ፈስቲቫል መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምድላው ዝግበር ዘሎ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ሸበድበድ፡ ብሲቪካዊ ማሕበር ኣብ ኖርወይ ተሪር ተቓውሞ የጋጥሞ`ሎ!!

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 22.12.11 ኣብ መርበብ ሓበሬታታት፡ ዜና ዘርጊሕና ምንባርና ዝዝከር`ዩ፡፡


http://www.assenna.com/index.php?option=com_content&view=article&id=3342:———2011-—–&catid=1&Itemid=44 ከም`ቲ ኣብ`ቲ ጽሑፍና ዝሓበርናዮ ከኣ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ነቲ ኣድሓርን ጸረ ህዝብን ፈስቲቫሎም ንምድላው ብቐጻሊ ሸበድበድ ይብሉ ኣለዉ፡፡

ንሕና`ውን ከም መብጽዓና ንህ.ግ.ዲ.ፍን ነቶም ጠላማት ወይጦታቱን ንምፍሻል፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝወስዱዎ ስጉምቲ ካብ ምክትታል ዓዲ ኣይውዓልናን!! ኣይክንውዕልን ከኣ ኢና፡፡ ብደቂቕ እንዳተኸታተልና፡  ዓቕምና ንውድብን ብዘይዕረፍቲ ንሰርሕን ኣሎና፡፡ በቲ ካብ ተሞክሮ ዘጥረናዮ ስርርዕ ኣቢልና ድማ፡ ዘድሊ ሓበሬታ ንምርካብ ብፍጹም ጸገም ዝበሃል የብልናን፡፡ ስለ`ዚ ንሶም ይዳለዉ ኣለዉ ንሕና`ውን ንዳሎ ኣለና፡፡

ወራሲ ገበናት ዲክታተር ኢሳያስ  ማሕበር መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኖርወይ፡ ብሰንበት ዕለት 23.01.11 ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ”ራዲሶን ህተል ፕላዛ” ኣኼባ ኣካይዱ ኔሩ፡፡ ነዚ ኣኼባ`ዚ ንምክያድ ድማ፡ እቲ ብጸረ መንእሰያት ኤርትራ ዝፍለጥ፡ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ዝተባህለ ኣምበሳደር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እዩ ኔሩ፡፡

እቲ ኣኼባ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብዝብል ሽፋን ዝተጸውዐ ኮይኑ፡ ዕላምኡን ትሕዝትኡን ግን ብመሰረቱ፡ ብመንገዲ`ቲ ንማሕበራትን ህዝብን ንምቁጽጻር ዝጥቀመሉ ብስም ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ናይ ስለያ ትካሉ ኣቢሉ፡ ካብብተን ንሱ ዝቆጻጸረን ማሕበራት፡ ማለት ማሕበር ደቀንስትዮ፡ ማሕበረሰብ፡ ማሕበር መንእሰያት፡ ከምኡ`ውን ካብ`ቲ ዝተኣከበ ህዝቢ፡ ከም ኣመሉ ነቲ ፈስቲቫል ዝኸውን ገንዘብ ንምምዝማዝ ዝዕላምኡ ኣኼባ`ዩ ኔሩ፡፡

መደብ ናይ`ቲ ኣኼባ ንሰዓት ሰለስተ ድሕሪ-ቀትሪ ንኽጅመር`ዩ ኔሩ፡፡ ብኡ መሰረት ድማ፡ ገለ ግሁዳትን ምስጢራውያንን ኣባላት ሲቪካዊ ማሕበር፡ ናብቲ ኣኼባ ስዓቶም ሓልዮም ንሓሶታት ህ.ግ.ዲ.ፍ ንምብዳህ ተረኺቦም ነበሩ፡፡ ኣቐዲሞም ነዚ ዝተዓዘቡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ተተሌፎኖም ሒዞም ተዳሂሎም ጠፋእና ርድኡና ዝብሉ ክመስሉ፡ ኣብ ምድሪ ቤት ናይ`ቲ ሆቴል ወረር-ወረር ክብሉ ጀመሩ፡፡ ብዙሓት ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ ተሓቢኦም ክሓምዩዎ ከም ዝውዕሉ ኣጸቢቕና ንፈልጦም ሰባት`ውን፡ ናብ`ቲ ኣኼባ ክሳተፉ ኢሎም ምስ መጹ ብሃንደበት ንዓና ስለ ዝርኣዩ ሓፊሮም ኣብ ዝረግጽዎ ጠፊኡዎም ጠንበርበር ክብሉ ጀመሩ፡፡ ወይ ጉድ!! ”ካሳ ኣብ`ዚ ኩሉ እንታይ ገደሳ” ይብሉ መሰልቲ!! ክብረትካ ምሕላው ከሎስ፡ ባዕልኹም ኣብ`ዚ ኩሉ ሽግር ትኣትዉ እንታይ ገደሰኩም፡፡ ክንብሎም ንፈቱ፡፡

