ስርዓታዊ ሕማምን ፈውሱን (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel s እቲ ሕማም ኣብቲ ርእሲ ኢዩ ዘሎ። እቲ ላዕሊ ዘይጠዓየ፡ እቲ ታሕቲ ኪጥዒ ኣይክእልን። ሕዱር ሕማም’ዩ ዚመስል፡ ከተሕውዮ ድማ ጸገም ኢዩ።

ከመይ’ዩ ዚገብሮ?

ይህውኾ፡ ጸርጸር የብሎ። ክቡር ባህልን ስነ-ምግባርን የጥፍእን የዕኑን። ኪብርትዖ ኸሎ ድማ ዓይኒብለይ ስኒብለይ ብምባል የደስክል፡ ቅሳነት ይኸልእ፡ ይኣስር፡ ይጸፍዕ፡ ….። ኣዚዩ ኪብርትዖ ኸሎ ድማ ይሰቲ።

ሕማቕ ኪርኢ ከሎኸ? ይስሕቕ።

መኣስ ኢዩ ጀሚሩዎ?

ኣብ ሜዳ ኢዩ ጀሚሩዎ። እቶም ሰዓብቱ’ውን ሽዑ’ዩ እቲ ሕማም ለኺፉዎም። ኣብ ሜዳ ኾይኖም ምንዓቕ ህዝቢ ተማሂሮም። ኣብ ሜዳ ኾይኖም ኣምልኾ መራሒ ተለማሚዶም። ኣብ ሜዳ ኾይኖም መሰል ምግፋፍ ኣተኣታቲዮም። ከይሓወዩ ድማ ናብ ኣስመራ ኣትዮም። እቲ ሕማም ድማ ደጊሱዎም።

ህዝቢ ብሓጎስ ኢዩ ተቐቢሉዎም። ብፍላይ እቲ መሪሕነት ከም መለኮታዊ ሓይሊ ተቘጺሩ ተሰጊዱሉን ተዘሚሩሉን። ህዝቢ ሰሙን ምሉእ ሳዕሲዑን ጨፊሩን።

እቲ ናይቲ ሕማም ምልክት ግን ሽዑ-ሽዑ ኢዩ ተራእዩ። መምህራን ዩኒቨርሲቲ ምስጓጕ፡ ናይ መሰል ደቅሰብ ኣብያተጽሕፈት ምዕጻው፡ ኣበይ ዝነበርኩም ኢኹም ምባል፡ ምጕብዕባዕ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገር ምትዅታዅ፡ ምድስካል፡ ስንኩላን ምርሻን፡ ምፍርራህ፡ ምድሃል፡ ምሽክዕላል….

እቲ ሕማም ሓያል ኢዩ። ኣብ ናይ እንዳማትካ ሃገር ኬድካ ጸፋዕፋዕ ምባል’ውን ናይቲ ሕማም ካልኣዊ ባህርይ ኢዩ።

ስለዚ ኸኣ’ዩ እቲ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ከይኣክል፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ምርባሽን ምህዋኽን ምጕጣጥን ከም ስርሑ ገይሩ ዝወሰዶ። ሕማቕ ሕማም!

ኤርትራዊ ሰለስተ ነገራት ኣለዋ ኣዚዩ ዚሓመለን። ፍቕሪ ሃገርን ፍቕሪ ወለድን ጽሩይ ወዲዓዲ ምዃንን። ህግደፍ ነዚአን ኣጸቢቑ ይፈልጠን ኢዩ። ኤርትራዊ በዚአን ክትመጾ ከሎኻ ሕማቕ ኢዩ። ኣይክእልን ኢዩ። ካልእ ዝገበርካ እንተ ገበርካዮ ኪርስዖ ይኽእል። ዓድኻ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ ምስ ወለድኻ ኣይትራኸብን ኢኻ፡ ዓድኻ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣይኮነን ንዚብሎ ግን ከም ዓቢ መርገምን ዘልኣለማዊ ስቓይን ኢዩ ዚወስዶ።

ኣብ ካልእ ሃገራት ምስ እንርኢ፡ ፈረንሳን ሩስያን ተመሳሳሊ ሻቕሎት ኣለዎም። ንሓደ ፈረንሳዊ ወይ ሩስያዊ ካብ ዓድኻ ውጻእ ክትብሎ ከሎኻ፡ እዚ ንኣኡ እቲ ዝዓበየ ፍርዲ ኢዩ። ንኣብነት ሶቭየታውያን፡ ነቲ ብስነጽሑፍ ናይ ኖበል ሽልማት እተሸለመ ሾልዠኒስቲን እተባህለ ሩስያዊ ካብ ሩስያ ኪሰጉዎ ኸለዉ፡ ከምዚ ምግባር ንሓደ ሩስያዊ እቲ ዝኸፍአ መቕጻዕቲ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝሓሰቡ ኢዩ።

