ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

hanti alemሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣

እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ ረሓቑ፡ ከመይሲ ብእምኒ ገይሮም ምስ ቀተሉኹም፡ መጻወቲ ድማ ከይገብሩኹም።

ሽዑ ሓደ ካብቶም ኳዃት፡ ”ኣቦ፡ እቶም እትብሎም ዘሎኻ ቈልዑ ኣብ ጁባኦም እምኒ ኣቐሚጦም እንተ ቀረቡናስ እምኒ ከልዕሉ ድንን ክሳዕ ዚብሉ ክንጽበዮም ዲና?” ብምባል ሓተተ።

ሽዑ እቲ ኣረጊት ኳዅ ገሪሙዎ፣

”ወደይ፡ እዝ’ስ ብዘመንኩም ደኣ’ምበር ብዘመንናስ ኣይነበረን” በሎ ይብሃል።

ኩሉ ዘመን ነናቱ ሕቶታትን ሽጣራታትን ኣለዎ። እቲ ናይ ቀደም ሽጣራ ከይተለወጠ ንዘልኣለም ኣይቅጽልን። ኣብ ግዜ ኣቦታትና ዘይነበረ ተርእዮታት፡ ኣብ ግዜና ይቀላቐል ኣሎ። እቲ ናይ ቀደም ፈውሲ ድማ፡ ነቲ ናይ ግዜና ሕማም ኪፍውሶ ኣይክእልን። ንኹሉ ኣጋጣሚታት ነናቱ ሕቶታትን መልስታትን ኣለዎ። ደረጃ ምስትውዓል ወድሰብ ይቕየርን ይልወጥን ይምዕብልን ኢዩ፡ እቲ ብድሆታት’ውን ከምኡ።

እዚ ዘለናዮ እዋን ኤርትራ ከም ናጻ ሃገር ኾይና እትነብረሉ ዘላ እዋን ኢዩ። እቲ ቀደም ናጻ ከይኮነት ከላ ዚጓነፋ ዝነበረ ብድሆታት ሕጂ ብሓድሽ ኣገባብ፡ ብሓድሽ መገዲ ኢዩ ዚብድሃ ዘሎ።ንኣብነት፡ ዘይተጸበናዮም ጨወይቲ ሃገር ኣብ ዙፋን ኮፍ ኢሎም ንርኢ ኣሎና። ሓድሽ ተርእዮታት ኪቀላቐሉን ኪብድሁን ንምልከት ኣሎና። ብዘይካኡ’ውን እዚ ዘለናዮ ግዜ ብብዙሕ መገዲ፡ ማለት ብጀዮፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን መዳይ፡ ካብቲ ዝሓለፈ እዋናት ኣዚዩ እተፈልየ ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን። ዓለም’ውን ብወገና ትልወጥ ኣላ።

ከምዚ መበሊየይ፡ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም እተዓዘብኩዎ፡ መብዛሕትኡ ህዝብና፡ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን መብዛሕትኦም መንእሰያትና፡ ኣብ ፖለቲካን ማሕበራዊ ጸገማትን ህንጸት ሃገርን ዘለዎም ኣምር፡ ግዜኡ ዝሓለፎን ብትምክሕቲ ዝተባዕጠን፡ ሕድገት ዘየፍቅድን፡ ጸረ-ደሞክራስን ምዃኑ ስለ እተዓዘብኩ እየ።