ኣኼባ ናይ መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ክካየድ ምዃኑ ተሓቢሮም ካብ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ”ኤን. ኣር. ኮ” ካብ ዝበሃል ዝዓበየ መንግስታዊ ናይ ተለቭዥን ትካል ፡ ሓደ ጋዜጠኛ ተረኺቡ ኔሩ፡፡ እዚ ጋዜጠኛ`ዚ ንዓና ኣብቲ ኣኼባ ክንኣቱ ከለናን ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተናን ስእሊ ከልዕል ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣኼባ ክሳብ ዝጅመረሉ፡ ከም ሰቡ ኮፍ በለ፡፡ ብዝኾነ ኣምባሳደር ተስፋንኪኤል ገራህቱ እንተበልካ ኣምባሳደር ትመስክር ኮነ፡፡ ታሓቢኡ ሽርብ በለ፡፡  ስለ`ዚ ከኣ ብጀካ ነቶም ዓቕሎም ጸቢቡዎም ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ንዕኡ ጨሪስና ክንርእዮ ኣይክኣልናን፡፡

ቁሩብ ጽንሕ ኢሎም፡ ወዮም እንታይ ከምዝገብሩ ጠፊኡዎም ዝጸንሐ ወይጦታት ከይሓፈሩ ትኽ ኢሎም ናብ`ቲ ጋዜጠኛ መጺኦም ንኽወጽእ ሓተቱዎ`ሞ፡ ንሱ ድማ ስለምንታይ? ኢሉ ሓተቶም፡፡ ብቑዕ መልሲ ግን ክረኽቡሉ ኣይክኣሉን፡፡ ድሕሪ ናይ ገለ ደቓይቕ ምዝርራብን ላዕሊ-ታሕቲ ምባልን ግን፡ ወዮ ጋዜጠኛ ገሪሙዎ ርእሱ እንዳነቕነቐ ወጺኡ፡ ናብ`ቲ ምድሪ ቤት ናይቲ ሆቴል ገጹ ከደ፡፡

ኩቡራት ኤርትራውያን፡ እዝስ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይከኣል!! እዚኣቶምሲ ኣብታ ንሶም ኣብ ጋሃነም-እሳት!! ቀይሮማ ዘለዉ ኤርትራ እንተዝኸውን፡ ነዚ ጋዜጠኛ`ዚ እንታይ ምገበሩዎ? ”ንዒራ-ዒሮዶ” ምወሰዱዎ!! ወይስ ምረሸኑዎ? ኩቡር ኣንባቢ ሕሰቦ`ሞ!! እዞም ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘገልግሉ ከዳዓት መብዛሕቶም ኣብ ኖርወይ ከመይ ጌሮም ኣጭበርቢሮም ከም ዝነብሩ ንፈልጥ ኢና፡፡ ነቲ ናታቶም ጉድ ኩሉ መንግስቲ ኖርወይ እንተዝፈልጦ፡ ብሰንኮም ኩሉ ኤርትራዊ ምተፈንፈነ፡፡

ምስ`ዚ ኩሉ ጠባያቶምን ግብሮምን ተጻዊሩ ፍትሒ ኣብ ዝልግሰሎምን፡ ሙሉእ ሂወቶም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ተዋፊሮም ዘይፈልጡ ክንሶም፡ ደቆም ኣብ ዘዕብየሎምን ሃገር ከም`ዚ ክገብሩ ከለዉ፡ እዚኣቶም እንስሳ`ምበር ሰብ ኣይኮኑን`ዩ!! ዘብለካ፡፡ ብሓቂ ከኣ እንስሳታት`ዮም፡፡ እንስሳታት ብእንስሳታቶም`ውን ካብቶም ኣእምሮ ዝጎደሎምን ዘይሓስቡን እንስሳታት እዮም፡፡

