መገዲ መንእሰይ (ሻብዓይ ክፋል) (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Hanti Alemእንታይ ዓይነት መንግስቲ ኢዩ ኣብ ህዝቢ ፈጺሙ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ብዛዕባ ስልጣኑ እምበር ብዛዕባ ዕድል ህዝቢ ኸኣ ፋዕራ ዘይብሉ? ስልጣኑ ንምቕጻልከ እንታይ ሜላታት ይጥቀም?

ህዝቢ ብባህርያቱ ተጠባራይ ኢዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነት ከኣ ነዚ ይፈልጦ ኢዩ። ናይ ሃገር ፈረንሳ ሃጸይ ዝነበረ ናፖለዮን ንህዝቡ ኪገልጾ ኸሎ፡ ከም ብባምቡላ ዚጥበር ህጻን ገይሩ ኢዩ ዘቕርቦ። ንገሊኡ ብሽመት፡ ንገሊኡ ብገንዘብ፡ ንገሊኡ ብመዓር ብእተባዕጠ ናይ ሓሶት መደረ ወይ መግለጺ፡ ንገሊኡ ብናይ ሓሶት መብጽዓን ተስፋን፡ ንገሊኡ ድማ ከም ህጻን እናቐጻዕካን ድሕሪኡ ድማ መቝሽሽ እናሃብካን ኪምራሕ ይከኣል ኢዩ በሃላይ ነበረ።

ኣብ ዝዓነወ ገዛ እናኣቐመጥካ፡ እዚኮ ሕጂ ኪዕረ ኢዩ፡ ኣይዞኻ ኣብ ትሕቲዚ መሬት ድማ ማይ ኣሎ፡ መን ይፈልጥ፡ ወርቂ‰ውን ይህሉ ይኸውን። መንደቕ ምስ ሰራሕካሉ ጽቡቕ ኪኾነልካ ኢዩ ወዘተ እናበልካ ትሓባብሎ። ከምቲ ህጻን ንኣቦኡ ዚኣምኖ፡ ህዝብ`ውን ንመራሒኡ ኪኣምን ንቡር ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ደሞክራሲ ዝተነፍጎ ህዝቢ።

ኩሉ ግዜ ክትጥብሮ ግን ኣይከኣልን። ህጻን ከይተረፈ ነቲ ኣቦኡ ደጋጊሙ ዘዘውትሮ ጥበራን ላግጽን ቀስ እናበለ የስተብህለሉ ኢዩ። እምነቱ እናጐደለ ምስ ከደ፡ ሓደ እዋን ንኣቦኡን ንኣደኡን ዘሕዝን ሕማቕ ነገራት ኪሰርሕ ይኽእል።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ህዝብታት ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምስራቕን፡ ነቲ ኣብ መሪሕነት ዝነበሮም እምነት ንሓዋሩ ዝደርበዩዎ ይመስሉ። ሓቃቶም። ኣሽካዕላል እንዲዩ በዚሑዎም። ምሒር ስድነትን ላግጽን መራሕቲ። ምሒር ሸይሸይ። ብዘይ ብኣይ ኣይትነብሩን ኢኹም። ኣነ ኢየ ናጽነት ኣምጺአልኩም። ኣነ እየ ፈጣር ሰውራኹም።

ኣነ እየ ፈጢረኩም ምባል ኢዩ ተሪፉዎም ነይሩ፡ ግን ኣምላኽ ግዜ ኣይሃቦምን። በብሓደ ድማ ጠረብረብ ኪብሉ ንርኢ ኣሎና።

እቲ ዚንዕቁዎን ዘሽካዕልሉሉን ህዝቢ እንተ ዘይህሉ እኮ ንሳቶም`ውን ኣይምሃለዉን። ሳላ ህዝቢ እኮ`ዮም ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሎም ዘለዉ። በቲ ህዝቢ ገይሮም ይዋግኡ። ንህዝቢ ግብሪ እናኽፈሉ ገንዘቦም ይእክቡ። ብህዝቢ ገይሮም ስርሖም የሳልጡ። ተመሊሶም ድማ ንሕና እንተ ዘይንህሉ ንስኻ ኣይምሃለኻን ይብሉዎ። ኣብ ኲናት ኪስዕሩ ኸለዉ ኩሉ እቲ ክብርን ጅግንነትን ባዕላቶም ይብሕትውዎ። ምስ ዚሰዓሩ ድማ ንህዝቢ ክሒድካና ይብሉዎ። ግን ግዜ ኣምባገነናት ዕምሩ ኣኺሉ ኢዩ። መራሕቲ ቱኒዝያን፡ ግብጽን ካልኦት ስዒቦም ዚወድቁን መርኣያ ናይቲ ንዓለም ከሊሉዋ ዘሎ ሓድሽ ዓውለማዊ ውኖ ( New global consciousness) ኢዩ።

