መገዲ መንእሰይ (ሳድሳይ ክፋል) ( ሓንቲ ዓለም ) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel ንዓለምን ንኸባቢኡን ኪልውጥ ዚኽእል ሓይሊ፡ እቲ ካብ ኣእምሮ መንእሰይ ዚምንጩ ናይ ለውጢ ድራኸ ኢዩ። እዚ ኣከታቲለ ዝጽሕፎ ዘለኹ ድማ፡ ናብኡ ዝዓለመ ኢዩ።

 

መንእሰይ ወናን ነብሱን ኣእምሮኣዊ ትብዓት ዘለዎን ኪኸውን ይግባእ። ከመይሲ ፈራህን ተወላዋልን፡ ኣብ ጥሩፋውን ሕልማውን እምነት እተጸምደ መንእሰይ፡ ንኤርትራ ኣየድልያን፡ ንዓለም`ውን ጾር ኪኾና ደኣምበር ዝውስኸላ ነገር የብሉን።

እቲ መንእሰይ ሓደ እምነት ወይ ዕላማ እንተ ሃለዎ፡ እዚ እምነት ወይ ዕላማ`ዚ ኣብ ፍትሕን ኣብ ሓድነትን ተጻዋርነትን እተመርኰሰ ምስ ዘይከውን፡ ሕጂ`ውን ንሃገሩ ይኹን ወይ ነዛ ኣብ ጸገም ዘላ ዓለምና ከድሕና ኣይክእልን። ኣእምሮኻ ካብ ምስፋሕን ኣግፊሕካ ካብ ምርኣይን ስነመጎታዊ ኣተሓሳስባ ካብ ምኽዕባትን ነቲ ብኣርኣያ ስላሰ እተፈጥረ ከማኻ ሰብ ድማ ከም ብጻይካ ካብ ምርኣይን ምቕራብን ዚበልጽ ካልእ ኣማራጺ መገዲ ዘሎ ድማ ኣይመስለንን።

ንነገራት፡ ንኹነታት፡ ንዓለም፡ ንፍጥረት፡ ብሰፊሕን ተባዕን ሳየንሳውን መገዲ ምስ እትርእዮ፡ ንመንፈሳዊ ህይወትካ ድማ ፍትሕን ሓድነትን ፍቕርን ኣብ ምኽዕባት ምስ እትጥቀመሉ፡ ንኣኻን ንኸባቢኻን ድሕነት ክትረክብ ትኽእል። ብኣንጻሩ ግን፡ ኣእምሮኻ ብምጽባብ፡ ነቲ መንፈሳዊ ህይወትካ ድማ ጥሩፍነትን ፍልልይን ጽልእን ጥርጠራን ንኺምዕብል ምስ እትጥቀመሉ፡ ኣብ ህይወትካ ኾነ ኣብ ናይ ካልእ ሰብ ህይወት ሰላም ክትዘርእ ኣይትኽእልን፡ ዘላቒ ዕግበት ንምርካብ ከኣ ኣይትበቅዕን። ኣብ ውሽጥኻ ዘየለ መሰረታውን ዘላቕን ፍትሓውነት ናብ ሃገርካን ናብ ህዝብኻን ንምስግጋር ደፋኢ ሓይሊ ወይ ድራኸ ኣይህልወካን።

ሓደ ነዚ ተኸታታሊ ጽሑፍ መቕረብየይ ምኽንያት ድማ፡ ብዓቕመይ ነቲ መንእሰይ ነቲ ኪኸዶ ዘለዎ መገዲ ንምሕባር ኢዩ። መንእሰይ ጥራይ ኢዩ ለውጢ ከምጽእ ዚኽእል ብምባል ከኣ እቲ ጽሑፋት ናብኡ ዝዓለመ ገይረዮ ኣለኹ። ኣብ ታሪኽን ቋንቋን ሳየንስን ፍልስፍናን ባህልን ሃይማኖትን ስነጽሑፍን ፖለቲካን ዘሎኒ ተመክሮታት ድማ ከይተቘጠብኩ ንኹሉ ኣንባቢ ከካፍል ክፍትን እየ።

እምበኣር ካብዚ ሓሊፈ ናብቲ ኣብ ሃገርና ተናዒቑን ተደርብዩን ዘሎሞ ብማፋያዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ተተኪኡ ዘሎ ናይ ኣቦታትና ምምሕዳራዊ ወይ`ውን ፖለቲካዊ ባህሊ ክኣቱ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ግዜ ሓንቲ ብኃው ሰሎሞን ገብረኽርስቶስ እተደርሰት ሕጊ እንጋንኣ፡ ሥርዐት ዐጽሚ ሐርማዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ኣንቢበ። ግሩም ምምሕዳራዊ ወይ ውሕሉል ፖለቲካዊ ባህሊ ከም ዝነበረና ድማ ተገንዚበ።

