ቅልዕቲ መልእኽቲ ንኹሉ ተቐማጢ ዮተቦሪ

ብሓልዮት ማሕበረ-ሰብ ዮተቦሪ ዝፍኖ ረድዮ  ( ደጋፊ ህግደፍ ) አብ ናይ ቀዳም ዕለት 02 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም መደቡ፣ ሓደ ፓነል አቕሪቡ ምምባሩ ዝዝከር ኢዩ።   አብቲ  ዝቐረበ ፓነል ዝዝረብ  ዝነበረ  ካብ ሓደ ኣእምሮ ዘለዎ ኤርትራዊ ዘይትጽበዮን   ንክትሰምዖ ዘርምምን እዩ ኔሩ።


ተኻፈልቲ እቲ ፓነል ’ውን እንተኾኑ ሰብአዊ ሕልንኦም ዝሸጡን ኤርትራዊ ክብረት ንኸራኽሱ ድሕር ዘይብሉ ውርደተኛታት  ንባዕላቶም ተዋሪዶም ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ክኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዮቶቦሪ  ዘዋርዱ ዝዛረብዎ ዘይፈልጡ  ብሃማትን ዱኹማት ፍጥረትን እዮም። 

ካብቲ ዘገርም ክኣ ስየ አብረሃስ ያእዪ ፈታዊ ወይ ሓላይ  ህዝቢ ኤሪትራ ተቆጺሩስ እቲ  ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ አብቲ ናታትኩም ራድዮ ” አቶ ስየ አብረሃ ከምዝበልዎ “ እንዳበልኩም  አቃሚምኩም  ቅዳሕ ናይቲ  ስየ አብረሃ  ዝበሎ ግዕዘይ  ንሰማዕትኹም  ምቕራብኩም ንህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ውርደት እዩ::

ቅድሚ ናይ ስየ አብርሃ መልእኽቲ አብ ራድዮ ምምሕልላፍኩም ሰየ አብረሃ መን እዩ ኢልኩም ክትሓቱን ንባዕልኹም ተዋሪድኩም ንህዝቢ ኤሪትራ ቅድሚ ምውራድኩም ስየ መን ሙዃኑ ከተጻርዩ ምተገባእኩም ኔሩ። ንመለስ ዜናዊ ስለዝጸረፈልኩም ጥራሕ  ከም ፍትሓውን ደላይ ጽቡቕን ቆጺርኩም መልእኽቲ ስየ አብረሃ ምትሕልላፍኩም አቕረብቲ ናይቲ ረድዮን ተኻፈልቲ ናይቲ ፓነል ስጋዕ ክንደይ ትሑታት ሙኻንኩም ጥራሕ እዩ ዘነጽር::

ስየ አብረሃ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ  ምንባሩን  ኣብቲ  ካብ 1998 – ስጋዕ 2000  ዓ.ም. ዝተኻየደ  መሪር ኲናት ኣብ ምብራር  ኤሪትራውያን  ካብ ኢትዮጵያ  ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምንባሩ ዘይምዝካርኩም ዘገርም እዩ::  ኣብቲ ናይ መጨረሽታ መሪር   ኲናት (ስልሳይ ወራር ) እውን እንተኾነ  ኲናት ብሰላም  ንኸይዓርፍ አስመራ ከይአተና  ኲናት ደው አይነብልን ካብ ዝብሉ ዝነበሩ መራሕቲ ወያኔ ሓደ ምንባሩ ዘንጊዕካ ሎሚ ንመለስ ብምቅዋሙ ጥራሕ አቶ እንዳበልኩም አብ  ራድዮኹም ምስ ክብረት ክትዝርግሑ ምፍታንኩም ኪንዮ ትፋእካ ምልሓስ ጥልመት ነቶም በጃ ሃገር ዝሓለፉ  ሙኻኑ ክበርሃልኩም ይግባእ:: 

አብ ግዜ ሳልሳይ ወራር ዕላማታት ስየ አብረሃ   ንኤርትራ ተቖጻጺርካ  ንህዝቢ ንምንብርኻኽን ከተማታት ኤርትራ  ኣዕኒኻ ነቲ ብኽንደይ መስዋእትን መቑሰልትን ዝተረጋገጸ ናጽነት ኤርትራ ንምጉዕጻጽ እዩ ኔሩ።  እዚ ግን ብሳላ  ከቢድ መስዋእትን ሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራን በዓል ስየ አብረሃ  እቲ ዝተመነይዎ አብ ሕልሚ ጥራሕ ክርእይዎ አገዲድዎም እዩ። 

ምናልባት’ውን ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተባህለን ዝተገብረን  ክርሳዕ ይከአል ይኸውን።  ግና ስየ አብረሃ አብቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ  ቃለ -ምልልስ    ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመተ ዝበሎ ብድዐ  ዳግማይ ብምሕዳስ  ብሓፈሻ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ብፍላይ ድማ አብ ልዕሊ ህዝባዊ ግንባር ዝነበሮን ዘለዎን ጽልኢ ከይሓፈረ  “ንሻዕብያ ፈቴዮም አይፈልጥን ሕጅ’ውን አይፈትዎምን ” ዝበሎን ምስኡ   ኣተሓሕዝ አቢሉ እውን እቲ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት  አስመራ ከይኣተና  ክዓርፍ አይነበሮን ንዝበሎ  አብ ራድዮ ናይ ህግደፋውያን ከም ጽቡቕ ቃል ተቆጺሩ  ምስ አኽብሮትን ኣቶ እንዳተባህለ ምቕራብኩም ታሪኽኩም ዘይምፍላጥን ናይ ሕልና ድኹማት ሙኻንኩም ጥራሕ እዩ ዘነጽር።

ንስኻትኩም እንታይ ትብሉ እንታይ ትሓስቡ፣ ዕላማኹም እንታይ ሙኻኑ ኩሉ ስለዝፈልጦ ብመደባትኩም ዝሕጎስ አይህሉን። ፍተዉ ጽልኡ  መሬት ክወግሕ ሙኻኑ ግን አይትዘንግዑ።

ዝምድና  ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን አብ ንቡር ከምዝምለስ ፍጹም ጥርጥር የብልናን።  እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ንእኒ በዓል ስየ አብረሃ፣

ከምኡ’ውን ህዝቢ ትግራይ ንእኒ በዓል ኢሳያስ አፈወርቂ ይቕረ ክብሎም  ዘይሕሰብ እዩ።  

በዚ ንስኻትኩም  ሕጂ ትገብርዎ  ዘለኹም ጽዩቕ ተግባራት ኩሉ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ሓሊፉ አብ ንቡር ምስ ተመልሰ ንስኻትኩም  ንመዋእልኩም አብ ቅድሚ ህዝቢ ኤሪትራ፣ አብ ቅድሚ ህዝቢ ሽወደንን እንተላይ አብ ቅድሚ ደቅኹም እውን  ክትሓፍሩ ሙዃንኩም አይትረስዑ። 

ሰላምን ፍቅርን ንህዝብታት ኤሪትራን ኢትዮጵያን። 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>