Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መአረምታ

ብ23 መጋቢት፡ ‘ ካብ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ’ ብዝብል ብርዒ ስም ተጻሒፉ ዝተላእከልና፡ “መንግስቲ ህግደፍ ካህናትን ደናግልን ናብ ሳዋ ክወርዱ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ተነጺጉ” ዝትሕዝቶኡ፡ ኣብ ዓምዲ ደብዳበታት ዘውጻእናዮ መልኽቲ ተኸታተልትና፡ “ጳጳስ ናይ

ብ23 መጋቢት፡ ‘ ካብ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ’ ብዝብል ብርዒ ስም ተጻሒፉ ዝተላእከልና፡ “መንግስቲ ህግደፍ ካህናትን ደናግልን ናብ ሳዋ ክወርዱ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ተነጺጉ” ዝትሕዝቶኡ፡ ኣብ ዓምዲ ደብዳበታት ዘውጻእናዮ መልኽቲ ተኸታተልትና፡ “ጳጳስ ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጵጵስና ኣስመራ፣ ኣቡነ  መንግስተኣብ  ተስፋማርያም፡ ብወግዒ ከም ዝነጸግዎ ተሓቢሩ።” ዝብል ሓበሬታ ግጉይ ምዃኑ ተኸታተልቲ ኣሰና ብዝሃቡና ሓበሬታ መሰረት ተኣሪሙ ክንበብ ምስናይ ይቕሬታ ነተሓሳስብ።

በቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ መሰረት፡ ጳጳስ ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጵጵስና ኣስመራ፣ ኣቡነ  መንግስተኣብ ተስፋማርያም ካብ መጀመርያ መጋቢት ኣትሒዞም ኣብ ኤውሮጳ እዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብ ኤውሮጳ ምህላዎም ንበይኑ፡ ነቲ ትእዛዝ ካብ ምንጻግ የጸግሞም ማለት ኣይኮነን። ይኹን እምበር፡ እቶም ነዚ መአረምታ ዝለኣኹልና ተኸታተልቲ ነቲ ትእዛዝ ናይ ምንጻግ ዕማም ብኣካል ከምዘይወዓሉዎ ዘተኣማምን ሓበሬታ ኣለዎም ኢልና ስለዝኣመና ኢና ነዚ መአርምታ ነቕርብ ዘለና።

ነቶም መአረምታ ዝለኣኹልና ተኸታተልቲ ብልቢ እናመስገና ድማ፡ ከም ዜና ዘይኮነ ብስም’ቶም ለኣኽቱ ከም ደብዳበ ከምዘለዎ ከምዘቕረብናዮ ብትሕትና ከነዘኻክሮም ንደሊ።

ኣሰና!

POST TAGS:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT