Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ብሎሚ መዓልቲ ኣኼባ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ዳርጋ ሓደ ሰሙን ሓሊፉ፡ ሽማግለ ዋዕላ ስቶክሆልም ብዛዕባ ዝተኻየደ ኣኼባ ንህዝቢ ዘሕለፎ መልእኽት የብሉን። እቲ ምስጢር ከኣ ከቢድ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ ኣኼባ ስምምዕ ስለ ዘይነበረ ጥራሕ’ዩ ኢልካ ክሕለፍ ይከኣል።

Tedrosኣብ ከተማ ህይስተን ቴክሳስ ብደገፍትን ሚሊሻታትን ስርዓት ፋሽስቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ንዝተፈጸመ ገበንን ዓመጽን ንምቅላዕን ነቶም ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቅራብን ዝዓለመ ሰልፊ ምኻኑ ከነነጽር ንፈቱ።

Isaiasሓንቲ ሰነድ በምሓርኛ “ይለፍ” ትብል፡ ብ 1970 ተጋዳላይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ መዓስከር ቃኘው መመላለሲ ዝጥቀመላ ዝነበረ ወረቀት፡ ብመምህር ተስፉ ዘውደ ናብ ኣንበብቲ ቀሪባ ሪኤያ።ብዙሕ ሕቶታት ካኣ ናብ ሓንጎለይ ተመላሊሱኒ።

asmera

ጠወርቲ ስድራቤታት ዝኾኑ ኣቦታትን መንእሰያትን ብስም ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ብስርዓት ህግደፍ ንዘይተወሰነ እዋን ከምጅሆ ተታሒዞም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ከምዚ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተላዕለ እዋናዊ ስእሊ ዘመልክቶ ዘሎ፡ ኣዴታት ህጻውንቲ ቆልዑ ሒዘን ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎታት ክልምና ይውዕላ ‘ለዋ።

 

ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምቲ ኣቐዲምና ብመራኸቢ ብዙሃን ክንሕብሮ ዝጸናሕና ድሕሪ ነዊሕ ተኻታታሊ ኣኸባታት ምስልሳል ብዝተዋሃባ ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ማለት ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ዝሳተፉ ካብ ውድባዊ ይኹን በርገሳዊ ማሕበራት ነጻ ዝኾኑ

Sanctionስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2009 ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኽልተ ቀንዲ ጉዳያት ማለት፡ ነቶም መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ንምዕላው ዝቃለሱ ከም ብዓል ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ጉጅለታት ዝተፈላለየ ሓገዛት ብምሃቡ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብሓይሊ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘሰሓሕብ መሬት ኣትዩ ሰራዊት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ተኸሲሱ እገዳ ተገይሩሉ።

Prisonስርዓት ህግደፍ፡ ቅድሚ ወርሕን ፈረቓን ኣቢሉ ተወልደ ፍስሃ ተስፋይ ንዝተባህለ ኣብ ቢሻ ሓላፊ ፋይናንስን ምሕደራን ኩባንያ ዕደና Nevsun Resources ንዝኾነ ሰራሕተኛ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም ።

ኣቶ ዓንዱ ብርሃነ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብ18 ሰነ ብሕማም ዓሪፉ ሬስኡ ብ23 ሰነ ናብ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ኣብ ዓደቡኡ ኣምሁር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ድሕሪ ምኽልካሉ ንቡር ፍትሓት ከይረኸበ ከምዝተቐብረ ምንጭታት ሓቢሮም።

Trade and Industry Building -  Eritreaኣብ ሚኒስትሪ ንግድን እንዱስትሪን፡ ሓላፊ ኽፍሊ ንግድ ኮይኑ ክዓዪ ዝጸንሐ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተ፡ ሚኒስተር ሚንስትሪ ንግድን እንዱስትሪን ኮይኑ ተመዚዙ።