ተምሳላት ሓዳስ ኤርትራን መርበብ መስከረምን ኣገልግሎቶም ንህግደፍን ሰልፊ ደሞክራስን

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ብመንገዲ እቲ ጽዩቕ መርበብ መስከረም ዝዝርጋሕ ኩሉ ብዓሊ ዓብዱ ዝምስገንን ድፊኢት ካብ ሓጎስ ክሻን የማነ ማንክን ዝረኸበን ሽልማት ዝተዳለወሉን እዩ ዝመስል።

በዚ ግዜ ረጊጽዎ ዝሓለፈ ምስ ጨፍለቕትን መለኽትን ዝመጻደቕ መርበብ ድማ ‘’ሰልፊ ህዝቢ’’ ብሓፈሻ ሰልፊ ዲሞክራሲ ብመስፍን ሓጎስ ዝምራሕ ድማ ብፍላይ ርእሰ-ዓንቀጽ ተዋሂብዎ ኣንጻር እቲ ህዝቢ ዝዓኾኾ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ይዘምቱ ኣለዉ።በዚ ናይ ክድዓት መርበብዚ መዝሙር ህግደፍ ካብ ንሰምዕ ኣይወሓደን። ስለምንታይ ደኣዩ እዚ መርበብዚ ናይ ህግደፍን ናይ ሰልፊ ዲሞክራስን ኣብ ሓደ እዋን ብማዕረ ኣገልጋሊ ዝኾነ ? ኣዝዩ ዘስደምምን ዘጠራጥርን ጥራሕ ዘይኮነ ቅሉዕን ሓደገኛዉን እዩ ።

ብጭብጥን ብዘይተጋነነን መንገዲ ኣካይድኦም ክዝርዝርሞ ፍርዲ ናብ ኣንበብቲ ክሓድጎ ።

መርበብ መስከረም በቲ መቓልሕ ህግደፍ ኮይኑ መተካእታ ሓዳስ ኤርትራ( እንኮ-ጋዜጣ ህግደፍ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ) ዝዝርግሖ ጫማ ኣቶ ኢሳያስ ዝረገጸታ ከዉሪ ከንቱ መብጽዓ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ   ክደጋግምን ፡ዝሰምዔት እዝኒ ብኸመይ ንኣለም ጎይትኦም  (ወዲ ጀናራል ጎይትኦም ኣብ ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ ዝነበረ) ትግምግሞ ?።

ቅድም መቓልሕ ተቓወምቲ  ሕጂ ላቔባ ዓሊ ዓብዱ  ተዓዛባይ ፈንፊንዎ ዝጸንሔ መርበብ መስከረም ተስፋሚካአኤል ዮዉሃንስን መስፍን ሓጎስን( መራሕቲ ሰልፊ ደሞክራሲ ) ዝለኣኹዎ ሃየ እንኮስ ነዚ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋበኤ ዋዕላ ኣንጻሩ ተበገስምበር ንዓሊ ዓብዱ ምግልጋልካስ ኣየሰክፈናን እዩ ኢሎም  ቀጠልያ መብራህቲ ብስም ተቓዉሞ ሂቦሞ ኣለዉ ።እዚ መትከል ጋዜጠኛታት ዘይብሉ መወቀፉ ዘይፍለጥ ሰብዚ ብዝዝርግሖ ወረን ግዕዘይ ሓበሬታን ሰባት ዝደናገሩን ዝጠራጠሩን ክህልዉዮም ኢለ ዘይኮንኩ ግና ነቲ ክድዓቱ ኣብ መዝገብ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንሕ በቲ ሓደ፡ ኮሚሽን ሃገራዊ ዋዕላ ድማ ዋጋ ሂቦም ኣብ ግምት ኣእትዮምን ብዛዕባዛ መርበብዚኣን ዋናን ክንዲ ፍረ ጣፍ ቃል ከየዉጸኡ ጉዕዞኦም ክቕጽሉ  ኣንባቢ ድማ ንበዓል ክልተ መልሓስ ዋጉኡ እንታይ ከምዝፍደ ፈሊጡ ንግዜ ክሓድጎን ብዛዕባ ንሱ ዝዝርግሖ ዓኽ ኢሉ ጡፍ ክብሎን ጽባሕ ንግሆ ንክጸባጸቦ ግና ተግባራቱ ከመዝግብን ድማ በቲ ክልእ ክላቦ ስለ ዝደለኹ እየ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ ኣብ ጉዕዞ ሰልፊ ደሞክራሲ (መስፍን ሓጎስን ተስፋሚካአኤል ዮዉሃንስን) መደረታቶምን ብዛዕባ ሃገራዊ ዋዕላ ክምድሩ ከለዉ ብዘይባኣና ዝተገብረ ዋዕላ ከምዘይዕወት ኣቐዲምና ፈሊጥናዮ ኔርና ሕጂዉን እቲ ንሕና ክንገብሮ ንሸባሸበሉ ዘሎና ዋዕላ ደኣምበር ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ ዝዉክል ኣይኮነን ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። ነዚ እየምበኣር ምስ ናይህግደፍ ፕሮፓጋንዳ  ብኣማላጅ ኣለም ጎይቶኦም ተምሳሉን ዕላምኡን ከቃልዕ ደልየ ዘለኹሞ ኣንባባይ ተኸታተለኒ።

