መንእሰያት ኤርትራ (ሓንቲ ዓለም ) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuelመንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።


እቶም ኣምላኽ ዝሃቦም ከኣ፡ ዕቝባ ረኺቦም ጽቡቕ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ። ግንከ፡ እቲ ጥዑም ናብራስ ኣብ ሃገሮም ዘይከውን ነበረ። ንምንታይ ኪስደዱ ተመሪጹ?

ኤርትራ ምስቲ ነዊሕ ገማግም ባሕራን፡ ወደባታን፡ ማዕድናታን፡ ጻዕረኛ ህዝባን ጥዑም ኣየራን፡ ህዝባ ከተግዕዝ መኣስ ደኣ መድለያ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ በቶም ስራሕ ዝደልዩ ወጻእተኛታትን ናይ ጐረባብቲ ሃገር ስደተኛታትን ኣውፈርትን ከተዕለቕልቕ ኢዩ ነይሩዋ። ኣይኮነላን ግን። ኣይተዓደለትን።

ሓድሓደ ግዜ የተሓሳስባካ ኢዩ። ኤርትራ ናጻ ምስ ወጸት’ስ ኩሉ ሰብ ጠጠንጢኑዋ ኪኸይድ? ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ዓለም ተራእዩን ተሰሚዑን ኣይፈልጥን። ጸላኢ ምስ መጸ ኢኻ እትስደድ ወይ እትሽፍት። ጸላኢ ግን ኣይመጸናን። እኳ ደኣ ህዝቢ ነቲ ናጽነት ዘምጸአ ኣካል ንሰሙናት ሳዕሲዑሉን ደሪፉሉን፡ ንኣዋርሕ ሰጊዱሉ፡ ንዓመታት ከኣ ኣሚኑዎ። እቶም ለባማት ግን፡ ጌና ነገር ከይተበላሸወ ከሎ ኢዮም ሃገር ጠንጢኖም ዝኸዱ። ካባታቶም ከኣ ኣባላት ናይቲ መውጽእ ሓራ ይርከቡዎም። ለካስ ይፈልጡ ጸኒሖም! ጽንሑንዶ ከብክዩኹም’ዮም ይብሉና ነይሮም። ግን ኣይሰማዕናዮምን።

ብባህሊ ሃገርና፡ ሓደ ደጊያት ወይ ራእሲ ወይ ንጉስ ሕጊ ከጕድል ከሎ፡ እቲ ህዝቢ ይሽፍት ነይሩ ይብሃል። ነቲ መግዛእቲ ምጽዋር ምስ ሰኣነ፡ ምንሽሩ ተሓንጊጡ ኣብ ጎቦታትትን ኣኽራናትን ይሕባእ። ሕጂ ደኣ እንታይ ዓይነት ራእሲ ወይ ንጉስ ይገዝእ ስለ ዘሎ እዩ ኩሉ ሰብ ንኤውሮጳን ንኣመሪካን ዝሽፍት ዘሎ?

እቲ ትሕዝቶ ደኣ’ዩ ተለዊጡ ዘሎ’ምበር፡ እቲ ኣገባብ ወይ ባህርያትሲ ከምቲ ናይ ቀደም ኢዩ ዘሎ። ቀደም ሸፊቱ ናብ ትግራይ ከይዱ፡ ናብ ጎንደር ከይዱ ይብሃል ነይሩ። ሕጂ ድማ ሰብ ብዘመናዊ መገዲ ሸፊቱ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዓለም ዕቝባ ይሓትት ኣሎ። ስለምንታይ ሸፊቱ? መልሱ ቀሊል ኢዩ፣ ራእሲ ህግደፍ ፍትሒ ስለ ዘጕደለ። ታሪኽ ከም ዚደጋገም ክንርስዕ ኣይግባእን።