መብዛሕትኡ መንእሰይ ነቲ ኣብ ናይ ኤርትራ ፖለቲካውን ማሕበራውን ሕቶ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ዓጋመን ወያነን ከደዓትን ብዚብል መዛሙሩ ኢዩ ደሪቱዎ ዘሎ። ቀጺሉ ድማ፡ ንኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ማለት ኣብ ምስ-ህግደፍን ኣንጻር-ህግደፍን ደንበታት ብምክፍፋል፡ ኣብ ስግኣት ዝመልኦ ናይ ሃገራዊ ሓድነት ኣመለኻኽታን፡ ኣብ ዘመኑ ዝሓለፎ ደርጋዊ ፖለቲካዊ ኣምራትን ብምምርኳስ ጸቢብ ኣረኣእያ ኣማዕቢሉ ኣሎ። ዘመኖም ንዝሓለፎም ጭርሖታት’ውን ከም መትከሉ ዚጥቀመሎም ዘሎ ይመስል።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ንኤርትራ ካብ ሕማማ ከሕውያ ዚዝውተር ዝነበረ መድሃኒት ሕጂ ኣይሰርሕን ኢዩ። እቲ ንኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ወይ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝጠቕማ ዝነበረ ፈውሲ ሕጂ ዋጋ የብሉን። እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ዘሎ ሕማም፡ ብሓድሽን ሱር-በተኽን ዝኾነ ኣገባብ ጥራይ ኢዩ ኪሓዊ ዝኽእል።

ንገሊኡ ሰብ፡ ሕቶ ብሔራት ከተልዕለሉ ከሎኻ፡ መወዳእታ ዓለም ዝኣኸለ ኮይኑ ኢዩ ዚስምዖ። ግን እቲ ሓንጎሉ ደኣዩ ተወዲኡ እምበር፡ ዓለምስ ኣይተወደአትን፡ ገና ክትነብር ኢያ። ብዙሕ ሕቶታት’ውን ከተልዕል ኢያ። መብዛሕትኡ ሰብ፡ ዓለም ክትውዳእ ኢያ ኪብል ከሎ፡ ሓንጎሉ ስለ እተወደአ ጥራይ ኢዩ።

ሓደ እዋን ብዘረባ ዘረባ ምስ ሓደ ብጻየይ ከነዕልል ከሎና፡ ነዚ ናይ ብሄራት ሕቶታት ኣልዒልናዮ። እቲ ብጻየይ ግን ደስ ኣይበሎን። ሓድነትና ከየደልደልናስ ናብ ሕቶ ብሔራት ክንከይድ። እዚ ኣየድልን ኢዩ፡ ግዜኡ ኣይኮነን ኢሉኒ።

ግንከ ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ሓዳስ ኤርትራ ክንሃንጽ እንተ ደኣ ዄንና፡ ሕማም ዘይብላ ጥዕይቲ ኤርትራ ክትኰነልና ኢና እንደሊ። ንእሽቶ ሕማም ዚብሃል የልቦን። እታ ንእሽቶ ሕማም እትብላ ኣብ ገለ ክፋል ኣካላትካ ኾይና ጸጸኒሓ ከም ቃንዛ ቅልቅል ምስ እትብለካ፡ ናብ ሓኪም ኬድካ ድማ ምስ እትምርመራ፡ ካንሰር ኮይና ክትጸንሓካ ትኽእል። ንኹሉ ክፋላት ኣካላትካ ለኻኺማ ድማ ህይወትካ ከም እትስእን ትገብረካ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ፡ ኩሉ’ቲ ሕርኽርኽ ዚብል ሃገራዊ ሕቶታት ኪቐርብን ፍታሕ ኪርከበሉን ይግባእ። ወላኳ ገሊኡ ንግዜኡ ዘሰምብደና እንተ ኾነ፡ ክንፍትሾ ግን ኣሎንና። መኣስ ደኣ ኢዩሞ ኪፍታሕ? ካብ ህግደፍ ናጻ ዝኾነት ኤርትራ ድሕሪ ምህናጽ? ሽዑ’ሞ ኦሮማይ ኪብሃል ኢዩ።

ህግደፍ ጌና ህግደፍ ከይኮኑ ኸለዉ፡ ደሓር ኪፍታሕ ኢዩ ኢሎም ሒዞምልና ዝኣተዉ ክንደይ ሕማማት ነይሩ። እቲ ደሓር ዚብሉዎ ግዜ ምስ መጸ ግን፡ ኣብ ክንዲ ፍታሕ፡ ኲናትን ህልቂትን ኣምጺኡልና። ስለዚ ፖለቲካዊ ፍታሕ ግዜ ኪወሃቦ ኣይግባእን። ሕጂ’ውን እቲ ኪፍታሕ ዚኽእል፡ግዜ ኸሎ ሕጂ ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ምፍታሑ ግድን ኢዩ።