እቲ ቦታ ኣብ ኣከለጉዛይ ኤርትራ ኢዩ፡ እቲ ሕጊ ድማ 300 ዓመት ይገብር እተጻሕፈ ኢዩ ይብሃል። ኣብ ኤርትራ ስርዓት እንዳባ ወይ ሕጊ እንዳባ ዘይብሉ ማሕበረሰብ ዳርጋ ኣይርከብን። ከም ሎሚ ዘይኮነ፡ ኤርትራዊ ብሕጊ ዝግዛእ ህዝቢ ኢዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ክንዲ ሕጊ እንዳባ፡ ሕጊ ማፍያ ኪዝውተር ንርኢ ኣሎና።

እስከ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ምምራጽ መራሕቲ ወይ ኣካየድቲ፡ ብዛዕባ ምምሕያሽ ሕጊ (amendments) ከምኡ`ውን ብዛዕባ ምዝንጣል እንታይ ሰፊሩ ከም ዘሎ ንመልከት፥

ብዛዕባ ምርጫ ሽመት ኣብ ገጽ 32 ከምዚ ይብል፥

“ሽድሽቲኦም ሹማት እንጋንኣ ሰብ ቆጽሊ ኢዮም። እዚ ማለት ከኣ ህዝቢ እንጋንኣ እዚኦምስ የካይዱና፡ ይለኣኹና፡ ይኾኑና ኢዮም፡ ብቕንዕና ይመርሑና ኢዮም ኢሉ ዝመረጾም ደኣ እምበር ባዕሎም ገንዘቦም ከስኪሶም፡ ንብረቶም ኣብሪሶም ወርቆም ኣፍሲሶም ምረጹና ኢሎም ዝተመርጹ ኣይኮኑን። እቲ ሓድሽ ሹም ዚምረጽ ብስም ወዲ እቲ ቀዳማይ ሹም ወይ ወዲ ጭቃ ዓዲ፡ ወይ ድማ ወዲ ምስለነ ኢዩ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ይሕሸና የናብረና ኢዩ ኢሎም [ኢዮም] ዚመርጹዎ። [ሹመት] ከም ርስቲ ካብ ኣቦ ናብ ውሉድ ኣይመሓላለፍን።”

ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ምርፋት መራሒ ወይ ኣካያዲ ኪትንትን ከሎ ኣብ ገጽ 33 ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥

“ሓደ ሹም ሕማቕ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ማለት እንተ ኣጠፋፊኡ ወይ ሓሶት ምስክር እንተ ደኣ ተቐቢሉ፡ ኣብ መንጎ ዕድመኡ ይሰዓር። ይበልዕ ኢዩ ተባሂሉ ብብጾቱ ወይ ብኻልኦት ሰባት እንተ ጠርጠሩዎ፡ ከም ዚበልዕ ከኣ እንተ ተረጋጊጹ፡ ካብ ስልጣኑ የውርዱዎ።”

ኣብ ሃገርና ግን ኣብዚ እዋን`ዚ እቲ ሕጊ እንዳባ ብብሒም ዝበለ ይተሓጎም ኢዩ ተተኪኡ ዘሎ።

ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ብዛዕባ ምምሕያሽ ሕጊ (amendments) ዚገልጽ ዓንቀጽ ኢዩ። ንሱ ድማ ኣብ ገጽ 34 ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥

“ኣገባብ ምሕዳስ ስርዓት እንዳባ

[እቲ ኪረአ ዘለዎ ጉዳይ ኣብቲ ደብተር ምስ ዘይርከብ፡ እቶም ዳያኑ ንግዜኡ መኺሮም ነቲ ጉዳይ የደቅሱዎ] እታ ሽዑ ዝሰርዑዋ ስርዓት ወይ ፍርዲ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ደብተር ትጸሓፍ..ንጥንቲ ከኣ ከም ሕጊ እንጋንኣ ኮይና ትቐውም። .. [ኣብቲ ዚግበር ምምሕያሽ] ሓገዝ እንተ ኣድለየ ድማ ካብ ነፍሲ ወከፍ ዓዲ ለባማት ይውሰኹ። ..ኣሪሞም ከኣ ኣብ ደብተር ይሕዙዋ። ኣብ ዳሕራይ መዓልቲ ንሰብ ነገር ኣጋጢሞም ብዋዕላ ይሕግጉዋ። ሕጊ እንዳባ፡ ሕጊ እንጋንኣ ከኣ ትብሃል። “

ኣንቱም ሰባት፡ ካብዚ ንላዕሊ ደኣ እንታይ ክንብል ኴንና! ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ዝገበረ ፓርላመንታዊ ኣመራርሓናስ ብሓቂ ኣብ ደልሃመት ኣትዩ!  ብ “ባዕልኻ ትፈልጥ” ተተኪኡ!

እምበኣር፡ ከም በዓል ጴጥሮስ ሰሎሞንን በዓል ድሩዕን ካልኦት ኩሎም ከዳዓት ተባሂሎም ኣብ ዒራዒሮን ኣብ ካልእ ምስጢራዊ ጐዳጕድን ተዳጕኖም ዚሓቁ ዘለዉ ብጾትና፡ ብሕጊ እንጋንኣ ንጹሃት ኢዮም። መራሒ ንዓዲ ምስ ኣዋረዳ፡ ብሃገራት ዓለም ከኣ ከም እትፍንፈን ምስ ገበራ፡ ንዓ ብሰላም ውረደልና ኢዮም ዝበሉዎ። ካልእ እንታይ ኢሎምዎ ዲዮም?