ዝኾነ ኾይኑ ናብቲ ኣርእስተይ ክኣቱ፣ ንሱ ድማ ናይ መንእሰያትና ጉዳይ ኢዩ። ንሕና ሕጂ ኣብ ኣከባቢ ስሳ ዕድመ ዘሎና፡ ኣብ ሓምሳታት መንቀሳቐሲ ወረቐት፡ ኣይዲ ካርድ፡ ሪጋ ባኒ፡ ሪጋ ክራይ ገዛ፡ ሪጋ እንዳ ስጋ፡ ቀበሌ፡ ‘ኣታ’ እናበልካ ሰብ ምዝላፍ፡ ፋሉል ዝምድናን ብቓል-ኪዳን ምጽዋትን፡ ኣቕሽሽቲ ምእሳርን፡ ብሑቕ ምምንጣልን ከይረኣና ኢና ንእስነትና ኣሕሊፍናዮ።

ይኹንምበር፡ ዘራጊ ኸሎ ጽሩይ ማይ ስለ ዘይስተ፡ ጸላኢ ብዝፈጠሮ ህውከት፡ ኩነታት እናተለወጠ መጺኡ። ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽን ህዝቢ ሃገሩ ገዲፉ ኪስደድ ጀሚሩ። ምንቅስቓሳት ሓርነት ተጀሚሩ። መንእሰይ ተሰሊፉ። ብፍላይ ምስ ምምጻእ ደርጊ መንእሰይ ከበሳ ብምሉኡ ኢዩ ናብ ገድሊ ተጸምቢሩ። ብዓቢ መስዋእትነት ድማ ናጽነት ኣምጺኡ።

ይኹንምበር፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ሜዳ ዓቕሊ ጽበት ኣይነበሮን። ሕጉስን በዓል ተስፋን ኢዩ ነይሩ። ርእሱ ኣቕኒዑ ይኸይድ ነይሩ። ካብ ጸላኢ እንተ ዘይኮይኑ ካብ ሓለፍቱን ኣሕሉቕቱን ይጥንቀቕ ኣይነበረን። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ርህዩዎ ነይሩ ማለት ኣይኮነን። ክሳዕ ዝከኣሎ ተሳቒዩ ኢዩ። ግን እንተ ተሳቐየ’ውን እቲ ስቓዩ ትርጉም ስለ ዝነበሮ፡ ንኹሉ ተጻዊሩ ናጽነትን ራህዋን ኣምጺኡ። እቲ ስቓዩ፡ ንዓወት ዘቀላጥፍ ስቓይ ኢዩ ነይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ ስቓይ ኢዩ ገሪሙና ዘሎ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ስቓይ ዝያዳ ዘሕምም ኮይኑ ዘሎኮ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ብምዃኑ ኢዩ። ኣብ ኲናት ኣቲኻ ኩሉ ዝደለኻዮ ክትረክብ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን። ሰላም ምስ ኮነ ግን ብዙሕ ኢኻ እትጽበ። እናተጸበኻ ከሎኻ ግን፡ ሕንቁቓት ክትበሃል ከሎኻ፡ እንታይ ይስመዓካ።

ኣብ ዓድኻ ዘይሓንቀቕካ ደኣ ኣበይ ኬድካ ክትሕንቅቕ። መታን ክንሕንቅቕዶ ከይኮነ ኣማኢት ኣሸሓት ህይወቶም ዝሰውኡልና። መታን ህዝቢ ኪርህዎዶ ከይኮነ ብዙሓት ጀጋኑ ክቡር ህይወቶም ዝሰውኡ። ብግዜ ናጽነት ዘይሓንቀቕካ ደኣ መኣስ ክትሕንቅቕ። ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ምሕንቃቕ ዚብሃል ዘሎ፡ ባኒ ወይ ሽኮር ስለ ዝሓተትካ እኮዩ። ባስተ ወይ ሻምፓኝ ወይ ድማ ጸብሒ ደርሆ እንተ ትሓትት ደኣ እንታይ ምተባህለ ነይሩ። ግን ከኣ ኤርትራዊ ከምኡ ኣይሓትትን ኢዩ። ብንእሽቶ ተሓጒሱ ኪነብር ይኽእል ኢዩ። ጥራይ ስራሕ ፍጠረሉ። ሰላም ከኣ ሃቦ። ክብረቱ ድማ ኣይተጕድለሉ።

