ዋጋ ዝሰኣኑ ጭርሖታት (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Hanti aleኣብዛ ዓለምና ጭርሖታት ኣይወሓዱን፡ ኣብ ግብሪ ደኣ ኣይወዓሉን እምበር። ንኣብነት ኣብቲ ኮሙኒዝም ዓሚሩሉ ዝነበረ እዋን፡ ማለት ኣብ 50ታትን 60ታትን፡ ኩሉ መንእሰይ ዓለም፡ ናይ ማርክስን ለኒንን ጭርሕታት በብመገዱ ኣቃሊሑ ኢዩ።


ዓወት ንሓፋሽ! ኢምፐሪያልዝም ይውደቕ! ሞት ንኣመሪካ! ወዘተ ይብሃል ነይሩ። ይኹን’ምበር፡ ሓፋሽ ኣይተዓወተ፡ ኢምፐርያሊዝም ኣይወደቐ፡ ኣመሪካ ኣይሞተት። ግን ከኣ ንሰብ ድልየትካ ኣይትግለጽ ኣይበሃልን። ይተዓወት ኣይተዓወት፡ ጭርሖ መንፈሳዊ ሓይሊ ስለ ዚህብ፡ ምህላዉ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ቅድሚ ፈደረሽንን ድሕሪኡን ብዙሕ ጭርሖታት ይስማዕ ነይሩ። ኤርትራ ንኤርትራውያን! ኣይንፈላለ! ዕድመ ንንጉስና! ወዘተ።

ብጭርሖታት ዝጸመምና ግን ብግዜ ደርጊ ኢዩ። ኤርትራ ኣይትሽየጥን ኣይትልወጥን! ጀብሃና ሻቢያ በክንዳችን ይደመሰሳሉ! ምስ ጓድ መንግስቱ ሃይለማርያም ንቕድሚት! ወዘተ. ኣብ ሜዳ ድማ ብወገኑ ዓወት ንሓፋሽ! ወድቀት ንሃጸይነት! ወዘተ ይብሃል ነይሩ።

ኩሉ ጭርሖ ዋጋ-ኣልቦ ኢዩ ኪብሃል ኣይከኣልን። ብቐዳምነት፡ ናይ ጭርሖ ቀንዲ ዕላማ፡ ነቲ ህዝቢ ወይ ነቲ ተቓላሳይ፡ ጥርኑፍ ስነኣእምራዊ መስመር ንኸትሕዞ ተባሂሉ ዚመሃዝ  መሳርሒ ኢዩ። ጭርሖ፡ ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምክልኻላውን መስርሓት ዓቢ ተራ ይጻወት ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ፡ ኣብ ኩሉ ሃገራት ይዝውተር ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ናይ ኦባማ ናይ ምርጫ ጭርሖ፡ እታ ቸንጅ ወይ ለውጢ እትብል ቃል፡ ንህዝቢ ኣመሪካ ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ መትከላዊ ኣረኣእያ ከም ዚህሉዎ ገይራቶ ኢያ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ምስ እንምለስ፡ ካብ ሜዳ ዝጀመረ እተፈላለየ ጭርሖታት ኪቃላሕ ጸኒሑ ኢዩ። እዚ ጭርሖታት’ዚ ኣብቲ እዋን ቃልሲ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነት ግን ኣይግድን። ብፍላይ ኣብ ኣመራርሓ ህግደፍ ተመሊስና እንተ ርኢና፡ እቲ ጭርሖታት ከምቲ ፍረ ዘይብሉ ጸናጽል፡ ድምጺ ጥራይ ኢዩ ዚገብር ዘሎ። ከምቲ ጋው-ጋው ዚብል ጓንጓ ወይ ባዶ ገረወይና ኾይኑ ኸኣ ይቕጽል ኣሎ።

Victory to the massesእስከ ነተን ቀንዲ ጭርሖታትን መትከላትን ህግደፍ በብሓደ ንርኣየን።

    1. ዓወት ንሓፋሽ!
    2. ብጽፍርና!
    3. ሓደ ልቢ፡ ሓደ ህዝቢ።
    4. ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን።

ዓወት ንሓፋሽ!

