መገዲ መንእሰይ (ሻምናይ ክፋል) (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

Amanuel ስለምንታይ ኢዩ ህዝቢ ብልቡን ብእግሩን ዝሽፍት? ፍትሒ ስለ ዝሰኣነ። ኣቦታትና ቀደም ካብ ሓደ ዓዲ ናብ ካልእ ይሰግሩሞ፡ ኣብ ጕዕዞኦም ገለ ሰባት ይረኽቡዎም፡ ከመይ ሓዲግኩምዎ ዓዲ ብምባል ድማ ይሓቱዎም።


እቲ ዚህቡዎ መልሲ ኸኣ፡ ዋእ እንታይ እሞ ክንብል፡ ፍትሒ የላን፡ ፍትሒ ጠፊኣ፡ ዚብል ነበረ። ኣብ ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር፡ ሓረስታይ ሓሪሱ፡ ነጋዳይ ነጊዱ ኪነብር ኣይክእልን።

ፍትሒ ኣደ ኹሉ ተግባራት ወይ ደግነታት ኢያ። ፍትሒ ዘይብሉ ሃገር፡ ሽሕ ግዜ ርኹብ ወይ ሃብታም ይኹን፡ ቅሳነት የብሉን። ፍትሒ ዘይፈልጥ ንጉስ ድማ ብኣምላኽን ብሰብን ፍንፉን ኢዩ።

ምስ ፍትሒ ተተሓሒዙ ዚኸይድ ከኣ፡ እቲ ጥንታውን መሰረታውን ዝኾነ ኣድማሳዊ መሰላት ወድሰብ ኢዩ። ኣድማሳዊ መሰላት ወድሰብ ካብ ጥልቂ ፍልስፍናን ረቂቕ ኣተሓሳስባን ዝመንጨወ ኣምር ኢዩ። ወድሰብ ንባዕሉን ንኸባቢኡን መሰረት ገይሩ ኪመራመር ምስ ጀመረ፡ ኣብ ሕልናኡን መንፈሱን ብዙሓት ሓሳባትን ኣምራትን ኪትንስኡን ኪበራበሩን ጀሚሮም። ኩሉ ዓሚቝን ካብ ስሰዐን ካብ ረኣዩለይን ትዕቢትን ትምክሕትን ናጻ ዝኾነ ምርምር ድማ ናብ ሓቂ ኢዩ ዚመርሕ።

ከምዚ ዝበለ ምርምርን ኣተሓሳስባን፡ ሰብ ካብ እንስሳ ዝለዓለ ከም ዝኾነን ምስቲ ዝፈጠሮ ምስጢራዊ ሓይሊ ኸኣ ቀጥታዊ ርክብ ከም ዘለዎን ኪገልጽን ከረጋግጽን ይኽእል። ወድሰብ ኣብዛ ዓለም ካብ ካልኦት ፍጡራት ተፈልዩ ፍሉይ ኣእምሮን ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ምምሃዝን ሓይልታት ኣብ ውሽጡ ብምጥራዩ፡ ከም ኣቕሓ ወይ ከም ከብቲ ተቘጺሩ ኪርገጽን ኪዋረድን ኪግፋዕን ምስቲ ውሽጣዊ ክብሩ ኪኸይድ ከም ዘይክእል ብጥንቲ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኣቕሓን ከብትን ከይተረፉኳ ምስቲ ኣፈጣጥራኦምን ጥቕሞምን ዚኸይድ ብተዛማዲ መገዲ ፍሉይ ክብሪ ይወሃቦም ኢዩ።

ኣብዚ ግን ሓደ ብኣጋኡ ኪንጸር ዘለዎ ጉዳይ ኣሎ። ገለ ሰባት፡ መሰረታውያን መሰላት ወድሰብ ካብ ሃይማኖት ዝመንጨዉ ኢዮም ይብሉ። ሃይማኖት ብሓድሓደ መገዲኳ፡ ማለት በቲ ጽቡቕ ግበር ዚብል ትምህርቱ፡ ንኣድማሳዊ መሰላት ወድሰብ ገለ ኣምራት ከበርክት እንተ ኸኣለ፡ ከም ምንጪ ኣድማሳዊ መሰላት ወድሰብ ጌርካ ምውሳዱ ግን ቅኑዕ ኣይመስለንን።