ሎሚ ኣብ ወጻኢ ዚርከቡ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን፡ ሳላ ጻዕሮምን ስነ-ስርዓቶምን ጽቡቕ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ። ግን ነቶም ዚሳቐዩ ዘለዉ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ይዝክሩዎም ዲዮም? ኣብ ምቾት ዘለዎ ሃገር፡ ድላይካ እትዛረበሉ፡ ድላይካ እትጽሕፈሉ፡ ደቅኻ ብሰላም ዚመሃሩሉ፡ ህይወቶም ዚሕለዉሉ፡ ካብ ኩሉ ሕማሞም ዚፈወሱሉ፡ ትምህርቶም ወዲኦም ስራሕ ዚረኽቡሉ፡ ናብ መዓስከራት ዘይከዱሉ፡ ከምዚ ግበሩ ከምዚ ፍጠሩ ዘይብሃሉሉ….. ኣብ ከምዚ ኩነታት’ዚ እናሃለኻ፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ምድረበዳን ባሕርን ዝጠፍኡን፡ ኣብ ቤትማእሰርቲ ዚማስኑን፡ ኣብ ኮንተይነራት ዚሓቁን ዘለዉ ኣይረኣዩኻን ዲዮም? በዚ ዓይንኻኸ ኣይሓልፉን ዲዮም?

ምናልባት ኣነ ከምዚ ኢለ ክሓትት ከለኹ፡ እታ መጀመርታ ንመብዛሕትኡ መንእሰይ ኤርትራ እትመጾ ሓሳባዊ ግብረመልሲ፡ ክላ እዚ ዓጋመ ኪኸውን ኣለዎ፡ እትብል ኢያ። ኣይጠፍኣትንን። ኩሉ ሓቂ ዚዛረብ ኤርትራዊ፡ ወይ ዓጋመ ኢዩ ወይ ወያነ ኢዩ። ኩሉ ዘረባ ዝጠፍኦ መንእሰይ ናብኣ ኢዩ ዚጐዪ። ትምክሕቲ ደርብዩና። ትምክሕቲ ንድሕሪት ኣትሪፉና።

ኣነ ዓጋመ ወይ ትግራዋይ እንተ ዝኸውን ክንደይ ደስ ምበለኒ። ከመይሲ ኣይምተሰደድኩን ነይረ። ኣብ ዓደይ ኮፍ ኢሉ ምስ ደቀይን ደቂደቀይን እጻወት ምሃለኹ ነይረ። ኣበይሞ ክረኽቦ። ግን ኣብ እግረ መገደይ ንገለ የውሃት መንእሰኣይት ክብሎ ዝደሊ ኣሎ። ዓጋመ ሽም ኣውራጃ ወይ ወረዳ ኢዩ። ትግራዋይ ከኣ ባዕልኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ትግርኛ እናተዛረበ ኣፉ ዝኸፈተ ሰብ ብብሄር ደረጃ ትግራዋይ ኢዩ። ሃገሩ ኤርትራ ክትከውን ትኽእል። ግን ብናይ ዓሌት ኣምር እንተ ርኢናዮ፡ ትግራዋይ ኢዩ። ትግርኚ ወይ ትግርኛ ዚብሃል ብሄር የለን። ህግደፍ ዝፈጠሩዎ ኢዩ።

ንኣብነት፡ ደቂ ጀርመንን ደቂ ኣውስትርያን ንውሰድ። ብወግዓውን ፖለቲካውን መገዲ እቲኦም ጀርመናውያን እቲኦም ከኣ ኣውስትርያውያን ኢዮም ዚብሃሉ። ጀርመንን ኣውስትርያን ግን በባንዴራአን ዘለወን ሃገራት ኢየን። ይኹንምበር፡ ኣውስትራውያን ብብሄር መዳይ ሕዋስ ዘይብሎም ጀርመናውያን ኢዮም። እቲ ቀንዲ ተሓላቕን መርኣያ ዕቤት ጀርመንን ዝነበረ ሂትለር፡ ወዲ ኣውስትርያ ኢዩ። ግን መን ነይሩ ካብኡ ዚጸሪ ጀርመን።