ብናተይ ተመክሮ፡ ሓፋሽ ተዓዊቱ ርእየ ኣይፈልጥን። ሃብታማትን ነጋዶን ጥራይ ኢዮም ዚዕወቱ። መራሕቲ ሃገር ግን ንምሽቃጥ፡ ንድኻ ኢና ተላዒልና፡ ንዓዃይ ኢና ተንሲእና፡ ነቲ ኣብ ኣጕዶ ዚነብር ኣብ ርሻን መታን ኪነብር ኢልና ኢና እንዋጋእ ዘሎና ይብሉ። ኩሉ ግን ሓሶት ኢዩ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ዓወት ንሓፋሽ ይብሃል ከም ዘይነበረ፡ ንሃብታማት ተባሂሉ ኣብ እንዳ ኮረያ ደኣምበር ንድኻታት ተባሂሉ ኣብ ኣባሻውል ወይ ኣብ ገዛ ታኒካ ገዛውቲ ኣይተሰርሐን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ መራሒ ሃገር ንርእሱ ነቲ ኣብ መገዲ ብሎኮ ብመምህራን እተሰርሐ ገሊኡ ዘይተወደአ ገሊኡ ድማ እተወደአ ናይ ቍጠባ ገዛውቲ ምስ ረኣዮ፡ እንታይ ደኣ’ዩ ዚ እንዳ ረጋቢት ዚመስል ኢሉ ይብሃል።

ነቲ ኣብ ግንቦት 24 ዚግበር ናይ ናጽነት በዓል ኣብ ሜዳ ኵዕሶ ኬድኩም ርኢኹምዎዶ ኣሎኹም? መን ኢየን ኣብቲ ትሪቡና ኮፍ ዚብላ? መን’የንከ ኣብቲ ካታንጋ ወይ መጽለሊ ዘይብሉ ቦታ ብጸሓይ ቀራዕ ኪብላ ዚውዕላ? እተን ኣብ ትሪቡና ኮፍ ዚብላ እተን ኣእዳወንን ክሳዳውተንን ብወርቅን ብሩርን ዘጌጸ ካብ ወጻኢ ሃገር ዚመጻ ኣዴታት ኢየን። እተን ኣብ ካታንጋ ብጸሓይ ተደዊነን ዚውዕላ ግን ኣዴታት ስዉኣትን ኣዴታት ሓፋሽን ኢየን።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሓደ ተጋዳላይ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ደብዳበታት ኣንበብቲ ጽሑፍ ልኢኹ ነይሩ። መን ግን ዋጋ ሂቡዎ ኢልኩምዎ።

እምበኣር፡ እቲ ሓፋሽ’ሲ ኪበክን ከስተማስልን ኪስደድን ደኣ ኢዩ ዚውዕል ዘሎ እምበር፡ ክዕወትስ ኣይረኣናን። እተዓወተስ እቲ ኣብ ዝባን ህዝቢ ኮይኑ ዘሽኰንድር ዘሎ መሪሕነት ጥራይ ኢዩ። ሓፋሽ ደኣ፡ ”ኣብ ገገዛኻ ኣቲናዶ በጊዕ ክንሓርደልካ ደሊኻ?” ተባሂሉ ዶይኮነን። ”ሕንቁቕ” ዚብል ቅጽልከ ኣይተዋህቦን ዲዩ?

ብጽፍርና!

እንታይ ኢዩ ብጽፍርና ኢልካ ዘረባ? እተን ብቝጠባ ኣዚየን ዝማዕበላ ሃገራት ከም እኒ ጀርመንን ጃፓንን እኳ ከምኡ ኣይበላን። ኣብ ዓለም ብጽፍርኻ ምንባር ዚብሃል የልቦን። ምስ ካልኦት ተሓጋጊዝካ፡ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ጌርካ፡ እንካን ሃባን እናተበሃሃልካ፡ ኢዩ ዚንበር።

ብጽፍርና ኪብሃል ከሎ፡ ብጻዕርና፡ ከይለመንና ማለት እንተ ኾይኑ ግን፡ እዚ ዚምስገን ኢዩ። ንግዳውን ተክኖሎጂካውን ምልውዋጥ ከይገበርና፡ እንካን ሃባን ከይተባሃሃልና፡ ባዕልና፡ ከም ባሕታውያን ቈጽሊ እናበላዕና ክንነብር ኢና ማለት እንተ ኾይኑ ግን ጌጋ ኢዩ።

ብጽፍርና ኢለን ተላዒለን ጽፍረን ሓቒቑ ኣብ ጸገም ዝኣተዋ ሃገራት ከም በዓል ጊኒ ኣብ ኣፍሪቃን፡ ኣልባንያ ኣብ ኤውሮጳን ርኢናየን ኢና። ሕጂ ኣብ ምልማንን ምምሽኻንን ኣትየን ይርከባ ኣለዋ።

እታ ብጽፍርና ትብል ዝነበረት ኣልባንያ፡ ካብቲ ውልቀመላኺኣ ምስ ተገላገለት፡ ኣብቲ ዓዲ ንዓለም ዘስደመመ ናይ 1935 መኻይን ኔው ነጀው ኪብላ ተራእየን። ብጽፍርና ክትብል ዓለም ጠንጢናታ ኸይዳ። ከምኡ’ውን ጊኒ ካብቲ ገታር ዝኾነ መራሒኣ ምስ ተገላገለት፡ ኣብታ ሃገር ብቕጥራን እተሰርሐ መገዲ ኣይነበረን።

ምዕባለስ፡ ካብ ካልእ እናደለኻን፡ ነቲ ናትካ ድማ እናሸጥካን እናለወጥካን ደኣምበር፡ ብጽፍርና እናበልካ፡ ንሃገርን ንህዝብን ኣብ ናይ ድኽነት ዓዘቕቲ ምእታው ማለት ኣይኮነን። ደሓር ከኣ፡ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ድልዱል ገንዘብ እናወሰድካ፡ ብጽፍርና ምባል፡ ሰብ ይግምተኒ ይኸውን ኣይበሃል ዲዩ?

ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ

እነሀልካ ኣብዚ ዘረባ። ልቢ ሰብ ኣሕቢጥካ፡ ህዝቢ ፋሕ-ጭንግራሕ ከም ዚኣትዎ ጌርካስ፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ እዚ ጭርሖ’ዚ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ይመስል። ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ፡ ሓደ ጽልኢ’ ማለት ከይከውን። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መረረን ጓህን መከራን ኢዩ ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ ኾይኑ ዘሎ።

ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልብስ ቀደም ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ደኣ ሓደ ኤርትራዊ ምስ ካልእ ኤርትራዊ ኣብ ወጻኢ ምስ ዚራኸብ፡ ሰላም እኳ ዘይበሃሃል። ‘ኣታ እዚ ካብዞም ከዳዓት ዲዩ? ጀብሃ ዲዩ? ኣታ እዚ ዲዩ እቲ ብቐዳማይ ኣብቲ ሰልፊ ንሻዕብያ ዚጻረፍ ዝነበረ? ወዘተ.

ሎሚ ሓደ ኣባል ጀብሃ ወይ ‘ከዳዕ’ እንተ ተመርዓወ ወይ ካብዛ ዓለም ብሞት እንተ ተፈልየ፡ ደቀመዘምራን ህግደፍ ኣይከዱዎን ኢዮም። ኩሉ ኣምላኺ ግህደፍ ዘይኮነ፡ ከም መናፍቕ ተቘጺሩ፡ ኣብ ዓዱ ሰቡ እንተ ሞቶኳ ንምቕባር ኪኸይድ ኣይክእልን።

እሞ ኣበይ ደኣ ኣሎ እቲ ሓደ ህዝቢ፡ ሓደ ልቢ። እዝስ ቀደም ኢዩ ነይሩ። ሎሚ እንተሎ ኸኣ ኣብ ጽልእን ጥርጠራን እተመስረተ ሓድነት ህዝብን ሓድነት ልብን ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል።

ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን

ይበል ዘረባ። ኣቤት ጣቋ! ሓደ ሰብ ብዘይ ፍትሒ ንዒራ-ዒሮ ዚለኣኽ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ብዘይ ፍትሒ ንብረቱ ዚዝመት እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ንህዝቢ ዚውክል ፓርላማ፡ ህዝባዊ ብሕታዊ ጋዜጣ፡ እንተ ደኣ ዘየልቦ፡ ብምንታይ መምዘኒ ደኣዩ ፍትሕን ደሞክራስን ኣሎ ኪብሃል ዚከኣል? ወይስ እቲ ቃላት ኣብ ኣፍካ ጥዑም ስለ ዝኾነ ዲዩ ተመሪጹ? ንምትላል ዲዩ ዚዝውተር ዘሎ?

ወይስ ደሞክራሲ ንሕና ዘይንፈልጦ ካልእ ትርጉም ኣለዎ ኾይኑ’ዩ። ፍትሒ’ኸ ኣብዚ ዘመን’ዚ ትርጉማ ዲያ ቀዪራ?

ዓለም ፍትሒ የብላን፡ ዘርያትና፡ ዓሚጻትና፡ ይገርመናሎ ድማ ይብሃል። ግንከ ነቲ ፍትሒ ዘይፈልጥ መሪሕነት ከመይ ኢሉ ኢዩ ፍትሒ ዘይምህላው ዚገርሞ? ዘመነ ግርምቢጥ!

ዝኾነኾይኑ፡ እታ ምስ ኣመራርሓ ህግደፍ እትኸይድ ውሕልልቲ ጭርሖ ብዙሕ ምሕሳብ ኣየድልያን። ኣዚያ ቀላል ኢያ። ንሳ ኸኣ ‘ብሒም ዝበለ ይተሓጎም’ ኢያ።

እዚኣ ኣብቲ ኣርማ ህግደፍ ብወርቂ ቀለም እንተ ትጸሓፍ፡ ክንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ሰብ’ውን ናይ መራሕቱ መልእኽቲ ብንጹር ምተረደኦ ነይሩ። መርገጺኡ’ውን ከይተወላወለ ምወሰደ።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>