ምእንቲ ብደም ሰማዕታትና ዝረወየት ሃገርናን ፣ ምእንቲ ብኹቱር ጭቆናን ጥልመትን ምልክን ዝሳቐ ዘሎ ህዝብናን ፣ ምእንቲ ካብ ሃገሩ ክሃድም ኣብ ፈቐዶ ዶባትን ባሕርታትን ዕርድታትን ሞት ዝቐዝፎም ዘሎ መንእሰያትናን ፣
ምእንቲ ስቅያትን ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ህዝብናን፣ ምእንቲ ዝጸንት ዘሎ መንእሰይናን፡ ዝኽሰር ዘሎ ክብርን ሓድነትን ልኡላውነትን ሃገርናን ፣ ንገበነኛ ስርዓት ካብ ምሕጋዝን ምድጋፍን ክትቑጠቡ ነማሕጽነኩም።
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ እቲ ነዚ ስርዓት’ዚ እንልግሶ ክፍሊት፡ ንጥምየት ሕጻናትን፡ መቕተሊ መንእሰያትን፡ ንመግፍዒ ህዝብን፡ መኣገዲ ሃገርን፡ ንውድቀት መቆምያታትን፡ ንምንዋሕ መዋዕል ውርደትን ስቕያትን ከምዝውዕል ንፈልጥ’ዶ? ከምኡ’ውን እቲ ነዚ ስርዓት’ዚ እንኸፍሎ ገንዘብን እንገብሮ ምትሕብባርን፡ ኣብ ሕቆ ህዝብና ተጻዒኑ፡ ንዝገብሮ ብደዐን ምልካውነትን ዘናውሕ ምዃኑ ንርዳእ’ዶ? እቲ ነዚ ስርዓት’ዚ እንልግሶ ኣበርክቶ፡ ህዝብና ንምውጻዕን ሃገርና ንምዕናውን ዝውዕል ምዃኑ ንፈልጥ’ዶ?
ኤርትራ ሃገርና ብሰንኪ ፖሊሲታት ናይ’ዚ ስርዓት’ዚ ዝኣጎዶን ዝጻሕቶሮን ውሽጣውን ዞባውን ኣህጉራውን ናዕቢታት፣ ሃገርና ኤርትራ ናብ ዝፈሸለት ሃገር ገጻ ብናህሪ ተንቆልቑል ከም ዘላ ንርዳእ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ነንብብ።
ሃገርና፡ ካብተን ኣብ ዓለም ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጣ ሃገራት፡ ሳልሳይ ቦታ ዝሓዘት ሃገር ምዃና ንፈልጥ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ነንብብ።
http://www.hrw.org/en/news/
ሃገርና፡ ኣብ ክንክን ሕጻናትን ትምህርትን (መሰረታዊ ትምህርቲ)፡ ካብተን ዝደሓራ ሃገራት ዓለም፡ ካልኣይቲ ምዃና ንፈልጥ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ኣንብቡ።
http://www.cnn.com/2010/WORLD/
ሃገርና፡ ካብተን ብብልሽውናን ግሉጽነት-ኣልቦን ዝበኣሳ ሃገራት፡ ሻብዓይቲ ሃገር ምዃና ንፈልጥ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ኣንብቡ።
http://www.financialjesus.com/
ኤርትራ፡ ካብተን ኣብ ዓለም መንእሰያተንን ህዝበንን ብብዝሒ ንወጻኢ ብምውሓዝ ዝፍለጣ ሃገራት፡ ካብተን ቀዳሞት ሃገራት እትስራዕ ምዃና ንፈልጥ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ነንብብ።
http://www.freedomhouse.org/
http://www.hrw.org/en/news/
http://www.uneca.org/
ኤርትራ፡ ካብተን ብጥምየት ዝሳቀያ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ንፈልጥ’ዶ? ብዛዕባ’ዚ፡ ነዚ ዝስዕብ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ነንብብ።
http://www.ifpri.org/
ኩለን ኣህጉራዊ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ብዝፈጸሞ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝኾነነኦ ንፈልጥ’ዶ?
እዚ ስርዓት’ዚ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ኣቋቑማን ክውንነትን ህዝብና እናመዝመዘን፡ ፈላሊኻ ግዛእ ፖሊሲ እናተኸተለን፡ ንማሕበራዊ ዝምድና ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ዘቋስልን ዝበታትንን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሃገርናን ህዝብናን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ምዃኑ ንፈልጥ’ዶ?
ስርዓት ኤርትራ ምስ ኩሎም እቶም ምስኡ ብርኢቶ ዝፈላለዩ ዝቕንጽል ዓመጸኛን ገበነኛን ስርዓት’ዩ። እዚ ስርዓት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንደቒ-ሃገር ዝቀትልን ዝኣስርን፡ ብሃገራዊ ጉዳይ ዝምልከት፡ ንዝኾነ ብርእይቶ ምስኡ ዝፈላለ ዜጋ፡ ብዘይፍርዲ አብ መቑሕ ማእሰርቲ ዝዳጉንን፡ ኣብ ዞባና ወራርን ውግእን ናዕብን ዝኣጉድን ፣ ንኹለን ነተን መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንኸኽብር ዝጸውዕኦ ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት ዝጻረርን፡ ምስ ኩሉ ዓለም ዝጓነጽን ዝጻላእን ስርዓት’ዩ። ንኣብነት፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምጩቛንን ምጽቃጥን፡ መሰሉ ከኽብረሉ ንዝጸዋዓን ዝጠለባን መንግስታውያንን ከምኡ’ውን ዘይ መንግስታውያን ማሕበራትን፡ ከም ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን፡ ሓድነት ኤውሮጳን፡ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ክሳብ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ናይ እገዳ ስጉምቲ ዝወሰደ ኣህጉራዊ ባይቶ ጸጥታን ፣ ምስ ኣህጉራዊ ማሕበረ-ሰብ ብምሉኡ ተባኢሱ ይረከብ።
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን፡ ዓለም ብምሉኡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኤርትራ ደው ኢሉ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ንሕና ኸ ኣበይ ኣሎና? ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንርእዮን ንዕዘቦን፡ ዋላ’ውን ንሓንቲ ህሞት ትኹን፡ ምስ ነብስና ደው ኢልና ሕልናና ክንወቕስ ይግባእ። ናይ’ዚ ኹሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጸም ዘሎ ገበንን ግፍዕን መንዩ በደለኛ? መንዩ’ከ ተሓታቲ? ንሕና ኢና ምስክር ንሕና ኢና’ውን ፈረድቲ።
ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ድልየት ህዝብና ዘይዕጸፍን ዘይጭፍለቕ ምዃኑ ርዱእ’ዩ ቆራጽነትና’ውን ዘይሕለል’ዩ ፣ ንዕዉታት ብሓበን፣ ንፍሹላት ብሕስረት፣ ምዝካር ዘይተርፍ’ዩ። ታሪኽ’ውን ፍርዱ ክህብ’ዩ። ስለዚ ምእንቲ ህዝብናን ሃገርናን ደው ክንበል ንሕተት፡፡ ንኽብሪ እቶም ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንስቓይን ኣደዳ ሕስራንን ሕሰምን ተሳጢሖም ዝርከቡ ዜጋታትናን ሰብናን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንከላኸል ኣሎና። ደገፍቲ ግጉይን ገፋዕን ገበነኛን ኮይና ከይንተርፍ ንምሕጸን።
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ፣ተቓወምቲ ሓይልታትን ፣
በርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ዓባይ ብሪጣንያ ።