ብዛዕባ ስቓይ መንእሰያት ኤርትራ ክሓስብ ከለኹ፡ ሓድሓደ ጦባላሕ ዚብለኒ ፍጻመታ ኣሎ። ካብ ውቅያኖስ ጭልፋ ኢዩ፡ ግን ብሓድሓደ ምኽንያት ኣብ ኣእምሮይ ተቐሪጹ። ምኽንያት መጽሓፍየይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ምቾት ዚነብሩ ዘለዉ መንእሰያት፡ ሕልናኦም ንምቕስቓስ ኢዩ። ከማታቶም ዕድል ዘይረኸቡ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ወትሩ ኪዝክሩዎም ይግባእ። መንቀሊ ናይቲ ስቓይ ድማ መን ምዃኑ ኪግንዘቡ እዋኑ ኢዩ። ዘይፈልጡዎ ኮይኖም ኣይኮነን። ግን ደጋጊምካ ምዝኽኻር ዘድሊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ገሊኡ ኣብ መጻሕፍቲ ዘንበብኩዎ፡ ገሊኡ ዝሰማዕኩዎኢዩ።

ኤርትራውያን መንእሰያት ኢዮም። ሓንቲ ጓልን ክልተ ኣወዳትን። ነቲ ናጽነት ተጐልቢቡ ዝመጾም ስቓይ ምጽዋር ስለ ዝሰኣኑዎ፡ ናብ ሱዳን ኪሰግሩ መዲቦም። ዕላማኦም ኣብ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ ኪበጽሑሞ ኪርህዎም፡ ኪሓልፈሎም፡ ነዛ ሓጻር ህይወቶም ትርጉም ንኺረኽቡላን ኢዩ። እቶም ኣብ ኣስመራ ዝገደፉዎም ብጾቶም፡ ገሊኦም ብኤድስ ገሊኦም ብናይ ኣእምሮ ጭንቀት ተጠቒዖም ኢዮም። ኣይብልዑ ኣይስተዩ ኮይኖም።

ካብ ተሰነይ ናብ ውሽጢ ሱዳን ኪኣትዉ ኸለዉ፡ እቲ ዝመርሖም ዝነበረ መንእሰይ፡ ናይቲ ቦታ ሰብ ኢዩ። ጕዕዞ ብለይቲ ኢዩ። ወትሃደራት ሱዳን እንተ ረኺቦምኻ፡ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከስተልሙኻ ይኽእሉ። ህግደፍ ድማ ከም ኣመሉ ተቐቢሉ ከም ናይ ማኪና መለዋወጢ ኣብ ኮንተይነራት ይኽዝነካ።

ኣብቲ ጕዕዞ፡ ሓደ ካብቶም ኣወዳት (ሰሙ ዳዊት ንበሎ)፡ ብራዕዲ ዚኣክል ደጋጊሙ ሽጋራ እናወለዐ የትክኽ። ናይ ሽጋራ ጓህሪ ብለይቲ ካብ ርሑቕ ስለ ዚረአ ኣዚዩ ሓደገኛ ኢዩ። እቲ መራሒ ንዳዊት ደጋጊሙ የጠንቅቖ፡ ዳዊት ግን እንተ ዘየትከኸ ኣካላቱ ስለ ዘንቀጥቅጥ፡ ምትካኹ ይቕጽል። ደሓር ግን መጠንቀቕታ ምስ በዝሖ፡ “እሞ ንስኻትኩም ኪዱ፡ ኣነ ግን ኣብዚኣ ኾይነ ሽጋራይ ክስቲ እየ” ይብሎም። ገዲፎምዎ ድማ ይኸዱ። ግን እታ ጓል ትፈትዎ ስለ ዝነበረት፡ ነቲ መራሒ ንድሕሪት ተመሊሱ ኪደልዮ ትልምኖ። ንድሕሪት ተመሊሶም እንተ ረኣዩ ግን፡ ኣይነበረን። ኣብቲ ቦታ ድምጺ ዚንቅዉን ዚስሕቁን ኣዛብእ ነቲ ሃዋህው ዓብሊሉዎ ኢዩ ነይሩ። ዳዊት ናብ ኣመሪካ ኪኣቱ ዝሓሰበ ቀለብ ኣዛብእ ሱዳን ኮይኑ።