ብዝኾነ ንሕና ብጀካቶም ኣቐዲምና ዝመደብናዮም ገለ ውሑዳት ናይ ምስጢር ኣባላትና እንተዘይኮይኖም፡ መብዛሕትና ወጺእና ምስ`ቲ ጋዜጠኛ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ምግባር ኣተና፡፡ ክሳብ`ዚ ስዓት`ዚ ድማ ኣምባሳደር ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣበይ ከም ’ተሓብአ ኣይፈለጥናን፡፡ ስለ`ዚ ንሕና ክንወጽእ ከለና፡ እቲ ኣኼባ ገና ኣይተጀመረን ኔሩ፡፡ ብዝኾነ ግን ንሕና ነቲ ናይ ኣኼባ ቦታ ገዲፍናዮ ክንወጽእ ምስ ጀመርና፡ ህ.ግ.ዲ.ፋውያን ኣዝዩ ከም ዝፈኾሶም ክሓብኡዎ ኣይከኣሉን፡፡ ታሕጓስ ኣብ ገጾም`ዩ ዝንበብ ኔሩ፡፡ ድሓር ንሕና ምስ ወጻእና ግን፡ ወዮ ኣኼባ ክመርሕ ዝተዓደመ ኣምባሳደር ካብታ ታሓቢኡላ ዝነበረ ”ባዓቲ” ቦሎኽ ኢሉ ወጸ`ሞ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ደንጉዩ ተጀመረ፡፡

ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣኼባ ጌሮም ንህዝቢ ዝኣረገ ስምዒታቱ ኣለዓዒሎም ገንዘቡ ክምዝምዙ ካብ ምፍታንን ካብ ምፍካርን ሓሊፎም፡ ካልእ ትኣምራት ከም ዘይገብሩ ፍሉጥ`ኳ እንተኾነ፡ ካብ`ቶም ኣብኡ ዝገደፍናዮም እሙናት ብጾትና ዝረኸብናየን ጸብጻባት እተን አገድሳና`የን ዝበልናየን ነጥብታት ቁሩብ ክንጠቕስ ኢና፡፡

እታ እንኮ ጥበብ ህ.ግ.ዲ.ፍ ህዝብኻ እንዳጽነትካ ፈስቲቫላት ምግባርን ድንቁርና ምምዕባልን ስለ ዝኾነት፡ ኣምባሳደር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ተስፋንኪኤል ገራህቱ እንተኾነ`ውን እቲ ቀንዲ ተልእኮኡ ብዛዕባ ፈስቲቫል ኮይኑ፡ ገለ ካብ`ቲ ዘመሓላለፎ መልእኽትታት ከም`ዚ ዝስዕብ ነበረ፡፡

  • .ኣብ`ቲ ብመንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣብ ኖርወይ ዝዳሎ ዘሎ ፈስቲቫል ንኽሳተፉ ዝመጹ ክሳብ 700 ዝኣኽሉ ሰባት ከም ዝኾኑ፡

 

  • ገንዘብ ካብ ህዝብን፡ ካብ ማሕበራትን፡ ማለት ካብተን ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝቆጻጸረን ማሕበራት ክዋጻእ ከም ዘለዎ፡

 

  • ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣምባሳደር ህ.ግ.ዲ.ፍ ኤርትራዊ ስምዒታት መዝሚዙ ዕላምኡ መታን ከዐውት ከይሓፈረን ከይተሰከፈን፡ ብታርኽ ብጅግንነትን መስዋእትን ናይ ግዜ ቃልሲ ከይተረፈ`ውን፡ ””ውግእ ናደው-ውግእ ናቕፋ” እንዳበለውን ክሽቅጥ ፈቲኑ፡፡

 

  • ኣጋይሽ ትቕበልን፡ ካብ ህዝቢ መግቢ ተዋጽእን ሓንቲ ሽማግለ ክትቀውም ከም ዘለዋ`ውን ኣዚዙ፡፡ ቀጺሉ ድማ እዛ ፈስቲቫል`ዚኣን ባዓል ናጽነትን ናባኹም`የን!! ኣይትሕመቑ`ዞም ደቀይ ሃበርም!!! ኢሉ ብምጥባር ለበውኡ ኣመሓላሊፉ፡፡

 

እቲ ናይ ገንዘብ ምዝመዛ ብኡ ንብኡ ተጀሚሩስ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ጸቕጢ መታን ክኸውን ተባሂሉ`ውን እታ ብስም ህ.ግ.ዲ.ፍ ’ትፍለጥ ማሕበር ስለያ፡ 70.000 ክሮነር ኣወፍየ ኢላ ኣላ፡፡ ንውልቀ ሰባት ተጽዕኖ ክኸውን ተባሂሉ ድማ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት 20.000 ክሮነር ኣወፍየ ኣለኹ ኢሉ፡፡ እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ንሰባት ንምስሓት`ዩ እሞ፡ ቅድሚ ሕጂ ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ ገንዘቡ ኣይኮነን ሂወቱ ዝሃበ`ውን እንተኾነ፡ ብጀካ ውርደት ካልእ ዝረኸበ ስለ ዘየለ፡ ብኡ ተማሂርኩም ገንዘብኩም ኣክቡ ክንብል ንፈቱ፡፡