ንሓያሎ ግዜ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ብተቓወምቲ ኣብ ዉሽጡን ብደገን  ነቐፌታ ክወርዶ ምጽንሑ ምስጢር ኣይነበረን ።ኣብ መጀመርያ ምምስራቱ ተስፋ ተነቢርሉ ዝነበረ ገለ ካብ መራሕቱ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብምንባሮምን ነቲ መላኺ ስርዓት ኣጸቢቖም ዝፈልጡ ገዳይም ተጋደልቲ ዝተጸንበርዎን ብምንባሩ እዩ ዝነበረ ።፡ ነዊሕ ከይሰጎመ ድማ ብዉሽጡ ክሕመን ክገማማዕን ተራእዩ ።፡ጠንቂ ናይዚ ድማ ብቐዳምነት ንኪዳን ፈንፊኑ በይኑ ሃገር ብሃገራ ብኣይ ክትጽሎ ትኽእልያ ዝብል ሰረተ-እምነት ስለዘቐልቀለ እዩ ዝነበረ። ኣብ ዉሽጡ ካብ ዝተላዕለ ተቓዉሞን ሓያል በዳሂ ምንቅስቓሳትን ነቲ ዕድመ ኪዳን ብጉልባብ ኣዲስ ኣበባ ኣይንረግጽን ዝብል ዘይምኹኑይ ዕጥይጥይ ናይ መራሕቱ ብመሰረታት ተጸፊዑዩ ልኡኻቱ ሰዲዱ ኣዲስ ኣበባ ንዝተገብረ ናይ ኪዳን ኣኼባ ዝተሳተፎ ።

ድሒሮም ብእኩብን ብዉልቀን ዝራሕርሕዎ ገዳይም ተጋደልቲ ከምዘነጸርዎ ኣካይዳኡ ዘሰክፍዩ ብትምክሕተኛታት ዝዕብለል ነቲ ሜዳ ኤርትራ ዘሎ ናይ ሙኩሓት ኣካይዳ ብግስ ከይበለ የንጸባርቕ ኣሎ ኢሎም ትዕዝብቶም ንህዝቢ ለጊሶም ኔሮም ። ከምዚ ዓይነት ተቓዉሞ በብግዚኡ ኣብ ዉሽጡ ክዉላዕ ምስረኣዩ ድማ ተስፋሚካአኤል ዮዉሃንስ ምስ መስፍን ሓጎስ መኺሮም እቲ ሰልፊ እናሓቐቐ ይኸይድ ስለዘሎ ምስ ሰዉራዊ ባይቶ ስሙር ግንባር ተመራጺ እዩ ዝብል ናይ ነብሰ-ምክልኻል ዉጥን ሓንጺጾም ንመሰረታት ክጉስጉሱ ተራእዮም ።ብዉሽጢ ኣድቒቖም ነዚ ሰልፊዚ ካብዝፈልጡ ዝምንጩ ሓደ ሓቂ ዝተጋህደ ኣብ ዝተናዉሔ ግዜ ሰዉራዊ ባይቶ ንኣካይዳና ክርዕምዩ ካብኡ ናብ ምትሕንፋጽ እንተበጺሕና ድማ ብዝወሓደ ዝዓበየ ሰልፊ ናይ ምኻን ባይታ ኣሎ ካብ ዝብል እምነት ብዘለዎም ዓቕሚ ሰሪሖሙሉ እዮም ።እቲ ኣብ ሰዉራዊ ባይቶ ዝነበረ ገምጋም ነቶም ኣብ ዉሽጡ ዘለዉን መስርሕ ምዉህሃድ ክልቲኡ ሰልፍታትን ኣድቂቖም ዝፈልጡን ክሓድገሎም። ነቶም ድሒሮም ዝተጸንበርዎ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ዘለለይዎን አዶም ዝሓጽቡ ዘለዉን በላሕቲ ሃገራዉያ እዉን ኣድናቖተይ ይገልጽ። እቲ ሕጂ ቀንድን መበገስን ኮይኑኒ ዘሎ ግና እቲ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ኮሙሽን ዝጉስጎስ ዘሎ ኣዕናዊ ጎስጋስ ብኽልተ ጫፋት (ህግደፍን  ሰልፊ ዲሞክራስን ) ስለምንታይ ሓደ ዓይነት ይመሳሰል  ? መኖምከ  ብምፍሻል  ሃገራዊ ማዕላ ይኸስብ ? ስለምንታይ ኣብ ሓደ ግዜ  ብመርበብ መስከረም ዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ንሃገራዊ ኮምሽን ? ወ.ዘተ   ወዘተ ብዙሓት  ሕቶታት  ኣልዒሎም ኣለዉ ።

ነዚ ሃገር ክጥርንፍ ሃገር ዝቕበሎ ዘሎ ህቡብ  ኮምሽን ጉዕዞኡ ሕልኮ ኣእቲኻ ንምርማሱ ምኻኑ ድሮ ተገንዚብናዮ ስለዘሎናን  ዓንዲ ሒቖ ከምዘለናዮን ተኣማሚኑ ክምርሽ ብዙሓት ኣዝዮም ብዙሓት ሓርበኛታት ኣሎናልካ ንብሎ ስለዘሎናን ግና ዕላምኡ ከምዝሃርም ጥርጥር የብልናን ። ሰልፊ ህዝቢ ብኣገልግሎት መርበብ መስከረም ልክዕ ንናይ ህግደፍ ዝመሳሰል መጥቃዕቲ ንሃገራዊ ኮሙሽን እንተቐጺሉ ግና እቲ መከርኡ ክድምድም ተቓሪቡ ዘሎን ብስኒት ዝምርሽን  ደላይ ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ክሰሃሎ ምኻኑ ከገንዝብ እፈቱ ።ዳግመ ግምት ጌሩ ንማዕበል ህዝቢ ክኽተል ድማ እምሕጸን።

ደላይ ፍትሒ ክሳብ ዓወት። ሓደ ካብ  ኣሎና።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>