እዚ ተርእዮዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ንኹሉ ዘይደሞክራስያዊ መንግስቲ ከም ዘንቀጥቅጦን ከም ዘውድቖን ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዚካየድ ዘሎ ፖለቲካዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብስነመጎታዊ መገዲ ኪትንትኖ ፈቲኑ። ንዓይ ኣይመጸንን ኢዩ ከም ማለት ኢዩ። ግርም ፈተነ። ግንከ ንገዛእ ህዝቡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናመንቈሰን እናፈንቀለን፡ ደሞክራስያዊ ሕቶ ንዘቕርቡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ እናኣሰረ፡ ንመንእሰያት ሃገር ናብ ባረዩ እናለወጠ፡ ቀጻሊ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ህውከት እናፈጠረ፡ ቅዋምን ናጻ ሕትመትን እናደርበየ፡ መሰል ናጻ ሓሳብ እናገፈፈ፡ እዚ ኹሉ እናገበረስ ብዛዕባ ዘይምልከቶ ናይ ካልኦት ሃገራት ጸገማት ክትንትን መን ዓደሞ? መንከ ኣለፋለፎ? ኢልናኮ ኔርና ኢና፡ ኣብ ሜዳ ከሎና እኮ ተነቢና ኢና ምባል ኣመል ገይሩዎ። እሞ ክሳብ ቀረባ ግዜ ደኣ ምስ በዓል ቃዛፍን ሙባረክን ካልኦት ኪወድቁ ተቐሪቦም ዘለዉ ዲክታቶራትን እንታይ ሎኽሎኽ ኣበለኩም? ምውዳቖም ትፈልጡ ኔርኩም እንተ ትኾኑ ደኣ ስለምንታይ ኣብ ኣጸደታቶም እናኸድኩም ትሙስሙስ ትብሉ ኔርኩም?

ግንከ፡ ከምቲ ናታቶም ምውዳቕ ንምፍላጥ ዝደንጐኹምን ዝዘንጋዕኩምን፡ ናታትኩም ምውዳቕ ከኣ ኣብ ዘይፈለጥኩምዎ መዓልትን ሰዓትን ብዘይትፈልጥዎ ስነመጎትን ከም ዚመጸኩም ፍለጡ!

ህግደፍ እኮ ኩሉ ኢዩ ዚፈልጥ። ስለምንታይ መራሒ ቱኒዝያ ከም እተባረረ፡ ስለምንታይ መራሒ ግብጺ ከም እተሸንደሐ፡ ስለምንታይ መራሒ ሊብያ ኪቕላዕ ይዳሎ ከም ዘሎ ወዘተ.። ስለምንታይ ንባዕሉ ኪሽንዳሕ ቀሪቡ ከም ዘሎኸ ተንቲኑ ይፈልጦ ዲዩ? እሞ ሕጂዶ ክንትንትነሉ? ግን እቲ ኣብዛ ዓለምና መጺኡ ዘሎ ህዝባዊ ናዕቢ ብዙሕ ትንተና ዘገድሶ ኣይመስለንን። ከም ውሕጅ ኢዩ ዚመጽእ ዘሎ። ንኹሉ ኣብ ግንባሩ ናይ ዲክታተር ምልክት ዘለዎ መራሒ ኸኣ ጋሕጢጡዎ ኪኸይድ ኢዩ።

ኣስታት 16 ዓመታት ይገብር ኣብ ኣስመራ ከለኹ፡ ሓደ ናይጀርያዊ ምሁር ከምዚ ኪብል ሰሚዐዮ፥ “ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ምንቅስቓሳት ሓርነት ርእየ፡ ከም ናይ ኤርትራ ካብ ህዝቢ ዝወጸን ዝፈልፈለን መላእ ህዝቢ ዝተሳተፎን ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ግን ርእየ ኣይፈልጥን። ካብ ኩሉ ዝገርመኒ ነገር እንተሎ ኸኣ፡ እዚ ካብ ህዝቢ ዝፈልፈለ ሰውራ‰ዚ ነቲ ህዝቢ ከም ዘይናቱ ኪርእዮ ኸሎ ምዕዛበይ ኢዩ..”