ንኣብነት ሓደ ብሔር፡ ኣነ እውጻዕ ኣለኹ ምስ ዚብል፡ እቲ ጸገም ብኣጋኡ ኪፍታሕ ኣለዎ እምበር፡ ስለምንታይ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምዚ ሕቶ’ዚ እተላዕለ ኢልካ ጸርጸር ምባል ኣይግባእን። ወላ’ውን ናይ ሃይማኖት ሕቶ ይኹን፡ ብግቡእ ኪረአን ኪምርመርን፡ ደሞክራስያዊ መልሲ ኪረክብን ይግባእ።

ናይ ቋንቋ ሕቶ’ውን ኣሎ። ናይ ክልል ሕቶ’ውን ኪለዓል ይኽእል ይኸውን። ናይ ምንጻል ሕቶ’ውን ሰዓቱ ሓሊዉ ይመጽእ ይኸውን። ግን እቲ ዝኸፍአ ነገር፡ በዚ ሕቶ’ዚ ምስምባድን ምርዓድን ኢዩ። ኣብ ኤርትራ መን ካብ መን ይልዕል ዲዩ? መን’ዩ ሓታቲ፡ መን’ዩኸ ተሓላቒ? ወይስ እቲ ዚስምብድ ዘሎ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ ናይ ትምክሕቲ ጸገም ኣለዎ ኾይኑ ዲዩ? እቲ ሕቶ፡ ስለምንታይ ትሓትት ዘይኮነስ፡ ስለምንታይ ትርዕድ ኪኸውን ምተገበአ።

ኣብ ዓለም ኩሉ ተፈቲኑን ተፈቲሑን ኢዩ። ንኣብነት ነቲ ብፈደራሊዝም ዚስምብድ ሰብ፡ ናብ ስዊሰርላንድ ተመልከት ክብሎ እደሊ። ነቲ ብቛንቋ ዚርዕድ ሰብ፡ ንካናዳ ተዓዘብ ብምባል ክመኽሮ እደሊ። ነቲ ብሃይማኖት ዚሰግእ ሰብ ድማ ብደሞክራሲ ተመራሕ እብሎ። ነቲ ብምንጻል ዚሻቐል ሰብ ድማ፡ ሕጂ’ውን ደሞክራሲ ዝዓብለላ ሃገር ምስ ዚምስረት፡ ብዛዕባ ምግንጻል ኪፈርህ ወይ ኪሰግእ ከም ዘይብሉ ከረጋግጸሉ እፈቱ። ኣብ ፍጹም ደሞክራሲ፡ እዚ ስግኣታት’ዚ ቦታ የብሉን።

ብሓጺሩ፡ እቲ በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ሕቶታት ዚርዕድ ወይ ዚስከፍ ሰብ፣ ወይ ናይ ትምክሕቲ፡ ወይ ናይ ምጭቋን ወይ ናይ ዕብለላ ባህርያት ወይ ትልሚ ወይ ኣጀንዳ ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኢዩ ኪኸውን ዚኽእል። ኣብታ እትመጽእ ኤርትራ፡ ሓደኳ ንኻልእ ኪውርዝየሉ ዕድል ኪወሃቦ ኣይግባእን። እታ መጻኢት ኤርትራ፡ ናይ ሓደ ብሔር ቋንቋኣዊ ወይ ባህላዊ፡ ወይ ዓሌታዊ ወይ ቍጠባዊ፡ ወይ ፖለቲካዊ ዕብለላ ዘይብላ ደኣምበር፣ ሓደ ዝጕይተተላ፡ ሓደ ዝሽቝረረላ፣ ሓደ ዝሕለቐላ፡ ሓደ ድማ ዝዋረደላ፣ ሓደ ዝንተየላ ሓደ ዝሓንከላ፡ ክትከውን ኣይግባእን።