ገነት (ናይ ሓቂ ስም ኣይኮነን) ካብ ኤርትራ ምውጻእ እንተ ዘይኮይኑ ናብራ የለን ብማለት ብትግራይ ገይራ ክትሰግር ትምድብ። ኣብዚ ኸኣ እቲ ኣብ ገጠር ዚቕመጥ ሓወቦኣ ይተሓባበራ። ይኹንምበር፡ ኣብ መገዲ እናተጓዕዙ ኸለዉ፡ እቲ ሓወቦኣ፡ ገነት ኣብ ቦርሳኣ ገንዘብ ከም ዘለዋ ይፈልጥ። ብዱላ ገይሩ ኣብ ክሳዳ ይሃርማ። ትወድቕ። ቈራሪጹ ይቐብራ። ድሕሪ ገለ ሳምንቲ ጓሶት ነቲ ሬሳ ይረኽቡዎ። ሓወቦ ይተሓዝ። ኣቦ ገነት ብጓሂ ይዅምተር። ንሓዉ ድማ፡ ” ከሓዲ ከም ይሁዳ” ይብሎ። ኣደ ገነት ግን ምእባድ ትኣቢ። ገነት ናብ ሓፍታ ናብ ኣመሪካ ኢያ ትኸይድ ነይራ። ክሓልፈላ።

ኣብ ደቀምሓረ ኢዩ። ክለተ ፍቕረኛታት ሳዋ ኢዮም። ክልቲኦም ኤይድስ ከም ዘለዎም ተነጊሩዎም። ኣብታ ንእሽቶ ክፍሊቤቶም ኮይኖም፡ ቦምባኦም ፈንጂሮም ብሓደ ይሞቱ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ኤርትራ፡ ኩሉ ሞት ኢዩ ኢሎም ግዲ ኾይኖም፡ ካብ ኤድስ ኣይጥንቀቑን ኢዮም። ነዚ ኹሉ ተጸዋዒ ግን እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ኢዩ።

ክንደይ ኢልካ እሞ ኪጽብጸብ። ኣብ ምድረበዳ ናይ ጽዕነት ማኪና ተገልቢጣቶም ዘልዕሎም ስኢኖም ኣዛብእ ዝበልዑዎም። ኣብ መዓስከራት ሊብያ ከም ኣኽላባት ባኒ ዝተደርበየሎም። ኣብ ባሕሪ ብጽምእን ጥምየትን ዝሞቱ። ኣብ ኮንተይነራት ዝለመሱ። ኣብ ዒራዒሮ ዝሓቐቑ። ዶብ ክሰግሩ ዝተቐትሉ። ኣብ ኤውሮጳ ኣትዮም ምቕባል ስለ ዝኣበዩዎም ካብ ባላሶ ዝጸደፉ። ነዚኣቶም ረሲዕካዶ ምስ ህግደፍ ትስዕስዕ። ነዚኣቶም ጠሊምካዶ ንሕናን መንግስትናን ሓደ ኢና ትብል። ነዚኣቶም ኣቃሊልካዶ ሃደምቲ ከዳዓት ትብል።

ግን ኩሉ ከምቲ ዘለዎ ኾይኑ ኣይቅጽልን ኢዩ። ኩሉ መዓልቱ ሓሊዉ ኪመጽእ ኢዩ። ክፉእ ዘመን ንኹሉ ከረኻኽበሉ ኢዩ። እዞም ሕጂ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ጥዒሙና እንነብር ዘሎና፡ ሃገርና እንናፍቐሉ ግዜ ኪመጽእ ኢዩ። ነታ ዝኸሓድናያ ሃገር፡ ተመሊስና ተቐበልና ክንብላ ኢና።

እቶም ሽማግለታት እኳ ብድሕሪ ሕጂ እንምድቦ ነገር የብልናን። መንእሰያት ኤርትራ ግን ሕልናኦምን ታሪኽን ከይፈርዶም ካብ ሕጂ ናብ ልቦም ኪምለሱ ይግባእ።

መንግስቲ ሓላፊ ኢዩ። ሕልናን እቲ ንኣኣ ዝፈጠረ ኣምላኽን ግን ነባሪ ኢዩ።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>