ክንዲ ዘዀለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ ማለት ከምዚ ኢዩ። ኣብ ዓለም በቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ መራሕቱ ኪቕጥቀጥ ዚውዕልን፡ ብኣታቶም ዝተዳህለን ዝተኻሕደን ዝተደፍረን ዝተናዕቀን ህዝቢ እንተሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ኢዩ።

ነዚ ንዕቀት`ዚ ኪምዕብል ወይ ኪቕጽል ተሓጋገዝቲ ካብ ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብና ኸኣ ብብዝሒ ኣብ ወጻኢ ይርከቡ። መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ህዝብና ዚጓነፎ ዘሎ ግፍዕን ውርደትን ተጸዋዕቲ ኢዮም። ርእዮም ከም ዘይረኣዩ፡ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ኣብተን ፖለቲካዊ ወይ ቍጠባዊ ዕቝባ ዝሃበኦም ምዕራባውያን ሃገራት ኮይኖም ብህዝቦም ይጻወቱ ኣለዉ። ይኹንምበር፡ ብዙሓት ጀጋኑ ድማ ነቲ ስርዓት ኪምክትሉ ምርኣይ ተስፋ ዚህብ ኣመት ኢዩ።

ሓደ ኣብ ወጻኢ ዚቕመጥ ኤርትራዊ ናብ ኣስመራ በጺሑ ምስ ተመልሰ ዝበሎ ክነግረኩም፥ “ዋእ! ህዝቢ ጽቡቕ ኣሎ። ጣፍ የለን፡ ስጋ የለን፡ ቢራ የለን ድማ ይብሃለለይ። ሓሰውቲ። ከመይ ዝበለ ጻዕዳ ጣፍ፡ ጮማ ስጋ፡ ቢራታትን ዊስክን ዓጠምጠም ዘበልናዮ ደኣ ብሕልሚ ዲዩ?” እዚ ሰብ`ዚ ገንዘብ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ ብሉ ናይል ኢዩ ጻዕዳ ጣፉን ጮማኡን ዊስኩን ዓጠምጠም ዘበሎ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ኪብል ተሰሚዑ፥ “እዞም ሓሰውቲ ከዳዓት ዘውርዩዎ ኣይትስምዕዎ። እምበር ሃገርስ በሽ በሽ ኢያ ዘላ።”

ከም ናይ ቀደም ሽመት ደኣ የልቦን ኮይኑ እምበር፡ እዚ ሰብ`ዚ ብመሪሕነት ህግደፍ ፊተውራሪ ወይ ቀኛዝማች ዚብል ሽመት ምተዋህቦ ነይሩ። ግን ከኣ ወግዓዊ ሽመት ደኣ ዘይተዋህቦ ኾይኑ እምበር፡ እሙን ካድረ ህግደፍ ብምዃኑ፡ ብዙሕ ሓለፋታት ይግበረሉ ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን፡ ነቲ ሓቂ ዚዛረብ፡ እታ ናብ ኣስመራ ዚገብራ ጕዕዞ፡ መወዳእታ ናይ ተመሳሳሊ ጕዕዞታቱ ክትከውን ስለ እትኽእል፡ ትም ምባል ኢዩ ዚመርጽ። ዘረባ ምስ ዘብዝሕ እሞ፡ ሓደ መዓልቲ ንስድራኡ ኪርኢ ናብ ኣስመራ ብነፋሪት ምስ ዚኸይድ፡ ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘሊቡ ሃለዋቱ ከም ዚጠፍእ ንማንም ፍሉጥ ኢዩ። በዝን ክንድዝን ክንደይ ጥዑያት ሰባት መታን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይቍለቡ ብማለት፡ ትም ምባል‰ውን ስለ ዘሕትቶም፡ ሓሶት ኪዛረቡን ኪውድሱን ኪዋጥዩን ይውዕሉ ኣለዉ።