ይኹን’ምበር፡ ካብቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ሕቶታት፡ ገሊኦም ፍጹም ሕጂ እንተ ዘይተመለሹ ብምባል ምህዋኽ ኣየድልን። ግን ኣብቲ ቀጻሊ ኪግበር ተሓሲቡ ዘሎ ሃገራዊ ዋዕላታት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ብህዝቢ ኪለዓሉን ኣብ ዘተ ኪኣትዉን ኣገዳሲ ኢዩ። ገለ ሕቶታት ንሃይማኖት መሰረት ብምግባር ተነቃፊ ኣርእስቲ ከለዓዕሉ ይኽእሉ ይኾኑ። ይኹን’ምበር፡ ሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱ ኢዩ’ሞ፡ ተነቀፍቲ ሕቶታት ኪለዓሉ ኸለዉ፡ ክንጥቀመሎም ደኣ’ምበር ከሰንብዱናን ከሻቕሉናን ኣይግባእን። እንተ ዘይለዓሉ ነይሮምከ? እሞ ጸኒሖም ኣብታ መጻኢት ኤርትራ ተላዒሎም ህውከት እንተ ዚፈጥሩልናኸ? ኢልካ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ።

ኣብ ልዕል’ዚ ግን፡ ከምቲ ነቲ ፈንጂ እተዘርኣሉ መገዲ ተጠንቂቕካ እትኸዶ፡ ሓንቲ ፈንጂ ምስ እትረክብ ድማ ቀስ ኢልካ ብጥንቃቐ እተምክና ወይ ዘይትጓዳእ እትገብራ፣ ንሓድሓደ፡ ምስ ዘይፍትሑ፡ ከም ፈንጂ ከዕንዉን ከፍርሱንን ከሰንክሉን ድጉል ሓይሊ ዘለዎም ሕቶታት ወይ ጉዳያት ድማ፡ ብጥንቃቐን ብውሕልነትን ቀስ ኢልካ መርሚርካ ሃዲእካ ብጥበብ ምፍታሖም ናይ ኩሉ ዜጋ ሃገራዊ ግዴታ ኢዩ። ፈንጂ ተዘሪኡ እናረኣኻ ግን፡ ደሓር ምስ ጠዓመና ረማዕ ኢልና ከነውጽኦ ኢና ምባል፡ ዕሽነትን የዋህነትን ጥራይ ኢዩ። ስንክልቲ ሃገር ንምምስራት ድማ ሓጋዚ ኢዩ።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን፡ እታ መጻኢት ኤርትራ ኣበር ዘይብላ፡ መንቅብ ዘይብላ ክትከውን ኣሎዋ ማለት ዘይኮነስ፡ እቲ ኪሓዊ ዘለዎ ንእሽቶ ዚመስል ሕማማ፡ ብኣጋኡ ተፈቲሑስ፡ ነቲ ግዜኡ ሓሊዉ ዚመጽእ ግዜ ዚፈጥሮ ሕማማት ድማ፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ብህዝብን ብደሞክራስያዊ መገድን ከም ዚልለን ከም ዚፍታሕን ምግባር ማለት ኢዩ።

እምበኣር፡ ነቲ ብድሕሪ ሕጂ ዚገጥመና እተፈላለየ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅዋማውን ሕቶታት፡ ብሓድሽን ተባዕን ኣእምሮን፡ ብሓድሽን በዳህን መንፈስን መታን ክንምክቶ፡ ብእዋኑ ቀይዲ-በተኽ ዝኾነ ናይ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ለውጢ ክንገብር ይግባእ።

ነቲ ናይ ህግደፍ መዛሙርን ማህሌትን ዜማን ቀጻሊ ብምዝማርን ብምቕናይን ግዜና ከይነባኽን ድማ በዚ ኣጋጣምዚ ምኽረይ ክልግስ እፈቱ።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 3.0/5 (2 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)
ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ, 3.0 out of 5 based on 2 ratings

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>