መስከረም ኔትን ድምጺ መሰልና ደሊናን እንታይ ንምግዓት ክንድዚ ምርሃጽ?

ክልተ ሽሕን ዓሰርተን እታ ዝለዓለ ነጥበ መቐይሮ ዝተራእየላ፡ ህዝብና ንፈታዊ ካብ ጸላኢ ፈልዩ ዝመመየላ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግራቱ ብደቂቕ ዘላለየላ ዓመት ኢያ ክትበሃል ይከኣል።


ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ደምበ ተቓዉሞ ብዙሕ ጉድ ዘቃልዐ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኔሩ። ኣነ ካብቲ ዘርምመኒ ዝነበረ ጉዳያት ሓደ ምስቲ ሰፍ ዘይብል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ስለምንታይ ዝሕቱል ናይ ተቓዉሞ ዉድባት፡ ስለምንታይ’ከ ዉዕዉስ ህዝባዊ ደገፍ ዘይብለን ዝብላ ሕቶታት ወትሩ ነእምሮይ ዝርብሻ ዝነበራ ኢየን። ሃገራዊ ዋዕላ ኪግበር’ዩ ምስ ተባህለ ግን ከም ሰበይ እኳ እንተተደሰትኩ ሻቕሎት ግን ኔሩኒ። ምኽንያቱ ከምቶም ዝሓለፉ እዋናት ብዘይ ዝኾነ ፍረ ተኣኪቡ ከይፍንጣሕ ዝብል። ኩላትና ክንከታተሎ ከምዝጸናሕና ዘለናን ድማ ዋላ’ኳ ጨለ እንተዘይተባህለ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዉሳነታትን ምርድዳኣትን ምብጽሑ ግን ንኩላትና ኤርትራውያን ኣውራ’ኳ ነቲ ኣብ ኣደዳ ሕሰምን መከራን ዝርከብ ህዝብና ዓቢ ብስራት ኢዩ።

ንሎሚ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ ግን እዚ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብዙሓት መሓዙተይን መቕርበይን ብዛዕባ መርበባት ሓበሬታ መስከረምን ከምኡ ዉን እታ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝርከቡ ዝነበሩ ተመሃሮ እትካየድ ዝነበረት ድምጺ መሰልና ደሊና እንታይ’ዩ ጉደን ክብሉ ብብዝሒ ስለዝሰማዕዎም ነዛ ዓንቀጽ ክጽሕፍ  ኣንቂደ። ዋላ’ኳ ቀጻሊ ይከታተለን እየ እንተዘይበልኩ ሕልፍ ሕልፍ ኢለ ግን ሃሰስ ካብ ምባለን ዓዲ ኣይወዓልኩን። እቲ ኣዝዩ ዘርመመኒ ድማ እቲ ዘቕርብኦ ዘለዋ ትሕዝቶ ኢዩ። ዋላ’ኳ ከም ናጻ ናይ ሓቤሬታ ምንጪ ምኻን፡ ኣብ ህዝቢ ዓቢ ተኣማንነት  ኣጥፊአን እንተለዋ፡ የግዳስ እቲ ብዙሕ ሰብ ዘውርየሉ ዘሎ ጉዳይ በቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ተዓሲበን፡ ንተቓዉሞ ደምበ ንምድኻም ስውር ናይ ፕሮፓጋንዳ ኲናት የካይዳ ኣለዋ ዝብል ሕሜታ ሓያለ ሰባት፡ ዋላ’ኳ ኣብ መጀመርያ ክኣምኖ ዘሸግረኒ እንተነበረ፡ ዓይነይ ብእትሪኦ ዘላን እዝነይ ብእትሰምዖ  ዘላን ጉድ ግን ሎምስ ክጠራጠር ዘይኮንኩስ ክኣምን ምጅማረይ ኢዩ። ግዜ ዘይገልጾ ጉድ የለን እሞ ቁሩብ ምቕናይ ጥራይ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተ ዓመታት መመላእታ ጸሓይ ክሳብ እትዓርቦ ክምህለሎ ዝጸንሐ ስምረት ተቓዉሞ ዉድባት ጋህዲ ብምቕያሩ፡ ኣዳለውቲ ድምጺ ደሊና መስከረምን ጎረርኦም ክሳብ ዝነቅዕ ሕሱር ፕሮፓጋንዳ ኣንጻር ዋዕላ ብምንዛሕ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ደምበ ክመቕልዎ ሃቂኖም። ህዝቢ ንምድንጋር ዘይፈንቀልዎ ከውሒ የለን። ሓደ ኣብነት ካብቲ ዝተጠቕምሉ ረቒቕ ተንኮል ነቲ ዋዕላ ብዕብለላ ናይ ሓደ ሃይማኖት ክኽስዎ ተጋይዮም፡ ሓቂ ይሓይሽ ኣነ’ዉን ከም ሰበይ ኣብቲ እዋን’ቲስ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊኤን ዝነበረኒ ቅኑዕ ኣረኣእያ ብዝነዝሕኦ ፕሮፓጋንዳ ተታሊለ ኔረ ኢየ። እንተኾነ ግን ሓሳውን ቆርበትን እንዳሓደረ ይፎክስ ከምዝብልዎ፡ እንሆ ኣብዚ እዋን ጉልባበን ቀሊዐን ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ፎእ ክብለን ይውዕል ኣሎ።