ከም ተወሳኺ ናይቲ ዘገርም ነገራት። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰብ፡ ሓዉን ሓፍቱን፡ ኣዲኡን ኣቦኡን፡ ሓማቱን ብወሰን ዝወለዶም ደቁን፡ ብሱዳን ገይሮም ናብ ኤውሮጳ ከም ዚኣትዉ ንኺገብር ዘይግልብጦ እምንን ዘይፍሕሮ ጕድጓድን የለን። ሕፍረት ዚብሃል ካብ ነብሱ ቀንጢጡ ደርቢዩዎ ኢዩ። ግን ከኣ ዓዋን ደኣ ኾይኑ እምበር፡ በቲ ተግባራቱስ ኣብ ኤርትራ ምንባር ፍጹም ከም ዘይከኣል ኢዩ ዚእውጅ ዘሎ።

ኣብዛ ዓለም ፍትሕን ቅንዕናን ጠፊኡ። ሰብ ንዓይ ይጥዓመኒ ጥራይ ኮይኑ። ኩሉ ክብርታት ወለድና ተጓሒፉ። በዓል ክልተ መልሓስን ክልተ ልብን ተመሺኡዎም ይነብሩ ኣለዉ። ግን ኩሉ ዘይሓልፍ ዲዩ መሲሉዎም? ሓቂ ዚስዕረሉ እዋን እኮ ኪመጽእ ኢዩ። ይኹንምበር፡ በዓል ክልተ መልሓስን ክልተ ልብን፡ ግዜ ምስ ረሃወ እውን ከም ነፋሒቶ ምስቲ ኩነታት ከም ዚልወጡ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ሕጂ ንበዓል ናጽነት ሸበድበድ ይብሃል ኣሎ። መናፍሕ ኪጅምር ኢዩ። መዓልቲ ናጽነትሲ እቲ ዚፈልጣ ኣብ ኰኵርናዑ ኮይኑ ከብዕላ ኢዩ። ካብ መራሕትና ግን ብዘይካ መናፍሕ ካልእ እንረኽቦ ነገር የልቦን። ከምቲ ብግዜ ኖህ መሳዅቲ ሰማይ እተኸፍተሞ ንሓያሎ መዓልታት ማይ ኣይሂ ዝዘነመ፡ ሕጂ ድማ መሳዅቲ ሓሶት ኪኽፈት ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ንሓያሎ መዓልታት ብናይ ሓሶትን ናይ ጃህራን ማይ ኣይሂ ከኣ ከጥለቕልቕ ኢዩ። ግን ገለ ለባማት ዛጊት ናይ ምስትውዓልን ልቦናን መርከብ ሰሪሖም ስለ ዘለዉ፡ ካብቲ ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳዊ ማይ ኣይሂ ኪድሕኑ ይኽእሉ ኢዮም።

እቲ መናፍሕ ኣብዘን ዚስዕባ ኣርእስቲ እዚኣተን ዘተኰረ ኢዩ፥ ኣብዘን ዕስራ ዓመታት ንዓለም ዘስደመመ ምዕባለ ጌርና ኣሎና። እቲ ዝበለጸ ኣመራርሓ ናትና ኢዩ። እቲ ዝደልደለ ቍጠባ ናትና ኢዩ። ጐረባብትና ብቕንኢ ኣብ ዘይሕማመን በጺሐን ኣለዋ። ጌና ተኣምር ክንሰርሕ ኢና። ካብ ጸላኢ ጥራይ ተጠንቀቑ ወዘተ.። ይኹንምበር ኣቦታትና ቀደም መሲሎምዎ ኢዮም፥ በይኑ ዚማጐት ዚረትዖ ነይብሉ፡ በይኑ ዚጐዪ ዚቕድሞ ነይብሉ።

ግንቦት 24 ምስ ሓለፈ፡ እቲ መናፍሕ ንግዜኡ እናሞተ ይኸይድ። ሕልና ህዝቢ ይዓርብ። ኣእምሮኡ ይድንዝዝ። እቲ ኣብ መንፈሱ ዘሎ ድጉል ጓህሪ ግን ፈኸም ምባሉ ኣየቋርጽን።

ይቕጽል።

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>