እተን እንጀራ ክትስንክታን ጸብሒ ክትሰርሓን ተቐሪብክን ዘለኽን ኣሓትን ኣዴታትን ድማ፡ ንኹለን በዚኣቶም ዝሓዘናን ጸሊም ዝተኸድናን፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንዓኣቶም ከገልግላ ክብላ ዝመኸናን ብዘይ ውላድ ዝተረፋን፡ ዕድሚአን ሙሉእ ተቓሊሰን ብዘይ ጻማ ዝተደርበያን፡ ደቅኽን! ኣሓትክን! ኣዴታትክን!! ደቀንስትዮ ሪኢኽን መርገም ከይኮነክን ደጊም ነዚኣቶም ካብ ምግልጋል ተቖጠባ ክንብለክን ንፈቱ፡፡

ኣምባሳደር ህ.ግ.ዲ.ፍ ከምዞም ኣብ`ዚ ዓዲ ኣሸጊሮሙኹም ዘለዉ ተቓወምቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ`ውን ኣለዉ፡ ምሕረት ደኣ የውርደሎም እምበር ክብል`ውን ሓጪጩ፡፡ ስኣን ኣሜን እሓልፍ ምርቓ`ዩሞ፡ ምርቓ ከይሓልፈና ኣሜን!! ንብል፡፡ ሕማምና ግን ንስኻትኩም ኢኹም`ሞ ንዓኹም ወሲዱ እታዓረቐና!! ክንብሎ ንፈቱ፡፡ እንተ ንዓኹም ካብ ምምካትን ከም ትፈሽሉ ካብ ምግባርን ከምዘይንቑጠብ ማሕላ ከምዘለናን ግን ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ፡፡

ኣብ ሕቶን ርእይቶን ኣቲና ብዙሕ ክንትንትን ኣይንደልን፡ ብመሰረቱ`ውን ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘይሓሰቡዎ ስንባደ ስለ ዝኣተዎም፡ እቲ ኣኼባ ከምቲ ዝደልዩዎ ኣይነበረን ቀልጢፉ`ዩ ተወዲኡ፡፡ ሕቶታት ርእይቶታት ብዙሕ ኣይቀረበን፡ ካብተን ዝቐረባ ዉሑዳት ግን ነተን ኣገደስቲ እየን ዝበልናየን ሓንቲ ፈኸራን ክልተ ሕቶን ከይጠቐስናየን ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡

እስከ በታ ፈኸራ ወይ ክሲ ዝዓይነታ ብሓደ ሰብ ዝቐረበት ርእይቶ ክንጅምር፡ እታ እቲ ሰብ ዘቕረባ ፈኸራ ወይ ክሲ ከም`ዚ ዝስዕብ ትብል ነበረት፡፡ ”እዞም ኣብዚ መጺኦም ዝጸንሑ ደም ኣሕዋቶም ረጊጾም ንኣዲስ-ኣበባ ከይዶም ምስ ወያነ ችን-ችን ዝበሉ ከድዓት”፡ ብደም ክኽሰሱን ክፍረዱን ኣለዎም ትብል`ያ ኔራ፡፡ ግርም እምበኣር!! ጥራይሲ ”ቅዋም” ሃገር ይነደፍን ቤት ፍርዲ ስርሑ ይጀምርን እምበር፡ መን`ዩ ክፈርድ መን`ዩኸ ክፍረድ ንግዜ ንግደፎ፡፡ እንተ ብዛዕባ`ዚ ሰብ`ዚ ግን ቁሩብ ክንጠቅስ ፍቐዱልና፡፡