ህግደፍ ነዚ ድኹም ጎድኒ ኤርትራዊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ብንቡር ወይ ብደሞክራስያዊ መገዲ ዚቓወሞም ኣብ ወጻኢ ዚርከብ ኤርትራዊ፡ 1. ሃገርካ ኣይትኣቱን ኢኻ ብምባል 2. ምስ ቤተሰቡ መታን ከይራኸብ ከዳዕ ኢዩ ኢልካ ኣብ ስድራቤት ህውከት ምእታው 3. ካብ እተቓወመስ ‘ዓጋመ’ ኢዩ፡ ኤርትራዊ ኣይኮነን እናበልካ ፕሮፓጋንዳ ምንዛሕ።

ብዛዕባ እታ ኻልኣይቲ ነጥቢ ከዕልለኩም። ሓደ ካብ ቀደም ዝፈልጦ ኤርትራዊ ኢዩ። ኣብ ከተማ የተቦሪ ስዊድን ዚቕመጥ ኮይኑ፡ ጽሩይ ሕዋስ ዘይብሉ ናይ ህግደፍ ካድረ ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ካፈተርያ ረኺበዮስ ብዕላል ዕላል ድማ ኣብ መንጎ ዘረባና፣

”ኣታ፡ እቲ ሓውኻስ ምስ ተቓወምቲ ኾይኑ ይቃለስ ኣሎ ኢሎምዎ። ደሃዩ ኣሎካዶ?” ብምባል ተወኪሰዮ።

”ሓውኻ!? ንሱ ደኣ መኣስ ሓወይ ኮይኑ፡ ደሓር ድማ ካብ ቤተሰብና ሓኺኽናዮ ኢናኮ……” ዚብል ዘስደምም መልሲ ሂቡኒ።

ኣብ ህይወተይ ንመጀመርያ ግዜ ወለዲ ንውላዶም ወደይ ኣይኮነን ኢሎም ኣብ ጋዜጣ ዘውጽኡሉ እዋን ይዝከረኒ። ኣብ 50ታት ኢዩ። ስለምንታይ ይመስለኩም ዝወገዙዎ? ሰሪቑ ስለ ዘዋረዶም። ግን ከኣ ኩሉ ሰብ ክዒቡዎም። ዘይቀጽዑዎ ጥራይ፡ ንምንታይ ዚውግዙዎ ብምባል ሰብ ኣስተማሲሉ።

በዚ ኣጋጣም’ዚ፡ ኣብ ሃገርናን ባህልናን ስርቂ ክሳዕ ክንደይ ነውሪ ከም ዝነበረ ንእግረመገድና ክንመሃር ንኽእል። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዝሰረቐን ገዛ እንዳሰብ ሰይሩ ዝኣተወን ዘይተወገዘስ፡ እቲ ብደሞክራውያዊ መገዲ ንመሪሕነት ኪብድህ እተላዕለ ዜጋ ከም ውጉዝን ውጉድን ተቘጺሩ ካብ ሕብረተሰብ ይንጸል ኣሎ።

ዝኾነኾይኑ፡ ካብ ሕሙም መሪሕነት እንታይ ክትጽበ ይከኣል። ቅድሚ ናብቲ ፈውሲ ወይ ማይጨሎት ምእታወይ ግን፡ ናይቲ ሕማም ሳዕቤናት ዝኾና ክልተ ኣጋጣሚታት ከዘንትወልኩም።

ሓደ ግዜ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ 2005፡ ሰዓት 2 ናይ ለይቲ ኣቢሉ ኢዩ፡ ኣነን ዓርከይን ኣብቲ ጎደና ሓርነትን ከባቢኡን ንዛወር ኔርና። ሽሕኳ ናይቲ ብጻየይ ቀንዲ ዕላማ ኣብ መስተ ዘተኰረ እንተ ነበረ፡ ኣነ ግን ክበጽሖ ዝደለኹ ነገር ስለ ዝነበረኒ፡ ከባቢየይ ብንቕሓት እዕዘብ ነይረ።