ጣልያን ነቲ ሕጊ እንጋንኣ ምስ ረኣዩዎ ኣስደሚሙዎም። ኪቕጽል ድማ ኣዚዞም። እንግሊዝ ምስ ረኣዩዎ ድማ፡ ኣንታ ንሕና ጥራይ እባ ኣይኮናን ፓርላማ ዝመሃዝና ኢሎም ብልቦም። ኪቕጽል ድማ ወሲኖም። ህግደፍ ምስ መጹ ግን፡ ጕሒፎምዎ!  ብሕጊ ማፋያ ድማ ተኪኦምዎ!

ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ምዝንጣል ኪገልጽ ከሎ፡ ኣብ ገጽ 67 ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥

“ኣቱም ይብል ነይሩ ብንዕቀት ኣታ ዝበለ 54 ቅርሺ ይከሓስ።” ኣብዚ እነሀልካ ግሩም ፍርዲ!

እስከ ቅሩብ ክዋዘ ፍቐዱለይ። ኣብቲ እዋንቲ ሓንቲ ቅርሺ ናይ ሎሚ 100 ናቕፋ ጌርና እንተ ሓሰብናያ፡ ሎሚ ሓደ ንዓቢ ሰብ ዝዘንጠለ ውልቀሰብ 5,400 ናቕፋ ኪኸፍል ምተፈርደ። ህግደፍ ንሰብ ካብ ዝዝንጥሉ ደጊም 20 ዓመት ኮይኑዎም። ን4 ሚልዮን ኤርትራውያን መዓልቲ መዓልቲ ኪዝንጥሉ ይውዕሉ ነይሮምን ኣለዉን። 20 ዓመታት ዝረብሐ ብ336 መዓልታት ይኸውን 6720 ናይ ዝንጠላ መዓልታት። ደጊም ህግደፍ ብሕጊ እንዳባ ኣብ ነፍስወከፍ መዓልቲ 5,400 ን4 ሚልዮን ሰብ ብምዝንጣሉ ናይ 20 ዓመታት ኣስታት 22 ትሪልዮን ናቕፋ ኪኸፍል ኣለዎ ማለት ኢዩ።

ነዚ ንምኽፋል ከኣ ወርቂ ናይ ቢሻን ወዲ ቢሻን፡ ኣብ ፈቐድኡ ባንክታት ተኸዚኑን ኣብ ናይ ማፍያ ትካላትን ተዋፊሩን ዘሎ ዶላራት ኣይኣክልን። በዚ መሰረት`ዚ ጉዳዩ ተጸኒዑ፡ ዓበይቲ ምስ መኸሩሉ፡ ወዮ ገበነኛ ህግደፍ ዕዳኻ ክትከፍል ካብ ዘይከኣልካ ካብ ዓዲ ለቒቕካ ጥፍኣልና ጥራይ ተባሂሉ ብዳያኑ ዓዲ ኣብ ባይቶ ዓደቦ (ኣብ ትሕቲ ጽላል ዳዕሮ) ዘላቒ ብይን ምተዋህቦ ነይሩ።  ህዝቢ ድማ ብሰላምን ሩፋታን፡ ሓረስታይ ሓሪሱ፡ ነጋዳይ ድማ ነጊዱ ድራር ዕለቱ ማእሪሩ ቀሲኑ ምነበረ።

ግንከ ህግደፍ ኣብ ከምቲ እዋንቲ ዝነበረ ብሱል ፖለቲካውን ማሕበራውን ሃዋህው ኪፍጠር ምኸኣለዶ? ኣብ ከም ናይ ህዝቢ እንጋንኣ ዝነበረ ፓርላመንታዊ ኣገባብ ምሕደራኸ ዲክታቶር ኪፍጠር ምቹእ ባይታ ምረኸበዶ? ኣይምረኸበን። ከም ገለ እግዚኣብሄር ጸሊኡልና እንተ ዚመጽእ ነይሩኸ ህዝቢ መቐመጦዶ? ኣይመቐመጦን! እንታይ ደኣ ወሪዱዎ ሕጂ ትም ኢሉ ዚርእዮ ዘሎ? መልሱ ቀሊል ኢዩ። ህግደፍ ነቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ኤርትራ ለዊጡዎ ኢዩ። ነቲ ናጻ መንፈስ ኤርትራዊ ኣዳኺሙዎ ኢዩ። ነቲ ፓርላመንታዊ ወይ ደሞክራስያዊ ባህርያት ህዝብና ኣምኪኑዎ ኢዩ።

ነዚ እንተ ዘይገብርሞ ኣብ ናይ ኣምባገነናዊ ኮረሻ ተወጢሑ ከጋልብ ኣይምተራእየን። ኣብ ልዕሊ ውጹዕ ህዝቢ ኣይመሽካዕለለን። ኣብ ልዕሊ ክብርን ወግዕን ጭውነትን ህዝቢ ድማ ሸይ ሸይ ኣይምበለን።

 

ይቕጽል።

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>