ንኣብነት ኣይሁድነት ከም ሃይማኖትን ባህልን መጠን፡ ምጥራይ ባረዩ ይፈቅድ ነይሩ። ኣብ መንጎ ዓሌታት‰ውን ርኡይ ፍልልያትን ኣድልዎታትን ይገብር ነይሩ። እስራኤላውያን ከም ምሩጻት ህዝቢ እቶም ካልኦት ከኣ ዘይረብሑ ገይሩ ይርእዮም ነይሩ። ኣብ ኣንስቲ ዝነበሮ ኣረኣእያ ድማ ኣዚዩ ትሑት ኢዩ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ ኣንስቲ ከም ምርኮ ውግእ ምስ እንስሳታት ተሰሪዐን ከም ህያብ ይቐርባ ነይረን። ከምኡ‰ውን ኣይሁዳውያን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ዝነበሩ ኣመንቲ ጣኦታት ተጻዋርነት ኣይነበሮምን። እኳ ደኣ ብሴፍን ብስሕለትን ከጥፍኡዎም ይፍትኑ ነይሮም።

ሂንዱዊዝም ዚብሃል ናይ ህንዲ ሃይማኖት እንተ ወሰድና‰ውን ንህንዳውያን ኣብ ካስት እተባህለ ማሕበራዊ ደረጃታት መቓቒሉ፡ ንገሊኦም ብሰብ እኳ ኪትንከፉ ክሳዕ ዘይክእሉ ንታሕቲ ኪሰዶም ከሎ፡ ንገሊኦም ድማ ከም ገዛእትን ካህናትን ገይሩ ኣብ ላዕሊ የቐምጦም ነይሩ። ካብ ሓደ ካስት ናብ ካልእ ክትሓልፍ ድማ ዚከኣል ኣይነበረን።

ክርስትና እንተ ወሰድና‰ውን፡ ኣብ ደቀንስትዮን ኣብ ዘይኣመንትን ዝነበሮን ዘለዎን ኣረኣእያ ዚነኣድ ኣይኮነን። ኣንስቲ ትሕቲ ሰብኡተን ኮይነን ኪነብራ ኢዩ ዘተባብዕ፡ ንዘይኣመንቲ ድማ ከም ጥፉኣት ገይሩ ኢዩ ዚወስዶም። እስልምና‰ውን ብመጠኑ ከምኡ።

ሃይማኖት ብባህርያቱ ብዛዕባ ድሕረ-ሞት ዘሎ ኩነታት ዝያዳ ስለ ዘገድሶን ኣብኡ ስለ ዘተኵርን፡ ነቶም ኣብዛ ዓለም ኪሕለዉን ኪዕቀቡን ዘለዎም መሰረታውያን መሰላት ወድሰብ ግቡእ ኣቓልቦ ኪህቦም ኣይከኣለን። ኣብዚ ዘይረኸብካዮ መሰላት ኣብታ ዳሕረወይቲ ዓለም ክትረኽቦ ኢኻሞ ዓቕልን ትዕግስትን ደኣ ይሃሉኻ ዚብል ኣረኣእያ ናይ መብዛሕትኡ ሃይማኖታት መሰረታዊ መትከልን እምነትን ኢዩ።

ብመሰረቱ‰ውን ሃይማኖት ናጻ ወይ ፍሉይ ሓሳብ ኣይፈቅድን። ኩሉ በብወገኑ ካብ ናተይ እምነት ወጻኢ ድሕነት የልቦን በሃሊ ኢዩ። ብጥንቲ ምስቲ ናይታ ቀንዲ ቤትክርስትያን ወይ ማሕበር ዘይሳነ ፍሉይ ሓሳብ ዘምጽኡ ዝነበሩ ማእለያ ዘይብሎም ምእመናን፡ ከም መናፍቕ ወይ ከሓድቲ ተቘጺሮም ይስጐጉን ይህደኑን ይውገዱን ይውገዙን ከም ዝነበሩ ታሪኽ መዝጊቡዎ ኣሎ።

