መንግስቲ ህግደፍ ብስም ሃይማኖት ተዋህዶ፡ኣብ እስራኤል ዘለዉ ስደተኛታት ቀጥታዊ ርክብ ይገብር ኣሎ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ሞትን ጥይትን ህግደፍ ተሳጊሮም ምድረ በዳ ሳሃራ ሰጊሮም፡ ዝፈትውዎምን ዘፍቅርዎምን ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ በረኻ ሲና ንኣሞራ ብሰንኪ ህግደፍ ወፍዮም ኣብ እስራኤል ዕቑባ ዝሓተቱ መንእሰያት ማእለያ የብሎምን።

እንተ ኾነ ኤምባሲ መንግስቲ ህግደፍ ነቶም መእተዊ ስኢኑሎም ዝጸንሐ፡ ሞት ተሳጊሮም ዕቑባ ዝሓተቱ ኤርትራውያን፡ ብስም ሃይማኖት ተጎዝጒዙ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ምስ ዮፍታሄ ወዲ ቀሺ ድመጥሮስ ዝመርሖ፡ ሓደ ካድረ ኣቡን ኣኸቲሉ፡ ምስቶም ስደተኛታት፡ ምስ ኤምባሲ ህግደፍ ኣኼባ ድሕሪ ምግባሩ፡ ኣብ ውሽጢ እቶም መንእሰያት ስሩዓት ሃሱሳት ወዲቡ፡ ጽዑቕ ምክትታልን ይገብር ኣሎ።

ድሮውን ኣብቲ ናጻ ካብ ፖለቲካ ናይ ስደተኛታት መጸለዪ ኣቐዲሙ ዝተሰረት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ዝኸደ፡ ዳግማይ ሃገር ከም ዝኸሓደ፡ ጸረ መንግስትና እዩ፡ እናበሉ ናይቲ ዮፍታሄ ዘመሓድሮ ፖለቲካዊ ሃይማኖት ናይ ኣባልነት ካርድ ክዝርግሑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ዘራፊ መንግስቲ ህግደፍ፡ እዚ ዓቢ ኣፍደገ መእተዊ ተጠቒሙ፡ ድሮ ተስፋ ኣታዊ ናይ ገንዘብ ምንጪ ረኺቡ ኣሎ።

በዚ ድማ ዓብይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝነብር ህዝቢ ንዓበይትን ንናእሽቱን፡ ናብ ኢየሩሳሌም ክትሳለሙ ክትከዱ ገንዘብ ካብ ሕጂ ክፈሉ፡ ኢሉ ናይ ሕሳብ ኣካውንት ከፊቱ፡ ስድራ ቤትኩም ኣብ ወጽኢ ዘለውኹም ንገርዎም ሕጂ ጀሚሮም ይኽፈሉልኩም እናበለ፡ ብሃሱሳቱ ኣቢሉ ናይ ሕሳብ መዝገብ ከፊቱ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ልዑል ቀስቀሳታት የካይድ ኣሎ።

እዞም ብፖለቲካ ዕቑባ ሓቲቶም ከብቅዑ ብሕቡእ ምስ መንግስቲ ህግደፍ ሽርክነት ፈጢሮም ኣብ ርእሲ ስደተኛ ህዝቢ ገበን ዝፍጽሙ ዘለዉ ሃሱሳትን ሰዓብቶምን እቲ ምስ ኤምባሲ ህግደፍን ልኡኹ ዮፍታሄን ካድረ ጳጳስ ዝገበርዎ ርክብ፡ ብጭብጢ ምስ መረድኢ ተታሒዙ  ዘሎ።

ዝምልከቶ ኣካል ምክትታል ይገብር እኳ እንተ ሃለወ፡ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ግን በዚ ከይግራህ፡ ብፍላይ ኣብቲ ህግደፍ ህብዎ ዘሎ ናይ ሕሳብ ቁጽሪ ዝኾነ ኣታዊ ከይግበር ኣቐዲምና እናሓበርና፡ ምክትታልና ቀጻሊ ምዃኑን ሃሱሳት ህግደፍ ኣብ ምቅላዕ ዝምልከቶ ኩሉ እጃሙ ከበርክት ንጽውዕ።

ሰላም ንህዝቢ ኤረትራ።


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>