ኣዋልድ ይውጭጫ፡ ኣወዳት ይጎዩወን። ደናጉላ ብርእስና ይሓልፍ። መንእሰያት ነተን ተጸጊዐን ዝነበራ ፓርክ ዝገበራ መኻይን ብልዕሊአን እናረገጹ ይጎዩ። ኣብ ፈቐዶ ኣንጎሎታት ማኪና ወይ ታክሲ ደው ኣቢሎም ኣዋልድ ዚጽዕኑ ኣዲኦም ትቝጸሮም። እቶም በትሪ ዝሓዙ ፖሊስ ግን ከም ዘይረኣዩ ትም ኢሎም ይሓልፉ። ሮንዳታት’ውን ነቲ ጕዳይ ከም ዘይናተን ርእየን ይሕምበባ።

”ፖሊስ ኣይሕዙዎምን ዲዮም?” ብምባል ነቲ ብመስተ ዓሚሩ ዝነበረ ዓርከይ ሓቲተዮ።

”ክላ፡ ስራሕ ስኢኖም!”

“ንመን ኪሕዙ ደኣ’ዮም ኣባትሮም እናወጣወጡ ዚሓልፉ ዘለዉ?” ደጊመ ሓቲተ።

“ምናልባት ገለ ሰባት ኣብ ብሕት ዝበለ ቦታ ወይ ኣብ ማኪና ኾይኖም ከዕልሉ እንተ ረኺቦም፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም ይብሉዎም” ብምባል መሊሹለይ።

”መንግስቲ ከይግልብጡ ዲዩ?” እንደገና ሓቲተ።

“እንድዒ፡ ግን እኩብ ሰብ ጥራይ ኢዩ ዘፍርሆም። እምበር ኣብ መገዲ ኴንካ ግብረስጋ እንተ ፈጸምካ’ውን ብዙሕ ዝግድሶም ኣይመስሉን……” ኢሉኒ።

“ሓቅኻ ኢኻ፡ ብቐደሙስ ካብቲ ቢራ ንግሆ፡ ጸባ ድማ ምሸት ዚዕድል መንግስቲ እንታይ ኪጽበ ይከኣል…….” ኢለ ብልበይ።

እታ ኻልአይቲ ነጥቢ ንቕሳነት ምኽላእ እትምልከት ኢያ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ሕጂ ተዓጽዩ ዘሎ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብቲ ኣዕኑድ ወረቐት ተለጢፉ ርእየ ቀሪበ ከንብቦ ጽግዕ ኢለ። ድሕሪ ሰሙን ናብ ሳዋ ክትከዱ ኢኹም ተቐረቡ ዚብል ኣዋጅ ኢዩ። እቲ ዘገርም ግን፡ ኣብቲ ኣነ ዘንብበሉ ዝነበርኩ እዋን፡ እቶም ተመሃሮ ፈተና ኢዮም ዚወስዱ ነይሮም። ፋይናል ኤግዛም። እንታይ ኢዩ ነገራቱ፡ እቲ ፈተና ድሕሪ ጽባሕ ኢዩ ዚውዳእ፡ ስለምንታይ ፈተና ክሳዕ ዚውድኡ እቲ ሓበሬታ ቅሩብ ዘይጸንሕ ኢለ ብልበይ። ግን ከኣ በዚ ኣይዓገብኩን፡ ንሓደ ሓላፍነት ዘለዎ ዝፈልጦ ሰብ ተወኪሰዮ።

”ሳዋ ምኻድ ቀሊል ነገር ኣይኮነን፡ ክንደይ ሸቐልቀል ኣለዎ። ስለምንታይ ነቶም ተመሃሮ ኣብ ልዕሊ ናይ ፈተና ጭንቀት፡ ናይ ጕዕዞ ጭንቀት ድማ ዚውስኹሎም። ፈተና ምስ ወድኡ ዘይልጥፉዎ?” ብምባል ተወኪሰዮ።

“እወ ሓቅኻ ኢኻ፡ ገለ ተመሃሮ ኣዚዮም ኢዮም ዚርበሹ፡ ነቲ ፈተና ገዲፎምዎ ዚወጹ’ውን ኣለዉ። ነዚ ኩነታት’ዚ መሰረት ብምግባር ንሕና’ውን ብወገንና ነቲ ዚምልከቶ ኣካል ሓቢርናዮ፡ ግን ዝረኸብናዮ መልሲ፡ ስራሕኩም ግበሩ ዚብል ኢዩ…..” ኢሉኒ።

ምናልባት ገለ ሰባት፡ ንሳዋ ምኻድ እሞ እንታይ ሸቐልቀል ዘብል ኮይኑ ትብሉ ትኾኑ። ግን ናይ ሳዋ ጸገምኮ ናይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕቶ ዘይኮነስ ናይ ሰንፈላል ሕቶ ኢዩ። ንዓመት ወይ ክልተ ዓመት ኢልካ ዝወፈርካ፡ ትሽዓተ ዓመት ኣይተማሂርካ፡ ኣይሓዳር ጌርካ፡ ኣይብነብስኻ ሓዲርካ፡ ገና ድማ መጻኢኻ ጠልጠል ኢሉ ክትርኢ ከሎኻ፡ ቅድሚ ምንቃልካ ኣይትርበሽንዶ?