ነዚ ኣብዚ ቅንያት ‘ኣለና’ ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ተጠቒሙ ብርቂ ዝኾነ ታሪኻዊ ፍጻመታትን ብዘደንቕ ትረኻ፡ ነቶም ኣብቲ ዉዕሎ ዘይነበርናን ዝነበርናን ዓቢ ትምህርቲ ዘቕስም፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓትን ነቲ ንሱ ዝለኣኾ’ዩ ተባሂሉ ዝጥርጠር ዘሎ መስፍን ሓጎስን ብትብዓትን ምስናይ ጭብጥታቱን ከተቃልዖ ምብቃዕካ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጸባ ኣስቲኻዩ ኢኻ’ሞ ዮሃና። ብሓቒ ሎምስ ፈጣሪ ‘ይኣክል’ ኢሉና’ዩ ግዲ ዘብል ኢዩ። እዚ ሰፍ ዘይብል ክስታት እንክንሰምዕ ግና፡ መዓንጣ ከብድና ሕርር ኩምትር ምባሉ ኣይተረፎን። መስፍን ሓጎስ ስቕታ ምምራጹ ድማ ነዚ ፍጻመ ዊዒለዮ’የ ጥራይ ከም ምባል’ዩ ንዓና ዘስምዓና።

ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብዛዕባ ታሪኹን ታሪኽ ኢሰያስን ተሓቲቱ ክምልስ ዘይመረጸ መስፍን፡ ሕንቅል ሕንቅሊተይ ኮይኑና ዝነበረ ሕቶ መልሲ ዝረኸበ ኮይኑ ይስምዓኒ። እሞ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ሕጂ እንታይ ኢዩ። መስፍን ሓጎስ ኣብ ፍርዲ ክቐርበሉ ዝኽእለሉ ኩነታት ክፍጠር ጻዕርታት ክግበር ኣለዎ። እዚ ክስታት እዚ ድማ ከምቲ ንገለ ወገናት ዝመስሎም ንተቓዉሞ ደምበ ዘዳኽም ዘይኮነስ መሊሱ ዘደንፍዕ ዓቢ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኢዩ። ክንደይ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብመስፍን ዘይተታለለ ክሳብ ሕጂ። መስከረምን መሰልና ደሊናን ንብዓት ሓርገጽ ዘርግፋሉ ዘለዋኸ ስለምንታይ’ዩ ኣንባቢ ቀሊል መልሲ ዝረኽበሉ ምቹእ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሎ። እንታይ ንምግዓት’ዩ እዚ ኹሉ ረሃጽ ሎምስ በሪሁልና። ኣቦታት ክምስሉ ሽሕ ግዜ ካብ ፈታዊኻ ሚእቲ ግዜ ድማ ካብ ጸላኢኻ ተጠንቐቕ ኢዩ’ሞ፡ ሃየ ደምበ ተቓዉሞ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ብምጽንሑ 10 ዓመት ኣብ ሓሸዉየ ኣሕሊፍዎ’ዩ እሞ ሕጂ ይኣክል ንበሎ። ሓቐኛ ሕብሪ ደምበ ተቓዉሞ ከም ጸሓይ ቀትሪ በጣዕጣዕ ኢሉ ክንሪኦ በቒዕና ኣለና’ሞ ሃየ ዕርፊ ነጽንዕ።

ኣብዚ ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ድማ ኣበርክቶ ምኩር ጋዜጠኛ ኣማኑኤል ኢያሱን መሳርሕቱ ፌቨን ሰሎሙን ኢዩ። እዛ ማዕከን ሓበሬታ ድምጺ ዉጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ኣላ እሞ ኣጆኹም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጎንኹም ኢዩ ዘሎ ክብለካ ይደሊ። እቶም ኣብ ደገ ዘለና ድማ ወይ ብብርዕና ወይ ድማ ብገንዘብና እንዳሓገዝና ነዛ መርበብ ሓበሬታ ነሰስና። ጉዳይ ምወላ ንመስከረምን መሰልና ደሊናን ስሪአን ኣፍቲሑ ወለቕ ዘለቕ ከብለን ንሪኦ ኣለና እሞ፡ ሓቕኛ ህዝባዊ ማዕከን ሓበሬታ እንረክብ ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ’ሞ ንምስሳና ኣእጃምና ነልዕል።

እስቲፋኖስ ባርያጋብር (ጨው)

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>