራቕ በርሊን ፈንጢሶም ናብ ምዕራብ በርሊን ምስጋር ከም ዓቢ ፕሮጀክት ተተሓሒዞምዎ። ሩስያውያን ዚገብሩዎ ጠፊኡዎም። መንእሰያት ግን ኪዕገቱ ኣይከኣሉን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ህግደፍ ተመሳሳሊ ስርሒት ኢዩ ዘካይድ ዘሎ። እቲ ኣብ ሜዳ ዝሓዝካ ሒዝካ ኣርክብ ዚብሃል ዝነበረ፡ ሕጂ’ውን ዝሓዝካ ሒዝካ ማለት ከም ብዓል ከበሮን ክራርን መሰንቆን ተማሊእካ፡ ጎረሮኻ ስሒልካ፡ ኣርክብ ኢዩ ዚብሃል ዘሎ።

መብዛሕትኦም የውሃት መንእሰያት ድማ፡ ከምታ ኣብ ናይ በርሀ ኣርኣያ መጽሓፍ እታ ሰበይቲ ዲም ምስ ሰምዐት ነቲ ዕሸል ውላዳ ቁልቁል-ኣፉ ሓዚላ ናብቲ ጓይላ እተሓምበበት፡ ዲም ምስ ሰምዑ፡ ኩሉ ናይ ሃገሮም ኩነታትን ናይ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ስቓይን መከራን ረሲዖም ነቲ ጓይላ ይኣትዉዎ ኣለዉ። በዚ ድማ ናይ ህግደፍ ስርሒታት ይዕወት ኣሎ።

መንእሰያት ኣብ ጓይላ ተላሂዮም እንተ ተመልሱሞ እንታይ ከይኮኑ፡ እቲ መትከሎም ምስኦም ኢዩ ዘሎ፡ ብጓይላ ዚልወጥ ኣይኮነን፡ ዚብሉ ሰባት ኣይሰኣኑን ይኹኑ። ይኹን’በር ነዚ’ውን ህግደፋውያን ሓሲቦሙሉ ኢዮም።

ነቲ ናብቲ ጓይላታቶም ዳንኬራኦምን ዚኸይድ መንእሰይ፡ ንእግረ መገዶም’ውን ይሰብኩዎ ኢዮም። ከምቲ ድሕሪ ማህሌትን ዜማን፡ ቀጺሉ ድማ ቅዳሴን ስብከትን ዘሎ፡ ህግደፋውያን ድማ ቅድሚ ጓይላ ይኹን ድሕሪ ጓይላ፡ ስብከቶም ኣይርስዑን ኢዮም። ብሓጺሩ ንስርሒት ጓይላ ብቐሊሉ ኣይርእዩዎን ኢዮም። መኽሰብ ክሳዕ ዚረኽቡሉ ድማ ከይተሓለሉ ኢዮም ዚቕጽሉዎ።

ቀደም ብፈንቅልን ናደውን ካልእ ኣስማትን ዚፍለጥ ዝነበረ ስርሒታት፡ ሕጂ ብስርሒት ጓይላን ስርሒት ዳንኬራን ተተኪኡ ኣሎ። እቲ ኲናት ድማ ኣብ ከተማታት ኤውሮጳን ኣመሪካን ኢዩ ዚካየድ ዘሎ።

ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን፡ ህግደፍ ነቲ ደርጊ ዚገብሮ ዝነበረ ሓሊፉዎስ ጉጅለታት ጓይላ ኣብ ኣብያተትምህርቲ ከም ዚጅመር ምግባሩ ኢዩ። ደርጊ ነቲ ጓይላ ኣብ ቀበሌ ጥራይ ኢዩ ደሪቱዎ ነይሩ፡ ከምኡ እንተ ገበረ ድማ ነቲ ህዝቢ ከም ዘይናቱ ይርእዮ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ህግደፍ ግን፡ ኣብቲ ስነምግባርን ስነስርዓትን ኣደብን እናመሃረ ናይ መንእሰያት ኣእምሮ ኪዅስኵስ እምነት እተነብረሉ ትካላት፡ ማለት ኣብያተትምህርቲ፡ ጓይላ ኣተኣታቲዩስ፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ብትልሂትን ደርፍን ከበሮ ምውቃዕን ልዑል ደረጃ ሒዞም ይርከቡ ኣለዉ።