ዝከበርኩምን ዝኸበርክንን ኣንበብቲ! እዚ ነዚ ቃላት`ዚ ዝተዛረበ ሰብ፡ ከምተን ኣብ`ቲ ”ኣኒማል ፕላኔት ዝተባህለ ተለቭዥን” ዝረኣያ በብዓይነተን ነፋሒቶታት፡ ምስ ደበናን ጽሓይን፡ ምስ ሃሩርን ቁርን፡ ምስ ህቦቡላ ንፋስን፡ ሕብሩ ዝቐያይር እዩ፡፡ እቶም ቀንዲ ኣብ ናቱ ክሊ ወይ ”ሰርክል” ዘለዉ ኣዕሩኹ ከይተረፉ`ውን ክሓምይዎ ዝውዕሉን፡ ከመይ ጌርና ኢና ካብ`ዚ ሰብ`ዚ ንርሕቕ ዝብልዎን ሰብ እዩ፡፡ ናይ`ዚ ሰብ`ዚ ቀንዲ መለለዪ ከኣ፡ በቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ግዳይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝኾኑ ቤተሰቡን ስድራቤቱን ከምዘይግደስን ከም ዘይድንግጽ! ከም ዘይሕግዝ! ብኣንጻሩ ግን ብኣኣቶም ከም ዝሓፍርን ከም ዝሓንኽን`ዩ!!

ፍቕሪ ቤተሰቡን! ስድራቤቱን! ፈተውቱን! ዘይብሉ ሰብ ድማ፡ ፍቕሪ ሃገር ክህልዎ ኣይክእልን`ዩ፡፡ ንስድራቤቱን ንቤተሰቡን ዘይሕግዝ ሰብ ንሃገር ክሕግዝ ኣይክእልን`ዩ፡፡ እቲ ከም ፈታው ሃገርን ህዝብን ተመሲሉ፡ ንደለይቲ ፍትሒ ደቂ ህዝቢ ክሕተቱ`ዮም ምባሉ ግን፡ መን ከም ዝሓትትን መን ከም ዝሕተትን ጽባሕ ንጉሆ ጨጭብጥና ሒዝና ክንቀርብ ኢና፡፡ ከም`ቲ ንስኻን ዉሑዳት መሰልትኻን ኣብ ስለያ ተዋፊርኩም፡ ንንጹሃት ደቂ ሃገር ን.ህ.ግ.ዲ.ፍ ኣሕሊፍኩም ትህቡዎም ዘለኹም፡ ንሕናውን ንዓኻን ነቶም ውሑዳት ሰለይቲ ከማኻን፡ ኣብ መዝገብ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኽኩም መዝጊብናዮ ኣለና`ሞ፡ ንፍትሓዊት ኤርትራ ኣሕሊፍና ክንህበኩም ኢና!! ክንብሎ ንፈቱ፡፡

እተን ኣብ`ዚ ክንጠቕሰን ደሊና ዘለና ንኣምባሳደር ህ.ግ.ዲ.ፍ ተስፋንኪአል ዝቐረባሉ ሕቶታን ክልተ`የን፡፡ እታ ሓንቲ ግርማ ኣስመሮም ንምንታይ ንኣዲስ-ኣበባ ከይዱ? ክትብል ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ድማ፡ ብዛዕባ እገዳ ከመይ እኸይድ ኣሎ? ትብል`ያ፡፡

ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ወያነ ንኹሉ ከም ድላዮም ይጠዋውዩዎ ስለ ዘለዉ፡ ንዑ ባዕልኹም ንመሰልኩም ተጣበቑ ኢሎም፡ እቶም ማሕበር ኣፍሪቃ እዮም ለሚኖሙና ክብል መሊሱዋ፡፡

ነታ ካልኣይቲ ሕቶ ዝብሎ ስለ ዝሰኣነ፡ ንሕና መራሕትና ኮነ ኣባላትና ኣብ ናይ ወጻኢ ሃገራት ባንክታት ሕሳብ የብልናን! ኤርትራ ከኣ ብሕርሻ ነብሳ ትኽእል ሃገር`ያ! ቅድሚ ሕጂ እገዳ ተጌሩለን ነብሰን ምኻኣል ዝሰኣና ሃገራትከ ኣበይ ሪኢና? ንሕና ንጽዕር ኣለና ነቲ እገዳ ከኣ ባዕልና ከነልዕሎ ኢና ኣይትሰከፉ ኢሉ፡ ከም`ቲ ልሙድ ናይ ህ.ግ.ዲ.ፍ ባህሊ ኣብ ዓጀፍጀፍ`ዩ ኣትዩ፡ ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ብግቡእ ከይመለሰ`ዩ እቲ ኣኼባ ተደምዲሙ፡፡

 

ሲቪካዊ ማሕበር ምንቅስቓስ ሕብረት ኤርትራውያን ኣብ ኖርወይ

ኣባል በርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኣውሮጳ

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

ዓወት ንውጹዕ ህዝብና

ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ

ውድቀት ንጸላእትና

ዕለት፡ 28.01.2011


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>