ብመሰረት ሓበሬታ ናይቶም ምንጭታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነዚ ኣልማማ ግፋ ዘካይድ ዘሎ፡ ካብ ሰራዊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ከተማ ዝኣተዉ ይኹኑ ካልኦት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተጸምበሩ መንእሰያት ኣብ ከተማታት ብብዝሒ እንተጸኒሖም ከምቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝሎ ናዕቢ ከበግሱ ይኽእሉ እዮም ካብ ዝብል ስግኣት ተበጊሱ ምዃኑ የረድኡ።
እቲ ናይ ሰሜን ኣፍሪቃ ኩነታት ካብ ዝለዓል ንደሓር ኣብ ሰራዊት ፍሉይ ቁጽጽር ከምዘተኣታተወን ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ንምርባሽ ዝተፈላለየ መናውራታት ይጥቀም ከምዘሎን ‘ውን የዘኻኽሩ።
ብተደጋጋሚ ከምዝገለጽናዮ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ተላዒሉ ዘሎ ናዕቢ መታን ከይከታተሎ ን ከይመሃረሉን ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ፍጹም ከይቃላሕ ብጥብቂ ኣጊዱ እዩ። በዚ ድማ ናይቲ ቀንዲ ዓርኩ ግዝኣት ዝኾነት ሊብያ ብቓጸሎ ለውጢ ንሓርነት እናነደደት ከላ ብጩቕ ዘይበለ ማዕከናት ዜና ህግደፍ፡ ናይ ኒውዚላንድ ዜና ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ቲቪ ኤሪ ከቕርብ ተራእዩ።