አረ ኣብ 16 ክፍለዘመን እንተ ረአናስ ጉድ ኢዩ! ቶርከማዳ እተባህለ እስጳኛዊ ካህንን ስሚ መናፍቓንን፡ ነቶም ካብቲ ቀንዲ እምነት ካቶሊካዊት ቤትክርስትያን ቅሩብ ፍንትት ዝበለ ኣረኣእያ ዝነበሮም ኣመንቲ ብሓዊ ከም ዚቃጸሉ ይገብር ነይሩ።

ኣብ ሳየንስ ምስ እንርኢ ግን ማይ ብኦክሲጅንን ብሃይድሮጅንን ዘይኮነስ ብናይትሮጅንን ሀሊዩምን ኢዩ ተሰሪሑ ምስ እትብል መርትዖ ኣምጽእ ኢኻ ደኣ እትበሃል እምበር ብሓዊ ኣይትቃጸልን። ሳየንስ ብመሰረቱ ናጻን ፍሉይን ሓሳብ ምህላው ይፈቅድ ጥራይ ዘይኮነስ የተባባዕ‰ውን ኢዩ። እቲ ውሩይ ናይ ዘመንና ሊቅ፡ ኣይንሽታይን፡ ነቲ ናይ ኣይዛክ ኒውተን ቴዎሪ ምስ በድሆ፡ ምሁራንን ተመራመርትን ብደስታ ደኣ ተቐቢሎምዎ እምበር ካብ ማሕበሮም ኣይሰጐጕዎን። ወዮ ዚብድህ ተረኺቡ!

መሰረታውያን መሰላት ወድሰብ ከም ኣምር ኪዕምብቡ ዝጀመሩ፡ ኣብ 16 ክፍለዘመን ኤውሮጳ ብዝነበሩ ሓሰብትን ፈላስፋታትን መምህራንን ተመራመርትን ኢዩ። ብድሕሪኡ ኸኣ ከም በዓል ሩሶ፡ ሞንተስኪዩ፡ ሆብስ፡ ሎክ፡ ቮልቴር ወዘተ. እተባህሉ ፈላስፋታት ነቲ ናይ መሰረታዊ መሰላት ወድሰብ ኣምራት ብጽሑፋቶምን ብምርምራቶምን ከደልድሉዎ ክኢሎም።

ኣቐዲሞም‰ውን ጥንታውያን ግሪኻውያን፡  ብዛዕባ ወድሰብን መፈጠሩን ባህርያቱን ብሳየንሳውን ስነመጎታውን መገዲ ድሕሪ ምምርማርን ምትንታንን፡ ነዚ ኣብ ወድሰብ ዘሎ ዘመናዊ ሳየንሳዊ ኣረኣእያ መሰረት ገዲፎምሉ ኢዮም።

በዚ መሰረት‰ዚ፡ ናይ ወድሰብ ኣድማሳዊ መሰላት ብሳየንሳዊ መገዲ ደኣምበር ብሃይማኖት ከም ዘይማዕበለ ክንግንዘብ ኣይጽግመናን። ኣብዚ ናይ ዘመንና ልዑል ደረጃ ኪበጽሕ ዝኸኣለ ድማ ብምርምርን ምፍልሳፍን ብምሕሳብን ደኣምበር፡ ብኻልእ መገዲ ኣይኮነን።

ይኹንምበር፡ መሰረታውያን መሰላት ወድሰብ ኪምስረቱ ኸለዉ ንኤውሮጳውያን ጥራይ እተሓዝአ ኢዩ ዚመስል ነይሩ፡ ከመይሲ 5 ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ከም ከብቲ ናብ ኣመሪካ ኪሽየጡ ኸለዉ፡ ነቶም ኤውሮጳውያን ነጋዶ እቲ መሰላት ነቶም ባረዩ‰ውን ይምልከቶም ከም ዝነበረ ኪግንዘቡዎ ኣይከኣሉን።

