ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን !

ብዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ፣ፖለቲካውያን ውድባትን ፣ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ፣ ደቀንስትዮን ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምኡውን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ሰልፈኛ ካብ 9.30 ጀሚሩ ኣብ ቦታ ክእከብ ጀመረ ፣ ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ሳዓት 10፡00 ናይ ንግሆ ጀሚሩ ክሳብ ሳዓት 5፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ቀጺሉ ውዒሉ ። አንጻር ብስርዓት ኢሰያስን ጭፍራታቱን ናብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ስቅያት ዘንጸባርቕ በብዓይነቱ ጭሮሖታት ቀሪቦም ፣ ሰልፈኛ ብሓደ ድምጺ መደርኡ “ሕቶ ህዘቢ ስርዓት ክዕሎ “ ዝብል እዩ ነይሩ ።

ቀጺሉ እቲ ንኣእዛን ኣምባሳደርን  ሰራሐተኛታት ኤምባሲ ኣጽሚሙ ዝዋዓለ ዝተፈላለየ መደረን ጭሮሓታት ብመንእሰያትን ህጻናትን፡ ከምኡውን ብንጡፋት ፓለቲካውያን ውድባትን ኣባላት ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ክፍኖ ውዒሉ።  ብወገኖም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ከም ኣመሎም በቲ መስኮት ናይቲ ኤምባሲ ኣሳእል እንዳወሰዱ ንህዝቢ ከፈራርሑ ፈቲኖም።

መንእሰያትን ካልእ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብናን ብሓደ ተጠርኒፉ ፡ ስርዓት ህገደፍ ክዕሎ ዝጠልብ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ከስምዑ ውዒሎም ። ካብቶም ሰልፈኛታት ዘቃልሕዎም ዝነበሩ ጭርሖታት እዞም ዝስዕቡ ከም ኣብነት ነቅርብ ፣-

  • ምልካዊ ስርዓት ክዕሎ ህዝባዊ ናዕቢ ነላዓዕሎ ።
  • ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ ፣
  • ሕቶ ህዝቢ ምልጋስ ስርዓት እዩ ፣
  • ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ ብሓባር ተላዓል ፣
  • ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ይበል ፣
  • Enough is Enough the Dictator Must Go.
  • Time for Change – Eritreans Say No to Dictatorship Yes to Democracy.
  • Enough of 20 years Tyranny
  • Isaias It is Time to Step Down

ኣብ መንጎ ጭሮሖታትን መደረን፡  እቲ ወናም ደረፋይ ሑሴን መሓመድ ዓሊ በብዓይነቱ ሃገራውን ሳውራዊ መዝሙራት ብምቅራብ ነቲ ሰለማዊ ሰልፊ ኣድሚቐዎ ውዒሉ።

ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣዚዩ ደኺምሉ ዘሎ እዋን ብፍላይ ድሕሪ ሰንሰለታዊ ውድቐታት ስርዓት ቱንስያን ግብጽን፡፡ እዚ እቲ ፓለቲካውያን ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዘበርከታኦን ገና ዘበርክተኦ ዘለዋ ግደን ርኡይን ዝምጐስን ኮይኑ፡ እዚ ህዝባዊ ምልዕዓል እዚ ግን ካብ ዝኾነ ፓለቲካዊ ዝንባለ ነጻ ኮይኑ፡ ቀንድን ዋና ዕላምኡን ኣብ ሃገርና ለውጢ ንኽመጽእ ዝጠልብ እዩ። ነዚ ምትእኽኻብ እዚ ድማ ኩሉ ዓይነት ምትሕብባር ከምዘድልዮ መግለጺ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

ናይ ዕለት 25 መጋቢት ሰላማዊ ሰልፊ ካብቲ ካልኦት ሰለማዊ ሰልፊ ፍልይ ዘብሎ፦

  • ቅድሚ ሕጂ ተራእዪ ዘይፈልጥ ብኣማኢት ዝቁጸሩ ብዝሒ ካብ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብና ተኻፊልዎ፡
  • ምውህሃድ ኣብ ስደት ዝተወልዱን ሓደስቲ ስደተኛታት መንእሰያትን፡
  • ብኣልጀዚራን ቢ.ቢ.ሲን ሬድዮ ኣሰናን ከምኡውን ፌስ ቡክን፡ ዩቱዩብን ዝተሰነየ ሰለማዊ ሰልፊ ብምንባሩ፡

 

ኣብ መጨረሽታ፡ ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ንምዕዋት ተሳትፋኡ ዘበርከተ ብዙሕ እንዳመስገንና፡ ኣብ ካልእ ንጥፈታት ክሳብ ንራኸብ ኩሉ ካላኣዊ ፍልልያቱ ገዲፉ ብሓደ ክሰርሕ ጻውዒትና ነቕርብ።

ስእልታት ንምርኣይ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠውቁ ፣

https://picasaweb.google.com/Asefaw/LondonDemoMar252011#

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ

ውድቀት ንስርዓት ህግደፍ!

ኣወሃሃዲት ሽማግለ

ዓባይ ብሪጣንያ

25/03/2011

UK


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>