Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቐዲመ ብስም እቲ ኵሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እንቋዕ ብሰላም ኣብዚ ቦታ በጻሕኩም እናበልኩ ምዉቕ ሰላምታይ ኣመሓልፈልኩም፡፡ ኣስዒበ ኸኣ ነቲ ሰናይን ቅዱስን ጻዕሪኹም ብሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምዕዋት፡ድኻማትኩምን ክሳራታትኩም ኣብ ግምት ከይኣእተኹም ንህዝብን ሃገረን ንምድሓን ባሕሪን በረኻን ሰጊርኩም ብደሓነ ሰላም ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ምብጻሓኩም ዝስምዓኒ ሓጐስ ወሰን የብሉን።

ኣመሪካን ካናዳን ነቶም ካብ ኤርትራ ብምምጻእ ፈስቲቫላት ህግደፍ ዘዳምቑ ዝነበሩ ደረፍትን ሙዚቀኛታት መእተዊ ቪዛ ስለዝኸልከላኦም፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣኻኽIቦም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ መዲቦሞ ዘለዉ ፈስቲቫል ክጽግኑዎ ሸበድበድ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።

ኣመሪካን ካናዳን ነቶም ካብ ኤርትራ ብምምጻእ ፈስቲቫላት ህግደፍ ዘዳምቑ ዝነበሩ ደረፍትን ሙዚቀኛታት መእተዊ ቪዛ ስለዝኸልከላኦም፡ ኣዳለውቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ኣኻኽIቦም ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ መዲቦሞ ዘለዉ ፈስቲቫል ክጽግኑዎ ሸበድበድ ይብሉ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ሰሜን ኣመሪካ ሓቢሮም።

እቲ ብ11 ሓመለ ኣብ ካምፓላ ኡጋንዳ፡ ብሶማላዊ ጉጅለ ኣሸባብ ኣብ ኡጋንዳ ዝተፈጸመ ኤርትራውያን ዝርከቡዎ 76 ሰላማውያን ሰባት ዝለከመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ንኤርትራ ገዲፍካ ንመላእ ኣፍሪቃ ከምዘሕበራ ክርስትያን ሳይንስ ሞኒተር ኣብ ዘመሓላለፎ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሃገራዊዋዕላ ክዕወት ይግብኦ፡ ንምንታይሲ ዓወት ሃገራዊ ዋዕላ ማለት፡ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካ ውድባት፡ በርገሳውያን ማሕበራት፡ ውልቐሰባትን ናይ ሃይማኖት መራሕትን ኣብ ታሪኾም ንመጀመርታ ግዜ ብልዙብን ለባምን መንገዲ ዘሰማምዕዎምን ዝፈላልይዎምን ነጥብታት ኣለልዮም፡ እቲ ንኹሉ ክሓቁፍ ዝኽእል ሓባራዊ ርድኢት መወከሲ ገይሮም ንድሕነት ሃገር ተበጊሶም ማለት ኢዩ።

(ብሃብተጽዮን ተወልደ – ሎንደን)

ብጸዓት ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳንን፤ ሲቪካውያን ማሕበራትን፤ ተባዓት ግዱሳት ሃገራውያንን ኣብ ድሮ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንርከብ ኣሎና። ነዚ ኣገዳሲ ተረኽቦ ኣብ ግምት ብምግባርን፡ ንናይ ለውጢ ኣኽእሎታት ብድሕሪ ምምዛን፡ ብመንጽር ዝጓነፉና ፈተናታት ትጽቢትና ካብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ክትንትን ክፍትን እየ።

Ugandaብ11 ሓመለ ኣብ ኡጋንዳ ክልተ ቦታታት ኣሸባብ ብዘካየዶ ነብሰቕትለታዊ መጥቃዕቲ ቁሲሎም ‘ኢንተርናሺናል ሆስፒታል ኣብ ዝብሃለ ሕክምና ተዓቝቦም ዝነበሩ 6 ኤርትራውያን እቶም ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ኩነታት ጥዕናኦም ተመሓይሹ ካብ ሕክምና ክወጹ ከለዉ፡ ሓንቲ ሩታ እትብሃል ግዳይ ንራብዓይ ግዜ መጥባሕቲ ተገይሩላ ገና ኣብ ሕክምና ተዓቝባ ከምዘላ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሱዳን ንዝኣተዉ ኤርትራውያን ይጨውዩ ተተሓሒዞሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ካርቱም ሓቢሮም።

Amanuel Eyasu እቲ ሕድሪ ህዝብን ሃገርን ጠሊሙ፡ ንጸሓይ ሃገርና ኣብ ምብራቓ ዘዕረባ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘመንጨዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ደረቱ ሓሊፉ መቐጸልታ ኣብ ዘይብሉ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ዝጋየሾ ኤርትራዊ የልቦን።

EYGMህዝቢ ኤርትራ ንዘመናት ተቓሊሱ ናጽነቱ ክጭብጥ ከሎ ትምኒቱ ዝነበረ ብእፎይታ ኣብታ ዝፈትዋ ክብርቲ ሂያብ ስውኣት ሃገሩ ተሓቓቒፉ ክነብር ዝተሰደደ ዓዱ ክምለስ ጽሩይ ኣየር ከስተንፍስን እዩ ኔሩ እቲ ሕልሙ።

Eritrean national football team11 ኣባላት ናይታ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ንስርዓት ህግደፍ ብምንጻግ ኣብ ኬንያ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብመንግስቲ ኣውስትራልያ መሰል ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምርካቦም ኣብ ኣውስትራልያዊት ከተማ Adelaide city ብሰላም ከምዝኣተዉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

AndebrhanInternational Crisis Group ዝብሃል ነጻ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ከም ግብረ-መልሲ ናይቲ ብኣባል ባይቶ ኣመሪካ ዝቐረበ ንኤርትራ ናብ ምዝገብ ግብረሽበራ ክትኣቱ ዝምሕጸን ጻውዒት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነቲ ኤርትራ ንኣሸባብ ከምእትሕግዝ ዝቐረበ ክሲ ክነጽጎ  ከምዝፈተነ ድምጺ ኣመሪካ ጠቒሳ

DEMETROSአባ ሉቃስ ምስ ካልአይ ርእሶም ካብ ኤርትራ ብዮፍታሀ ዲመጥሮስ ተላኢኾም ጽባሕ ናብ ሃገረ-እስራኤል ክአትዉ ትጽቢት ይግበረሎም። ተልእኮኦም ነቲ አብ ሃገረ-እስራኤል ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ንምፍራስ ኮይኑ፣ ብዮፍታሀ ዘድሊ ሓገዝ ተጌሩሎም ከምዘሎ ኣብዚ ከባቢና ይውረ ኣሎ።

Eritreans die in Ugandaብ11 ሓምለ ብነብሰቕትለታዊ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣሸባብ ዝሞቱ 6 ኤርትራውያን ትማሊ ሰንበት 18 ሓምለ ኣብ ካምፓላ Old Kampala community centre ኣብ ዝተባህለ ማእከል ጸሎተ ፍትሓት ከምዝተገብረሎም ኒው-ቪዥን ዝተባህለት ጋዜጣ ኡጋንዳ ጠቒሳ።