ደሓር ግን ፖለቲካውያን ፈላስፋታትን ሊቃውንትን ተመራመርትን ብዘካየዱዎ መጽናዕትን ተበግሶታትን፡ ወድሰብ ብመሰረቱ ሓደ ብምዃኑ እቲ መሰላት ድማ ንኹሉ ሓደ ኪኸውን ኣለዎ ኣብ ዚብል መደምደምታ ተበጺሑ። ግን ጌና ንገለ ጸዓዱ ኪወሓጠሎም ኣይከኣለን። ሳዕቤኑ ድማ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፓርተይድን ናይ ኣመሪካ ናይ ጸለምቲ ንዕቀትን ግፍዕን ኣኸቲሉ።

ደሓር ግን ኤውሮጳውያን ኣንጻር ሓቀኛ ኩነታት ወድሰብን ኣንጻር ሳየንሳዊ ርኽበታትን ኪኸዱ ስለ ዘይከኣሉ፡ ብሕልናኦም‰ውን ስለ እተረትዑ፡ ከምኡውን ነቲ ጉዳይ ብቝጠባውን ዲፕሎማስያውን መገዲ ኪርእዩዎ ስለ ዝጀመሩ፡ ነቲ “ኩሉ ሰብ ብመሰረቱ ሓደ ኢዩ” ዚብል ኣምር ኪቕበሉዎ ተገዲዶም። ሃይማኖቶም ከም ዚድግፎ‰ውን ኪዛረቡ ጀሚሮም። ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ።

ብድሕሪ እቲ መሰላት ወድሰብ ንኹሉ ዚምልከት ከም ዝኾነ ተኣሚኖም።  በዝን ክንድዝን ድማ ንሕና ካብ ዲክታቶርያውያን ሃገራት ሃዲምና ኣብ ዓዳቶም እንነብር ዘሎና ኩልና፡ መሰልና ተሓልዩልና ብጽቡቕ ንነብር ኣሎና።

እንታይ ዓይነት መሰላት ኢዩ ኣብ ዓድና ተነፊጉና ነይሩስ ኣብዚ ናይ ስደት ሃገራት ረኺብናዮ ዘሎና? ምጽብጻቡ ነዊሕ ኢዩ ግን ገለ ካብኡ ንምጥቃስ፥ ቤትን መግብን ከም መሰረታዊ መሰል ኮይኑ ይወሃበና፡ ጥሮታና ሕሉው ኢዩ (ወላ ኣብቲ ሃገር ሰሪሕና ዘይንፈልጥ እንተ ዄናን)፡ ብዓሌት ወይ ብጾታ ንዘቃለለና ውልቀሰብ ይኹን ወይ ትካል ብሕጊ ነረኻኽበሉ፡ ደቅና ይመሃሩልና ጥራይ ዘይኮነስ ጽዑቕ ጥዕናውን ትምህርታውን ሓልዮት ይግበረሎም፡ ኣብ ቃሕ ዝበሎም ሃገር በጺሖም ይምለሱ፡ ቃሕ ዝበሎም ትምህርቲ ይመሃሩ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎቶም ብግዜ ውሱን ኢዩ፡ ኣንስትን ህጻንን ብፍላይ መሰላቶም ሕሉው ኢዩ፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ብናጻ ከነቕውም ንኽእል፡ ንፖለቲካዊ ቦታ ንመርጽ ወይ ንምረጽ፡ ሰላማዊ ሰልፊ ነካይድ፡ ንመንግስቲ ንነቅፍን ንቃወምን፡ ቃሕ ዝበለና ንዛረብን ንጽሕፍን፡ ብዘይ ሕጊ ኣይንእሰርን፡ ኣብ ድላይና ክንኣምንን ክንሰግድን  ንኽእል፡ ብሕታውያን ጋዜጣታትን ቲቪን ራድዮን ክንምስርት ንኽእል፡ ኣንጻር ፖሊሲ ናይታ ሃገር ብሕጋዊ መገዲ ክንቃለስ ንኽእል ወዘተ.

ይቕጽል

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>