ግን ንሰብ ቅሳነት ምኽላእ ናይ ዲክታቶርያውን ሕሙምን ስርዓት ሕላገት ኢዩ። ዘየደቅስ ነጊርካ በጥ ኢልካ ትሓድር። ወርሒ ወርሒ ኣብ ጭንቀት ዘእቱ መምርሒታትን ሓበሬታታን ትህብ። ኣብ ፈቐዶ መንግስታዊ ትካላት ሰራሕተኛታት እናኣከብካ፡ ተጠንቀቑ ጸላኢ ዓጢቑልና ኢዩ ዘሎ ኢልካ ራዕዲ ምፍጣር። ዝኾነኾይኑ፡ እዚ ሜላ’ዚ በዓል ሩስያን ቺናን ዝደኸማሉን ዝላደያሉን ደሓር ግን ኩሉ ሰብ ምስ ፈንፈነን ዝደርበያኦ ናይ ራዕዲ ሜላ ኢዩ’ሞ ኪገርመና ኣይግባእን።

እሞኸ ነዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሕማምን ሳዕቤኑን ንምምካት እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ከም ሓቂ፡ ነቲ ሕማም ቀልጢፍካ ከተሕውዮ ኣይከኣልን። ንኣኡ ዚኸውን ማይጨሎት’ውን ዛጊት ኣብ ሃገርና የልቦን። ዚከኣል እንተ ኾይኑስ ነቶም ሕሙማት ምልጋስ ኢዩ።

ካብኡ ተረፈ ግን ንፍሉይ ስርዓታዊ ሕማም ተባሂሉ ዚውሰድ ኣህጉራዊ ፈውሲ ኣሎ። ንሱ ድማ እገዳ ወይ ማዕቀብ ይብሃል። ቅድሚ ሕጂ በዓል ሳዳም ሑሰንን ጋዳፍን ሙጋበን ወሲዶምዎስ መጀመርያ ቅሩብ ረስኒ ገይሩሎም ደሓር ግን ጠቒሙዎም ይብሃል። ግን ከኣ ቀጻሊ  እንተወሰድካዮ ኢዩ ፈውሲ ዝኾነካ። ኣብ መንጎ እንተ ኣቋረጽካዮ፡ እቲ ሕማም ይደግሰካ ኢዩ ይብሃል።

ይኹን’ምበር፡ ብኣና ማለት ብወገን ተቓወምቲ ኪውሰድ ዘለዎ ፈውሲ ድማ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ብሓጺሩ ከምዚ ዚስዕብ ኪመስል ይኽእል፣

  1. ጥሙር ህዝባዊ ግንባር ምፍጣር
  2. ብስስዐን ናይ ስልጣን ህርፋንን ዘይተበከሉ ሰልፍታት ምምስራት
  3. ኣብ ኤምባሲታት እናኸድካ ዲፕሎማስያዊ ቃልሲ ምክያድ፡ ንበላዕቲ ክልተ ምቅላዕ፡ ነቶም ንህዝቢ ዘሳቐዩ ኣባላት ህግደፍ ኣብ ፍርዲ ምቕራብ
  4. ብወብሳይት፡ ብፈይስቡክ፡ ብመጻሕፍቲ፡ ከምኡ’ውን መዛግብቲ ብምኽፋት ምግዳል
  5. መንእሰያት ዚጥነፉሉ መገድታት ምጥያስ
  6. ባህላዊ መደባት ምጅማር
  7. ኣብ ኣውራጃን ሃይማኖትን ብሄርን እተመርኰሰ ኣተሓሳስባ ፈጺምካ ምንጻግ
  8. ነቶም ኣብ ወጻኢ ኾይኖም ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዚድግፉ ብዘሎካ ዓቕሚ ምቅላስን ድቃስ ምኽላእን
  9. ነቶም ነዚ ቃልስ’ዚ ከበርክቱ ዚኽእሉ’ሞ ደቂሶም ዘለዉ ዜጋታት ምብርባር…..

 

እዚ ወድሓንኩም።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>