ገለ ኣቦታት’ውን፡ ”ጓለይ እኮ ኣብቲ ኽላሳ ብኸበሮ ምውቃዕ ዘርክባ የልቦን” ኪብሉ ሰሚዐ ኣለኹ። እዝስ ምጽኦታትዶ ኣይኮነን? እዛ ጓል እዚኣ ኣብ ቤትትምህርቲ ከይዳ ከበሮ ድሕሪ ምውቃዕ ንሓዋሩ እንታይ ኢያ ክትከውን? ግንከ ህግደፍ ከይደቀሰስ ኣይሓድረላን። ባዕላ ትፈልጥ! ኢዩ መልሱ።

እወ፡ ባዕላ ትፈልጥ። ብቐደሙስ ሰብ ክትከውን መኣስ ይደልዩዋ ኾይኖም። አረ ንፍዕቲ ደራፊት እንተ ኾይናትሎም’ውን መኽሰብ ኢዩ። ከመይሲ እዛ ሰብ እዚኣ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን እናዞረት ተገልግሎም ትኸውን። ንበዓል ወዲ ትኹልን ፍሒራን ደኣ መን ክትክኦም ደሊኹም?

ደርፍን ትልሂትን ከም ስነጥበብ ኪምዕብል ዘለዎ ናይ ሓንቲ ሃገር ቅርሲ ኢዩ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ኢድ ህግደፍ ዚወድቕ ኩሉ ነገር፡ ንመንውሕ ዕድመኦም ኢሎም ስለ ዚጥቀሙሉ፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ስነጥበባዊ ምዕባለ፡ ምንም ኣበርክቶ ኪህሉዎ ኣይክእልን።

ብግዜ ደርጊ ደኣ ተደሪፉን ተጨፊሩን እንዲዩ፡ ግን ውጽኢት ኣይነበሮን። ስነጥበብ ኪምዕብል እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ካብ ኢድ መንግስቲ ናጻ ኪኸውን ይግባእ። ስነጥበብ ኣብ ናጻ ኣእምሮን ኣብ ናጻ መንፈስን ጥራይ ስለ ዚምዕብል፡ ኣብ ስርሒታት ኣእቲኻ፡ ኣብ ቀበሌታት ደሪትካ፡ ከም መሳርሒ ፕሮፓጋንዳ ጌርካ እንተ ጓዕጺጽካዮ፡ ኣብታ ሃገር ምንም ዓይነት ስነጥበባዊ ወይ ኪነታዊ ለውጢ ኪረአ ኣይክእልን።

ዝኾነኾይኑ፡ ህግደፍ ክሳዕ ዘሎ፡ ስርሒት ጓይላ ኪቕጽል ኢዩ። ብፍላይ እዘን ኣብ ኤርትራ ተረኺበን ዘለዋ ኣዋርቕ ኣይከደቅሳናን ኢየን። ንኸምዚ ዓይነት ስርሒታት ንኸደልድላ ድማ ዓቢ ተራ ከም ዚጻወታ ክንርስዕ የብልናን።

በዚ መሰረት’ዚ መንእሰያትና ቀጻሊ ናባታቶም ኪሰሉን ኪዓልዉን ኢዮም። ይኹን’ምበር፡ ነዚ ንምቅላስ ሓድሓደ ኪውሰድ ዘለዎ ስጉምታት ኣሎ። ሓድሓደ ኻብኡ ኸኣ ነቲ መንእሰይ ምንቃሕን፡ ኣብ ጥዑይ ራኢ እተመስረተ ስነጥበብን ንኣኡ ዚምችእ ክለባትን መዘናግዒ ቦታታትን ማሕበራትን ናብ ስነጥበብ ዝዓለመ ናይ ክትዕን ዘተን ጉጅለታት ምምስራትን፡ ንባህልና ዘማዕብል መጽሔታት ቪደዮታት ምፍራይን ምዝርጋሕን ኢዩ።

ነዚ ንምግባር ድማ እተን ተቓወምቲ ማሕበራት ኣዒንተን ናብቲ መንእሰይ ከዙራን ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸገማትን ብድሆታትን ኣለሊየን ድማ ብቑዕን ውጽኢታውን ስጉምቲ ኪወስዳን ይግባአን።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>